አርእስተ ዜና
ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ምስ ትካል ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ብምትሕብባር ንምስራሕ ተፈራሪሙ
Aug 5, 2024 22
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /29/2016 (ኢዜኣ) ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ምስ ትካል ፋውንዴሽን ፎር ሩራል ዴቨሎፕመንት ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕ ተፈራሪሙ። እቲ ስምምዕ፤ ሚኒስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር)ን ዳይሬክተር እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ኢትዮጵያ ይን ቼንን እዮም ፈሪመምዎ። ሚኒስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር)፤ እቲ ስምምዕ ደገፍ ምስፍሕፋሕ ምገባ ተምሃሮ፣ምርግጋፅ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ፣ምዝርጋሕ ተሓዳሲ ሓይሊ ሶላርን ናውቲ ፅሩይ ዝስተ ማይን ትምህርትን ዝሓዘ እዩ ኢለን። እቶም ፕሮጀክትታት እቲ ሕብረተሰብ ካብ ተመፅዋታይነት ሓራ ብምውፃእ ብዘላቕነት ንምጥያሽ ዘኽእሉ እዮም ክብላ እውን ገሊፀን። ዳይሬክተር እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ኢትዮጵያ ይን ቼን ብግደኦም፤ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ደገፍ እናተገበረ ከምዝፀንሐ ኣረዲኦም።
የሚታይ
ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ምስ ትካል ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ብምትሕብባር ንምስራሕ ተፈራሪሙ
Aug 5, 2024 22
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /29/2016 (ኢዜኣ) ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ምስ ትካል ፋውንዴሽን ፎር ሩራል ዴቨሎፕመንት ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕ ተፈራሪሙ። እቲ ስምምዕ፤ ሚኒስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር)ን ዳይሬክተር እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ኢትዮጵያ ይን ቼንን እዮም ፈሪመምዎ። ሚኒስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር)፤ እቲ ስምምዕ ደገፍ ምስፍሕፋሕ ምገባ ተምሃሮ፣ምርግጋፅ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ፣ምዝርጋሕ ተሓዳሲ ሓይሊ ሶላርን ናውቲ ፅሩይ ዝስተ ማይን ትምህርትን ዝሓዘ እዩ ኢለን። እቶም ፕሮጀክትታት እቲ ሕብረተሰብ ካብ ተመፅዋታይነት ሓራ ብምውፃእ ብዘላቕነት ንምጥያሽ ዘኽእሉ እዮም ክብላ እውን ገሊፀን። ዳይሬክተር እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ኢትዮጵያ ይን ቼን ብግደኦም፤ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ደገፍ እናተገበረ ከምዝፀንሐ ኣረዲኦም።
ፖለቲካ
ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ምስ ትካል ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ብምትሕብባር ንምስራሕ ተፈራሪሙ
Aug 5, 2024 22
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /29/2016 (ኢዜኣ) ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ምስ ትካል ፋውንዴሽን ፎር ሩራል ዴቨሎፕመንት ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕ ተፈራሪሙ። እቲ ስምምዕ፤ ሚኒስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር)ን ዳይሬክተር እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ኢትዮጵያ ይን ቼንን እዮም ፈሪመምዎ። ሚኒስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር)፤ እቲ ስምምዕ ደገፍ ምስፍሕፋሕ ምገባ ተምሃሮ፣ምርግጋፅ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ፣ምዝርጋሕ ተሓዳሲ ሓይሊ ሶላርን ናውቲ ፅሩይ ዝስተ ማይን ትምህርትን ዝሓዘ እዩ ኢለን። እቶም ፕሮጀክትታት እቲ ሕብረተሰብ ካብ ተመፅዋታይነት ሓራ ብምውፃእ ብዘላቕነት ንምጥያሽ ዘኽእሉ እዮም ክብላ እውን ገሊፀን። ዳይሬክተር እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ኢትዮጵያ ይን ቼን ብግደኦም፤ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ደገፍ እናተገበረ ከምዝፀንሐ ኣረዲኦም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግሃስ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ደገፍ ገይሩ
Aug 3, 2024 44
  ሳውላ/ሓምለ /27/2016 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግሃስ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ዝኸውን 5 ሚልዮን ብር ደገፍ ገይሩ። ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምክትል ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃእን ሰላምን ፈትሂ መሀዲ(ዶ/ር)፤ እቲ ቤት ምኽሪ እቲ ሓደጋ ካብ ዘጋጠመ ጀሚሩ በቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰምዖ ሓዘን እናገለፀ ከምዝፀንሐ ገሊፀን። ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት እውን 5 ሚልዮን ብር ደገፍ ከምዝገበረ ኣፍሊጠን። ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ትካላት ልምዓት መንግስቲ ስለሺ ኮሬ(ዶ/ር ኢ/ር) ብግደኦም፤ እቲ ቤት ምኽሪ በቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወጋናት ብዘላቕነት ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ኣረዲኦም። እቲ ደገፍ ዝተረከቡ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ጎፋ ኢንጅነር ዳግማዊ ኣየለ፤ እቲ ሓደጋ ካብ ዘጋጠመሉ እዋን ጀሚሩ እቲ ቤት ምኽሪ ሓዘኑ እናገለፀ ከምዝፀንሐ ብምዝኽኻር ነቲ ዝተገበረ ደገፍ እውን ብሽም እቶም ተጎዳእቲ ኣመስጊኖም።
መንግስቲ ናብ ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝኣተወ እኹል ምድላው ብምግባር ኢዩ - ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)
Aug 3, 2024 46
  ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/27/ 2016 /ኢዜአ/ መንግስቲ ናብ ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝኣተወ እኹል ምድላው ብምግባር ኢዩ ክብላ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ገሊፀን። ዕላምኡ ድማ ቀፃልነት ዘለዎ ምዕባለ ንምምዝጋብን ኩለ መዳይ ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅን ከምዝኾነ ኣብሪሀን። እተን ሚኒስትር ኣብ ዝሃብኡ መብርሂ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ጭቡጥ ኩነታት ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ዝሓሰበቶ ምዕባለ ንምዕዋት ዘየኽእል ብምዃኑ ናይ ለውጢ መንግስቲ ነዚ ንምቕያር ፈለማ መመሓየሺ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ተግባራዊ ከምዝገበረ ኣፍሊጠን። ኣብቲ እዋን ኣታዊ ውሽጢ ዓዲን ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ፋይናንስን ውሑድ ምዃኑ፣ ትሑት ዓቕሚ ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት፣ መሓንቓት ፖሊሲ ሓዊሱ መሓዉራዊ ፀገማት፣ ዓውዲ ውልቀ መራሒ ኢኮኖሚ ዘይምዃን ዝብሉን ወዘተን ናይቲ ኢኮኖሚ ቀንዲ መግለፂታት ከምዝነበሩ ተዛሪበን። ነዚ ፀገም ንምቅላል ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ብምቕራፅ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ኣዘኻኺረን። በዘ ድማ ብተግባር ዝረኣዩ ገዘፍቲ እወንታዊ ውፅኢታት ከምዝተረጋገፁ ገሊፀን። እቶም ኣብ መመሓየሺ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ዝተረኸቡ ዓወታት ንምቕፃልን ፀገማት ንምፍታሕን ዓሊሙ መንግስቲ ናብ ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ከምዝኣተወ ተዛሪበን። እቲ ውሳነ እዋናዊን ኢትዮጵያ ንዝተለመቶ ምዕባለን ምቹእ ምዕባለ ዘምፅእ ከምዝኾነ ገሊፀን።
ፖለቲካ
ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ምስ ትካል ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ብምትሕብባር ንምስራሕ ተፈራሪሙ
Aug 5, 2024 22
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /29/2016 (ኢዜኣ) ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ምስ ትካል ፋውንዴሽን ፎር ሩራል ዴቨሎፕመንት ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕ ተፈራሪሙ። እቲ ስምምዕ፤ ሚኒስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር)ን ዳይሬክተር እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ኢትዮጵያ ይን ቼንን እዮም ፈሪመምዎ። ሚኒስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር)፤ እቲ ስምምዕ ደገፍ ምስፍሕፋሕ ምገባ ተምሃሮ፣ምርግጋፅ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ፣ምዝርጋሕ ተሓዳሲ ሓይሊ ሶላርን ናውቲ ፅሩይ ዝስተ ማይን ትምህርትን ዝሓዘ እዩ ኢለን። እቶም ፕሮጀክትታት እቲ ሕብረተሰብ ካብ ተመፅዋታይነት ሓራ ብምውፃእ ብዘላቕነት ንምጥያሽ ዘኽእሉ እዮም ክብላ እውን ገሊፀን። ዳይሬክተር እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ኢትዮጵያ ይን ቼን ብግደኦም፤ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ደገፍ እናተገበረ ከምዝፀንሐ ኣረዲኦም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግሃስ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ደገፍ ገይሩ
Aug 3, 2024 44
  ሳውላ/ሓምለ /27/2016 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግሃስ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ዝኸውን 5 ሚልዮን ብር ደገፍ ገይሩ። ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምክትል ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃእን ሰላምን ፈትሂ መሀዲ(ዶ/ር)፤ እቲ ቤት ምኽሪ እቲ ሓደጋ ካብ ዘጋጠመ ጀሚሩ በቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰምዖ ሓዘን እናገለፀ ከምዝፀንሐ ገሊፀን። ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት እውን 5 ሚልዮን ብር ደገፍ ከምዝገበረ ኣፍሊጠን። ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ትካላት ልምዓት መንግስቲ ስለሺ ኮሬ(ዶ/ር ኢ/ር) ብግደኦም፤ እቲ ቤት ምኽሪ በቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወጋናት ብዘላቕነት ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ኣረዲኦም። እቲ ደገፍ ዝተረከቡ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ጎፋ ኢንጅነር ዳግማዊ ኣየለ፤ እቲ ሓደጋ ካብ ዘጋጠመሉ እዋን ጀሚሩ እቲ ቤት ምኽሪ ሓዘኑ እናገለፀ ከምዝፀንሐ ብምዝኽኻር ነቲ ዝተገበረ ደገፍ እውን ብሽም እቶም ተጎዳእቲ ኣመስጊኖም።
መንግስቲ ናብ ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝኣተወ እኹል ምድላው ብምግባር ኢዩ - ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)
Aug 3, 2024 46
  ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/27/ 2016 /ኢዜአ/ መንግስቲ ናብ ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝኣተወ እኹል ምድላው ብምግባር ኢዩ ክብላ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ገሊፀን። ዕላምኡ ድማ ቀፃልነት ዘለዎ ምዕባለ ንምምዝጋብን ኩለ መዳይ ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅን ከምዝኾነ ኣብሪሀን። እተን ሚኒስትር ኣብ ዝሃብኡ መብርሂ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ጭቡጥ ኩነታት ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ዝሓሰበቶ ምዕባለ ንምዕዋት ዘየኽእል ብምዃኑ ናይ ለውጢ መንግስቲ ነዚ ንምቕያር ፈለማ መመሓየሺ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ተግባራዊ ከምዝገበረ ኣፍሊጠን። ኣብቲ እዋን ኣታዊ ውሽጢ ዓዲን ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ፋይናንስን ውሑድ ምዃኑ፣ ትሑት ዓቕሚ ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት፣ መሓንቓት ፖሊሲ ሓዊሱ መሓዉራዊ ፀገማት፣ ዓውዲ ውልቀ መራሒ ኢኮኖሚ ዘይምዃን ዝብሉን ወዘተን ናይቲ ኢኮኖሚ ቀንዲ መግለፂታት ከምዝነበሩ ተዛሪበን። ነዚ ፀገም ንምቅላል ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ብምቕራፅ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ኣዘኻኺረን። በዘ ድማ ብተግባር ዝረኣዩ ገዘፍቲ እወንታዊ ውፅኢታት ከምዝተረጋገፁ ገሊፀን። እቶም ኣብ መመሓየሺ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ዝተረኸቡ ዓወታት ንምቕፃልን ፀገማት ንምፍታሕን ዓሊሙ መንግስቲ ናብ ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ከምዝኣተወ ተዛሪበን። እቲ ውሳነ እዋናዊን ኢትዮጵያ ንዝተለመቶ ምዕባለን ምቹእ ምዕባለ ዘምፅእ ከምዝኾነ ገሊፀን።
ማሕበራዊ
ጠንቂ ሕማም ኮሌራ እንታይ እዩ?
Aug 5, 2024 27
  ረኽሲ ሕማም ኮሌራ ብ ‘ቪብርዮ ኮሌራ’ ዝበሃል ባክተርያ ዝመጽእ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ቀጢን መዓንጣ መርዛማት ነገራት ብምፍራይ ኣካላትና ኣዝዩ ብዙሕ ማይ ከም ዝፍንው ይገብር፣ እዚ ድማ ናብ ተምላስን ኣብ ከቢድ ኩነታት ድማ ብቕልጡፍ ፈሳስን ጨውን ከም ዝስእን ይገብር። መብዛሕትኡ ግዜ ምልክታት ድሕሪ ምልካፍ ካብ 12 ሰዓታት ክሳብ ሓሙሽተ መዓልታት ይጅምር። ውድብ ጥዕና ዓለም ግና ልዕሊ 80 ምኢታዊት ካብቶም በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ምልክታት ከምዘየርእዩ ይገልጽ። ውሑዳት ካብቶም ምልክታት ዘርእዩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 20–30 ምኢታዊት፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ማይ ዝመስል ተምላስ ምስ ከቢድ ምውሓድ ማይ የጋጥሞም። እዚ ድማ እንተዘይተሓኪሙ ናብ ሞት ከብጽሕ ይኽእል። ምልክታት እቲ ሕማም እንታይ እዮም? ምልክታት ረኽሲ ሕማም ኮሌራ • ተምላስ ማይ ዝመስልን መብዛሕትኡ ግዜ ፍሕሽው ጸባ ዝመስል መልክዕ ዘለዎን። • ስምዒት ወይ ሕማም (ተምላስ ንሰዓታት ክጸንሕ ይኽእል እዩ ብፍላይ ድማ ኣብ መጀመርታ ደረጃታት ልሙድ እዩ)። • ቃንዛ ከብዲ • ምጭብባጥ እግሪ • ምውሓድ ማይ ድሕሪ ምጅማሩ ምልክታት ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ክምዕብል ይኽእልን ካብ ቅልል ዝበለ ክሳብ ከቢድ ክኸውን ይኽእል። • ምልክታት ምውሓድ ማይ፡ ቁጥዐ፡ ድኻም፡ ምጥሓል ኣዒንቲ፡ ደረቕ ኣፍ፡ ልዑል ጽምኢ፡ ናብ ዓጻፊ ምስ ዝቕንጠጥ ንድሕሪት ዝምለስ ደረቕን ዝሽርሸርን ቆርበት፡ ውሑድ ወይ ውን ሽንቲ ዘይብሉ፡ ትሑት ጸቕጢ ደምን ዘይስሩዕ ህርመት ልብን ይርከብዎም። ሕማም ኮሌራ ብኸመይ ይላባዕ? ሕማም ኮሌራ ዝመሓላለፍ ሰብ ብባክተርያ ቪብሪዮ ኮሌራ ዝተበከለ ማይ ምስ ዝሰቲ ወይ ከዓ መግቢ ምስ ዝበልዕ እዩ። ምልክታት ዘየርእዩ ሕሙማት ንኻልኦት ናይ ምልካፍ ሓደጋ ኣለዎም። ምልክታት ዘይብሎም ሕሙማት ነቲ ባክተርያ ኣብ ከባቢኦም ናይ ምብካል ተኽእሎኦም ልዑል እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም ሰባት: ሰገራ ወይ ተምላስ ናይ ሓደ ሕማም ኮሌራ ዘለዎ ሰብ፡ ከምኡ’ውን ምስ ብሽንቲ ወይ ተምላስ ዝተበከሉ ነገራት ከይራኸዑ የጠንቅቕ። ብተወሳኺ እቲ ትካል ምስ ሬሳ ብሕማም ኮሌራ ዝሞተ ሰብ ብዘይ መከላኸሊ ርክብ ከይህሉ የጠንቅቕ። ከመይ ጌርካ ኢኻ ንርእስኻ ክትከላኸላ እትኽእል? ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ፡ ናብቲ ሕማም ኮሌራ ዝርከበሉ ከባቢታት ኣብ እትገይሸሉ እዋን ከመይ ጌርካ ከም ዘይትሓምም ዝሕብር ምኽርታት ይህብ፤ • ኣእዳውና ብቐጻሊ ብማይን ሳሙናን ምሕጻብ፣ ብፍላይ ድሕሪ ሽቓቕ ምጥቃምን ቅድሚ ምግቢ ምድላው ወይ ምብላዕና። • ጽሩይ ማይ ጥራይ ስተ፡ እንተላይ ኣብ ጥርሙዝ ማይ ወይ ዝተፈልሐ ማይ ቧንቧ። • ኣብ ጥርሙዝ ወይ ዝፈለሐ ማይ ተጠቒምካ ኣስናንካ ምብራሽ። • ብጥርሙዝ ወይ ብዝፈለሐ ማይ ዘይሓጸብካዮምን ባዕልኻ ዘየዳለኻዮምን ዘይበሰለ ፍረታትን ኣሕምልትን (ሰላጣ ሓዊስካ) ኣይትብላዕ። • ምግብታት ባሕሪ ኣይትብላዕ። • ኣብ መስተታትካ በረድ ኣይሃልኻ። • ባዕልኻ ክትቆርጾም እትኽእል ፍረታትን ኣሕምልትን ከም ባናና፡ ኣራንሺን ኣቮካዶን ምብላዕ። • ብቐሊሉ ዝፍወስ ሕማም ሕማም ኮሌራ ቀልጢፍካ ኦኣርኤስ ብምስታይ ክሕከም ይኽእል። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኦኣርኤስ ካብ ሰራሕተኛታት ጥዕና ክትረኽቦ ወይ’ውን ኣብ ገዛኻ ከይተረፈ ሓደ ሊትሮ ውሑስ ማይ፡ ሽዱሽተ ማንካ ሻሂ ሽኮርን ፍርቂ ማንካ ሻሂ ጨውን ብምሕዋስ ክስራሕ ከም ዝኽእል ይመክር። ዓበይቲ ሰባት ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ማእከላይ ምውሓድ ማይ ንምፍዋስ ክሳብ ሽዱሽተ ሊትሮ ኦኣርኤስ ከድልዮም ይኽእል። ኣብ ከቢድ ኩነታት፡ ሓደ ሕሙም ተወሳኺ ሕክምና ከድልዮ ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ ሕሙማት ንውሓት ግዜ ተምላስ ንምንካይ፡ ዘድሊ መጠን ሪሃይድሬሽን ፈሳሲ ንምንካይ፡ ከምኡ’ውን ናብ ሰገራኦም ዝወጽእ መጠንን ንውሓት ግዜን ባክተርያ ኮሌራ ንምሕጻር ግቡእ ጸረ-ነፍሳት ይወሃቦም። መብዛሕትኦም ሰባት ካብ ሕማም ኮሌራ ብግቡእ ክንክን ብቕልጡፍ ይሓውዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ሕሙማት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ካብ ትካላት ክንክን ጥዕና ይወጹ። ሕማም ኮሌራ ምውጋድ በዓልቲ ሞያ ጥዕና ኣይሪን “መንግስታት ንማሕበረሰባት ብፍላይ ኣብ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ውሕሱን ጽሬቱ ዝሓለወን ማይ ኣብ ምቕራብ ወፍሪ ክገብሩ ኣለዎም” ትብል። ሓባራዊ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም/ዩኒሴፍ ኣብ 2022/ • ኣብ መላእ ዓለም 2.2 ቢልዮን ሰባት ገና ብውሑስ መንገዲ ዝመሓደር ዝስተ ማይ ኣይነበሮምን። • 3.5 ቢልዮን ሰባት ገና ብውሑስ መንገዲ ዝመሓደር ጽሬት (ሽቓቕ) ኣይነበሮምን፣ ካብዚኦም እቶም 419 ሚልዮን ሰባት ኣብ ክፉት ሽቓቕ ዝጥቀሙ እዮም። • ክልተ ቢልዮን ሰባት ኣብ ገዝኦም መሰረታዊ ኣገልግሎት ጽሬት - ማይን ሳሙናን ዘለዎ መሕጸቢ ኢድ - ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2017፡ ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ ኣካዳሚያዊ ትካላትን ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ሓዊሱ ልዕሊ 50 ትካላት ዝሓቖፈ ዓለማዊ ሓይሊ ዕማም ምቁጽጻር ሕማም ኮሌራ ስትራተጂ ምቁጽጻር ሕማም ኮሌራ ኣበጊሱ። እቲ ጉጅለ፡ ሞት ሕማም ኮሌራ ብ90 ምኢታዊት ንምንካይን ክሳብ 2030 ኣብ 20 ሃገራት ሕማም ኮሌራ ንምውጋድን ዝዓለመ እዩ።
ቁጠባ
ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ዘበናዊ ፋብሪካ ሓፂነ  ከምዝሃንፅ ገሊፁ
Aug 5, 2024 25
  ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/29/ 2016 /ኢዜአ/ ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዘበናዊ ፋብሪካ ሓፂነ ከምዝሃንፅ ገሊፁ። ዋና ኣስፈፃሚ ስራሕ ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ኣምባሳደር ሱሌይማን ደደፎ፥ ኢትዮጵያ ደቀቕቲ ብሎን እንተይተረፈ ካብ ወፃኢ ዓዲ ከምእተእቲ ተዛሪቦም። ኮይኑ እውን እዚካብ ወፃኢዝአቱ ፍርያት ብዓቕሚ ውሽጢ ዓዲ ንምሽፋን ከምዝተተለመ ገሊፆም። ስለ ዝኾነ ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይን ግዙፍን ዘበናዊ ፋብሪካ ሓፂነ ኣብ ከተማ ነቀምቴ ከምዝሃንፅ ሓቢሮም። ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዕደና ሓፂን ከምዘሎ ብምዝኽኻር፥ በዚን ካልኦት ምኽኒያታትን እቲ ፋብሪካ ኣብ ከተማ ነቀምቴ ንክህነፅ መንግስቲ ወሲኑ ኢዩ ኢሎም። ሙሉእ እታዎታት እቲ ፋብሪካ ካብ ጣሊያን ተዓዲጉ ናብ ውሽጢ ዓዲ ከምዝኣተወ እውን ገሊፆም። ነቲ ፋብሪካ ንምህናፅ ካብ 70 ክሳብ 80 ሚሊየን ዩሮ ከምዝሓትት ዝሓበሮ እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብ ሓፂር እዋን ተሃኒፁ ክዛዘም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ አመልኪቶም ።
ቪዲዮታት
ሳይንስን ቴክኖሎጅን
መበል 13 ሃገራዊ ጉባኤ ትምህርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ
Jul 27, 2024 87
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 20/2016 (ኢዜኣ) መበል 13 ሃገራዊ ጉባኤ ትምህርቲ መንግስታዊ ዩኒቨርሲቲታት ̎ዲጂታል ቴክኖሎጂ ንላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘለዎ ዕድል̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ። ኣብቲ ጉባኤ፤ ፕሬዚዳንትታት መንግስታዊ ዩኒቨርሲቲታት፣ሓለፍቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ውልቀ፣ሓለፍቲ ሚኒስቴር ትምህርትን ተዋሳእቲ እቲ ዓውድን ተረኺቦም። ኣብቲ ̎ዲጂታል ቴክኖሎጂ ንላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘለዎ ዕድል̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ፤ ኣብ ዕድላትን ፈተናታትን ቴክኖሎጂ ዝጠመቱ ፅሑፋት ቀሪቦም ከምዝዝተየሎም ተገሊፁ። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኮራ ጡሽኔ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምኽፋት እቲ ጉባኤ ከምዝበልዎ፤ ቴክኖሎጂ ፅሬት ትምህርቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንምርግጋፅን ፀገም ዝፈትሑ መፅናዕትታትን ምርምራትን ንምክያድን ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ሪፎርም ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ። ብተወሳኺ እውን ዲጂታል ቴክኖሎጂ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝተቐመጡ ዓለም ለኸ ሽቶታትን ዝሳለጡ ዘለዉ ሪፎርማትን ንምዕዋት ልዑል እጃም ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ስፖርት
ሓለዋ ኸበቢ
ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም
Aug 3, 2024 45
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 27/2016 (ኢዜኣ) ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቦሌ ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር ኣይተ መስፍን ጣሰው፤ እቲ መንገዲ ኣየር ሓለዋ ከባቢ ከም ሓደ ማሕበራዊ ሓላፍነት ወሲዱ እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም። ካብ ተኸላ ፈልሲ ብተወሳኺ ነቲ ከባቢ ምችውን ተስማዕማዕን ዝኾኑ ቴክኖሎጂታት ኣቬሽን ኣብ ጥቕሚ ብምውዓል ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ እናገበረ እዩ ኢሎም። እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር 2016 ዓ/ም ሃገር ቦቆል ዝኾኑ 50 ሽሕ ፈልስታት ንምትካል ትልሚ ከምዝሓዘን ክሳብ ሕዚ 27 ሽሕ ፈልስታት ከምዝተተኸሉን ኣፍሊጦም። ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ብግደኦም፤ እቶም ዝተተኸሉ ፈልስታት ብምክንኻን ሓላፍነቶም ከምዝዋፅኡን ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝገብርዎ ተሳትፎ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉን ምዝራቦም ካብቲ መንገዲ ኣየር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ኢዜኣ ትኽክለኛ ሓበሬታታት ናብ ህዝቢ ካብ ምዝርጋሕ ብተወሳኺ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እውን እጃሙ እናተዋፅአ እዩ
Aug 3, 2024 78
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 27/2016 (ኢዜኣ) ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ትኽክለኛ ሓበሬታታት ናብ ህዝቢ ካብ ምዝርጋሕ ብተወሳኺ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እውን እጃሙ እናተዋፅአ ምዃኑ ምክትል ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ነጋሲ ኣምባዬ ገሊፆም። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 2016 ዓ/ም ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ከተማ ሃይቅ ብዕሊ ከምዘጀመሩ ዝዝከር እዩ። ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ኢዜኣ እውን ኣብ ፓርክ እንጠጦ ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ኣይተ ነጋሲ ኣምባዬ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ትካል ንተኸታተልቲ ዓመታት ፈልስታት ብምትካል ናይ ባዕሉ ኣሰር እናንበረ መፂኡ እዩ። ፈልስታት ካብ ምትካል ሓሊፉ እውን ብኣግባቡ ንክፀድቁ ከምዝሰርሕ ሓቢሮም። ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ትካል መጠን ፅድቀት ፈልስታት ክብ ንምባል ፕሮግራም ኣውፂኡ ስራሕቲ ምክንኻን ከምዘሳልጥ ተዛሪቦም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ዝተሳተፉ ኣመራርሓን ሰብ ሞያታትን እቲ ትካል ብግደኦም፤ እቶም ዝተተኸሉ ፈልስታት ንክፀድቁ ስራሕቲ ምክንኻን ንምስላጥ ድሉዋት ምዃኖም ኣፍሊጦም። ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ትልሚ ዝተትሓዘ እንትኸውን፤ ̍እትተክል ሃገር፤ ዘፅንዕ ወለዶ̍ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ እናተሳለጠ ዝርከብ።
ዓለም ለኸዊ ዜናታት
"ይቕሬታ ፍቕረይ! ኣዝየ ይቕሬታ"
Jul 29, 2024 75
  አዲስ አበባ/ሓምለ/22/2016/ኢዜአ/ኢጣልያዊ ኣትለት ዝላ ጂያንማርኮ ታምቤሪ፡ ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኦሎምፒክ ፓሪስ ቀለበት መርዓኡ ድሕሪ ምጥፋኣ ንበዓልቲ ቤቱ ብወግዒ ይቕሬታ ሓቲቱ። እዚ ወዲ 32 ዓመት ሻምፕዮን ዓለም፡ እታ ኣትሌታት ዝጸዓነት ጃልባ ብሩባ ሴን ትወርድ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ባንዴራ ሃገሩ እናምበልበለ እንተሎ እያ ቀለበቱ ካብ ኣጻብዕቱ ሞሊቓቶ። "ይቕሬታ ፍቕረይ! ኣዝየ ይቕሬታ" ክብል እውን በዓልቲ ቤቱ ቺያራ ቦንተምፒ ታምቤሪ ይቕረታ ክትገብረሉ ኣብ ኢንስታግራም ብወግሒ ሓቲቱ። እቲ ኣትሌት ነቲ ዘጋጠመ ምጥፋእ ቀለበቱ፡ ኣብ ሰብነቱ "ብዙሕ ኪሎ ምጉዳሉ"ን “ዘይሓላፍነታዊ ስምዒታውነት”ን ከም ምኽንያት ኣቐምጡ። "ክኸውን እንተኾይኑ፤ ነዛ ቀለበት ክስእና እንተኾይነ ካብዚ ዝሓሸ ካልእ ቦታ ክሓስብ ኣይክእልን እየ" ክብል ዝጸሓፈ እቲ ኣትሌት፡ ሕዚ እታ ቀለበት "ንዘልኣለም ኣብ ሩባ እታ ናይ ፍቕሪ ከተማ ክትነብር እያ" ኢሉ። ቀለበት በዓልቲ ገዝኡ ቺያራ'ውን ኣብቲ ሩባ ክድርብይዋ ሓሳብ ከምዘቕረበ ተገሊጹ’ሎ። "[ድሕሪኡ] ንዘልኣለም ብሓባር ክነብራ እየን። ቃልና ኣሐዲስና ዳግማይ ክንምርዖ ድማ ሓደ ተወሳኺ መመኽነይታ ክህልወና'ዩ" ክብል ገሊጹ። ቺያራ ኣብ ትሕቲ እቲ በዓልቤታ ዝጸሓፎ ይቕሬታ "ነዚ ክስተት ናብ ፍቕራዊ ኵነታት ክትቅይሮ እትኽእል ንስኻ ጥራይ ኢኻ" ክትብል መልሲ ኣስፊራ። እዞም መጻምዲ ኣብ መስከረም 2022 መርዓ ድሕሪ ምፍጻሞም ኣብ ሓዳር ይርከቡ። ታምቤሪ ምስታ ሰለስተ ግዜ ተዓዋቲት መዳልያ ኦሎምፒክ ዝኾነት ኣርያና ኤሪጎ ባንዴራ ኢጣልያ እናምበልበለ እንከሎ እዩ ቀለበቱ ወዲቓ ኣብቲ ሩባ ዝተሰወረት። ንሱ ኣብ ጸወታታት ቶክዮ 2020 ቀልቢ ማዕከናት ዜና ዝሰሓበሉ ምኽንያት፡ ምስ ቀጠራዊ ሙታዝ ኤሳ ባርሺም ናይ ብራኸ ዝላ ወርቂ መዳልያ ብሓባር ድሕሪ ምምቓሉ እዩ ነይሩ። ካብ 2011 ጀሚሩ ከኣ ኣብ እዋን ውድድራት ፍርቂ ዝተላጽየ ቅዲ ጭሕሙ ከም "መፍለዪ ምልክት" ብምግባሩ'ውን ኣቓልቦ ዝሰሓበ ኣትሌት ክኸውን ክኢሉ።
ብበዝሒ ዝተርኣዩ
ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዩኒቨርሲቲታት ኣርባዕተ ሃገራት ሰነድ ስምምዕ ኸቲሙ
Jan 25, 2023 3011
ኣዲስ ኣበባ ፣ ጥሪ 17 ፣ 2015 ዓ/ም (ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣርባዕተ ሃገራት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ መረዳድኢ ሰነድ ስምምዕ ኸቲሙ። እቲ ስምምዕ ኣብ ኮዲቯር ኣቢጃን ዝተፈፀመ ኮይኑ ብዋናነት "ኢንተርዲሲፕሊኔሪ ፖሊሲ ኦሬንትድ ሪሰርች ኦን ኣፍሪካ "ዝበሃል ፕሮጀክት ብሓባር ንምስራሕ እዩ። ብዛዕባ እዚ ፕሮጀክት ብዝምልከት ኣብ ኮዲቯር ኣቢጃን ዘተ ስምምዕ እናተኻየደ እዩ። ኣብቲ ዘተ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደሃና ሓዊሱ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ፈረንሳይ፣ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ፌሊክስ ኮትዲቯርን ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ራቫት ሞሮኮን ተረኺቦም። ፕሮጀክት"ኢንተርዲሲፕሊኔሪ ፖሊሲ ኦሬንትድ ሪሰርች ኦን ኣፍሪካ" ብቦርድ ዩኒቨርሲቲ ፈረንሳይ ዝድገፍን ፖሊሲ ማእኸል ዝገበረ ዓለም ለኸን መፅናዕታዊ ምርምርን መድረኻት ዘሰናዱ እዩ። ነዚ ፕሮጀክት ልዕሊ ሸሞንተ ሚልየን ዩሮ ወፃኢ ከምዝግበር እውን ተገሊፁ።
ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዲፕሎማሲ ዓለም ዘለዋ ተቐባልነት ወሲኹ
Jan 17, 2023 2818
ኣዲስ ኣበባ፣ ጥሪ 9፣ 2015 ዓ/ም (ኢዜኣ) ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ብዝተፈጠረ ኲናት ነቲ ኣብ ደገ ዝስራሕ ዲፕሎማሲ ዓብይ ፈተና ኮይንዎ ከምዝነበረ ኣንባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጋና ኣምባሳደር ሃደራ ኣበራ ሓቢሮም ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ዝተፈጠረ ጎንፂ ስዒቡ ኢትዮጵያ ንስእነት ሰላምን ዘይምርግጋዕን ኣቃሊዑዋ ከምዝፀንሐ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፤ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምርግጋዕ ዘይምህላዉ ድማ ነቲ ኣብ ደገ ዝስራሕ ዲፕሎማሲ ዓብይ ፈተና ከምዝነበረ ተዛሪቦም። ስለዝኾነ ኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ ፍታሕ ንምርካብ ብሕብረት ኣፍሪካ ኣቢሉ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕቲ ይበል ዘብል ከምዝኾነ ገሊፆም። ብተወሳኺ እቲ ስምምዕ ሰላም ብኣፍሪካውያን ይኹን ኣውሮፓውያን ልዑል ተቐባልነት ከምዝረኸበ ብምግላፅ፤ እቲ ከይዲ ኣብ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እውን ንክቕፅል ብዕቱብ ይስራሕ ምህላው ብምሕባር ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዲፕሎማሲ ዓለም ዘለዋ ተቐባልነት ክብ ምባሉ ገሊፆም። ከም ኣገላልፃ ኣምባሳደር ሃደራ፤ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ፀገም ንክናገፍ ዋላ ኳ ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት እንተኾነ መንግስትን ዲያስፖራን ግና ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎም ሓቢሮም።
ሓተታ
ሰላም፣ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ዘሓዘለ - መልእክት ሰናይ
Jul 20, 2023 1900
  ሓምለዋይ አሰር ፈልሲ ምትካል ጥራሕ ዘይኮነስ ሰላም፣ ፍቕርን ሓድነትን ‘ውን ‘ ምትካል ዩ - መልእክቲ ሰናይ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ፅርኣ ወንበርታ ጣብያ ሚካኤል ኣምባ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ፌዴራልን መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ምስ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ መደብ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሚሊዮን ፈልሲ ምትካል 10 ሓምለ 2015 ዓ.ም ኣካይዶም። ኣብቲ መደብ ዝተሳተፉ ኣፈ- ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ከምዝገለፅዎ፤ ብ መደብ ሓምለዋይ ኣሰር ኣቢልና ዝተኸልናዮ ፈልሲ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰላም፣ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ዘንፀባርቕ ‘ውን ‘ዩ ኢሎም። ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ሰበ-ስልጣን ፌደራል መሪሖም ንኻልኣይ ግዜ ናብ ትግራይ ከምዝኸዱ ዘዘኻኸሩ እቶም ኣፈጉባኤ፤ ሓምለዋይ አሰር ምንባር ሓደ ዓብይ ልእኩቶ ሃገር እዩ በቲ ካልእ ገፅ ድማ ስምምዕነት ሰላም ንምሕያል፣ ሰላምን ፍቕርን ንምጥንኻር ‘ውን ክቡር ስራሕ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም። ሰላም ኣብ ምቕፃል ዓቢዪ ፃዕሪ ጌርና ኢና። ብምዃኑ ‘ውን ብዙሕ ለውጥታት ተረኺቦም ‘ዮም። ውፅኢቱ መላእ ህዝቢ ትግራይ ይርድኦ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን ክብሉ ተዛሪቦም። ሰላምና፣ ፍቕርናን ሓድነትናን ንምጥንኻር ፀገማትና ብዘተ ክንፈትሕ ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ታገሰ፤ ብዘተ እንተኸይድና ክፍትሑ ዘይክእሉ ፀገማት የለዉን። ድማ ነዚዝኸውን ባህልን ልምድን ኣለና ‘ዩ። እቲ ዝተረኽበ ሰላም ብልምዓት ብምድጋፍ ክነጠናኸሮ ይግባእ ዝበሉ እቶም ኣፈጉባኤ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሕላውን ምንክብኻብን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዙሕ ስራሕ ብምስራሕ ንኻልኦት ፍልጠትን ተሞክሮን ዘካፈለ ህዝቢ ‘ዩ፤ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንቀፃሊ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም፤ ዝተረኸበ ሰላም ብዝበለፀ ንምርግጋፅ እናሰራሕና ኣብ ልምዓት ክልልና ‘ውን ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ገሊፆም። ሰላምን ልምዓትን ንምጥንኻር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምትሕብባር ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፤ ኣብዚ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ልምዓትን ሰላምን ዝያዳ ክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብቲ ክልል ዘይተሰርሑ ብዙሓት ፕሮጀክትታት ስለዘለዉ ህዝቢ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ መንገዲ ንዕውትነት ስራሕቲ ልምዓት ክረባረብ ይግባእ። ነዚ ድማ ካብ ፌደራልን ካልኦት ኣካላትን ብዝግበር ሓገዝ ኣዋሃሂድና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ሞዴል ‘ዩ። ሕዚ ድማ ካብቲ ዝነበረ ኩናት ወፂኡ ናብ ሰላም ተመሊሱ ኣብ ልምዓታዊ ስራሕቲ ይሳተፍ ምህላዉ ዘሐጉስ ‘ዩ ኢሎም። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሕርሻ ፕሮፌሰር እያሱ ኤልያስ ብግዲኦም፤ እዚ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ኩናት ኣብ መደባት ሓምለዋይ አሰር ዘይተሳተፈ ‘ኳ እንተነበረ ሕዚ ግን ናብ ልምዓት ይምለስ ምህላዉ ዘተባብዕን ዘሕጉስን ‘ዩ ኢሎም። ኣብዚ ሓቢርና ፈልሲ ምትካልና መግለፂ ምትሕግጋዝናን ፍቕርናን ‘ዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር እያሱ፤ እቲ ሚኒስቴር ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ልምዓት ንምሕጋዝ ድልዊ ከምዝኾነ ገሊፆም። ምትሕግጋዝ ተጣናኺሩ ክቕፅል ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ምንክብኻብን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ወሲኾም ገሊፆም። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ዝተቓልዑ ቦታታት ብፈልሲ ክሽፈኑ ይግባእ ዝበሉ ፕሮፌሰር ኢያሱ፤ ኣብ ከምዚ ዝበለ ልምዓት ሓቢርና ብዝተጠናኸረ መልክዑ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም። ሕድርን ፍቅርን ሰላምን ሓድነትን ዝሰነቀ ረዚን መልእክቲ
ኩሉ በቢደረጅኡ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክቃለል ክሰርሕ  ትፅቢት ይግበረሉ።
Apr 20, 2023 2505
ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻደ ኩናት፡፡ ማሕበራዊ ህይወት ህዝቢ አናጊዑ ‘ዩ። እቲ ኩናት ዝፈጠሮ በሰላ ብጣዕሚ ከቢድ‘ዩ። ምስቲ ኩናት ርክብ ዘይብሉ ህዝቢ’ውን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ግዳይ እቲ ሓደጋ ኮይኑ ‘ዩ።ኣብቲ ክልል ዓብዪ ስነኣእምሯዊ ማሕሰይቲ፣ጉድኣት ኣካል ፣ ምጥፋእ ሂወትን ስነ ልቦናዊ ፀገምን በፂሑ ‘ዩ።ስለዚ እዚ ኣካይዳ ትኽክል ስለዘይኮነ ዳግም ከይድገም ኩሉ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ፡፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብ ስርሑ ክውዕል፣ ሓረስታይ ኣብ ማሕረሱ ከምኡ ‘ውን ተምሃሮ ኣብ ትምህርቶም ክውዕሉ እናተገበኦም ብሰንኪ እቲ ኩናት ካብዚ ወፃኢ ክኾኑ ተገዲዶም ‘ዮም፡፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ትግራይ ኾነ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንክዓስል ብፍላይ ኣብቲ ልዑል ዕንወት ዝበፅሓ ትግራይ ናብ ንቡር ሂወት ንክትምለስ ብዝተዋደደ መልክዑ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ንክጅመሩ ኣብዘድልየሉ ወሳናይ እዋን ንርከብ። ኣብዚ ድማ እቲ ዋና ብሓላፊነት ክፍፅሞ ዘለዎ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ማሕበረ ሰብ ብዝኽእሎ ዓቅሚ ካብቲ ብሰንኪ መዕነዋይ ኹናት ዝበፅሐ ብርሰትን ዕንወትን ናብ ልምዓት ንምስግጋር እኹል ትኹረት ተሳትፎን ካብ ኩሉ ዝፅበይ ዋኒን ከምዝኾነ የኣምን። ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ እቲ ቐዳምነት ዝወሃቦ ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ መረበቱ ሓዲጉ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ንቡር ናብራ ንክህልዎ ምግባር’ዩ፡፡ካሊእ ዝዓነወ፣ ዝተቓፀለን ዝተጎሓለን ገዛውቱ ከም ብሓዱሽ ምህናፅን ዝተጉሓለ ንብረቱ ዝምጥን ብዝኾነ መገዲ እንትረክብን ‘ዩ።ዝተመዛበለ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ናብራኡ ምምላስ ኩሉ ደላይ ሰላምን ልምዓትን ዝኣምነሉን ብሃንቀውታ ዝፅበዮ ዕዮ ገዛ መንግስቲ ምዃኑ እሙን እዩ ። ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ካብ ምምላስ ጎና ጎኒ ድማ ንዳግመ ህንፀት ዝውዕል ድጋፋት ኣድላይ ምዃኑ ርዱእ ‘ዩ። ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ወፃኢ መንግስታትን ዓለም ለኻዊን ኣህጉራዊን ውዳበታትን ሓገዛት ንክመፅእ’ውን ትፅቢት ዝግበረሉ ኮይኑ እቲ ሓገዛትን ድጋፋትን ድማ ብትኽክል ናብቲ ዝመፅአሉ ትኽክለኛ ዕላማን ቦታን ንክውዕልን ንክበፅሕን ኣድላይ ኽትትል ብምግባር ምርግጋፅ ኣድላዪ ይኸውን። ብናይ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዝእከብ ሓገዝ ንብረትን ገንዘብን ናብ ትኽክለኛ መዓሉ ንክውዕል ጥንኩር ሜላታት ኣሰራርሓ እንካብ ምትእትታው ኣድላይ ‘ዩ። እዚ ብኣግባቡ ንምፍፃም ድማ እቲ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዳግመ ህንፀት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት በቲ ዝድለ መንገዲ ተቐላጢፎም ከይህነፁ ዕንቕፋት ዝኾኑ ፀገማት ኣለልዩ ከወግዶም ከምዝግባእ ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎም ክስርሑ ካብዘለዎም ስራሕቲ ሓደ’ዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝምስረት ሓፂር እዋን እኳ እንተኾነ ነዚ ተግባር ንምፍፃም ተስፋ ዝህቡ ጅማሮ ስራሕቲ ይርኣይ ኣለዉ ‘ዮም፡፡ ብፍላይ ምጅማር ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት መንግስቲ ፌደራል ከም ሚኒስቴር ትምህርትን ጥዕናን ዝኣምሰላ ዑደት ስራሕ ኣብ ትግራይ ምክያደንን ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት መባእታ ትምህርቲ ክጅመሩ ምግባርን ዝበራታታዕ ጉዳይ ‘ዩ፡፡ ኣብ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ብፍላይ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ከምኡ ‘ውን ኣብ ግልጋሎት፣ ባንኪ፣ ስልኪ፣ መብራሕትን ማይን ዘለዉ መሰረታዊ ፀገማት ንምፍታሕ ብስፍሓት ኣብ ምስራሕ ልዑል መብራብ ዝሓትት ከምዝኾነ ፍሉጥ ‘ዩ። እቲ ዘሎ ፅቡቅ ጅማሮ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ኩሉመዳያዊ ተበፃሕነት ቅልጣፈን ትኹረት ክወሃቦ ዘለዎ ኮይኑ፤ እቲ ቀንዲን ዝዓበየን ውራይ ዳግመ ህንፀት ክስራሕ ዘለዎ ድማ ኣብ ምልማዕ ኣእምሮ ወዲሰብ ስለዝኾነ ብቑጠባ ይኹን ብትምህርቲ ድልዱል ዜጋ ንምፍጣር ተጀሚሩ ዘሎ ስራሒቲ ተጠናኺሩ ንክቅፅል ኩሉ ዝመልከቶ ኣካል ብግዜ የለን ክሳተፍን ክዋሳእን ይግባእ። ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ሰላም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ኣቲዩ ኣሎ።ስለዝኾነ ድማ ኣብ ትግራይ ንዝስራሕ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ሕወየትን ምችው ኩነታት ስለተፈጠረ ብግዘ የለን መንፈስ ምስራሕ ግድን ይኸውን።ስለዚ በታ ዝተረኸበት ዓቕሚን ሃፍተ ገነትን ኩሉ በቢደረጅኡ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክቃለል ክሰርሕ ግድን ይኸውን።
መንግስቲ ንሰላም ብዘለዎ ቑርፀኝነት ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ይርባሕ ስለዚ ሰላምና ነፅንዕ፡፡
Mar 30, 2023 2570
መንግስቲ ንሰላም ብዘለዎ ቑርፀኝነት ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ይርባሕ ስለዚ ሰላምና ነፅንዕ፡፡ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ጀምሩ ኣብ ትግራይ ሰላም ዓሲሉ ኣሎ፡፡ ህዝቢ ናብ ንቡር መነባብሮኡ ኣብ ምምላስ ይርከብ፡፡ወረ ኹናት ብወረ ሰላም፤ድምፂ ጥይት ብድምፂ መዝሙር ሰላም ተተኪኡ ኣሎ፡፡እዚ ክኸውን ዝኸኣለ መንግስቲ ፌዴራል ንሰላም ብዘለዎ ቁርፀኛ ቅዋም ንቲ ስምምዕነት እናተግበሮ ብምምፃኡ'ዩ፡፡በዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ተረባሒ እናኾነ ይርከብ፡፡ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህወሓት ካብ ስያመ ግብረ ራዕዲ ኣልዒሉ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሕ ርእሰ ምምሕዳር መዲቡ ኣሎ፡፡ኣፈፃሚ ስራ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣሳታፋይን ሓቋፋይን ንክኾን ንቶም ርእሰ ምምሕዳር ሓላፊነት ሂቡ ኣሎ፡፡እዚ ንሰላም ካብ ዘለዎ ቁርፀኛ ቅዋም ዝብገስን ንህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ካብ ዘለዎ ድሌት ዝብገስ እዩ ሰላም ሕዚ ብዓብይኡ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት 'ዩ ዘሎ፡፡ ናብ ዝተማለአ ሰላም ንምጉዓዝ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ምስራሕ ዘድሊ 'ኳ እንተኾነ ብንፅፅር ከንሪኦ እንተለና ግና ኩነታት ሰላም ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝሓሸ ደረጃ 'ዩ ዘሎ፡፡ እቲ መርኣያ ከም ሃገር ኣብ ፕሮጀክት ‹‹ገበታ ለትውልድ›› ካብ ዝተደሓዙ ሸሞንተ ፕሮጀክትታት ሓደ ኣብ ከባቢ ገረዓልታ ዝሰርሕ ከምዝኾነ እዩ፡፡ብዚ'ውን ህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ይኸውን፡፡እቲ ሰላም ዝያዳ እናዓሞቐን እናተፈፀመን እንትኸይድ ድማ ዝያዳ ተረባሒ ይኸውን፡፡እዚ ሐዚ ረኺቢናዪ ዘለና ሰላም ብቐሊሉ ዝመፅአ ኣይኮነን፡፡ኮይኑ ግና መንግስቲ ሰላም ምምፃእ ብጣዕሚ ኣድላዪ ከምዝኾነ ስለዝኣምን ንሰላም ሰሪሑ ኣሎ፤ይሰርሕ'ውን ኣሎ፡፡ ምኽንያቱ ሰላም ንምምፃእ ካብ ኵናት ብዘይነኣኣስ ትግሃትን ድኻምን የድሊ። ስለዚ መላእ ማሕበረሰብ ሃገርና ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ፃዕሪ ክገብር ይግባእ፡፡ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ዝኾነ ህዝቢ ንላዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካብ ሰላም ዝያዳ ተረባሒ ስለዝኾነ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ሰላም ዘላቒ ንክኸውን ክሰርሕ ኣለዎ፡፡መንግስቲ ፌደራል ኣሽምባይዶ ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ሰላም ኣብ ካልኦት ክፋል ኢትዮጵያ ዘለው ጎንፅታት'ውን ብሰላም ንምፍታሕ ብቁርፀኝነት እናሰርሐ'ዩ፡፡ብሓፈሻ ብወገን መንግስቲ ፌደራል ኣብ መላእ ሃገር ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ልቢ ዓዕብዩ እናሰርሐ ይርከብ፡፡ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ሰላም ድማ ዝያዳ ንክዓሙቕን ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብቕልጡፍ ተጀሚሩ ውፅኢታዊ ንክኸውን ብቑርፀኝነት እናሰርሐ ይርከብ፡፡በዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ተረባሒ ይኸውን፡፡ስለዚ ሰላምና ነፅንዕ፡፡
ብሳላ ሰላም በዓላትና ምኽባር ጀሚርና
Jan 21, 2023 1574
በዓል ጥምቀት ብዙሕ ትርጉም ሒዙ ዝኽበር በዓል እዩ። ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ትሕትና ዝመሃሩሉ፣ ብእግዚኣብሄር ከምዝኣምኑ ዝእውጁሉ፣ ንሰሃን ድሕንነትን ዝረኽቡሉ ምልክት ኮይኑ ዘገልግል እዩ። ከም ሃገር መልክዕ ክብረ በዓል ብዙሓት ዝኾንና ኢትዮጵያውያን ሕብሪ ፈጢርና ንደምቀሉ ዕለት ብምዃኑ ዓብዩ ቦታ ሂብና ነኽብሮ በዓል እዩ። በዓል ጥምቀትን ትሕትናን ድማ ተፈላልዮም ኣይረአዩን።መላእ ህዝቢ ሃገርና በዚ መንፈስ ከኽብሮ ኣለዎ። ጥምቀት ካብ ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ብተወሳኺ ሓድነት ህዝብታት ዘጎልብትን ህዝባዊ ምትእስሳር ዘጠናኽርን በዓል እንትኾን፤ ኣብቲ በዓል ብዙሓት ባህላዊ ክብርታት ዝንፀባረቑሉ ስለዝኾነ ሰሰናዩን ንሓድነት ህዝቢ ዝጠቕሙን ክብርታቱ ምሕላውን ምልማዕን ዘድልዮ በዓል እዩ። ኣብ በዓል ጥምቀት ብዙሓት በፃሕቲ ናብ ሃገር ዝስሕብ ብምዃኑ ድማ ኢትዮጵያ ካብቲ ዓውዲ ብዙሓት ኣታውታት ክትረክብ ዘኽእላ በዓል እንትኾን፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ዘይድህሰስ ሓድጊ ዓለም ኮይኑ ኣሎ። እዚ በዓል ኣብ መላእ ሃገር ብድምቀት ዝኽበር በዓል እዩ። ኣብ ትግራይ እውን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት በዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ትግራይ ብዝለዓለ ድምቀት እናተኸበረ ምፅንሑ ዝዝከር እዩ። ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ግን ብሰንኪ ሕማም ኮሮናን ኵናትን ኣብ ኣደባባይ ከይተኸበረ ፀኒሑ እዩ። ናይ ሎሚ ዘበን በዓል ጥምቀት ኣብ ትግራይ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ብድምቀት ከምዝተኸበር ድማ ግልፂ እዩ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ኣብ ክፋል ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኹናት ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ኲናት ጠጠው ኢሉ፤ድምፂ ተኹሲ ጠፊኡ እንሆ ድማ ንፋስ ሰላም ኣብ ትግራይ ምንፋስ ካብ ዝጅምር ልዕሊ ክልተ ወርሒ ኣቑፂሩ ። ህዝቢ እውን ሰላም ምስትምቓር ጀሚሩ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዝነበረ ኲናት ኣሽምባይ’ዶ ናይ ኣደባባይ በዓላት ከኽብር ኣብ ከቢድ ፀገም እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ፀገም ይነብር ምንባሩ እውን ዝፍለጥ እዩ። ሕዚ ግና ኣብ ፕሪቶሪያ ስምምዕነት ሰላም ተፈፂሙ ኲናት ጠጠው ስለዝበለ ካብ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ፀገም እናወፅአ ይርከብ። መንግስቲ ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን የቕርብ ኣሎ። ንህዝቢ መሰረታዊ ግልጋሎት ዝህባ ትካላት ከም እኒ ኢትዮ ቴሌኮም፣ግልጋሎት መብራህቲ፣ባንክታትን ጣብያታት ጥዕናን ሆስፒታላትን ዳግም ግልጋሎት ዝህባሉ ኩነታት ፈጢሩ ኣሎ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ናብ ሽረ እንዳስላሰን መቐለን በረራ ብምጅማር ስድራታት ብኣካል ንክራኸቡ ብምግባር ፀገም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምቅላል ይርከብ። እዚ ኹሉ ዝኾነ ስምምዕነት ሰላም ተፈሪሙ ኲናት ጠጠው ብምባሉ እዩ። እዚ ሰላም ዘላቒ ንክኸውን ድማ ኩሉ ክሰርሕ ይግባእ። ሕዚ እነኽብሮ ዘለና በዓል ጥምቀት ድማ ሰላምና ዝያዳ እነስተማቕረሉ እዩ። ኣብ ኣደባባይ ብናፅነት ወፂእና ሃይማኖታውን ባህላውን ተግባር እቲ በዓል እንፍፅመሉ ኩነታት ብምፍጣሩ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዓብይ ታሕጓስ ከምዝፈጥር ምርዳእ ይከኣል።ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ከም ሃገርን ከም ክልልን በዓል ልደት ተኸቢሩ ኣሎ። እቲ በዓል ድሕሪ ክልተ ዓመት ህዝቢ ሰላም እናስተማቐረ ዘብዐሎ በዓል ኮይኑ እንትሓልፍ በዓል ጥምቀት እውን እናኽበርና ንርከብ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝተረጋገዐ ኩነታት ኮይኑ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ዘኽብሮ ዘሎ ስለዝኾነ ድማ ፍሉይ ይገብሮ። ኮይኑ እውን እቲ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ቀፃልነት ንክህልዎ ሕዚ እውን ኩሉ ትግራዋይ ንዝረኸባ ሰላም ዋርድያ ኮይኑ ክሕልው ይግባእ። ሓድነቱን ፍቕሩን ኣጠናኺሩ ምስ መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ሓደ ኮይኑ ንምዕባለ ሃገር ፀኒዑ ጠጠው ክብል ኣለዎ።
ትንታነ
ጉዑዞ ተስፋን ቅሳነትን ንክስምር
Apr 6, 2023 2605
አዲስ አበባ/ መጋቢት 28 /2015/ ኢዜአ/ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ልዕሊ ሓሙሽተ ወርሒ ኣቑፂሩ ኣሎ። ኣብዘን እዋናት ብርክት ዝበሉ ኣወንታዊ ስጉምትታት ብመንግስቲ ፌደራል ተወሲዶም ‘ዮም። ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን ብዘይዓንቀፍቀፍ ናብ ትግራይ ንክኣቱን መሰረታዊ ግልጋሎት ከም ቴሌኮም፣ ባንኪ፣ ኤሌክትሪክ፣ ጥዕና ስራሕ ንክጅምሩ ሰሪሑ ኣሎ። ብወገን ህወሓት’ውን ከቢድ ብረት ምርካብን ምጅማሩን ዕጡቓት ካብ ድፋዕ ብምርሓቕ ኣብ ዝተወሰኑ ቦታታት ንክእክቡ ገይሩ ኣሎ። እዞም ስጉምትታት ንቲ ስምምዕነት ናብ ባይታ ብምውራድ ዘላቒ ሰላም ንክመፅእ ዝሕግዙ’ዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ሓድሽ ጉዕዞን ቅሳነትን ሒዙ መፂኡ ኣሎ። ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ራዕዳዊ ተባሂሉ ተሰይሙ ዝነበረ ህወሓት ስያሜኡ ንክለዓል ተገይሩ’ዩ። ቐፂሉ ድማ ምስ ጎንፂ ተተሓሒዙ ክሲ ተመስሪቲዎም ዝነበሩ ፖለቲካዊ አመራርሃታት ህወሓትን ከምኡ ውን ወታደራትን ክሶም ተቋሪፁ ካብ ቤት ህንፀት ወፂኦም ኣለው። እዚ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተወሰደ ስጉምቲ ንቲ ስምምዕነት ዘለዎ ተኣማንነትን ንሰላም ዘለዎ ቁርፀኛ ቅዋምን መረጋገፂ’ዩ። ኣብዚ መድረኽ ዓብይ ተስፋ ሒዙ ክምፅእ ትፅቢት ዝግበረሉ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክውን ኮይኑ አሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዝደንት እቲ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ፌደራል መንግስቲ ተዛትዩ ኣሎ። ኣብ ትካላት መንግስቲ’ውን ዑደት ኣካይዱ ኣሎ። ኣብቲ ዘተ ፅቡቕ ምርድዳእ ከምዝነበረ’ውን ተገሊፁ ኣሎ። እቲ ልኡኽ ካብቲ ዘተን ዑደትን ዝረኸቦ ሓሳብን ተሞክሮን ሒዙ ኣብ ፖለቲካዊን፣ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ሕወየት ትግራይ ዓብይ ስራሕ ንክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብዚ መድረክ ሓዱሽ ምዕራፍ ብዘይ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩሉ ዓቕሚ ኣዋዲዱ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብምንጣፍ ኢኮኖሚ እቲ ክልል ናብ ዝነበሮ ምንቅስቓስ ክመለስ ትፅቢት ይግበረሉ ። ቅድሚ ሐዚ ንንግድን ኢንቨስትመንት ዓጋቲ ዝነበሩ ኣሰራርሓታትን ኣወሃህባ ግልጋሎትን ብምምሕያሽን ብምቕያርን ሰብ ሃፍቲን ነጋዶን ንቲ ማሕበረሰብ ብዘይጎድእ መገዲ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ንክነግዱን ንክሰርሑን ፤ ንቲ መንእሰይ ድማ ዕድል ስራሕ ንክፈጥሩን ክገብር ኣለዎ። ኣብ ማሕበራዊ ሕወየት ‘ውን ጥዕናን ትምህርትን ሓዊሱ ኣብ ስነ ልቦና ዝተፈጠረ ፀቕጢ ንክሓዊ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ይግባእ። ተምሃሮ ናብ ትምህርቶም፣ ሓረስቶት ናብ ሕርሽኦም፣ሰራሕተኛ መንግስትን ውልቀን ናብ ቤት ዕዮኡ፣ነጋዳይ ናብ ንግዱ ኮታስ ኩሉ ህዝቢ ናብ ንቡር ስራሑ ንክምለስ ዘኽእል ፋይናንሳዊን ምቹው ባይታን ንክፈጥር ምስ መንግስቲ ፌደራል ተዋዲዲ ንክሰርሕ ትፅቢት ይግበርሉ። ጉዑዞ ሰላምን ቅሳነትን ንክሰምር።
መድረኽ ሓዱሽ ምዕራፍ ንጠቐመሉ
Feb 11, 2023 1597
እዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኣብ ትግራይ ብዙሕ ሓሳባትን ውድባትን ናብ መሪሕነት ዝመፅእሉ ኩነታት ይፈጥር ኣሎ፡፡ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሓደ ውድብን ኣተሓሳስባን እናተረፈ ብዙሓት ሓሳባትን ውድባትን ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሳሉን ኣብ ፖለቲካ ትግራይ እጃሞም ዘወፍይሉን ታሪኻዊ ምዕራፍ ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ እቲ ምዕራፍ ኣብ ፖለቲካ ምህዳር ትግራይ ምዝዛም ወናንነት ሓደ ሓሳብን ውድብን እንትኾን ብካሊእ መዳይ ድማ መባእታ ተሳትፎ ብዙሓት ሓሳባትን ውድባትን እዩ፡፡ እዚ ዕድል ዋላ ድሕሪ ብዙሕ ዕንወትን ኺሳራን ብታሪኽ ኣጋጣሚ ድሕሪ ኣርብዓን ሸሞንተን ዓመታት ዝተረኸበ ይኹን ብዝግባእ ምጥቃም ግድን ይኸውን፡፡ እዚ ታሪኻዊ ምዕራፍ ኣብቲ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ናይ ስግግር ስጉምትታት ኣብ ዝብል ዓንቀፅ ዓሰርተ( 1) መሰረት ብመረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ቤት ምኽሪ ክልልን ፌደራልን መረፃ ክሳብ ዝግበር፣ ብኽልቲኦም ወገናት ብዝግበር ምይይጥ፣ ንኹሉ ዝሓቖፈ ክልላዊ ስግግር መንግስቲ ክጣየሽ እዩ ብዝብል ድንጋገ ዝተረኸበ እዩ፡፡ በዚ ዓንቀፅ ድንጋገ መሰረት ኣብ ትግራይ ክልላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ጋህዲ ክኸውን እዩ፡፡ እዚ ዕድል ከይባኽን ግና ብዝግባእ ምጥቃም ኣድላይ እዩ፡፡ ህወሓት ኮነ ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ብኣውርኡ ድማ ህዝቢ ትግራይ እዚ ተረኺቡ ዘሎ ፅቡቕ ዕድል ብዝግባእ ክጥቀሙሉ ግድን ይኸውን፡፡በዚ ድማ ኣብ ትግራይ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ህዝብታት ብዝግባእ ዝኽበሩሉ፣ህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ሰላምን ልምዓትን ዝኾነሉ ዕድል ምስፋሕ ይከኣል፡፡ እዚ ውፅኢት ስምምዕነት ሰላም ዝኾነ ሓዱሽ ምዕራፍ ኣብ ትግራይ ስርዓት ብዙሓት ሓሳባትን ውድባትን ንክህልው ብምግባር ዴሞክራሲያዊ ምህዳር እቲ ክልል ክሰፍሕ ዝገብር እዩ፡፡ ስለዚ እዚ ሓዱሽ መድረኽን ናይ ስግግር ምዕራፍን ብዝግባእ ምጥቃም ድማ የድሊ፡፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝምስረት መሰጋገሪ መንግስቲ ኩሉ ዝሓቖፈ ንክኸውን ኣብቲ ስምምዕነት ብግልፂ ተቐሚጡ ኣሎ፡፡ እዚ ማለት ኣብ ትግራይ ዓብላሊ ድምፂ ክህልዎ ዝግባእ ፖለቲካ ውድብ የለን፤ ወይ ክህሉ ኣይግባእን ማለት እዩ፡፡ ኩሉም ሓሳባትን ውድባትን መዐቀኒኦም ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምምላእ ዘለዎም ዓቕምን ፍልጠትን እዩ፡፡ ዘለናዮ ምዕራፍ ድማ ድምር ዓቕምን ፍልጠትን ኣድላይ ዝኾነሉ ምዕራፍ እዩ፡፡ በዚ መሰረት ንዝሓለፉ ኣርብዓን ሸሞንተን ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝነበረ ናይ ሓደ ውድብ ሓሳብን ፕሮግራምን ናብ ብዙሓት ሓሳባትን ውድባትን ዝሳገረሉ ሓዱሽ ምዕራፍ እዩ፡፡ ዝተፈላለዩ ብዙሓት ሓሳባት ዘለዎም ውድባት ኮነ ውልቀ ሰባት ዝሳተፉሉ ስለዝኸውን ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ሰረት ዘንብር ብምዃኑ እቲ ከይዲ ዕውት ንክኸውን ምስራሕን ብዝግባእ ምጥቃምን ግድን ይኸውን፡፡ ድሕሪ ሕዚ ኣብ ትግራይ ብናይ ሓደ ውድብ ሓሳብን ፕሮግራምን ዝውነን ስርዓት ክህሉ የብሉን፡፡ እዚ ሓሳብን ፕሮግራምን ንዝሓለፉ ሓምሳ ዓመታት ተራእዩ ኣሎ፡፡ ድኽመትን ጥንካረኡን እውን ህዝቢ ፈሊጥዎ ኣሎ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ሓድሽ ምዕራፍ ስግግር ንትግራይን ንህዝቢ ትግራይን ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ፀገም ዘውፅእ ምችው ኩነታት ንምፍጣር ኩሎም ዓቕምታት ተጋሩ ምጥቃም ይግባእ፡፡ ሕዚ ኣብ ትግራይ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ወዲ ሰብ ብዝተማልአ መልክዑ ዝኽበርሉ መስርሕን ስርዓትን ንምትእትታው ዕድል ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ ንዚ ድማ ኣብቲ ዝጣየሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ኩሉ ሰብ ንቑሕ ተሳትፎ ክገብር ይግባእ፡፡ እዚ ምዕራፍ ንትግራይ ሓዱሽ ምዕራፍ ስለዝኾነ ክባኽን የብሉን፡፡ ኣብዚ ከይዲ ስግግር ዝተፈላለየ ሓሳብን ኣመለኻኽታን ዘለዎም ሓይልታት ንፈለማ እዋን ምስ ህወሓት ሓቢሮም ዝሰርሕሉ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ባህሊ ዴሞክራሲ ትግራይ ዝልውጥን ትግራይ ልዕሊ ሓደ ውድብ ምትእንጋድ ከምትኽእል ዘረጋግፅን ስለዝኾነ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት፣ምሁራት፣ዲያስፖራታት፣ሲቪክ ማሕበራት፣ዝተፈላለዩ ውዳበታት ብቐንዱ ድማ መላእ ህዝቢ ትግራይ እዚ ናይ ስግግር ዕድል ብዝግባእ ንምጥቃም ክረባረቡ ይግባእ፡፡
ፍሉይ ፀብፃባት
ኢዜኣ ዝተውሃቦ ፍሉይ ኣፍልጦ ድሌት ሃገርን ህዝብን ኣብ ግምት ብምእታው ንብሄራዊ ጥቕምን ሃገራዊ ክብርን ንምስራሕ ተወሳኺ ሓይሊ ዝኸውን እዩ-ኣይተ ሰይፈ ደርቤ
Jul 11, 2024 179
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 4/2016 (ኢዜኣ) ኢዜኣ ዝተውሃቦ ፍሉይ ኣፍልጦ ድሌት ሃገርን ህዝብን ኣብ ግምት ብምእታው ንብሄራዊ ጥቕምን ሃገራዊ ክብርን ንምስራሕ ተወሳኺ ሓይሊ ከምዝኸውን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ገሊፆም። ̎ሚድያ ንሃገር̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ተኻይዱ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰርሑ መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ንምኽባር ንዘሳለጥዎም ስራሕቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ኣፍልጦ ተዋሂብዎም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብዝተፈላለዩ ረቛሕታት ተመዚኖም ዝተፈለዩ 11 መራኸብቲ ሓፋሽ ህዝብን ንግድን ኣፍልጦ ዝተውሃቦም እንትኸውን፤ ኢዜኣ ድማ ፍሉይ ተሸላሚ ኮይኑ እዩ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ኣብዚ መርሃ ግብሪ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ኢዜኣ ዝተውሃቦ ፍሉይ ኣፍልጦ ድሌት ሃገርን ህዝብን ኣብ ግምት ብምእታው ንብሄራዊ ጥቕምን ሃገራዊ ክብርን ብዝበለፀ ንምስራሕ ተወሳኺ ሓይሊ ዝኸውን እዩ። እቲ ኣፍልጦ እውን ሰራሕተኛታት ኢዜኣ ትካሎም ዝሓዞ ብሄራዊ ምርድዳእ ናይ ምፍጣር ራኢ ኣብ ግምት ብምእታው ብዝሰርሕዎ ስራሕ ዝተረኸበ ውፅኢት እዩ ኢሎም። ኣብ ቀፃሊ እውን ዓለም ለኸ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ንረብሓን ክብርን ሃገር ከምኡ እውን ሓድነት ዜጋታት ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም።
ፅሑፋት
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም