ዓለም ለኸዊ ዜናታት
"ይቕሬታ ፍቕረይ! ኣዝየ ይቕሬታ"
Jul 29, 2024 76
  አዲስ አበባ/ሓምለ/22/2016/ኢዜአ/ኢጣልያዊ ኣትለት ዝላ ጂያንማርኮ ታምቤሪ፡ ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኦሎምፒክ ፓሪስ ቀለበት መርዓኡ ድሕሪ ምጥፋኣ ንበዓልቲ ቤቱ ብወግዒ ይቕሬታ ሓቲቱ። እዚ ወዲ 32 ዓመት ሻምፕዮን ዓለም፡ እታ ኣትሌታት ዝጸዓነት ጃልባ ብሩባ ሴን ትወርድ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ባንዴራ ሃገሩ እናምበልበለ እንተሎ እያ ቀለበቱ ካብ ኣጻብዕቱ ሞሊቓቶ። "ይቕሬታ ፍቕረይ! ኣዝየ ይቕሬታ" ክብል እውን በዓልቲ ቤቱ ቺያራ ቦንተምፒ ታምቤሪ ይቕረታ ክትገብረሉ ኣብ ኢንስታግራም ብወግሒ ሓቲቱ። እቲ ኣትሌት ነቲ ዘጋጠመ ምጥፋእ ቀለበቱ፡ ኣብ ሰብነቱ "ብዙሕ ኪሎ ምጉዳሉ"ን “ዘይሓላፍነታዊ ስምዒታውነት”ን ከም ምኽንያት ኣቐምጡ። "ክኸውን እንተኾይኑ፤ ነዛ ቀለበት ክስእና እንተኾይነ ካብዚ ዝሓሸ ካልእ ቦታ ክሓስብ ኣይክእልን እየ" ክብል ዝጸሓፈ እቲ ኣትሌት፡ ሕዚ እታ ቀለበት "ንዘልኣለም ኣብ ሩባ እታ ናይ ፍቕሪ ከተማ ክትነብር እያ" ኢሉ። ቀለበት በዓልቲ ገዝኡ ቺያራ'ውን ኣብቲ ሩባ ክድርብይዋ ሓሳብ ከምዘቕረበ ተገሊጹ’ሎ። "[ድሕሪኡ] ንዘልኣለም ብሓባር ክነብራ እየን። ቃልና ኣሐዲስና ዳግማይ ክንምርዖ ድማ ሓደ ተወሳኺ መመኽነይታ ክህልወና'ዩ" ክብል ገሊጹ። ቺያራ ኣብ ትሕቲ እቲ በዓልቤታ ዝጸሓፎ ይቕሬታ "ነዚ ክስተት ናብ ፍቕራዊ ኵነታት ክትቅይሮ እትኽእል ንስኻ ጥራይ ኢኻ" ክትብል መልሲ ኣስፊራ። እዞም መጻምዲ ኣብ መስከረም 2022 መርዓ ድሕሪ ምፍጻሞም ኣብ ሓዳር ይርከቡ። ታምቤሪ ምስታ ሰለስተ ግዜ ተዓዋቲት መዳልያ ኦሎምፒክ ዝኾነት ኣርያና ኤሪጎ ባንዴራ ኢጣልያ እናምበልበለ እንከሎ እዩ ቀለበቱ ወዲቓ ኣብቲ ሩባ ዝተሰወረት። ንሱ ኣብ ጸወታታት ቶክዮ 2020 ቀልቢ ማዕከናት ዜና ዝሰሓበሉ ምኽንያት፡ ምስ ቀጠራዊ ሙታዝ ኤሳ ባርሺም ናይ ብራኸ ዝላ ወርቂ መዳልያ ብሓባር ድሕሪ ምምቓሉ እዩ ነይሩ። ካብ 2011 ጀሚሩ ከኣ ኣብ እዋን ውድድራት ፍርቂ ዝተላጽየ ቅዲ ጭሕሙ ከም "መፍለዪ ምልክት" ብምግባሩ'ውን ኣቓልቦ ዝሰሓበ ኣትሌት ክኸውን ክኢሉ።
ኣውስትራልያ ስብርባር ናይታ ቅድሚ 55 ዓመታት ዝጠሓለትን 21 ሰባት ዝሞቱላን መርከብ ኤምቪ ኑንጋህ ረኺባ
Jul 25, 2024 61
  አዲስ አበባ/ሓምለ/18/2016/ኢዜአ/ እታ 71 ሜትሮ ዝንውሓታ ናይ ጽዕነት መርከብ ብ1969 ኣብ ገማግም ባሕሪ ኒው ሳውዝ ዌልስ ሓጺን ጽዒና ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብዘጋጠማ ህቦብላዊ ኵነታት ኣየር ከምዝጠሓለት ይግለጽ። እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ኣውስትራልያ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ኣለሻ ትሕቲ ባሕሪ ክካየድ ምኽንያት ኰይኑ። ካብቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ 26 ሰራሕተኛታት እቶም ሓሙሽተ ሽዑ ሓደጋ ካብ ዘጋጥም ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ካብ ማይ ክወጽኡ እንተለዉ፤ ካብቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ ግን ሓደ አስከሬን ጥራይ እዩ ተረኺቡ። ሕዚ ድማ ትካል ሳይንስ ኣውስትራልያ ዝለዓለ ደረጃ ጽርየት ዘለዎ ካርታ ትሕቲ ባሕሪን ቪድዮን ተጠቒሙ ስብርባር ናይታ መርከብ ዝርከበሉ ኵነታት ኣነጺሩ ኣሎ። እታ መርከብ ብ25 ነሓሰ 1969 ናይ ሓደጋ ምልክት ምስ ሰደደት ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ኣብቲ ዓሚቝ ባሕሪ ጥሒላ። ሽዑ ንጉሳዊ ሓይሊ ባሕሪ ኣውስትራልያ፡ ነፈርቲ፡ ሄሊኮፕተራትን ካልኦት ብርክት ዝበላ መራኽብን ሰፊሕ ምድላይ ከካይዳ ጀሚረን። ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን እውን ዝዀነ ምልክት ናይ ዝደሓኑ ሰባት ንምርካብ ሓያል ጻዕሪ ኣካይዶም። ኣብ ዝቐጸሉ 12 ሰዓታት ከኣ ክልተ ሰባት ኣብ ክልተ ዝተፈላለያ ጀላቡ ህይወት ኣድሕን ካልኦት ሰለስተ ድማ ኣብ ጣውላ ዕንጸይቲ ተጣቢቘም ከም ዝረኸቡ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን ነይረን። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ከኣ ዕጫ ዝተረፉ ሰራሕተኛታትን ባዕላ እታ መርከብን ምስጢር ኰይኑ ጸኒሑ። ነበርቲ እቲ ከባቢ ቅድሚ ዓመታት ኣብ ዓሚቝ ማይ ገማግም ባሕሪ ሳውዝ ዌስት ሮክስ - ኣስታት 460 ኪ.ሜ (286 ማይልስ) ንሰሜን ካብ ሲድኒ - ስብርባር ኣካል መርከብ ብምርኣዮም ንሰበስልጣን ሓቢሮም። ንነዊሕ እዋን ኣካል ናይታ ኖንጋህ ዝተበሃለት መርከብ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ጥርጣረታት'ኳ እንተነበረ፡ ነታ መርከብ ንምልላይ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ወይ ናይ ምጥላቕ ፍልጠት ግን ኣይተረኽበን ጸኒሑ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግን ብትካል ሳይንሳዊን ኢንዱስትርያዊን ምርምር ሓባራዊ ሃብቲ እትውነን ዝለዓለ ቴክኖሎጂ ዘለዋ መርከብ ተወሳኺ መርመራ ክትገብር ተላኢኻ። ሽዑ ነታ ዝዓነወት መርከብ ዝዓበየ ኣካላ ከምዘይተበላሸወትን ኣብ 170 ሜትሮ ትሕቲ ባሕሪ ትኽ ኢላ ኮፍ ኢላ ረኺቦማ። ኵሎም ቀንዲ ምልክታታ ከኣ ምስ መርከብ ኖንጋህ ዝሰማማዕ ከምዝነበረ እቲ ትካል ገሊጹ። ኣብዚ ሕዚ፡ ካብቲ ቦታ ተወሳኺ ምስልታት ንምእካብ ናይ ምጥላቕ መደብ ዝተትሓዘ ኰይኑ እዚ ድማ እታ መርከብ እንታይ ኰይና ከም ዝጠሓለት ዘረድእ አፋፍኖት ክህብ ተስፋ ይግበር። "እዚ ዘሕዝን ፍጻመ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝኽሪ ብዙሓት ክፋል ሕብረተሰብ ዘሎ’ዩ" ይብል ማት ኪምበር ካብ ትካል ሳይንሳዊን ኢንዱስትርያዊን ሓባራዊ ሃብቲ ምርምር። ኣባላት ስድራቤት እቶም ሰራሕተኛታት ንኮርፖሬሽን ብሮድካስት ኣውስትራልያ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ርኽበት እፎይታ ዝህብ ምዃኑ ገሊጾም። “ኵሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮይ’ዩ ነይሩ” ትብል ፓሜላ ሄንዲ - በዓልቲ ቤት ካፒተን ሊዮ ቦትስማን። ከም ፀብፀብ ቢቢሲ።
“ሓደሽቲ ሓሳባት ምህዞ ፋይናንስ ብምሕንፃፅ ፀገማትና ብሓባር ክንፈትሕ ኣለና”- ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ሚኒስትር ገንዘብ
Jul 22, 2024 61
  አዲስ አበባ/ሓምለ/15/2016/ኢዜአ/ሓደሽቲ ሓሳባት ምህዞ ፋይናንስ ብምሕንፃፅ ፀገማትና ብሓባር ክንፈትሕ ኣለና ክብሉ ሚኒስትር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዓለም ለኸ ፋይናንስ ንልምዓት መደረ ዝገበሩ ኣይተ ኣህመድ ሽዴ፤ እዚ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ምክያዱ ንዕዉትነት ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ዓብዪ ኣበርክቶ ይህልዎ ኢሎም። ኢትዮጵያ ብባህልን ታሪኽን ሃፍታም ሃገር ምዃና ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ኣብ ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት፣ ምንካይ ድኽነት፣ ኣብ ዘፈራት ትምህርቲ፣ ጥዕናን ኻልኦትን ዘተባብዑ ውፅኢታት እናመዝገበት ምዃና ተዛሪቦም። በቢዓመቱ ብሚሊዮን ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን እናተሳተፉሉ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር ንዘፈር ግብርና ብምጥንኻር፣ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር፣ ነባሪ ኣየር ንዜጋታት ምቹው ንክኸውን ብምግባር ናይ ዓርሱ ኣበርክቶ እናበርከተ ይርከብ ኢሎም። ሓደሽቲ ሓሳባት ምህዞ ብምፍጣር፣ ንውልቃዊ ዘፈር ብምንቅስቓስ ፀገማት ምፍታሕ ከምዘድሊ ኣይተ ኣሕመድ ሓቢሮም።
ኣብ ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ውህደት ኢኮኖሚ ንኽቀላጠፍን ጠለብ ዜጋታት እታ ኣህጉር ክዕወትን ተሓቲቱ
Jul 22, 2024 60
  ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/15/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ውህደት ኢኮኖሚ ንኽቀላጠፍን ጠለብ ዜጋታት እታ ኣህጉር ክዕወትን ተሓቲቱ፡፡ ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ጉጅለ 20ን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን (ውሕመ) ቅድሚ ምርኻቡ፤ ኣብ ውህደት ኣፍሪካ ንምዝታይን ሓደ ውፁእ ቅዋም ንመሓዝን ኣብ ጋና ምይይጥ ተገይሩ። ኣብቲ እዋን ዘተ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እቲ እዋን ዝኾኑ ፕሬዚዳንት ሞሪታኒያ ሪፐብሊክ መሓመድ ኡልድ ጋዙዋኒ ከይዲ ውህደት ኣህጉራዊ ኢኮኖሚ ንኽቀላጠፍ ኣታሓሳሲቦም፡፡ እዚ ድማ እታ ኣህጉር ንምሕጋዝን ጠለብ ዜጋታት ንምዕዋትን ኢኮኖሚያዊ ውህደት ምቅልጣፍ ኣድላዪ ከምዝኾነ ሓቢሮም። ከይዲ እቲ ውህደት ንምድጋፍ ድማ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ፕሮጀክታት ቀረብ ፋይናንስ ዘድሀበ ዘተ ተኻይዱ፡፡ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ብግደኦም፥ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ኣብ ቀፃሊ ምስ ዓለም ለኸ መሓዙት ዝህልዉወን ርክባት ኣብ ኣህጉራዊ ሓበራዊ ጠለብ ዝተመስረተ ንኽኸውን ኣገንዚቦም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ሕብረት ኣፍሪካ ኣባል ኣብ ዝኾነሎም ጉጅለ 20 ሓዊሱ ኣብ ዓበይቲ ዓለም ለኸ መድረኻት ብሓደ ድምፂ ምዝራብ ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ኣመላኺቶም፡፡
መበል 17 ፀወታ ፅዋዕ ኣውሮፓ በቲ ዝተቐመጠሉ ሰደቓ ቀፂሉ አሎ
Jul 1, 2024 74
  ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/24/ 2016 /ኢዜአ /ኣብ መበል 17 ፀወታ ፅዋዕ ኣውሮፓ፥ ስፔን ብሰፊሕ ኣፈላላይ ንጆርጂያ ስዒራታ። ስፔን ንጆርጂያ 4 ን 1 ብምስዓር ኢያ ካብቲ ፅዋዕ ወፃእ ገይረታ። ብመሰረት እዚ ስፔን ናብ ርብዒ ፍፃመ ተፀንቢራ። ስፔን ኣብ ርብዒ ፍፃመ ምስ ኣሰናዳኢት ፅዋዕ ኣውሮፓ ዝኾነት ጀርመን ክትጋጠም ኢያ። ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ፥ ስዊዘርላንድ፣ ጀርመን፣ እንግሊዝን ስፔንን ናብ ርብዒ ፍፃመ ዝተፀንበራ ሃገራት ኮይነን ኣለዋ። ብካልእ ዜና እንግሊዝ ንስሎቫኪያ 2 ን 1 ብምስዓር ናብ ርብዒ ፍፃመ ሓሊፋ ኣብ መበል 17 ፀወታ ፅዋዕ ኣውሮፓ እንግሊዝ ንስሎቫኪያ 2 ን 1 ብምስዓር ናብ ርብዒ ፍፃመ ሓሊፋ። ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ኣውዲቕካ ምሕላፍ፥ እንግሊዝ 1 ን 0 እናተመርሐት ፀኒሓ ኣብ ተወሳኺ ሰዓት ሸቶ ብምምዝጋባ ብሓደ ማዕረ ውፅኢት ናብ ተወሳኺ መፍለዪ ሰዓት ክተምርሕ ክኢላ። እንግሊዝ ንኽትዕወት ቤሊንግሃም ኣብ መበል 90+5 ደቒቕ፣ ሃሪ ኬን ኣብ ተወሳኺ መፍለዪ ሰዓት እንተመዝግቡ፤ ንስሎቫኪያ ካብ ስዕረት ዘየድሐነት ሸቶ ድማ ሽራንዝ ኣመዝጊቡዋ። ዓወት ዝቐንዓ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ኣብ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ምስ ስዊዘርላንድ ክትራኸብ ኢያ።
 መበል 17 ውድድር ፅዋዕ ኣውሮፓ ቐፂሉ አሎ
Jun 27, 2024 110
  ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/20/ 2016 /ኢዜአ/ሮማኒያ፣ ቤልጂየምን ስሎቫኪያን ናብ ናብ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ እንትፅምበራ ዩክሬን ተሳናባቲት ኮይና። ኣብ መበል 17 ውድድር ፅዋዕ ኣውሮፓ ኣብ ምድብ 5 ዝተደልደላ ሃገራዊ ጋንታታት ስሎቫኪያን ሮማኒያን ሓደ ማዕረ እንተፈላለያ፥ ቤልጂየም ምስ ዩክሬን ዝገበረኦ ፀወታ እውን ባዶ ንብዶ ተፈላሊየን። ውፅኢት እቶም ፀወታታት ስዒቡ ዩክሬን ኣርባዕተ ነጥቢ ብመሓዝ ካብቲ ውድድር ዝተሰናበተት ሃገር ኮይና፡፡ ብተዛማዲ ጆርጂያ ንፖርቹጋል ብምስዓር ናብ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ተፀምቢራ ኣብ መበል 17 ፀወታ ፅዋዕ ኣውሮፓ ሃገራዊት ጋንታ ጆርጂያ ንፖርቹጋል ብምስዓራ ንቱርኪን ፖርቹጋልን ስዒባ ናብ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ተሓዊሳ። ኣብ ምድብ ሽዱሽተ ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ ጆርጂያን ፖርቹጋልን ብዓወት ጆርጂያ 2 ን 0 ተዛዚሙ። ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ቱርኪን ቼክ ሪፐብሊክን ድማ ሃገራዊት ጋንታ ቱርኪ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ። ብመሰረት እዚ ኣቐዲማ ምሕላፋ ዘረጋገፀት ፖርቹጋል ብሽዱሽተ ነጥቢ ቀዳመይቲ፣ ቱርኪ ብተመሳሳሊ ሽዱሽተ ነጥቢ ካልኣይቲን ጆርጂያን ድማ ብኣርባዕተ ነጥቢ ሳልሳይቲን ብምዃን ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ክፅምበራ ክኢለን።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም