ፖለቲካ
ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ምስ ትካል ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ብምትሕብባር ንምስራሕ ተፈራሪሙ
Aug 5, 2024 23
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /29/2016 (ኢዜኣ) ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ምስ ትካል ፋውንዴሽን ፎር ሩራል ዴቨሎፕመንት ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕ ተፈራሪሙ። እቲ ስምምዕ፤ ሚኒስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር)ን ዳይሬክተር እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ኢትዮጵያ ይን ቼንን እዮም ፈሪመምዎ። ሚኒስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር)፤ እቲ ስምምዕ ደገፍ ምስፍሕፋሕ ምገባ ተምሃሮ፣ምርግጋፅ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ፣ምዝርጋሕ ተሓዳሲ ሓይሊ ሶላርን ናውቲ ፅሩይ ዝስተ ማይን ትምህርትን ዝሓዘ እዩ ኢለን። እቶም ፕሮጀክትታት እቲ ሕብረተሰብ ካብ ተመፅዋታይነት ሓራ ብምውፃእ ብዘላቕነት ንምጥያሽ ዘኽእሉ እዮም ክብላ እውን ገሊፀን። ዳይሬክተር እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ኢትዮጵያ ይን ቼን ብግደኦም፤ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ደገፍ እናተገበረ ከምዝፀንሐ ኣረዲኦም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግሃስ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ደገፍ ገይሩ
Aug 3, 2024 45
  ሳውላ/ሓምለ /27/2016 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግሃስ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ዝኸውን 5 ሚልዮን ብር ደገፍ ገይሩ። ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምክትል ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃእን ሰላምን ፈትሂ መሀዲ(ዶ/ር)፤ እቲ ቤት ምኽሪ እቲ ሓደጋ ካብ ዘጋጠመ ጀሚሩ በቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰምዖ ሓዘን እናገለፀ ከምዝፀንሐ ገሊፀን። ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት እውን 5 ሚልዮን ብር ደገፍ ከምዝገበረ ኣፍሊጠን። ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ትካላት ልምዓት መንግስቲ ስለሺ ኮሬ(ዶ/ር ኢ/ር) ብግደኦም፤ እቲ ቤት ምኽሪ በቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወጋናት ብዘላቕነት ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ኣረዲኦም። እቲ ደገፍ ዝተረከቡ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ጎፋ ኢንጅነር ዳግማዊ ኣየለ፤ እቲ ሓደጋ ካብ ዘጋጠመሉ እዋን ጀሚሩ እቲ ቤት ምኽሪ ሓዘኑ እናገለፀ ከምዝፀንሐ ብምዝኽኻር ነቲ ዝተገበረ ደገፍ እውን ብሽም እቶም ተጎዳእቲ ኣመስጊኖም።
መንግስቲ ናብ ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝኣተወ እኹል ምድላው ብምግባር ኢዩ - ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)
Aug 3, 2024 47
  ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/27/ 2016 /ኢዜአ/ መንግስቲ ናብ ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝኣተወ እኹል ምድላው ብምግባር ኢዩ ክብላ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ገሊፀን። ዕላምኡ ድማ ቀፃልነት ዘለዎ ምዕባለ ንምምዝጋብን ኩለ መዳይ ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅን ከምዝኾነ ኣብሪሀን። እተን ሚኒስትር ኣብ ዝሃብኡ መብርሂ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ጭቡጥ ኩነታት ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ዝሓሰበቶ ምዕባለ ንምዕዋት ዘየኽእል ብምዃኑ ናይ ለውጢ መንግስቲ ነዚ ንምቕያር ፈለማ መመሓየሺ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ተግባራዊ ከምዝገበረ ኣፍሊጠን። ኣብቲ እዋን ኣታዊ ውሽጢ ዓዲን ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ፋይናንስን ውሑድ ምዃኑ፣ ትሑት ዓቕሚ ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት፣ መሓንቓት ፖሊሲ ሓዊሱ መሓዉራዊ ፀገማት፣ ዓውዲ ውልቀ መራሒ ኢኮኖሚ ዘይምዃን ዝብሉን ወዘተን ናይቲ ኢኮኖሚ ቀንዲ መግለፂታት ከምዝነበሩ ተዛሪበን። ነዚ ፀገም ንምቅላል ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ብምቕራፅ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ኣዘኻኺረን። በዘ ድማ ብተግባር ዝረኣዩ ገዘፍቲ እወንታዊ ውፅኢታት ከምዝተረጋገፁ ገሊፀን። እቶም ኣብ መመሓየሺ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ዝተረኸቡ ዓወታት ንምቕፃልን ፀገማት ንምፍታሕን ዓሊሙ መንግስቲ ናብ ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ከምዝኣተወ ተዛሪበን። እቲ ውሳነ እዋናዊን ኢትዮጵያ ንዝተለመቶ ምዕባለን ምቹእ ምዕባለ ዘምፅእ ከምዝኾነ ገሊፀን።
 ጉድኣት ከብፅሑ ኣብ ዝኽእሉ ጉዳያት ብትኹረት ብምስራሕ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ተገሊፁ
Aug 3, 2024 41
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/27/ 2016 /ኢዜአ/ ኣብ ልዕሊ ሃገር ልዑል ጉድኣት ከብፅሑ ኣብ ዝኽእሉ ጉዳያት ብትኹረት ስለዝተሰርሐ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ገሊፁ። እቲ ኣገልግሎት ኣብቲ በጀት ዓመት ገበን ተንከፍ ጉዳያት መሰረት ብምግባር ኣብ ዘካየዶ ዝርዝር ተፍትሽን ምፅራይን 310 ምስ ዝተፈላለዩ ገበናት ርክብ ኣብ ዘለዎም ገበን ተንከፍ ጉዳያት ዝርዝር ትንተና ብምግባር ተሓታትነት ሕጊ ንኸረጋገፅ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ተመሓላሊፉ ኣብ ከይዲ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡ ካብ ሞንጎ እዞም ጉዳያት ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ፣ ገበን ምጭብርባር፣ ምስ ገበን ታክስ፣ ኮንትሮባንድ ፣ ግዕዝይና፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት፣ ምግዳድን ምፍርራሕን፣ ሃፍቲ ምሕባእ፣ ግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ምሕጋዝን ምስ ካልኦት ገበናትን ርክብ ዘለዎም ከምዝኾኑ ተመልኪቱ። እዞም ተግባራት ገበን ብቢሊየን ብር ዝቑፀር ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ሃገር ጉድኣት ከብፅሑ ዝነበሩን ዘብፅሑን ከምዝኾኑ ከም ዝፈለየን ኣብቲ ተግባር ገበን ድማ ብዝተፈላለየ ብርኪ ተሳትፎ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 2 ሺሕን 273 ውልቀ ሰባትን ካልኦት ኣካላትን ተፈልዮም ብሕጊ ተሓተትቲ ንምግባር ኣብ ከይዲ ከምዝርከብን እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘውፅእኦ መግለፂ ኣፍሊጡ፡፡
መበል 4ይ ቅድመ ጉባኤ ዓለም ለኸ ፋይናንስ ንልምዓት ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ኣኼባታት ብብቕዓት ናይ ምስንዳእ ዓቕሚ ከምዘለዋ ዘርኣየ እዩ
Aug 2, 2024 35
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /26/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መበል 4ይ ቅድመ ጉባኤ ዓለም ለኸ ፋይናንስ ንልምዓት ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ኣኼባታት ብብቕዓት ናይ ምስንዳእ ዓቕሚ ከምዘለዋ ዘርኣየ ምዃኑ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ገሊፁ። ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ነብዩ ተድላ ኣብ እዋናዊ ዲፕሎማስን ርክብ ወፃእን ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ሰሙናዊ መግለፂ፤ ቅድመ ጉባኤ ዓለም ለኸ ፋይናንስ ንልምዓት ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት ዘድሊ ቀረብ ፋይናንስ ንምትእልላሽ ዘተ ዝተገበረሉ እዩ ኢሎም። ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ሚኒስትራት ሓዊሱ ልዕሊ 1 ሽሕ ተሳተፍቲ ዝተረኸብሉ እንትኸውን እቲ ጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ጉባኤታት ምስንዳእ ከምትኽእል ዘርኣየ ምዃኑ ገሊፆም። ጎና ጎኒ እቲ ኮንፈረንስ 12 ጎናዊ ዘተታት ከምዝተገበሩ ብምሕባር፤ ነባራዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ሰላም፣ፀጥታን ልምዓትን እንታይ ከምዝመስል ዘረዳእናሉ መድረኽ እዩ እውን ኢሎም። ብተወሳኺ እውን 24 ሓደሽቲ ኣምባሳደራት ብሄራዊ ረብሓ ሃገሮም ንምሕላው ኣብ ቅድሚት ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ቃል ከምዝኣተዉ ኣረዲኦም። እቶም ሓደሽቲ ተሸወምቲ ኣምባሳደራት ዘማዕበልዎ ልምዲ ተጠቒሞም ብትግሃት ንክሰርሑ ሓላፍነት ከምዝተውሃቦም ሓቢሮም። ብሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ቱርክ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ፅባሕ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣትዉ እውን ተዛሪቦም።
ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ትሑት ብርኪ መነባብሮ ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ ግምት ብምእታው ሃገራዊ ዕቤት ብዘቕፅል ኣግባብን ብጥቡቕ ቁፅፅርን ዝፍፀም እዩ-ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ
Aug 2, 2024 28
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 26/2016 (ኢዜኣ) ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ትሑት ብርኪ መነባብሮ ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ ግምት ብምእታው ሃገራዊ ዕቤት ብዘቕፅል ኣግባብን ብጥቡቕ ቁፅፅርን ተግባራዊ ከምዝግበር ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም። ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ፤ ኣብ ከይዲ ቀዳማይን ካልኣይን ምዕራፍ ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ናብ ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምእታው ምድላው እናተገበረ ከምዝፀንሐ ሓቢሮም። እቲ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ተመን ሸርፊ ወፃኢ፣ፖሊሲ ፋይናንስ ገንዘብ፣ፊስካል ፖሊሲ ኣታውን ወፃእን መንግስቲ ብምምሕያሽን ዕዳ ብምቕናስን እቲ ማዕቐፍ ፖሊሲ ገንዘብ ብዕዳጋ ንክምራሕ ዝገብር እዩ ኢሎም። ሰንሰለታት ንግዲ ባንኪ፣ጅምላን ችርቻሮን ንናይ ደገ ተወዳደርቲ ብምኽፋት ብዝተዋደደን ዝተናበበን ማዕቐፍ ዕቤት ዘቐፅል ኩነታት ማክሮ ኢኮኖሚ ንክህሉ ከምዘኽእል እውን ተዛሪቦም። እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብደገፍ ትካል ገንዘብ ዓለምን ባንኪ ዓለምን ከምኡ እውን ዓለም ለኸ መሓዙት ተግባራዊ ዝግበር ከምዝኾነ ኣብራህሪሆም። ስለዝኾነ እውን እቲ ትግበራ ፖሊሲን ድርድርን ተረባሕነት ኢትዮጵያ ብምቕዳም ዝተፈፀመን እቲ ዝተረኸበ ደገፍ ቁጠባ ገንዘብ 4 ነጥቢ 9 ቢልዮን ዶላር ሸኽሚ ዕዳ ንምቅላል ልዑል ረብሓ ከምዘለዎን ሓቢሮም። እቲ ደገፍ ገንዘብ ሸኽሚ ዕዳ ሃገር ብምቅላል ንድጎማ ታሕተዎት ተኸፈልቲ ሰራሕተኛታት፣ተጠቀምቲ ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማን ገጠርን፣መዳበርያ፣ነዳዲ፣ዘይትን ንስሩዓት ስራሕቲ ልምዓትን ከምዝውዕል ኣረዲኦም። ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብዝምራሕ ጉጅለ ማክሮ ኢኮኖሚ ስራሕ ቅድመ ምድላው ንተኸፈልቲ ትሑት ደሞዝን ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዝርከቡ ዜጋታትን ዝውዕል ድጎማ ከምዝተዛዘመ ገሊፆም። ስለዝኾነ እውን ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ትሑት ብርኪ መነባብሮ ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ ግምት ብምእታው ሃገራዊ ዕቤት ብዘቕፅል ኣግባብን ብጥቡቕ ቁፅፅርን ተግባራዊ ከምዝግበር ኣብራህሪሆም። ማሕበረሰብ ንግዲ፣ሓረስቶትን ኣርባሕትን፣ኣኽበርቲ ሕጊ ከምኡ እውን ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ንውፅኢታውነት ተግባራዊነት እቲ ፖሊሲ እጃሙ ንክዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ሓባራዊ መድረኽ ምኽክር ሚኒስቴር ግብርና፣ቢሮታት ግብርና ክልላትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ ኣሶሳ ይካየድ ኣሎ
Aug 2, 2024 30
  ኣሶሳ/ሓምለ/ 26/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ 2016ን ትልሚ 2017ን ዝጠመተ ሓባራዊ መድረኽ ምኽክር ሚኒስቴር ግብርና፣ቢሮታት ግብርና ክልላትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ ኣሶሳ ሎሚ መዓልቲ ምክያድ ጀሚሩ። ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ ክልላት ዘለወን ሃፍቲ ተፈጥሮ ግብርና ድኽነት ኣብ ምቕናስ ንከውዕለኦ ብፍሉይ ኩነታት ደገፍ እናተገበረ እዩ። ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ብፍላይ ድማ ኣብ ልምዓት ሕርሻ ውፅኢት ዝተረኸበሉ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ልምዓት ስርናይ ዝተመዝገበ ውፅኢት ከም ኣብነት ገሊፆም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ብግደኦም፤ ኣብቲ ክልል ሰላም ካብ ምርግጋፅ ብተወሳኺ ውሕስና ምግቢ እቲ ሕብረተሰብ ንምርግጋፅ ፃዕሪ ተገይሩ እዩ ኢሎም። ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ምውዳድ ተግባርን ኣተሓሳስባን ንክህሉ ስለዝተገበረ ኣብ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ዓውድታት ውፅኢት ከምዝተመዝገበ እውን ተዛሪቦም። ኣብቲ መድረኽ፤ ሓለፍቲ ቢሮ ግብርና ክልላትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ከምኡ እውን ዝምልከቶም ኣካላት ተረኺቦም።
እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ሓዊሱ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ተረባሒት ንክትኸውን ዝገብር እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ
Aug 2, 2024 33
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /26/2016 (ኢዜኣ) እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ተዓፅዩ ዝፀንሐ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ክፉት ብምግባር ኣብ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ሓዊሱ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ተረባሕቲ ንክንኸውን ዝገብር እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተዛሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እቲ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዝምልከት ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ እቲ መመሓየሺ ብቁንፁል ዘይኮነስ ብሙሉእነት ምርዳእ ከምዝግባእ ሓቢሮም። እቲ መመሓየሺ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ብኣተሓሳስባ መደመር ተግባራዊ ዝግበር ዘሎ መትከላት ፅንሰ ሓሳብ ልምዓት መሰረት ዝገበረ እዩ ኢሎም። ኣብ ፅባሕ እቲ ሃገራዊ ለውጢ መንግስቲ ካብ ዝወሰኖም ውሳነታት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንተሳትፎ ዓውዲ ውልቀ ክፉት ምግባር እቲ ሓደ ከምዝነበረ እውን ኣዘኻኺሮም። ኣብ ኣፍሪካ ግዙፍ ኢኮኖሚ ካብ ዝሃነፃ ሃገራት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ጥራሕ ብብርክት ዝበሉ ጉዳያት ዕፅው ከምዝነበረ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘሎ ነባራዊ ኩነታት በዚ መንገዲ እቲ ኢኮኖሚ ውፅኢታዊ ምግባር ኣይከኣልን ኢሎም። ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ኢኮኖሚ ዓፅያ ኣብ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ሓዊሱ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ተረባሒት ከምዘይትኸውን እውን ኣብራህሪሆም። ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ብብርኪ ኣህጉር ተግባራዊ ኣብ ዝግበር ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ተረባሒት ንምዃን እቲ ዝተዓፀወ ኢኮኖሚ ክፉት ክግበር ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ እቲ መመሓየሺ እውን እዚ ተግባራዊ ዝገብር ምዃኑ ኣረዲኦም።
ሚኒስቴር ቱሪዝም ኣብ ዞባ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግሃስ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ደገፍ ገይሩ
Aug 2, 2024 32
  ሳውላ/ሓምለ /26/2016 (ኢዜኣ) ሚኒስቴር ቱሪዝም ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግሃስ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት 3 ሚልዮን ብር ደገፍ ገይሩ። ኣብቲ ቦታ ተረኺበን እቲ ደገፍ ዘረከባ ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ፤ በቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ሓዘን ከምዝተሰምዐን ገሊፀን። ኣብ ትሕቲ እቲ ሚኒስቴር ምስ ዘለው በዓል መዚ ሓለዋ ሓድግን በዓል መዚ ሓለዋ እንሰሳት ዘገዳምን ብምትሕብባር ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ደገፍ ንምግባርን ንምፅንዕናዕን ናብቲ ከባቢ ከምዝኸዱ ተዛሪበን። ሚኒስቴር ቱሪዝምን ተፀዋዕቲ ትካላቱን በቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ከባቢ 3 ሚልዮን ብር ደገፍ ከምዝገበሩ እውን ኣረዲአን። እቲ ደገፍ ዝተረከቡ ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባበር ክላስተር ግብርናን ልምዓት ገጠርን ከምኡ እውን ሓላፊ ቢሮ ማይ፣መዓድንን ኢነርጅን ኢንጂነር ኣክሊሉ ኣዳኝ፤ ነቲ ዝተገበረ ደገፍ ኣመስጊኖም።
እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ህልውና ባንክታት ኢትዮጵያ ዘቐፀለ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ
Aug 2, 2024 33
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /26/2016 (ኢዜኣ) እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ህልውና ባንክታት ኢትዮጵያ ዘቐፀለ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እቲ መመሓሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዝምልከት ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚኣ ዕፁው ገይራ ምፅንሓ ንዘበናት ኣብ ትሕቲ ፈተና ንክትወድቕ ከምዝገበረ ተዛሪቦም። እቲ ንግዲ ወፃኢ በቲ ዝድለ መጠን ሸርፊ ወፃኢ ምእታው ተሳኢንዎ ከምዝፀንሐ ብምሕባር፤ ፍርያታት ኢትዮጵያ ብኮንትሮባንድ ንክወፁ ከምዝገበረ ከም ኣብነት ኣረዲኦም። ስለዝኾነ እውን እቲ መመሓሺ ኣብ ኢኮኖሚ ዝነበሩ ስምብራታት ብምፍታሕ ዝሓሸ ምንቕቓሕ ከምዝፈጥር ፀሪሖም። ብፍላይ ድማ ህልውና ዓውዲ ፋይናንስ ኣብ ምቕፃል ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎ ሓቢሮም። መንግስቲ ምስ ትካል ገንዘብ ዓለምን ባንኪ ዓለምን ኣብ ዝገበሮም ድርድራት ካብ ዘልዓሎም ጉዳያት እቲ ሓደ ብዛዕባ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ሓቢሮም። በቲ ድርድር እውን እቲ ባንኪ 700 ሚልዮን ዶላር ዝኸውን ተወሳኺ ገንዘብ ካብቶም ትካላት ከምዝረኸበ ኣብራህሪሆም። ስለዝኾነ እውን እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ህልውና ባንክታት ኢትዮጵያ ዘቐፀለ ምዃኑ ኣረዲኦም።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም