ብሳላ ሰላም በዓላትና ምኽባር ጀሚርና

በዓል ጥምቀት ብዙሕ ትርጉም ሒዙ ዝኽበር በዓል እዩ። ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ትሕትና ዝመሃሩሉ፣ ብእግዚኣብሄር ከምዝኣምኑ ዝእውጁሉ፣ ንሰሃን ድሕንነትን ዝረኽቡሉ ምልክት ኮይኑ ዘገልግል እዩ። ከም ሃገር መልክዕ ክብረ በዓል ብዙሓት ዝኾንና ኢትዮጵያውያን ሕብሪ ፈጢርና ንደምቀሉ ዕለት ብምዃኑ ዓብዩ ቦታ ሂብና ነኽብሮ በዓል እዩ። በዓል ጥምቀትን ትሕትናን ድማ ተፈላልዮም ኣይረአዩን።መላእ ህዝቢ ሃገርና በዚ መንፈስ ከኽብሮ ኣለዎ። ጥምቀት ካብ ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ብተወሳኺ ሓድነት ህዝብታት ዘጎልብትን ህዝባዊ ምትእስሳር ዘጠናኽርን በዓል እንትኾን፤ ኣብቲ በዓል ብዙሓት ባህላዊ ክብርታት ዝንፀባረቑሉ ስለዝኾነ ሰሰናዩን ንሓድነት ህዝቢ ዝጠቕሙን ክብርታቱ ምሕላውን ምልማዕን ዘድልዮ በዓል እዩ። ኣብ በዓል ጥምቀት ብዙሓት በፃሕቲ ናብ ሃገር ዝስሕብ ብምዃኑ ድማ ኢትዮጵያ ካብቲ ዓውዲ ብዙሓት
ኣታውታት ክትረክብ ዘኽእላ በዓል እንትኾን፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ዘይድህሰስ ሓድጊ ዓለም ኮይኑ ኣሎ። እዚ በዓል ኣብ መላእ ሃገር ብድምቀት ዝኽበር በዓል እዩ። ኣብ ትግራይ እውን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት በዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ትግራይ ብዝለዓለ ድምቀት እናተኸበረ ምፅንሑ ዝዝከር እዩ። ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ግን ብሰንኪ ሕማም ኮሮናን ኵናትን ኣብ ኣደባባይ ከይተኸበረ ፀኒሑ እዩ። ናይ ሎሚ ዘበን በዓል ጥምቀት ኣብ ትግራይ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ብድምቀት ከምዝተኸበር ድማ ግልፂ እዩ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ኣብ ክፋል ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኹናት ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ኲናት ጠጠው ኢሉ፤ድምፂ ተኹሲ ጠፊኡ እንሆ ድማ ንፋስ ሰላም ኣብ ትግራይ ምንፋስ ካብ ዝጅምር ልዕሊ ክልተ ወርሒ ኣቑፂሩ ። ህዝቢ እውን ሰላም ምስትምቓር ጀሚሩ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዝነበረ ኲናት ኣሽምባይ’ዶ ናይ ኣደባባይ በዓላት ከኽብር ኣብ ከቢድ ፀገም እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ፀገም ይነብር ምንባሩ እውን ዝፍለጥ እዩ። ሕዚ ግና ኣብ ፕሪቶሪያ ስምምዕነት ሰላም ተፈፂሙ ኲናት ጠጠው ስለዝበለ ካብ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ፀገም እናወፅአ ይርከብ። መንግስቲ ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን የቕርብ ኣሎ። ንህዝቢ መሰረታዊ ግልጋሎት ዝህባ ትካላት ከም እኒ ኢትዮ ቴሌኮም፣ግልጋሎት መብራህቲ፣ባንክታትን ጣብያታት ጥዕናን ሆስፒታላትን ዳግም ግልጋሎት ዝህባሉ ኩነታት ፈጢሩ ኣሎ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ናብ ሽረ እንዳስላሰን መቐለን በረራ ብምጅማር ስድራታት ብኣካል ንክራኸቡ ብምግባር ፀገም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምቅላል ይርከብ። እዚ ኹሉ ዝኾነ ስምምዕነት ሰላም ተፈሪሙ ኲናት ጠጠው ብምባሉ እዩ። እዚ ሰላም ዘላቒ ንክኸውን ድማ ኩሉ ክሰርሕ ይግባእ። ሕዚ እነኽብሮ ዘለና በዓል ጥምቀት ድማ ሰላምና ዝያዳ እነስተማቕረሉ እዩ። ኣብ ኣደባባይ ብናፅነት ወፂእና ሃይማኖታውን ባህላውን ተግባር እቲ በዓል እንፍፅመሉ ኩነታት ብምፍጣሩ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዓብይ ታሕጓስ ከምዝፈጥር ምርዳእ ይከኣል።ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ከም ሃገርን ከም ክልልን በዓል ልደት ተኸቢሩ ኣሎ። እቲ በዓል ድሕሪ ክልተ ዓመት ህዝቢ ሰላም እናስተማቐረ ዘብዐሎ በዓል ኮይኑ እንትሓልፍ በዓል ጥምቀት እውን እናኽበርና ንርከብ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝተረጋገዐ ኩነታት ኮይኑ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ዘኽብሮ ዘሎ ስለዝኾነ ድማ ፍሉይ ይገብሮ።
ኮይኑ እውን እቲ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ቀፃልነት ንክህልዎ ሕዚ እውን ኩሉ ትግራዋይ ንዝረኸባ ሰላም ዋርድያ ኮይኑ ክሕልው ይግባእ።
ሓድነቱን ፍቕሩን ኣጠናኺሩ ምስ መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ሓደ ኮይኑ ንምዕባለ ሃገር ፀኒዑ ጠጠው ክብል ኣለዎ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም