ዓለም ለኸዊ ዜናታት - ኢዜአ ትግርኛ
ዓለም ለኸዊ ዜናታት
"ይቕሬታ ፍቕረይ! ኣዝየ ይቕሬታ"
Jul 29, 2024 76
አዲስ አበባ/ሓምለ/22/2016/ኢዜአ/ኢጣልያዊ ኣትለት ዝላ ጂያንማርኮ ታምቤሪ፡ ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኦሎምፒክ ፓሪስ ቀለበት መርዓኡ ድሕሪ ምጥፋኣ ንበዓልቲ ቤቱ ብወግዒ ይቕሬታ ሓቲቱ። እዚ ወዲ 32 ዓመት ሻምፕዮን ዓለም፡ እታ ኣትሌታት ዝጸዓነት ጃልባ ብሩባ ሴን ትወርድ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ባንዴራ ሃገሩ እናምበልበለ እንተሎ እያ ቀለበቱ ካብ ኣጻብዕቱ ሞሊቓቶ። "ይቕሬታ ፍቕረይ! ኣዝየ ይቕሬታ" ክብል እውን በዓልቲ ቤቱ ቺያራ ቦንተምፒ ታምቤሪ ይቕረታ ክትገብረሉ ኣብ ኢንስታግራም ብወግሒ ሓቲቱ። እቲ ኣትሌት ነቲ ዘጋጠመ ምጥፋእ ቀለበቱ፡ ኣብ ሰብነቱ "ብዙሕ ኪሎ ምጉዳሉ"ን “ዘይሓላፍነታዊ ስምዒታውነት”ን ከም ምኽንያት ኣቐምጡ። "ክኸውን እንተኾይኑ፤ ነዛ ቀለበት ክስእና እንተኾይነ ካብዚ ዝሓሸ ካልእ ቦታ ክሓስብ ኣይክእልን እየ" ክብል ዝጸሓፈ እቲ ኣትሌት፡ ሕዚ እታ ቀለበት "ንዘልኣለም ኣብ ሩባ እታ ናይ ፍቕሪ ከተማ ክትነብር እያ" ኢሉ። ቀለበት በዓልቲ ገዝኡ ቺያራ'ውን ኣብቲ ሩባ ክድርብይዋ ሓሳብ ከምዘቕረበ ተገሊጹ’ሎ። "[ድሕሪኡ] ንዘልኣለም ብሓባር ክነብራ እየን። ቃልና ኣሐዲስና ዳግማይ ክንምርዖ ድማ ሓደ ተወሳኺ መመኽነይታ ክህልወና'ዩ" ክብል ገሊጹ። ቺያራ ኣብ ትሕቲ እቲ በዓልቤታ ዝጸሓፎ ይቕሬታ "ነዚ ክስተት ናብ ፍቕራዊ ኵነታት ክትቅይሮ እትኽእል ንስኻ ጥራይ ኢኻ" ክትብል መልሲ ኣስፊራ። እዞም መጻምዲ ኣብ መስከረም 2022 መርዓ ድሕሪ ምፍጻሞም ኣብ ሓዳር ይርከቡ። ታምቤሪ ምስታ ሰለስተ ግዜ ተዓዋቲት መዳልያ ኦሎምፒክ ዝኾነት ኣርያና ኤሪጎ ባንዴራ ኢጣልያ እናምበልበለ እንከሎ እዩ ቀለበቱ ወዲቓ ኣብቲ ሩባ ዝተሰወረት። ንሱ ኣብ ጸወታታት ቶክዮ 2020 ቀልቢ ማዕከናት ዜና ዝሰሓበሉ ምኽንያት፡ ምስ ቀጠራዊ ሙታዝ ኤሳ ባርሺም ናይ ብራኸ ዝላ ወርቂ መዳልያ ብሓባር ድሕሪ ምምቓሉ እዩ ነይሩ። ካብ 2011 ጀሚሩ ከኣ ኣብ እዋን ውድድራት ፍርቂ ዝተላጽየ ቅዲ ጭሕሙ ከም "መፍለዪ ምልክት" ብምግባሩ'ውን ኣቓልቦ ዝሰሓበ ኣትሌት ክኸውን ክኢሉ።
ገዘፍ ሰፖርታዊ ምንቐስቓስ ፀወታታት ፓሪስ ኦሊምፒክ ሎሚ ብዐሊ ክጅመር እዩ
Jul 26, 2024 103
አዲስ አበባ/ ሓምለ/ 19/2016(ኢዜአ)፦ መበል 33ገዘፍ ሰፖርታዊ ምንቐስቓስ ፀወታታት ፓሪስ ኦሊምፒክ ሎሚ ብዐሊ ክጅመር እዩ። ናይ ሎሚ ዘመን መኸፈቲ ስነ ስርዓት ፀወታ ኦሎምፒክ አብ ታሪኸ ውድድር ንመጀመርታ ግዘ ካብ ስታዲዮም ወፃኢ አብ ዋሓዚ ሩባ ክግበር እዩ ። አብ ፀወታታት ኦሎምፒክ ካብ 203 ሃገራት ዝተወፃፅኡ 10 ሽሕን 500 አትሌታት ብ32 ዓይነታት ስፖርት ከም ዝወዳደሩ ዓለም ለኸ መረዳእታ ኮሚቴ ኦሎምፒክ የመላኸት። ካብ እዘን ዝተፀርሓ ሃገራት ብተወሳኺ አብ ትሕቲ ፅላል ኮሚቴ ኦሎምፒክ ብሕታውያን አትሌታትን ጉጅለ ስደተኛታት ኦሎምፒክን ክሳተፉ እዮም። ብአቆፃፅራ ሳዓት ኢትዮጵያ ሎሚ ምሸት ካብ 2 ሳዓት 30 ጀሚሩ ክካየድ እዩ
ኣውስትራልያ ስብርባር ናይታ ቅድሚ 55 ዓመታት ዝጠሓለትን 21 ሰባት ዝሞቱላን መርከብ ኤምቪ ኑንጋህ ረኺባ
Jul 25, 2024 61
አዲስ አበባ/ሓምለ/18/2016/ኢዜአ/ እታ 71 ሜትሮ ዝንውሓታ ናይ ጽዕነት መርከብ ብ1969 ኣብ ገማግም ባሕሪ ኒው ሳውዝ ዌልስ ሓጺን ጽዒና ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብዘጋጠማ ህቦብላዊ ኵነታት ኣየር ከምዝጠሓለት ይግለጽ። እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ኣውስትራልያ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ኣለሻ ትሕቲ ባሕሪ ክካየድ ምኽንያት ኰይኑ። ካብቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ 26 ሰራሕተኛታት እቶም ሓሙሽተ ሽዑ ሓደጋ ካብ ዘጋጥም ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ካብ ማይ ክወጽኡ እንተለዉ፤ ካብቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ ግን ሓደ አስከሬን ጥራይ እዩ ተረኺቡ። ሕዚ ድማ ትካል ሳይንስ ኣውስትራልያ ዝለዓለ ደረጃ ጽርየት ዘለዎ ካርታ ትሕቲ ባሕሪን ቪድዮን ተጠቒሙ ስብርባር ናይታ መርከብ ዝርከበሉ ኵነታት ኣነጺሩ ኣሎ። እታ መርከብ ብ25 ነሓሰ 1969 ናይ ሓደጋ ምልክት ምስ ሰደደት ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ኣብቲ ዓሚቝ ባሕሪ ጥሒላ። ሽዑ ንጉሳዊ ሓይሊ ባሕሪ ኣውስትራልያ፡ ነፈርቲ፡ ሄሊኮፕተራትን ካልኦት ብርክት ዝበላ መራኽብን ሰፊሕ ምድላይ ከካይዳ ጀሚረን። ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን እውን ዝዀነ ምልክት ናይ ዝደሓኑ ሰባት ንምርካብ ሓያል ጻዕሪ ኣካይዶም። ኣብ ዝቐጸሉ 12 ሰዓታት ከኣ ክልተ ሰባት ኣብ ክልተ ዝተፈላለያ ጀላቡ ህይወት ኣድሕን ካልኦት ሰለስተ ድማ ኣብ ጣውላ ዕንጸይቲ ተጣቢቘም ከም ዝረኸቡ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን ነይረን። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ከኣ ዕጫ ዝተረፉ ሰራሕተኛታትን ባዕላ እታ መርከብን ምስጢር ኰይኑ ጸኒሑ። ነበርቲ እቲ ከባቢ ቅድሚ ዓመታት ኣብ ዓሚቝ ማይ ገማግም ባሕሪ ሳውዝ ዌስት ሮክስ - ኣስታት 460 ኪ.ሜ (286 ማይልስ) ንሰሜን ካብ ሲድኒ - ስብርባር ኣካል መርከብ ብምርኣዮም ንሰበስልጣን ሓቢሮም። ንነዊሕ እዋን ኣካል ናይታ ኖንጋህ ዝተበሃለት መርከብ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ጥርጣረታት'ኳ እንተነበረ፡ ነታ መርከብ ንምልላይ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ወይ ናይ ምጥላቕ ፍልጠት ግን ኣይተረኽበን ጸኒሑ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግን ብትካል ሳይንሳዊን ኢንዱስትርያዊን ምርምር ሓባራዊ ሃብቲ እትውነን ዝለዓለ ቴክኖሎጂ ዘለዋ መርከብ ተወሳኺ መርመራ ክትገብር ተላኢኻ። ሽዑ ነታ ዝዓነወት መርከብ ዝዓበየ ኣካላ ከምዘይተበላሸወትን ኣብ 170 ሜትሮ ትሕቲ ባሕሪ ትኽ ኢላ ኮፍ ኢላ ረኺቦማ። ኵሎም ቀንዲ ምልክታታ ከኣ ምስ መርከብ ኖንጋህ ዝሰማማዕ ከምዝነበረ እቲ ትካል ገሊጹ። ኣብዚ ሕዚ፡ ካብቲ ቦታ ተወሳኺ ምስልታት ንምእካብ ናይ ምጥላቕ መደብ ዝተትሓዘ ኰይኑ እዚ ድማ እታ መርከብ እንታይ ኰይና ከም ዝጠሓለት ዘረድእ አፋፍኖት ክህብ ተስፋ ይግበር። "እዚ ዘሕዝን ፍጻመ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝኽሪ ብዙሓት ክፋል ሕብረተሰብ ዘሎ’ዩ" ይብል ማት ኪምበር ካብ ትካል ሳይንሳዊን ኢንዱስትርያዊን ሓባራዊ ሃብቲ ምርምር። ኣባላት ስድራቤት እቶም ሰራሕተኛታት ንኮርፖሬሽን ብሮድካስት ኣውስትራልያ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ርኽበት እፎይታ ዝህብ ምዃኑ ገሊጾም። “ኵሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮይ’ዩ ነይሩ” ትብል ፓሜላ ሄንዲ - በዓልቲ ቤት ካፒተን ሊዮ ቦትስማን። ከም ፀብፀብ ቢቢሲ።
“ሓደሽቲ ሓሳባት ምህዞ ፋይናንስ ብምሕንፃፅ ፀገማትና ብሓባር ክንፈትሕ ኣለና”- ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ሚኒስትር ገንዘብ
Jul 22, 2024 61
አዲስ አበባ/ሓምለ/15/2016/ኢዜአ/ሓደሽቲ ሓሳባት ምህዞ ፋይናንስ ብምሕንፃፅ ፀገማትና ብሓባር ክንፈትሕ ኣለና ክብሉ ሚኒስትር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዓለም ለኸ ፋይናንስ ንልምዓት መደረ ዝገበሩ ኣይተ ኣህመድ ሽዴ፤ እዚ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ምክያዱ ንዕዉትነት ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ዓብዪ ኣበርክቶ ይህልዎ ኢሎም። ኢትዮጵያ ብባህልን ታሪኽን ሃፍታም ሃገር ምዃና ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ኣብ ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት፣ ምንካይ ድኽነት፣ ኣብ ዘፈራት ትምህርቲ፣ ጥዕናን ኻልኦትን ዘተባብዑ ውፅኢታት እናመዝገበት ምዃና ተዛሪቦም። በቢዓመቱ ብሚሊዮን ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን እናተሳተፉሉ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር ንዘፈር ግብርና ብምጥንኻር፣ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር፣ ነባሪ ኣየር ንዜጋታት ምቹው ንክኸውን ብምግባር ናይ ዓርሱ ኣበርክቶ እናበርከተ ይርከብ ኢሎም። ሓደሽቲ ሓሳባት ምህዞ ብምፍጣር፣ ንውልቃዊ ዘፈር ብምንቅስቓስ ፀገማት ምፍታሕ ከምዘድሊ ኣይተ ኣሕመድ ሓቢሮም።
4ይ ቅድመ ጉባኤ ፋይናንስ ንልምዓት ውሕመ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ አሎ
Jul 22, 2024 64
