ስፖርት - ኢዜአ ትግርኛ
ስፖርት
ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ እትሳተፈሉ ውድድር ፍፃመ 5 ሽሕ ሜትሮ ሎሚ አማስዩ ክካየድ ኢዩ
Aug 5, 2024 29
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/29/ 2016/ኢዜአ/ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ እትሳተፈሉ ውድድር ፍፃመ 5 ሽሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ሎሚ አማስዩ ክካየድ ኢዩ። ኣብቲ ሰዓት 4፡10 ዝጅምር ውድድር፥ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ጉዳፍ ፀጋይ፣ እጅጋየሁ ታዬን መዲና ኢሳን ክሳተፋ ኢየን። ከምኡውን፥ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4፡47 ኣብ ዝካየድ ውድድር ፍፃመ 800 ሜትሮ ኣትሌት ፅጌ ዱጉማን ወርቅነሽ መለሰን ልዑል ትፅቢት ዝግበረለን ኢየን።
ብ5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ መፃረዪ ውድድር ኣትሌታት ጉዳፍ ፀጋይ፣ እጅጋየሁ ታዬን መዲና ኢሳን ንፍፃመ ሓሊፈን
Aug 3, 2024 58
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/27/ 2016 /ኢዜአ/ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ብ5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ መፃረዪ ውድድር ኣትሌታት ጉዳፍ ፀጋይ፣ እጅጋየሁ ታዬን መዲና ኢሳን ንፍፃመ ሓሊፈን። ትማሊምሸት ካብ ሰዓት 1፡10 ጀሚሩ መፃረይ ውድድር 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ተኻይዱ፡፡ ብመሰረት እዚ ኣብ ምድብ ሓደ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ 14፡57፡84፣ ኣትሌት እጅጋየሁ ታዬ 14፡57፡97 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ንፍፃመ ምሕላፈን ኣረጋጊፀን፡፡ ኣብ ምድብ ክልተ ኣትሌት መዲና ኢሳ 15፡00፡82 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ንፍፃመ ሓሊፋ።
ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ብ10 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ጉያ ሜዳሊያ ብሩር ተዓዊቱ
Aug 3, 2024 45
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/27/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ፓሪስ ኦሊምፒክ ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ብውድድር ጉያ 10 ሺሕ ሜትሮ ንሃገሩ ሜዳሊያ ብሩር ኣምፂኡ። ኣብ መበል 33 ኦሊምፒክ ፓሪስ ውድድር ፍፃመ ጉያ 10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕቲዮ ትማሊ ምሸት ሰዓት 4:20 ተኻይዱ። ኣብቲ ውድድር፥ ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ብ10 ሺሕ ሜትሮ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ብሩር ኣምፂኡ። ክብረ ወሰን ኦሎምፒክ ኣብ ዝተሰበረሉ እቲ ውድድር ዩጋንዳዊ ጆሹዋ ቼፕቴጌ ብቀነኒሳ በቀለ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን ብምስባር ተዓዋቲ ማዳሊያ ወርቂ ክኸውን ክኢሉ።
ብ1 ሺሕን 500 ደቂ ተባዕትዮ መፃረይ ውድድር ኤርሚያስ ግርማን ሳሙኤል ተፈራን ናብ ፍርቂፍፃመ ሓሊፎም
Aug 2, 2024 59
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/26/ 2016 /ኢዜአ/ ኣብ መበል 33 ውድድር ኦሊምፒክ ፓሪስ ብ1 ሺሕን 500 ደቂ ተባዕትዮ መፃረዪ ውድድር ኤርሚያስ ግርማን ሳሙኤል ተፈራን ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፎም። ኣብ ምድብ ክልተ ዝተወዳደረ ኣትሌት ኤርሚያስ ግርማ 3 ደቒቕን 35 ሴኮንድን ምስ 21 ማይክሮ ሴኮንድ ብምእታው ውድድሩ ቀዳማይ ብምውፃእ ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፉ፡፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ምድብ ሰለስተ ዝተወዳደረ ኣትሌት ሳሙኤል ተፈራ ድማ 3 ደቒቕ 37 ሴኮንድን 34 ማይክሮ ሴኮንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ሻድሻይ ደረጃ ብመሓዝ ናብ ፍርቂ ፍፃመ ክሓልፍ ክኢሉ ኣሎ። ኣብ ምድብ ሓደ ዝተወዳደረ ኣትሌት ኣብዲሳ ፈይሳ መበል 14 ደረጃ ብውፅኡ ካብቲ መፃረዪ ክሓልፍ ኣይከኣለን፡፡
ኢትዮጵያዊ ምስጋና ዋቁማ ብ20 ኪሎ ሜትር ውድድር ስጉሚ መበል ሻድሻይ ደረጃ ሒዙ ዛዚሙ
Aug 1, 2024 61
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/25/ 2016 /ኢዜአ/ ምስጋና ዋቁማ፥ ኣብ ፈረንሳይ፣ ፓሪስ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መበል 33 ውድድር ኦሊምፒክ ብ20 ኪሎ ሜትር ውድድር ስጉሚ ደቂ ተባዕቲዮ መበል ሻድሻይ ደረጃ ብምሓዝ ዛዚሙ። ኣትሌት ምስጋናው ዋቁማ 1 ሰዓትን 19 ደቒቓን 31 ሴኮንድን ብምእታው መበል ሻድሻይ ደረጃ ሒዙ። ኣብቲ ውድድር ኢኳዶር እንትትዕወት፥ ኣትሌታት ብራዚልን ስፔንን ድማ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።
ልኡኽ ካልኣይ ዙርያ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፓሪስ ኣትዩ
Jul 30, 2024 62
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/23/ 2016 /ኢዜአ/ በዝተፈላለዩ ውድድራት ርሕቐት ወርቂ ከምፅኡ ይኽእሉ ኢዮም ብዝብል ትፅቢት ዝግበረሎም ኣትሌታት ዘካተተ ካልኣይ ዙርያ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፓሪስ ኣትዩ። ትማሊ ምሸት ካብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተበገሱ እቲ ልኡኸት አትሌቲክስ ፥ ብ5 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ በዓልቲ ዋና ዓለም ለኸ ክብረ ወሰን ዓለም ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ሓዊሱ ዮሚፍ ቀጀልቻ፣ ሓጎስ ገ/ሕይወት፣ ሰለሞን ባረጋን ፅጌ ዱጉማን ይርከብዎ። እቶም ኣባላት ልኡኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ እንትበፅሑ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳይ ማህሌት ሃይሉ፣ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ኣሸብር ወ/ጊዮርጊስ (ዶ/ር)ን ካልኦትን ኣቀባብላ ገይረሙሎም።
ሚኒስትራትን ኣመራርሓታት ኮሚቴ ኦሎምፒክን ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ ንዝሳተፉ ኣትሌታት ዑደት ገይሮምሎም
Jul 22, 2024 104
አዲስ አበባ/ሓምለ/15/2016/ኢዜአ/ ሚኒስትር ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ወይዘሮ ሸዊት ሻንካን ሚኒስትር ዴኤታ ዘፈር ልምዓት ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነትን ምስ ኣመራርሓታት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ዝሳተፉ ኣትሌታት ልምምድ ኣብ ዝገብሩሉ ኣካዳሚ ስፖርት ኢትዮጵያ ተረኺቦም ዑደት ገይሮም። እተን ሚኒስትር ነቶም ኣትሌታት ዑደት ኣብ ዝገበራሉ ግዜ ኣትሌታት ኢትዮጵያ ዝፍለጥሉ ኣብ መድረኽ ኣደባባይ ዓለም ብሰዓራይነት ስለዝኾነ ንስኻትኩም 'ውን ብጅግንነት ታሪኽ ምስራሕ ከምትኽእሉ ንኣምነልኩም ኢና ኢለን። እተን ሚኒስትር ኣተሓሒዘን 'ውን ኣትሌታትና ምስሊ ሃገርና ብምህናፅ ነቲ ዓብዪ ተራ ትሕዙ፤ ኢትዮጵያ ብትፍለጠሉ ጉጅላዊ ስራሕን ስፖርታዊ ጨዋነትን ከምተኹርዑና 'ውን ይተኣማመን እየ ብምባል ኣበረታቲዐን ሰናይ ትምኒተን ገሊፀን። እቶም ኣብ ኦሎምፒክ ዝሳተፉ ኣትሌታት 'ውን ብዛዕባ ቕድመ ምድላዎምን ብዛዕባ ዘለዉዎ እዋናዊ ኹነታት ብምግላፅ ምስተን ሚኒስትር ዘተ ምግባሮም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ መረዳእታ ይሕብር።
ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ናይ መበል 21ክፍለ ዘመን ብሉፅ ኣፍሪካዊ ስፖርተኛ ተባሂሉ
Jul 20, 2024 111
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/13/ 2016 /ኢዜአ/ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ናይ መበል 21ክፍለ ዘመን ብሉፅ ኣፍሪካዊ ስፖርተኛ ተባሂሉ ከምዝተሓረየ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኢ ኤ ስ ፒ ኤን ብሉፃት ኣፍሪካዊያን ስፖርተኛታት 21 ክፍለ ዘበን ዕላዊ ምግባሩ ዝገለፀ እቲ ፌዴሬሽን፥ ኢትዮጵያን ኬኒያን ከልተ ኣትሌታት ብምሕራይ ቀዳሞት ኮይነን ኢሉ። ኣትሌት ቀነኒሳ ድማ ፈላማይ ደረጃ ከምዝሓዘ ገሊፁ። ኬንያዊ ኤሉድ ኪፕቾጌ ካልኣይ ደረጃ ምሓዙ ካብቲ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
መተኣኻኸቢ እቶት ጋንታ ስፖርት መቻል ኣብ ሆቴል ስካይ ላይት ክካየድ ኢዩ
Jul 7, 2024 209
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/30/ 2016 /ኢዜአ/መተኣኻኸቢ እቶት ጋንታ ስፖርት መቻል ኣብ ሆቴል ስካይ ላይት ሎሚ ሰዓት 12 ድሕሪ ቀትሪ ክካየድ ኢዩ። ኮይኑ እውን፥ ማሕበረሰብ፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ትካላትን ካልኦት ኣካላትን ደገፍ ንክገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ አሎ። ደገፍ ምግባር ንዝደሊዩ ኣካላት 0961910613፣ 0961338325፣ 0961875492፣ 0961940938፣ 0961997624 ን 0961504532 ቅፅሪታት ስልኪ ብምድዋል ምፍላጥ ከምዝከኣል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ሒሳባት ቁፅሪ ባንክታት ድማ፥ 1000603377137 ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ፣ 190757676 ባንኪ ኣቢሲኒያ፣ 0579717935011 ዳሽን ባንክ፣ 013071350236800 ባንኪ ኣዋሽ፣ 1042400179571 ኦሮሚያ ሕብረት ስራሕ ባንኪ፣ 10702376 50215 ስንቄ ባንኪ፣ 1724954200001 ኦሮሚያ ባንኪ፣ 9900032504845 ኣማራ ባንኪ፣ 00111849630400001 እናት ባንኪን 1000000894676 ‘’መቻል ስፖርት ክለብ’’ን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
ኣብ ውድድር ኦሊምፒክ ፓሪስ ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ናይ መወዳእታ ተሰለፍቲ ኣትሌታት ምስ ተጠባበቕቶም ተፈልዮም
Jul 5, 2024 187
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/28/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ውድድር ኦሊምፒክ ፓሪስ 2024 ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ናይ መወዳእታ ተሰለፍቲ ኣትሌታት ምስ ተጠባበቕቶም ከምዝተፈለዩ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ፡- ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ፤ ኣትሌት ፅጌ ድጉማ፣ ኣትሌት ሃብታም ኣለሙ፣ ኣትሌት ወርቅነሽ መለሰ፣ ኣትሌት ንግስት ጌታቸው (ተጠባባቒት) ብ1 ሺሕን 500 ሜትር ደቂ ተባዕትዮ፤ ኣትሌት ኣብዲሳ ፈይሳ፣ ኣትሌት ሳሙኤል ተፈራ፣ ኣትሌት ኤርሚያስ ግርማ፣ ኣትሌት ታደሰ ለሚ (ተጠባባቒ) ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ፤ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ፣ ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም፣ ኣትሌት ድርቤ ወልተጂ፣ ኣትሌት ሂሩት መሸሻ (ተጠባባቒት) ብ 5 ሺሕን ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ፤ ኣትሌት ሓጎስ ገ/ህይወት፣ ኣትሌት ዮሚፍ ቀጄልቻ፣ ኣትሌት ኣዲሱ ይሁኔ፣ ኣትሌት ሰሞን ባረጋ (ተጠባባቒ) ብ5 ሺሕን ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ፤ ጉዳፍ ፀጋይ፣ ኣትሌት መዲና ኢሳ፣ ኣትሌት እጅጋየሁ ታዬ፣ ኣትሌት ፍሬወይኒ ሃይሉ (ተጠባባቒት) ብ10 ሺሕን ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ፤ ኣትሌት ዮሚፍ ቀጄልቻ፣ ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ፣ ኣትሌት ሰለሞን በረጋ፣ ኣትሌት ቢኒያም መሃሪ (ተጠባባቒ) ብ10 ሺሕን ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ፤ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ፣ ኣትሌት ፎቴን ተስፋይ፣ ኣትሌት ፅጌ ገ/ሰላማ፣ ኣትሌት ኣይናዲስ መብራቱ (ተጠባባቒት) ብ3 ሺሕን ሜትሮ መሕንኩሎ ደቂ ተባዕትዮ፤ ኣትሌት ለሜቻ ግርማ፣ ኣትሌት ሳሙኤል ፍሬው፣ ኣትሌት ጌትነት ዋለ፣ ኣትሌት ኣብርሃም ስሜ (ተጠባባቒ) ብ3 ሺሕን ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ሲምቦ ኣለማየሁ፣ ኣትሌት ሎሚ ሙለታ ብማራቶን ደቂ ኣንስትዮ፤ ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋ፣ ኣትሌት ኣማኔ በሪሶ፣ ኣትሌት መገርቱ ኣለሙ፣ ኣትሌት ጎይቶቶም ገ/ስላሴ (ተጠባባቒት) ብማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ፣ ኣትሌት ሲሳይ ለማ፣ ኣትሌት ዴሬሳ ገለታ፣ ኣትሌት ታምራት ቶላ (ተጠባባቒ) ብ20 ኪሎ ሜትር ስጉሚ ብደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ምስጋና ዋቁማ ብምዃን ተፈሊዮም፡፡
መድረኽ ዘተ ዝኽረ-መቻል ካብ 1936 ክሳብ 2016 ዓ.ም ተሳሊጡ
Jun 29, 2024 213
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/22/ 2016 /ኢዜአ/ ጋንታ ስፖርት መቻል ካብ ምስረትኡ ጀሚሩ በዝተፈላለዩ ዓውዲታት ስፖርት ብመሰረት ዘመዝገቦም ዓወታት፣ ብዝነበሩ በድሆታትን ቀፀልቲ ኣንፈታትን ጠመተ ዝገበረ ዘተ ተሳሊጡ። እቲ ጋንታ ካብ ወርሒ ሰነ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ “መቻል ለኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል 80 ዓመት በዓሉ ኣብ ምኽባር ከምዝርከብ ይፍለጥ። ናይ ሎሚ መዓልቲ ዘተ ኣካል እቲ ምኽባር እንትኸውን፥ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ሰራዊት፣ ናይ ክብሪ ኣባላት እቲ ሰራዊት፣ ኣብቲ ጋንታ ዝነበሩ ስፖርተኛታት፣ ሞያተኛታት እቲ ዓውዲን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሸን ተረኺቦም። ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)፥ እቲ ጋንታ ብዝገበረ ኣስተዋፅኦ ልክዕ ንምዝካርን ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምብፃሕን ይስራሕ ኣሎ ኢለን።
ፅባሕ ዝካየድ ጒያ ጎደና ምኽኒያት ብምግባር ንተሽከርከርቲ ዕፁዋት ዝኾኑ መገዲታት
Jun 29, 2024 218
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/22/ 2016 /ኢዜአ/ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ “መቻል ለ ኢትዮጵያ” አብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ጒያ ጎደና ምኽኒያት ብምግባር ንተሽከርከርቲ ዕፁው ዝኾኑ መገዲታት ዕላዊ ገይሩ። ብመሰረት እዚ፦ . ካብ ብሔራዊ ቤተመንግስቲ ናብ መስቀል ኣደባባይ . ካብ ካዛንቺስ ናብ ባምቢስ . ካብ ኦሎምፒያ ኣደባባይ ናብ መስቀል ኣደባባይ . ካብ ጥላሁን ኣደባባይ ናብ ሳንጆሴፍ መብራት . ካብ ለገሃር መብራት ናብ መስቀል ኣደባባይ . ካብ ሃራምቤ መብራት ናብ መስቀል ኣደባባይ ካብ ንጎሆ ሰዓት 11:00 ጀሚሩ እቲ ጒያ ክሳብ ዝዛዘም ንተሽከርከርቲ ዕፁው ክኾን ኢዩ ተባሂሉ። ኣብ መስመራት እቲ ጒያ ካብ 22 ሰነ 2016 ዓ.ም ምሸት ሰዓት 12:00 ጀሚሩ ተሽከርካሪ ደው ኣቢልካ ምኻደ ኣጥቢቑ ዝተኸልከለ ከመዘኾነ እውን ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ንልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍልጦን ሽልማትን ተዋሂቡ
Jun 28, 2024 120
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/21/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ መበል 23 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ንዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ግዮን ሆቴል ኣፍልጦን ሽልማትን ተዋሂቡ ። ሎሚ ስነ ስርዓት ምሃብ ኣፍልጦን ሽልማትን እናተኻየደ ምዃኑ ሓበሬታ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ የመላኽት፡፡ ኣብ ካሜሩን ዱዋላ ኣብ ዝተኻየደ 23 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ÷ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንትበፅሕ ኣቀባብላ ተገይርሉ እዩ፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ 10 ሜዳሊያታት ብምውናን ዛዚማ
Jun 27, 2024 123
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/20/ 2016 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ 5 ወርቂ፣ 4 ብሩርን 1 ነሃስን ብድምሩ 10 ሜዳሊያታት ብምውናን ውድድራ ፈፂማ። ብኣሰናዳእነት ካሜሩን ኣብ ከተማ ዱዋላ ኣብ ዝተሳለጠ እቲ ውድድር፥ ካብ ልዕል 27 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ 2 ሺሕን 500 ኣትሌታት ነዝሓለፉ 6 መዓልታት ተሳቲፎም። ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር ብ32 ደቂ ኣኒስቲዮን 36 ደቂተባዕቲዮን ኣትሌታት ኣብ 19 ዓይነታት ውድድር ኣትሌቲክስ ተሳቲፋ። ብመሰረት እዚ 5 ወርቂ፣ 4 ብሩርን 1 ነሃስን ብድምሩ 10 ሜዳሊያታት ብምውናን ውድድራ ዛዚማ።
ኣብ ውድድር ስጉሚ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ብክልቲኡ ፆታ ወርቂ ሜዳሊያ ረኺባ
Jun 25, 2024 119
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/18/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ካሜሩን ዱዋላ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 23 ውድድር ስጉሚ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ብክልቲኡ ፆታ ወርቂ ሜዳሊያ ረኺባ። ኣብ ካሜሩን ዱዋላ ዝተኻየደ ውድድር ስጉሚ 20 ኪሎ ሜትሮ÷ ኣትሌት ስንታየሁ ማስሬን ምስጋና ዋቁማ ብዓወት ዛዚሞም። መበል 23 ውድድር ስጉሚ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ÷ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 21 ክሳብ 26 ሰነ 2024 ኣብ ካሜሩን ዱዋላ እናተኻየደ ይርከብ።
ኢትዮጵያዊት አትሌት ፍሬወይኒ ሃይሉ ታዓዊታ
Jun 21, 2024 137
አዲሰ አበባ/ሰነ/14/2016/ኢዜአ/ ኢትዮጵያዊት አትሌት ፍሬወይኒ ሃይሉ አብ ፖላንድ አብ ዝተኻየደ ናይ 1500 ውድድር ጉያ ውሽጢ ገዛ ታዓዊታ፡፡ አትሌት ፍረወይኒ ሃይሉ አብ ፖላንድ ከተማ ባይድጎሽ አብ ዝተኻየደ ናይ 1500 ውድድር ጉያ ደቂ አንስትዮ 3፡58.59 ብዝኾነ ሳዓት ብምእታው ምስዓራ ሓበሬታ ዎርልድ አትሌቲክስ አመላኺቱ፡፡ አትሌት ፍረወይኒ ቅድሚ ሓዚ አብ ፖላንድ አብ ዝተሳተፍለቶም ውድድራት ብተደጋጋሚ ምዕዋታ ዝፍለጥ እዩ፡፡