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/15/ 2016 /ኢዜአ/4ይ ቅድመ ጉባኤ ፋይናንስ ንልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። እቲ ጉባኤ ኣብ ዝህልዎ ናይ ሓሙሽተ መዓልቲታት ፃንሒት÷ ኣፈፃፅማ ዘላቂ ሸቶታት ልምዓት 2030 ውሕመን ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት ዝተፈረመ ስምምዕነት ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ ትግበራን ከምዝግምግም ትጽቢት ይግበር። ኣብ ስፔን ካብ ዝካየድ 4ይ ዋና ጉባኤ ፋይናንስ ንልምዓት ኣቐዲሙ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ። ኣብቲ ቅድመ ጉባኤ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴን ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ውሕመ ከምኡ እውን ሚኒስትራት ፋይናንስ ኣባል ሃገራት እናተሳተፉ ይርከቡ።
ኣብ ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ውህደት ኢኮኖሚ ንኽቀላጠፍን ጠለብ ዜጋታት እታ ኣህጉር ክዕወትን ተሓቲቱ
Jul 22, 2024 60
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/15/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ውህደት ኢኮኖሚ ንኽቀላጠፍን ጠለብ ዜጋታት እታ ኣህጉር ክዕወትን ተሓቲቱ፡፡ ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ጉጅለ 20ን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን (ውሕመ) ቅድሚ ምርኻቡ፤ ኣብ ውህደት ኣፍሪካ ንምዝታይን ሓደ ውፁእ ቅዋም ንመሓዝን ኣብ ጋና ምይይጥ ተገይሩ። ኣብቲ እዋን ዘተ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እቲ እዋን ዝኾኑ ፕሬዚዳንት ሞሪታኒያ ሪፐብሊክ መሓመድ ኡልድ ጋዙዋኒ ከይዲ ውህደት ኣህጉራዊ ኢኮኖሚ ንኽቀላጠፍ ኣታሓሳሲቦም፡፡ እዚ ድማ እታ ኣህጉር ንምሕጋዝን ጠለብ ዜጋታት ንምዕዋትን ኢኮኖሚያዊ ውህደት ምቅልጣፍ ኣድላዪ ከምዝኾነ ሓቢሮም። ከይዲ እቲ ውህደት ንምድጋፍ ድማ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ፕሮጀክታት ቀረብ ፋይናንስ ዘድሀበ ዘተ ተኻይዱ፡፡ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ብግደኦም፥ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ኣብ ቀፃሊ ምስ ዓለም ለኸ መሓዙት ዝህልዉወን ርክባት ኣብ ኣህጉራዊ ሓበራዊ ጠለብ ዝተመስረተ ንኽኸውን ኣገንዚቦም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ሕብረት ኣፍሪካ ኣባል ኣብ ዝኾነሎም ጉጅለ 20 ሓዊሱ ኣብ ዓበይቲ ዓለም ለኸ መድረኻት ብሓደ ድምፂ ምዝራብ ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ኣመላኺቶም፡፡
ፅዋዕ ዩሮ 2024 ተዛዚሙ -ስፔን ወናኒት ፅዋዕ ዩሮ ኮይና ተመዚዛ
Jul 15, 2024 102
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/8/ 2016 /ኢዜአ/ ኣብ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ፥ ስፔን ትማሊ ምሸት ሰዓት 4 ምስ እንግሊዝ ኣብ ዝገበረቶ ንመበል ራብዓይ ግዘ ተዓዋቲት ፅዋዕ ዩሮ 2024 ብምዃን ተዓዊታ። እቲ ፀወታ ኣብ ስታድየም ኦሎምፒያ በርሊን ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ልዕሊ 74 ሽሕ ደጋፊ ኣትዩ ተኸታቲሉዎ። ስፔይን ንእንግሊዝ፣ ፈረንሳይን ኔዘርላንድስን ብተመሳሳሊ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ኢያ ናብ ፅዋዕ መን ወሰደ በፂሓ። ሃገረ ጀርመን ዘሰናደየቶ ፀወታ ዩሮ 2024፥ ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ስፔን ተኸንቢቱ። ስፔይን ኣብ ዝገበረቶ ፀወታ፥ ኒኮ ዊልያምን ሚካኤል ኦይራዛባልን ንሕድሕዶም ብዘቑፀርወን 2 ሸቶታት ኣብ ልዕሊ እንግሊዝ 2 ን 1 ተዓዊታ። ንእንግሊዝ ካብ ስዕረት ዘየናገፈት ብሕታዊት ሸቶ ድማ ኮል ፓልመር ኣቑፂሩዋ።
እንግሊዝ ንኔዘርላንድስ 2 ን 1 ብምስዓር ናብ ፅዋዕ መን ዓተረ ሓሊፋ
Jul 11, 2024 116
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/4/ 2016 /ኢዜአ/ ትማሊ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ዝተገበረ ፀወታ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ፥ እንግሊዝ ንኔዘርላንድስ(ሆላድ) 2 ን 1 ብምስዓር ናብ ፅዋዕ መን ወሰደ ሓሊፋ። ብመሰረት እዚ እንግሊዝን ስፔይን ናብ ፀወታ ፍፃመ ዝሓለፋ እንትኾና፥ ክልቲአን ብሄራዊ ጋንታታት ዝገብርኡ ፀወታ ብርቱዕ ንሕንሕ ዝተመልኦ ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ ካብ አግኡ ተተንብዩ አሎ።
ምስ ስፔን ኣብ ፀወታ ፍፃመ ፅዋዕ ኣውሮፓ ዝጋጠም ብሄራዊ ጋንታ ሎሚ ምሸት ሳዓት 4 አብ ዝካየድ ፀወታ ክልለ ኢዩ
Jul 10, 2024 123
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/ 3/2016 /ኢዜአ/ምስ ስፔን ኣብ ፀወታ ፍፃመ ፅዋዕ ኣውሮፓ ዝጋጠም ብሄራዊ ጋንታ ሎሚ እንግሊዝን ኔዘርላንድስ (ሆላንድ)ን ኣብ ዝገብርኡ ፀወታ ክልለ ኢዩ። እንግሊዝን ኔዘርላንድስ (ሆላንድ)ን ፀወታ ፈርቂ ፍፃመ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ስታዲየም ሲግናል ኢዱና ፓርክ ከካይዳ ኢየን። ኣብ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ፥ እንግሊዝ ንስዊዘርላንድ፣ ኔዘርላንድስ ንቱርክ ብምስዓር ናብ ፈርቂ ፍፃመ ምፅንባረን ይዝከር። ትማሊ ኣብ ዝተሳለጠ ፀወታ ናብ ፍፃመ መን ሓለፈ፥ ስፔን ኣብ ልዕሊ ፈረንሳይ 2 ን1 በዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ ኢያ። ስለዚ ምስ ስፔን ኣብ ፀወታ ፍፃመ ፅዋዕ ኣውሮፓ ዝጋጠም ብሄራዊ ጋንታ ሎሚ ምሸት ክልለ ኢዩ።
ስፔንን ፈረንሳይን ሎሚ ምሽት ሳዓት ዓርባዕተ ናብ ፍርቂ ፍፃመ መን ሓለፈ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን
Jul 9, 2024 117
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/2/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ ፀወታ ናብ ፍርቂ ፍፃመ መንሓለፈ ሎሚ መዓልቲ ክጅመር ኢዩ። ኣብቲ ሰዓት 4 ምሸት ዝካየድ ፀወታ፥ ስፔንን ፈረንሳይን ክጋጠማ ኢየን። እተን ሃገራት፥ 75 ሺሕን 24 ተዓዛቢ ኣብ ዘተኣናግድ ስታዲየም ኣሊያንዝ ኣሬና ኢየን ፀወተአን ከካይዳ። ልዑል ንሕንሕ ኣብ ዝተርኣየሉ ፀወታ ናብ ርብዒ ፍፃመ መን ሓለፈ፥ ስፔን ኣብ ልዕሊ ጀርመን 2 ን1 ምዕዋታ ይዝከር። ኣብ ስሩዕ ሰዓት ባዶ ንባዶ ዝተፈላለያ ፈረንሳይን ፖርቹጋልን ድማ፥ ብፍፁም ቅላዕ ፈረንሳይ ስዒራ ኢያ። ብመሰረት እዚ ሎሚ ስፔንን ፈረንሳይን ናብ ፍርቂ ፍፃመ መን ሓለፈ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን። ክልቲአን ሃገራት ቅድመ ሐዚ 36 ጊዜ ዝተራኸባ አንትኾና፥ ስፔን 16 ጊዜ ብምስዓር ፀብለልታ ኣለዋ። ፈረንሳይ ድማ 13 ጊዜ ተዓዊታ፤ ዝተረፉ ሸውዓተ ፀወታታት ብማዕረ ውፅኢት ተፈላሊየን።
ብሪክስ ባዕሉ ዝኸኣለ ስርዓት ፋይናንስ ከምዝጅምር ተሓቢሩ
Jul 8, 2024 88
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/1/ 2016 /ኢዜአ/ብሪክስ ባዕሉ ዝኸኣለ ስርዓት ፋይናንስ ከምዝጅምር ሩሲያ ኣፍሊጣ። ኣብ ቻይና ቤጂንግ ኣብ ዝተሳለጠ መበል 12 ዓለም ለኸ ፎረም ሰላም፥ ሩሲያ ምስ ሃገራት ብሪክስ ኣብ ብሄራዊ ሸርፊ እትገብሮ መጠን ልውውጥ ንግዲ በቢእዋኑ ይምዕብል ከምዘሎ ተገሊፁ። ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ቻይና ኢጎር ሞርጉሎቭ፥ ሃገራት ጉጅለ ኢኮኖሚ ብሪክስ ካብ ልዕልነት ሳልሳይ ወገን ናፃ ዝኾነ ሰርዓት ፋይናንስ ንምጅማር ይሰርሓ ኣለዋ ኢሎም። ንኣብነት ልውውጥ ንግዲ ሩሲያ-ቻይና 240 ቢሊየን ዶላር ከምዝበፅሐ ሓቢሮም። ኣብ ፅዕንቶ ዶላር ዝነበረ ምንቅስቓስ ንግዲ ብምግዳፍ ንናፃ ሰርዓት ፋይናንስ መፍትሕታት ነዳሊ ኣለና ምባሎም ኣርቲ ፀብፂቡ።
ኣብ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓት ህንዲ ብዝተፈጠረ ፅቕቅጥ ዝሞቱ ሰባት ቁፅሪ 121 በፂሑ
Jul 3, 2024 103
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/26/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ኣብ ሃይማኖታዊ ፌስቲቫል ሂንዱ ብዝተፈጠረ ፅቕቅጥ ዝሞቱ ሰባት ቁፅሮም 121 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ፡፡ እቲ ሓደጋ ኣብ ህንዲ ግዝኣት ኡታር ፓራዴሽ ሃታራስ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ተኸተልቲ እምነት ሂንዱ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓት እናካየዱ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ዝተፈጠረ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡ ካብ ሞንጎ ዝሞቱ ሰባት ደቂ ኣንስትን ህፃናትን ከምዝርከቡዎም ዝተገለፀ እንትኸውን ተጎዳእቲ ናብ ሕክምና ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡ ካብቲ ከባቢ ዝወፅኡ ተንቀሳቐስቲ ምስሊታት ከምዝተርኣየ እውን ኣብቲ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓት ብዝተፈጠረ ምፅቕቓጥ ብዙሓት ሰባት ኣብ ወሰናወሰን መገዲ ወዲቖም ከምዝተርኣዩ ቢቢሲ ፀብፂቡ።
ሸሞንተ ሃገራት አውሮፓ ናብ ርብዒ ፍፃመ ሓሊፈን
Jul 3, 2024 86
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/26/ 2016/ኢዜአ/ ኣብ ዝተኻየደ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ ሸሞንተ ሃገራት ናብ ርብዒ ፍፃመ ሓሊፈን ። እተን ናብ ርብዒ ፍፃመ ዝሓለፋ ሃገራት አውሮፓ፥ ጀርመን፣ ስፔን፣ እንግሊዝ፣ ስዊዘርላንድ፣ ፖርቹጋል፣ ፈረንሳይ፣ ኔዘርላንድስን ቱርክን ኢየን። ፀወታ ርብዒ ፍፃመ 28 ሰነ 2016 ዓ ም ምሸት ሰዓት 1፥ ጀርመን ምስ ስፔን ብዝገብረረኡ ግጥም ክጅምር ኢዩ። ብተወሳኺ ፖርቹጋል ምስ ፈረንሳይ፣ እንግሊዝ ምስ ስዊዘርላንድ፣ ኔዘርላንድስ ምስ ቱርክ ኣብቲ ክሳብ ቀዳም 29 ሰነ ዝካየድ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ክራኸባ ኢየን።
ኣብ ናይ ሎሚ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ልዑል ግምት ዝተውሃቦም ፀወታታት-
Jul 2, 2024 90
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/25/ 2016 /ኢዜአ/ ኔዘርላንድስ(ሆላንድ) ሎሚ ኣብ ዝካየድ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ልዑል ግምት ተዋሂቡዋ ኣሎ። ኔዘርላንድስ ምስ ሮማንያ ኣብ ስታዲያም ኣሊያንዝ ኣሬና ሰዓት 1 ምሸት ፀወተአን ከካይዳ ኢየን። ምሸት ሰዓት 4 ድማ ኦስትሪያ ምስ ቱርኪ ኣብ ስታዲያም ሬድቡል ኣሬና ከምዝጋጠመ እቲ ዝወፅአ መርሃ ግብሪ የረድእ። እዚ ከምእዚ እናሃለወ ትማሊ አማስዮም ዝተኻየዱ ግጥማት ኣብ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ፖርቹጋል ንስሎቬኒያ ብፍፁም ቅላዕ 3 ን 0 ብምስዓራን ከምኡ እውን ፈረንሳይ ንቤልጂም 1 ን 0 ብምስዓር ናብ ርብዒ ፍፃመ ምሕላፈን ተጠሊሉ አሎ።
ሎሚመዓልቲ ኣብ ዝካየዱ ፀወታታት ኣውዲቅኻ ምሕላፍ ልዑል ትፅቢት ዝግበረሎም ግጥማት ክካየዱ እዮም
Jul 1, 2024 106
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/24/ 2016 /ኢዜአ/ሎሚ ምሸት ኣብ ዝካየድ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ክልተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም። ኣብቶም ሎሚ ምሽት ዝካየዱ ፀወታታት ኣውዲቅኻ ምሕላፍ ልዑል ትፅቢት ዝግበረሎም ክልተ ግጥማት ክካየዱ እዮም። ብመሰረት እዚ ምሸት ሰዓት 1 ኣብ ዝካየድ ፀወታ ፈረንሳይ ምስ ቤልጅየም ክትጋጠም ኢያ። ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ዝካየድ ድማ፥ ፖርቹጋል ምስ ስሎቬኒያ ከካይዳ ኢየን።
መበል 17 ፀወታ ፅዋዕ ኣውሮፓ በቲ ዝተቐመጠሉ ሰደቓ ቀፂሉ አሎ
Jul 1, 2024 74
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/24/ 2016 /ኢዜአ /ኣብ መበል 17 ፀወታ ፅዋዕ ኣውሮፓ፥ ስፔን ብሰፊሕ ኣፈላላይ ንጆርጂያ ስዒራታ። ስፔን ንጆርጂያ 4 ን 1 ብምስዓር ኢያ ካብቲ ፅዋዕ ወፃእ ገይረታ። ብመሰረት እዚ ስፔን ናብ ርብዒ ፍፃመ ተፀንቢራ። ስፔን ኣብ ርብዒ ፍፃመ ምስ ኣሰናዳኢት ፅዋዕ ኣውሮፓ ዝኾነት ጀርመን ክትጋጠም ኢያ። ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ፥ ስዊዘርላንድ፣ ጀርመን፣ እንግሊዝን ስፔንን ናብ ርብዒ ፍፃመ ዝተፀንበራ ሃገራት ኮይነን ኣለዋ። ብካልእ ዜና እንግሊዝ ንስሎቫኪያ 2 ን 1 ብምስዓር ናብ ርብዒ ፍፃመ ሓሊፋ ኣብ መበል 17 ፀወታ ፅዋዕ ኣውሮፓ እንግሊዝ ንስሎቫኪያ 2 ን 1 ብምስዓር ናብ ርብዒ ፍፃመ ሓሊፋ። ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ኣውዲቕካ ምሕላፍ፥ እንግሊዝ 1 ን 0 እናተመርሐት ፀኒሓ ኣብ ተወሳኺ ሰዓት ሸቶ ብምምዝጋባ ብሓደ ማዕረ ውፅኢት ናብ ተወሳኺ መፍለዪ ሰዓት ክተምርሕ ክኢላ። እንግሊዝ ንኽትዕወት ቤሊንግሃም ኣብ መበል 90+5 ደቒቕ፣ ሃሪ ኬን ኣብ ተወሳኺ መፍለዪ ሰዓት እንተመዝግቡ፤ ንስሎቫኪያ ካብ ስዕረት ዘየድሐነት ሸቶ ድማ ሽራንዝ ኣመዝጊቡዋ። ዓወት ዝቐንዓ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ኣብ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ምስ ስዊዘርላንድ ክትራኸብ ኢያ።
መበል 17 ውድድር ፅዋዕ ኣውሮፓ ቐፂሉ አሎ
Jun 27, 2024 110
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/20/ 2016 /ኢዜአ/ሮማኒያ፣ ቤልጂየምን ስሎቫኪያን ናብ ናብ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ እንትፅምበራ ዩክሬን ተሳናባቲት ኮይና። ኣብ መበል 17 ውድድር ፅዋዕ ኣውሮፓ ኣብ ምድብ 5 ዝተደልደላ ሃገራዊ ጋንታታት ስሎቫኪያን ሮማኒያን ሓደ ማዕረ እንተፈላለያ፥ ቤልጂየም ምስ ዩክሬን ዝገበረኦ ፀወታ እውን ባዶ ንብዶ ተፈላሊየን። ውፅኢት እቶም ፀወታታት ስዒቡ ዩክሬን ኣርባዕተ ነጥቢ ብመሓዝ ካብቲ ውድድር ዝተሰናበተት ሃገር ኮይና፡፡ ብተዛማዲ ጆርጂያ ንፖርቹጋል ብምስዓር ናብ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ተፀምቢራ ኣብ መበል 17 ፀወታ ፅዋዕ ኣውሮፓ ሃገራዊት ጋንታ ጆርጂያ ንፖርቹጋል ብምስዓራ ንቱርኪን ፖርቹጋልን ስዒባ ናብ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ተሓዊሳ። ኣብ ምድብ ሽዱሽተ ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ ጆርጂያን ፖርቹጋልን ብዓወት ጆርጂያ 2 ን 0 ተዛዚሙ። ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ቱርኪን ቼክ ሪፐብሊክን ድማ ሃገራዊት ጋንታ ቱርኪ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ። ብመሰረት እዚ ኣቐዲማ ምሕላፋ ዘረጋገፀት ፖርቹጋል ብሽዱሽተ ነጥቢ ቀዳመይቲ፣ ቱርኪ ብተመሳሳሊ ሽዱሽተ ነጥቢ ካልኣይቲን ጆርጂያን ድማ ብኣርባዕተ ነጥቢ ሳልሳይቲን ብምዃን ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ክፅምበራ ክኢለን።