ኢዜአ - ኢዜአ ትግርኛ
አርእስተ ዜና
ልዕሊ 550 ቢሊየን ብር ተወሳኺ ባጀት ንምፅዳቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክቐርብ ኢዩ
Aug 5, 2024 56
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/29/ 2016 /ኢዜአ/ ንበጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ዝኸውን ልዕሊ 550 ቢሊየን ብር ተወሳኺ ባጀት ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ንምፅዳቕ ዘኽእል ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ። ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)፥ ትግባረ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝጠመተ መብርሂ ሂቦም። ኣብ መብሪሂኦም፥ እቲ ምምሕያሽ ፖሊሲ ዘላቒን ኣተኣማማንን ኢኮኖሚ ንምህናፅ መሰረት ዘንብር ኢዩ ኢሎም። እቲ ፖሊሲ ተግባራዊ ምዃኑ ስዒቡ ዝተፈላለዩ ፍልፍላት ፋይናንስ ደገፍ ይገብሩ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም። ነዚ ስዒቡ ሚኒስቴር ገንዘብ ንባጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ዕላዊ ካብ ዝገበሮ ባጀት መንግስቲ ፌዴራል ተወሳኺ ባጀት ከምዘፅድቕ ሓቢሮም። ስለዝኾነ ልዕሊ 550 ቢሊየን ብር ተወሳኺ ባጀት ንምፅዳቕ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክቐርብ ኢዩ ኢሎም። ካብ መንጎ እቲ ተወሳኺ ባጀት እቲ 240 ቢሊየን ብር ንማሕበራዊ ልምዓት ዝውዕል ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።
ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ዝግበር ህንፀት ኣባይቲ ኣዋሬ ብስሉጥ ኩነታት ይካየድ ከምዘሎ ተገሊፁ
Aug 5, 2024 55
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/29/ 2016 /ኢዜአ/ በቢዓመቱ ንኣረጋዊያንን ትሑት እቶት ዘለዎም ወገናትን ኣብ ሕድሳትን ህንፀትን ኣባይቲ ጠመተ ዝገበረ ማሕበራዊ እወንታዊ ስራሕ ቁልፊ ዓምዲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኢዩ ክብል ቤት ፅሐፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ። እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ኣብ ከባቢ ኣዋሪ ንሰባት ዝሓሸን ዝበለፀን ኣነባብራ ንምፍጣር ዝግበር ዘሎ ምንስቓስ ለውጢ ብኣካላት መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ዝትግበር ናይዚ ትልሚ ዓብዩ ኣካል ኢዩ ኢሉ። ናይ ሎሚ ዘበን ስራሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ወርሒ ግንቦት ዘጀመርዎ እንትኸውን፥ ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ዝግበር ህንፀት ኣባይቲ ብስሉጥ ኩነታት ይካየድ ከምዘሎ ገሊፁ።
ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ መበል 8ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ምክያድ ጀሚሩ
Aug 5, 2024 92
ድሬዳዋ/ሓምለ /29/2016 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ 3ይ ዙር 3ይ ዘበነ ስራሕ መበል 8ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ሎሚ መዓልቲ ምክያድ ጀሚሩ። እቲ ጉባኤ፤ ኣብ ዞባ ጎፋ ንዘጋጠመ ሓደጋ ፀሎት ሕሊና ብምግባር ዝተጀመረ እንትኸውን ንክልተ መዓልትታት ከምዝፀንሕን ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ከምዝዝትን ምክትል ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ወይዘሮ ከሪማ ዓሊ ተዛሪበን። ብተወሳኺ እውን ረቂቕ በጀት ናይ ሎሚ ዘበን በጀት ዓመት ከምዘፅድቕን ዝተፈላለዩ ሹመታት ከምዝህብን ትፅቢት ይግበር።
ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ምስ ትካል ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ብምትሕብባር ንምስራሕ ተፈራሪሙ
Aug 5, 2024 55
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /29/2016 (ኢዜኣ) ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ምስ ትካል ፋውንዴሽን ፎር ሩራል ዴቨሎፕመንት ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕ ተፈራሪሙ። እቲ ስምምዕ፤ ሚኒስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር)ን ዳይሬክተር እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ኢትዮጵያ ይን ቼንን እዮም ፈሪመምዎ። ሚኒስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር)፤ እቲ ስምምዕ ደገፍ ምስፍሕፋሕ ምገባ ተምሃሮ፣ምርግጋፅ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ፣ምዝርጋሕ ተሓዳሲ ሓይሊ ሶላርን ናውቲ ፅሩይ ዝስተ ማይን ትምህርትን ዝሓዘ እዩ ኢለን። እቶም ፕሮጀክትታት እቲ ሕብረተሰብ ካብ ተመፅዋታይነት ሓራ ብምውፃእ ብዘላቕነት ንምጥያሽ ዘኽእሉ እዮም ክብላ እውን ገሊፀን። ዳይሬክተር እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ኢትዮጵያ ይን ቼን ብግደኦም፤ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ደገፍ እናተገበረ ከምዝፀንሐ ኣረዲኦም።
ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ዘጋጠምዎ ፀገማት ብውሑድ ብምፍታሕ ሲሚንቶ ምፍራይ ጀሚሩ
Aug 5, 2024 98
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/29/ 2016/ኢዜአ/ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ዘጋጠምዎ ፀገማት ብውሑድ ብምፍታሕ ሲሚንቶ ምፍራይ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ። እቲ ፋብሪካ ኣብ ዕላዊ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፁ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ብሰንኪ ኣብ ናይ ዕደና ቦታታት ዘጋጠመ ፀገም ንምፍራይ ሲሚንቶ ዘድሊ ጥረ ኣቕሓ ብኣግባቡን ብእዋኑን ክንረክብ ብዘይምኽኣልና ንዝሓለፉ ክልተ ቕነ ፍርያት ሲሚንቶ ጠጠው ኣቢልና ምፅናሕና ይፍለጥ ኢሉ። ብመሰረት እዚ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲን ህዝቢን ብምዃን እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ብርክት ዝበሉ ፃዕርታት እናተገበረ ምፅንሑ ሓቢሩ። ነቲ ዘጋጠም ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዝግበሩ ፃዕርታት ከምዝቕፅሉ ብምግላፅ፥ ጎድና ጎድኒ ኣማራፂታት ብምንዳይ ዘሎ ፀገም ጥረ ኣቐሓ ብጊዜያዊነት ብምፍታሕ ሲሚንቶ ምፍራይ ምጅማሩ ኣፍሊጡ።
ፖለቲካ

ሚኒስቴር ሰላም ንዞባ ጎፋ 6 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ዝግመት ብዓይነትን ብርን ደገፍ ገይሩ
Aug 5, 2024 55
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/29/ 2016 /ኢዜአ/ ሚኒስቴር ሰላም ኣብ ዞባ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ጉድኣት ንዘጋጠሞም ዜጋታት ዝውዕን 6 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ዝግመት ናይ ዓይነትን ገንዘብን ደገፍ ገይሩ። ካብ መንጎ እቲ ዝተገበረ ደገፍ፥ 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ብር ብጥረ ገንዘብ ከምዝተውሃበ ተሓቢሩ። 4 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ብር ዝግመት ናይ ምግቢ፣ ጥረምረን አልባሳትን ድጋፍ ምግባሩ ተገልጿል። ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዷለም፥ በቲ ሓደጋ ጉድኣት ብዘጋጠሞም ወገናት ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም። እቲ ደገፍ ንርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ጥላሁን ከበደ ኣረኪቦም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግሃስ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ደገፍ ገይሩ
Aug 3, 2024 70
ሳውላ/ሓምለ /27/2016 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግሃስ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ዝኸውን 5 ሚልዮን ብር ደገፍ ገይሩ። ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምክትል ኣካቢት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃእን ሰላምን ፈትሂ መሀዲ(ዶ/ር)፤ እቲ ቤት ምኽሪ እቲ ሓደጋ ካብ ዘጋጠመ ጀሚሩ በቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰምዖ ሓዘን እናገለፀ ከምዝፀንሐ ገሊፀን። ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት እውን 5 ሚልዮን ብር ደገፍ ከምዝገበረ ኣፍሊጠን። ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ትካላት ልምዓት መንግስቲ ስለሺ ኮሬ(ዶ/ር ኢ/ር) ብግደኦም፤ እቲ ቤት ምኽሪ በቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበፅሖም ወጋናት ብዘላቕነት ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ኣረዲኦም። እቲ ደገፍ ዝተረከቡ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ጎፋ ኢንጅነር ዳግማዊ ኣየለ፤ እቲ ሓደጋ ካብ ዘጋጠመሉ እዋን ጀሚሩ እቲ ቤት ምኽሪ ሓዘኑ እናገለፀ ከምዝፀንሐ ብምዝኽኻር ነቲ ዝተገበረ ደገፍ እውን ብሽም እቶም ተጎዳእቲ ኣመስጊኖም።
መንግስቲ ናብ ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝኣተወ እኹል ምድላው ብምግባር ኢዩ - ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)
Aug 3, 2024 82
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/27/ 2016 /ኢዜአ/ መንግስቲ ናብ ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝኣተወ እኹል ምድላው ብምግባር ኢዩ ክብላ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ገሊፀን። ዕላምኡ ድማ ቀፃልነት ዘለዎ ምዕባለ ንምምዝጋብን ኩለ መዳይ ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅን ከምዝኾነ ኣብሪሀን። እተን ሚኒስትር ኣብ ዝሃብኡ መብርሂ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ጭቡጥ ኩነታት ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ዝሓሰበቶ ምዕባለ ንምዕዋት ዘየኽእል ብምዃኑ ናይ ለውጢ መንግስቲ ነዚ ንምቕያር ፈለማ መመሓየሺ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ተግባራዊ ከምዝገበረ ኣፍሊጠን። ኣብቲ እዋን ኣታዊ ውሽጢ ዓዲን ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ፋይናንስን ውሑድ ምዃኑ፣ ትሑት ዓቕሚ ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት፣ መሓንቓት ፖሊሲ ሓዊሱ መሓዉራዊ ፀገማት፣ ዓውዲ ውልቀ መራሒ ኢኮኖሚ ዘይምዃን ዝብሉን ወዘተን ናይቲ ኢኮኖሚ ቀንዲ መግለፂታት ከምዝነበሩ ተዛሪበን። ነዚ ፀገም ንምቅላል ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ብምቕራፅ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ኣዘኻኺረን። በዘ ድማ ብተግባር ዝረኣዩ ገዘፍቲ እወንታዊ ውፅኢታት ከምዝተረጋገፁ ገሊፀን። እቶም ኣብ መመሓየሺ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ዝተረኸቡ ዓወታት ንምቕፃልን ፀገማት ንምፍታሕን ዓሊሙ መንግስቲ ናብ ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ከምዝኣተወ ተዛሪበን። እቲ ውሳነ እዋናዊን ኢትዮጵያ ንዝተለመቶ ምዕባለን ምቹእ ምዕባለ ዘምፅእ ከምዝኾነ ገሊፀን።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ስነ-ምህዳር ስታርትኣፓት ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ተኸቲሙ
Aug 3, 2024 68
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/27/ 2016 /ኢዜአ/ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምስ ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ምትሕብባር ጃፓን(ጃይካ) ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ስነ-ምህዳር ስታርትኣፓት ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ኸቲሙ። ኣብ ዝርዝር እቲ ትልሚ እውን ዝተዘተየሉ እንትኸውን፥ ኣብ ቀፀልቲ ሰለስተ ዓመታት ክትግበር ኢዩ ተባሂሉ። ዕላማ እቲ ፕሮጀክት፥ ልምዓት ስታርትኣፕ ምስ ዓለም ለኸ ናይ ምዝማድ ስትራቴጂ ምድላው፣ ስታርትኣፓት ምፍራይን ኣብ ሃገራት ዓለም ስርሖም ብምስፋሕ ምስ ኢንቨስተራት ምስራሕ ንክኽእሉ ምግባር ከምዝኾነ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪዬ ዘቲዮም
Aug 3, 2024 68
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/27/ 2016 /ኢዜአ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቱርኪዬሃካን ፊዳን ዘቲዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትሩ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሎሚ ረፋድ ነቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ብምቕባል ከምዝተዛተዮ ኣብሪሆም። እቲ ዘተ፥ ክልቲኣዊ ርክብ ተጠናኺሩ ኣብ ዝቕፅለሉ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ማሕበራዊ
ጠንቂ ሕማም ኮሌራ እንታይ እዩ?
Aug 5, 2024 77
ረኽሲ ሕማም ኮሌራ ብ ‘ቪብርዮ ኮሌራ’ ዝበሃል ባክተርያ ዝመጽእ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ቀጢን መዓንጣ መርዛማት ነገራት ብምፍራይ ኣካላትና ኣዝዩ ብዙሕ ማይ ከም ዝፍንው ይገብር፣ እዚ ድማ ናብ ተምላስን ኣብ ከቢድ ኩነታት ድማ ብቕልጡፍ ፈሳስን ጨውን ከም ዝስእን ይገብር። መብዛሕትኡ ግዜ ምልክታት ድሕሪ ምልካፍ ካብ 12 ሰዓታት ክሳብ ሓሙሽተ መዓልታት ይጅምር። ውድብ ጥዕና ዓለም ግና ልዕሊ 80 ምኢታዊት ካብቶም በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ምልክታት ከምዘየርእዩ ይገልጽ። ውሑዳት ካብቶም ምልክታት ዘርእዩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 20–30 ምኢታዊት፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ማይ ዝመስል ተምላስ ምስ ከቢድ ምውሓድ ማይ የጋጥሞም። እዚ ድማ እንተዘይተሓኪሙ ናብ ሞት ከብጽሕ ይኽእል። ምልክታት እቲ ሕማም እንታይ እዮም? ምልክታት ረኽሲ ሕማም ኮሌራ • ተምላስ ማይ ዝመስልን መብዛሕትኡ ግዜ ፍሕሽው ጸባ ዝመስል መልክዕ ዘለዎን። • ስምዒት ወይ ሕማም (ተምላስ ንሰዓታት ክጸንሕ ይኽእል እዩ ብፍላይ ድማ ኣብ መጀመርታ ደረጃታት ልሙድ እዩ)። • ቃንዛ ከብዲ • ምጭብባጥ እግሪ • ምውሓድ ማይ ድሕሪ ምጅማሩ ምልክታት ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ክምዕብል ይኽእልን ካብ ቅልል ዝበለ ክሳብ ከቢድ ክኸውን ይኽእል። • ምልክታት ምውሓድ ማይ፡ ቁጥዐ፡ ድኻም፡ ምጥሓል ኣዒንቲ፡ ደረቕ ኣፍ፡ ልዑል ጽምኢ፡ ናብ ዓጻፊ ምስ ዝቕንጠጥ ንድሕሪት ዝምለስ ደረቕን ዝሽርሸርን ቆርበት፡ ውሑድ ወይ ውን ሽንቲ ዘይብሉ፡ ትሑት ጸቕጢ ደምን ዘይስሩዕ ህርመት ልብን ይርከብዎም። ሕማም ኮሌራ ብኸመይ ይላባዕ? ሕማም ኮሌራ ዝመሓላለፍ ሰብ ብባክተርያ ቪብሪዮ ኮሌራ ዝተበከለ ማይ ምስ ዝሰቲ ወይ ከዓ መግቢ ምስ ዝበልዕ እዩ። ምልክታት ዘየርእዩ ሕሙማት ንኻልኦት ናይ ምልካፍ ሓደጋ ኣለዎም። ምልክታት ዘይብሎም ሕሙማት ነቲ ባክተርያ ኣብ ከባቢኦም ናይ ምብካል ተኽእሎኦም ልዑል እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም ሰባት: ሰገራ ወይ ተምላስ ናይ ሓደ ሕማም ኮሌራ ዘለዎ ሰብ፡ ከምኡ’ውን ምስ ብሽንቲ ወይ ተምላስ ዝተበከሉ ነገራት ከይራኸዑ የጠንቅቕ። ብተወሳኺ እቲ ትካል ምስ ሬሳ ብሕማም ኮሌራ ዝሞተ ሰብ ብዘይ መከላኸሊ ርክብ ከይህሉ የጠንቅቕ። ከመይ ጌርካ ኢኻ ንርእስኻ ክትከላኸላ እትኽእል? ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ፡ ናብቲ ሕማም ኮሌራ ዝርከበሉ ከባቢታት ኣብ እትገይሸሉ እዋን ከመይ ጌርካ ከም ዘይትሓምም ዝሕብር ምኽርታት ይህብ፤ • ኣእዳውና ብቐጻሊ ብማይን ሳሙናን ምሕጻብ፣ ብፍላይ ድሕሪ ሽቓቕ ምጥቃምን ቅድሚ ምግቢ ምድላው ወይ ምብላዕና። • ጽሩይ ማይ ጥራይ ስተ፡ እንተላይ ኣብ ጥርሙዝ ማይ ወይ ዝተፈልሐ ማይ ቧንቧ። • ኣብ ጥርሙዝ ወይ ዝፈለሐ ማይ ተጠቒምካ ኣስናንካ ምብራሽ። • ብጥርሙዝ ወይ ብዝፈለሐ ማይ ዘይሓጸብካዮምን ባዕልኻ ዘየዳለኻዮምን ዘይበሰለ ፍረታትን ኣሕምልትን (ሰላጣ ሓዊስካ) ኣይትብላዕ። • ምግብታት ባሕሪ ኣይትብላዕ። • ኣብ መስተታትካ በረድ ኣይሃልኻ። • ባዕልኻ ክትቆርጾም እትኽእል ፍረታትን ኣሕምልትን ከም ባናና፡ ኣራንሺን ኣቮካዶን ምብላዕ። • ብቐሊሉ ዝፍወስ ሕማም ሕማም ኮሌራ ቀልጢፍካ ኦኣርኤስ ብምስታይ ክሕከም ይኽእል። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኦኣርኤስ ካብ ሰራሕተኛታት ጥዕና ክትረኽቦ ወይ’ውን ኣብ ገዛኻ ከይተረፈ ሓደ ሊትሮ ውሑስ ማይ፡ ሽዱሽተ ማንካ ሻሂ ሽኮርን ፍርቂ ማንካ ሻሂ ጨውን ብምሕዋስ ክስራሕ ከም ዝኽእል ይመክር። ዓበይቲ ሰባት ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ማእከላይ ምውሓድ ማይ ንምፍዋስ ክሳብ ሽዱሽተ ሊትሮ ኦኣርኤስ ከድልዮም ይኽእል። ኣብ ከቢድ ኩነታት፡ ሓደ ሕሙም ተወሳኺ ሕክምና ከድልዮ ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ ሕሙማት ንውሓት ግዜ ተምላስ ንምንካይ፡ ዘድሊ መጠን ሪሃይድሬሽን ፈሳሲ ንምንካይ፡ ከምኡ’ውን ናብ ሰገራኦም ዝወጽእ መጠንን ንውሓት ግዜን ባክተርያ ኮሌራ ንምሕጻር ግቡእ ጸረ-ነፍሳት ይወሃቦም። መብዛሕትኦም ሰባት ካብ ሕማም ኮሌራ ብግቡእ ክንክን ብቕልጡፍ ይሓውዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ሕሙማት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ካብ ትካላት ክንክን ጥዕና ይወጹ። ሕማም ኮሌራ ምውጋድ በዓልቲ ሞያ ጥዕና ኣይሪን “መንግስታት ንማሕበረሰባት ብፍላይ ኣብ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ውሕሱን ጽሬቱ ዝሓለወን ማይ ኣብ ምቕራብ ወፍሪ ክገብሩ ኣለዎም” ትብል። ሓባራዊ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም/ዩኒሴፍ ኣብ 2022/ • ኣብ መላእ ዓለም 2.2 ቢልዮን ሰባት ገና ብውሑስ መንገዲ ዝመሓደር ዝስተ ማይ ኣይነበሮምን። • 3.5 ቢልዮን ሰባት ገና ብውሑስ መንገዲ ዝመሓደር ጽሬት (ሽቓቕ) ኣይነበሮምን፣ ካብዚኦም እቶም 419 ሚልዮን ሰባት ኣብ ክፉት ሽቓቕ ዝጥቀሙ እዮም። • ክልተ ቢልዮን ሰባት ኣብ ገዝኦም መሰረታዊ ኣገልግሎት ጽሬት - ማይን ሳሙናን ዘለዎ መሕጸቢ ኢድ - ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2017፡ ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ ኣካዳሚያዊ ትካላትን ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ሓዊሱ ልዕሊ 50 ትካላት ዝሓቖፈ ዓለማዊ ሓይሊ ዕማም ምቁጽጻር ሕማም ኮሌራ ስትራተጂ ምቁጽጻር ሕማም ኮሌራ ኣበጊሱ። እቲ ጉጅለ፡ ሞት ሕማም ኮሌራ ብ90 ምኢታዊት ንምንካይን ክሳብ 2030 ኣብ 20 ሃገራት ሕማም ኮሌራ ንምውጋድን ዝዓለመ እዩ።
አብ ክልል ትግራይ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዶክተር ተወለደ ለገሰ ልዕሊ 500 ተምሃሮ ኣመሪቑ
Aug 3, 2024 86
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/27/ 2016 ዓ ም/ኢዜአ/ አብክልል ትግራይ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዶክተር ተወለደ ለገሰ 339 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 529 ተምሃሮ ብብርኪ ኣርባዕተ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ። ዲን እቲ ኮሌጅ መምህር ኪዳነ ገ/ሚካኤል፥ እቲ ኮሌጅ ዘመረቖም ተምሃሮ ብሸውዓተ ዓይነታት ሞያ ጥዕና ከምዝኾነ ሓቢሮም። ተመረቕቲ ብኲናትን ዝተፈላለዩ ሕማማትን ዝተሃሰየ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሕዋይ ግቡኡኸም ንኸትፍፅሙ ሕድሪ ይብለኩም ኢሎም።
ብ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ዝተመርሓ ጉጅለ ልኡኸ፣ ኣብ ከተማ ቡታጅራ ክረምታዊ ስራሕቲ ብሰናይ ፍቓድ ኣጀሚሩ
Aug 3, 2024 85
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/27/ 2016 /ኢዜአ/ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣብ ክልል ማእከላዊ ኢትዮጵያ ከተማ ቡታጅራ ክረምታዊ ስራሕቲ ብሰናይ ፍቓድ ኣጀሚሩ። ኣፈ ጉባእ እቲ ቤት ምኽሪ ኣገኘሁ ተሻገር፣ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል እንደሻው ጣሰውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልልን ኣብቲ መርሃግብሪ ተረኺቦም። ኣብቲ መርሃግብሪ፥ ተኸላ ፈልሲ፣ ሕድሳት መንበሪ ዓቕሚ ናይ ዘይብሎም ሰባትን ን300 ተምሃሮ ናውቲ መምሃሪ ደገፍን ተገይሩ።
ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ስራሕቲ ሰናይ ተግባር ክረምቲ ንምጅማር ቡታጅራ ኣትዮም
Aug 3, 2024 119
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /27/2016 (ኢዜኣ) ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ዴሬሽን ፌዴሪኢ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ስራሕቲ ሰናይ ተግባር ክረምቲ ንምጅማር ከተማ ቡታጅራ ኣትዮም። ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር፤ ብቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ተፀዋዕቲ ትካላትን ሕድሳት መንበሪ ዓቕሚ ዘይብሎምን ንተምሃሮ ደገፍ ናውቲ ትምህርትን ንምግባር ከምኡ እውን መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ንምጅማር እዮም ናብቲ ከተማ ኣምሪሖም ዘለው። ኣብቲ ከተማ እንትበፅሑ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ኣይተ እንዳሻው ጣሰው ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልል ኣቀባብላ ገይሮምሎም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ንምስታፍ እቶም ኣፈ ጉባኤ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ተፀዋዕቲ ትካላትን ተረኺቦም።
ቁጠባ
ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ዝግበር ህንፀት ኣባይቲ ኣዋሬ ብስሉጥ ኩነታት ይካየድ ከምዘሎ ተገሊፁ
Aug 5, 2024 55
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/29/ 2016 /ኢዜአ/ በቢዓመቱ ንኣረጋዊያንን ትሑት እቶት ዘለዎም ወገናትን ኣብ ሕድሳትን ህንፀትን ኣባይቲ ጠመተ ዝገበረ ማሕበራዊ እወንታዊ ስራሕ ቁልፊ ዓምዲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኢዩ ክብል ቤት ፅሐፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ። እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ኣብ ከባቢ ኣዋሪ ንሰባት ዝሓሸን ዝበለፀን ኣነባብራ ንምፍጣር ዝግበር ዘሎ ምንስቓስ ለውጢ ብኣካላት መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ዝትግበር ናይዚ ትልሚ ዓብዩ ኣካል ኢዩ ኢሉ። ናይ ሎሚ ዘበን ስራሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ወርሒ ግንቦት ዘጀመርዎ እንትኸውን፥ ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ዝግበር ህንፀት ኣባይቲ ብስሉጥ ኩነታት ይካየድ ከምዘሎ ገሊፁ።
ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ዘጋጠምዎ ፀገማት ብውሑድ ብምፍታሕ ሲሚንቶ ምፍራይ ጀሚሩ
Aug 5, 2024 98
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/29/ 2016/ኢዜአ/ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ዘጋጠምዎ ፀገማት ብውሑድ ብምፍታሕ ሲሚንቶ ምፍራይ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ። እቲ ፋብሪካ ኣብ ዕላዊ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፁ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ብሰንኪ ኣብ ናይ ዕደና ቦታታት ዘጋጠመ ፀገም ንምፍራይ ሲሚንቶ ዘድሊ ጥረ ኣቕሓ ብኣግባቡን ብእዋኑን ክንረክብ ብዘይምኽኣልና ንዝሓለፉ ክልተ ቕነ ፍርያት ሲሚንቶ ጠጠው ኣቢልና ምፅናሕና ይፍለጥ ኢሉ። ብመሰረት እዚ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲን ህዝቢን ብምዃን እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ብርክት ዝበሉ ፃዕርታት እናተገበረ ምፅንሑ ሓቢሩ። ነቲ ዘጋጠም ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዝግበሩ ፃዕርታት ከምዝቕፅሉ ብምግላፅ፥ ጎድና ጎድኒ ኣማራፂታት ብምንዳይ ዘሎ ፀገም ጥረ ኣቐሓ ብጊዜያዊነት ብምፍታሕ ሲሚንቶ ምፍራይ ምጅማሩ ኣፍሊጡ።
ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ዘበናዊ ፋብሪካ ሓፂነ ከምዝሃንፅ ገሊፁ
Aug 5, 2024 55
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/29/ 2016 /ኢዜአ/ ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዘበናዊ ፋብሪካ ሓፂነ ከምዝሃንፅ ገሊፁ። ዋና ኣስፈፃሚ ስራሕ ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ኣምባሳደር ሱሌይማን ደደፎ፥ ኢትዮጵያ ደቀቕቲ ብሎን እንተይተረፈ ካብ ወፃኢ ዓዲ ከምእተእቲ ተዛሪቦም። ኮይኑ እውን እዚካብ ወፃኢዝአቱ ፍርያት ብዓቕሚ ውሽጢ ዓዲ ንምሽፋን ከምዝተተለመ ገሊፆም። ስለ ዝኾነ ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይን ግዙፍን ዘበናዊ ፋብሪካ ሓፂነ ኣብ ከተማ ነቀምቴ ከምዝሃንፅ ሓቢሮም። ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዕደና ሓፂን ከምዘሎ ብምዝኽኻር፥ በዚን ካልኦት ምኽኒያታትን እቲ ፋብሪካ ኣብ ከተማ ነቀምቴ ንክህነፅ መንግስቲ ወሲኑ ኢዩ ኢሎም። ሙሉእ እታዎታት እቲ ፋብሪካ ካብ ጣሊያን ተዓዲጉ ናብ ውሽጢ ዓዲ ከምዝኣተወ እውን ገሊፆም። ነቲ ፋብሪካ ንምህናፅ ካብ 70 ክሳብ 80 ሚሊየን ዩሮ ከምዝሓትት ዝሓበሮ እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብ ሓፂር እዋን ተሃኒፁ ክዛዘም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ አመልኪቶም ።
ሳይንስን ቴክኖሎጅን
ዩኒቨርሲቲ ባህር ዳር ልዕሊ8 ሽሕ ተምሃሮ ኣመሪቑ
Aug 3, 2024 81
ባህር ዳር/ሓምለ /27/2016 (ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ባህር ዳር ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ዘምሃሮም ልዕሊ8 ሽሕ ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ የመርቕ ኣሎ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ፤ ኣባል ቦር ኣመራርሓ ስራሕ እቲ ዩኒቨርሲቲ ወይዘሮ ኣስቴር ዘውዴ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ዩኒቨርሲትን ቤተሰባት እቶም ተመረቕትን ተረኺቦም። እቲ ዩኒቨርሲቲ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ዘምሃሮም 8 ሽሕን 524 ተምሃሮ እናምረቐ እንትኸውን፤ ካብቶም ተመረቕቲ ብቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ 3 ሽሕን 708፣ብሳልሳይ ዲግሪ 82፣ብስፔሻሊትን ሰብስፔሻሊትን ድማ 62 ዶክተራት ሕክምና ይርከብዎም። ብተወሳኺ እውን ብመርሃ ግብርታት ማሪታይም፣ኣመራርሓነትን ካልኦትን ዝሰልጠኑ ተምሃሮ ከምዝርከብዎመ ተገሊፁ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ትምህርቲ ልዕሊ 28 ሽሕ ተምሃሮ እናምሃረ ከምዝርከብ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ካብ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ብናይባዕሉ ፖሊሲ፣ ምዘናን ክፍሊትን ተምሃሮ ከምዝቕበል ኣፍሊጡ
Aug 1, 2024 106
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/25/ 2016 /ኢዜአ/ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዘበነ ትምህርቲ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ብርእሱከምዝመሓደርን ብናይባዕሉ ፖሊሲ፣ መዐቀኒ፣ ምዘናን ስርዓት ክፍሊትን ተምሃሮ ኣወዳዲሩ ከምዝቕበል ኣፍሊጡ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ''ብዛዕባ ርእሰ ምሕደራ ዩኒቨርሰቲ ንምድንጋግ'' ኣዋጅ ቁፅሪ 1294/2015 ከምኡ እውን ኣብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ደምብ ቁፅሪ 537/2016 ብዝተውሃቦ ስልጣን መሰረት ኢዩ ብናይባዕሉ ፖሊሲን መለክዒን መሰረት ናብ ስራሕ ከምዝኣቱ ገሊፁ ዘሎ፡፡ ብመሰረት እዚ ኣብ 2017 ዓ.ም ብስሩዕ፣ ምሸታዊን ርሕቐትን ከምኡ እውን ብ ብመርሃ ግብሪታት ቅድመ ምረቓን ድሕረ ምረቓን ናይ ምምሃር ምስትምሃር ስርሑ ርእሰ ምሕደርኡ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ፡፡
መበል 13 ሃገራዊ ጉባኤ ትምህርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ
Jul 27, 2024 112
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 20/2016 (ኢዜኣ) መበል 13 ሃገራዊ ጉባኤ ትምህርቲ መንግስታዊ ዩኒቨርሲቲታት ̎ዲጂታል ቴክኖሎጂ ንላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘለዎ ዕድል̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ። ኣብቲ ጉባኤ፤ ፕሬዚዳንትታት መንግስታዊ ዩኒቨርሲቲታት፣ሓለፍቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ውልቀ፣ሓለፍቲ ሚኒስቴር ትምህርትን ተዋሳእቲ እቲ ዓውድን ተረኺቦም። ኣብቲ ̎ዲጂታል ቴክኖሎጂ ንላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘለዎ ዕድል̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ፤ ኣብ ዕድላትን ፈተናታትን ቴክኖሎጂ ዝጠመቱ ፅሑፋት ቀሪቦም ከምዝዝተየሎም ተገሊፁ። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኮራ ጡሽኔ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምኽፋት እቲ ጉባኤ ከምዝበልዎ፤ ቴክኖሎጂ ፅሬት ትምህርቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንምርግጋፅን ፀገም ዝፈትሑ መፅናዕትታትን ምርምራትን ንምክያድን ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ሪፎርም ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ። ብተወሳኺ እውን ዲጂታል ቴክኖሎጂ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝተቐመጡ ዓለም ለኸ ሽቶታትን ዝሳለጡ ዘለዉ ሪፎርማትን ንምዕዋት ልዑል እጃም ከምዘለዎ ሓቢሮም።
መተግበሪ ሞባይል ተሳትፎ ዜጋታት ስራሕቲ ፖሊስ ካብ ምቕላል ብተወሳኺ ዜጋታት ቕልጡፍን ትኽክለኛን ውሳነ ንክረኽቡ ኣኽኢሉ
Jul 24, 2024 124
አዲስ አበባ/ሓምለ/17/2016/ኢዜአ/ መተግበሪ ሞባይል ተሳትፎ ዜጋታት (EFPapp) ፖሊስ ዝሰርሖም ስራሕቲ ካብ ምቕላል ብተወሳኺ ገበን ዝተፈፀሞም ዜጋታት ቕልጡፍን ትኽክለኛን ውሳነ ንክረኽቡ ከምዘኽአለ ፌደራል ፖሊስ ኣፍሊጡ። እቲ መተግበሪ ናብ ግልጋሎት ካብ ዝኣትው ጀሚሩ ዛጊድ ሓደ ሽሕን 452 ጥቆማታት ገበን ቐሪቦም። ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ መተግበሪ ተሳትፎ ዜጋታት (EFPapp) ብምጥቃም ንዝተረኸቡ ፍፃመታት ገበን ብዝምልከት ንጋዜጠኛታት መግለፂ ሂቡ። ነቲ መግለፂ ዝሃቡ ሓላፊ መምርሒ መስፋሕፍሒ ቴክኖሎጂ ፌደራል ፖሊስ ኮማንደር ደምሴይ ይልማ ከምዝገለፅዎ፤ እቲ መተግበሪ ፖሊስ ዝሰርሖም ስራሕቲ ካብ ምቕላል ብተወሳኺ ዜጋታት ቕልጡፍን ትኽክለኛን ውሳነ ንክረኽቡ ኣኽኢሉ። ፌደራል ፖሊስ ገበን ብሓባር ንምክልኻል ዘኽእል መተግበሪ ሞባይል ተሳትፎ ዜጋታት ዕላዊ ምግባሩ ዝዝከር 'ዩ።
ስፖርት
ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ እትሳተፈሉ ውድድር ፍፃመ 5 ሽሕ ሜትሮ ሎሚ አማስዩ ክካየድ ኢዩ
Aug 5, 2024 66
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/29/ 2016/ኢዜአ/ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ እትሳተፈሉ ውድድር ፍፃመ 5 ሽሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ሎሚ አማስዩ ክካየድ ኢዩ። ኣብቲ ሰዓት 4፡10 ዝጅምር ውድድር፥ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ጉዳፍ ፀጋይ፣ እጅጋየሁ ታዬን መዲና ኢሳን ክሳተፋ ኢየን። ከምኡውን፥ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4፡47 ኣብ ዝካየድ ውድድር ፍፃመ 800 ሜትሮ ኣትሌት ፅጌ ዱጉማን ወርቅነሽ መለሰን ልዑል ትፅቢት ዝግበረለን ኢየን።
ብ5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ መፃረዪ ውድድር ኣትሌታት ጉዳፍ ፀጋይ፣ እጅጋየሁ ታዬን መዲና ኢሳን ንፍፃመ ሓሊፈን
Aug 3, 2024 99
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/27/ 2016 /ኢዜአ/ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ብ5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ መፃረዪ ውድድር ኣትሌታት ጉዳፍ ፀጋይ፣ እጅጋየሁ ታዬን መዲና ኢሳን ንፍፃመ ሓሊፈን። ትማሊምሸት ካብ ሰዓት 1፡10 ጀሚሩ መፃረይ ውድድር 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ተኻይዱ፡፡ ብመሰረት እዚ ኣብ ምድብ ሓደ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ 14፡57፡84፣ ኣትሌት እጅጋየሁ ታዬ 14፡57፡97 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ንፍፃመ ምሕላፈን ኣረጋጊፀን፡፡ ኣብ ምድብ ክልተ ኣትሌት መዲና ኢሳ 15፡00፡82 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ንፍፃመ ሓሊፋ።
ሓለዋ ኸበቢ
ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም
Aug 3, 2024 73
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 27/2016 (ኢዜኣ) ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቦሌ ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር ኣይተ መስፍን ጣሰው፤ እቲ መንገዲ ኣየር ሓለዋ ከባቢ ከም ሓደ ማሕበራዊ ሓላፍነት ወሲዱ እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም። ካብ ተኸላ ፈልሲ ብተወሳኺ ነቲ ከባቢ ምችውን ተስማዕማዕን ዝኾኑ ቴክኖሎጂታት ኣቬሽን ኣብ ጥቕሚ ብምውዓል ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ እናገበረ እዩ ኢሎም። እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር 2016 ዓ/ም ሃገር ቦቆል ዝኾኑ 50 ሽሕ ፈልስታት ንምትካል ትልሚ ከምዝሓዘን ክሳብ ሕዚ 27 ሽሕ ፈልስታት ከምዝተተኸሉን ኣፍሊጦም። ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ብግደኦም፤ እቶም ዝተተኸሉ ፈልስታት ብምክንኻን ሓላፍነቶም ከምዝዋፅኡን ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝገብርዎ ተሳትፎ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉን ምዝራቦም ካብቲ መንገዲ ኣየር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ፌዴራል ፖሊስ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር አሳሊጡ ፈልሲ
Aug 3, 2024 70
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/27/ 2016 /ኢዜአ/ ኣመራርሓን ኣባላትን ኮሚሽን ፌዴራል ፖሊስ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ኮሚሽነር ጀነራል እቲ ኮሚሽን ደመላሽ ገ/ሚካኤል፥ ፖሊስ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ጎድኒ ማሕበረሰብ ብምዃን ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ብምስታፍ ኢሉውን ዓቕሚ ንዘይብሎም ብምድጋፍ ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ይዋፃእ ከምዘሎ ገሊፆም። ዕላማ እቲ መርሃግብሪ፥ ኢትዮጵያ ኣብ እትተኽሎ ስትራቴጂ ሓምለዋይ ልምዓት ኣሰርና ንምንባር ኢዩ ኢሎም።
ኢዜኣ ትኽክለኛ ሓበሬታታት ናብ ህዝቢ ካብ ምዝርጋሕ ብተወሳኺ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እውን እጃሙ እናተዋፅአ እዩ
Aug 3, 2024 121
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 27/2016 (ኢዜኣ) ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ትኽክለኛ ሓበሬታታት ናብ ህዝቢ ካብ ምዝርጋሕ ብተወሳኺ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እውን እጃሙ እናተዋፅአ ምዃኑ ምክትል ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ነጋሲ ኣምባዬ ገሊፆም። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 2016 ዓ/ም ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ከተማ ሃይቅ ብዕሊ ከምዘጀመሩ ዝዝከር እዩ። ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ኢዜኣ እውን ኣብ ፓርክ እንጠጦ ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ኣይተ ነጋሲ ኣምባዬ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ትካል ንተኸታተልቲ ዓመታት ፈልስታት ብምትካል ናይ ባዕሉ ኣሰር እናንበረ መፂኡ እዩ። ፈልስታት ካብ ምትካል ሓሊፉ እውን ብኣግባቡ ንክፀድቁ ከምዝሰርሕ ሓቢሮም። ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ትካል መጠን ፅድቀት ፈልስታት ክብ ንምባል ፕሮግራም ኣውፂኡ ስራሕቲ ምክንኻን ከምዘሳልጥ ተዛሪቦም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ዝተሳተፉ ኣመራርሓን ሰብ ሞያታትን እቲ ትካል ብግደኦም፤ እቶም ዝተተኸሉ ፈልስታት ንክፀድቁ ስራሕቲ ምክንኻን ንምስላጥ ድሉዋት ምዃኖም ኣፍሊጦም። ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ትልሚ ዝተትሓዘ እንትኸውን፤ ̍እትተክል ሃገር፤ ዘፅንዕ ወለዶ̍ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ እናተሳለጠ ዝርከብ።
ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም
Aug 3, 2024 73
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /27/2016 (ኢዜኣ) ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ትልሚ ዝተትሓዘ እንትኸውን፤ ̍እትተክል ሃገር፤ ዘፅንዕ ወለዶ̍ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ እናተሳለጠ ዝርከብ። ኣብዚ መርሃ ግብሪ ዝተፈላለዩ ትካላትን ክፋላት ማሕበረሰብን ኣሰሮም እናንበሩ እንትኾኑ፤ ሎሚ መዓልቲ እውን ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ፈልሲ ብምትካል ኣሰሮም ኣንቢሮም። እቲ ባንኪ ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 50 ሽሕ ፈልስታት ንምትካል ተሊሙ እናሰርሐ እንትኸውን ኣብ ካልኦት ከባብታት እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ 23 ዲስትሪክትታት እውን ተኸላ ፈልሲ ከምዘካይድ ተገሊፁ።
ዓለም ለኸዊ ዜናታት
"ይቕሬታ ፍቕረይ! ኣዝየ ይቕሬታ"
Jul 29, 2024 114
አዲስ አበባ/ሓምለ/22/2016/ኢዜአ/ኢጣልያዊ ኣትለት ዝላ ጂያንማርኮ ታምቤሪ፡ ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኦሎምፒክ ፓሪስ ቀለበት መርዓኡ ድሕሪ ምጥፋኣ ንበዓልቲ ቤቱ ብወግዒ ይቕሬታ ሓቲቱ። እዚ ወዲ 32 ዓመት ሻምፕዮን ዓለም፡ እታ ኣትሌታት ዝጸዓነት ጃልባ ብሩባ ሴን ትወርድ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ባንዴራ ሃገሩ እናምበልበለ እንተሎ እያ ቀለበቱ ካብ ኣጻብዕቱ ሞሊቓቶ። "ይቕሬታ ፍቕረይ! ኣዝየ ይቕሬታ" ክብል እውን በዓልቲ ቤቱ ቺያራ ቦንተምፒ ታምቤሪ ይቕረታ ክትገብረሉ ኣብ ኢንስታግራም ብወግሒ ሓቲቱ። እቲ ኣትሌት ነቲ ዘጋጠመ ምጥፋእ ቀለበቱ፡ ኣብ ሰብነቱ "ብዙሕ ኪሎ ምጉዳሉ"ን “ዘይሓላፍነታዊ ስምዒታውነት”ን ከም ምኽንያት ኣቐምጡ። "ክኸውን እንተኾይኑ፤ ነዛ ቀለበት ክስእና እንተኾይነ ካብዚ ዝሓሸ ካልእ ቦታ ክሓስብ ኣይክእልን እየ" ክብል ዝጸሓፈ እቲ ኣትሌት፡ ሕዚ እታ ቀለበት "ንዘልኣለም ኣብ ሩባ እታ ናይ ፍቕሪ ከተማ ክትነብር እያ" ኢሉ። ቀለበት በዓልቲ ገዝኡ ቺያራ'ውን ኣብቲ ሩባ ክድርብይዋ ሓሳብ ከምዘቕረበ ተገሊጹ’ሎ። "[ድሕሪኡ] ንዘልኣለም ብሓባር ክነብራ እየን። ቃልና ኣሐዲስና ዳግማይ ክንምርዖ ድማ ሓደ ተወሳኺ መመኽነይታ ክህልወና'ዩ" ክብል ገሊጹ። ቺያራ ኣብ ትሕቲ እቲ በዓልቤታ ዝጸሓፎ ይቕሬታ "ነዚ ክስተት ናብ ፍቕራዊ ኵነታት ክትቅይሮ እትኽእል ንስኻ ጥራይ ኢኻ" ክትብል መልሲ ኣስፊራ። እዞም መጻምዲ ኣብ መስከረም 2022 መርዓ ድሕሪ ምፍጻሞም ኣብ ሓዳር ይርከቡ። ታምቤሪ ምስታ ሰለስተ ግዜ ተዓዋቲት መዳልያ ኦሎምፒክ ዝኾነት ኣርያና ኤሪጎ ባንዴራ ኢጣልያ እናምበልበለ እንከሎ እዩ ቀለበቱ ወዲቓ ኣብቲ ሩባ ዝተሰወረት። ንሱ ኣብ ጸወታታት ቶክዮ 2020 ቀልቢ ማዕከናት ዜና ዝሰሓበሉ ምኽንያት፡ ምስ ቀጠራዊ ሙታዝ ኤሳ ባርሺም ናይ ብራኸ ዝላ ወርቂ መዳልያ ብሓባር ድሕሪ ምምቓሉ እዩ ነይሩ። ካብ 2011 ጀሚሩ ከኣ ኣብ እዋን ውድድራት ፍርቂ ዝተላጽየ ቅዲ ጭሕሙ ከም "መፍለዪ ምልክት" ብምግባሩ'ውን ኣቓልቦ ዝሰሓበ ኣትሌት ክኸውን ክኢሉ።
ገዘፍ ሰፖርታዊ ምንቐስቓስ ፀወታታት ፓሪስ ኦሊምፒክ ሎሚ ብዐሊ ክጅመር እዩ
Jul 26, 2024 156
አዲስ አበባ/ ሓምለ/ 19/2016(ኢዜአ)፦ መበል 33ገዘፍ ሰፖርታዊ ምንቐስቓስ ፀወታታት ፓሪስ ኦሊምፒክ ሎሚ ብዐሊ ክጅመር እዩ። ናይ ሎሚ ዘመን መኸፈቲ ስነ ስርዓት ፀወታ ኦሎምፒክ አብ ታሪኸ ውድድር ንመጀመርታ ግዘ ካብ ስታዲዮም ወፃኢ አብ ዋሓዚ ሩባ ክግበር እዩ ። አብ ፀወታታት ኦሎምፒክ ካብ 203 ሃገራት ዝተወፃፅኡ 10 ሽሕን 500 አትሌታት ብ32 ዓይነታት ስፖርት ከም ዝወዳደሩ ዓለም ለኸ መረዳእታ ኮሚቴ ኦሎምፒክ የመላኸት። ካብ እዘን ዝተፀርሓ ሃገራት ብተወሳኺ አብ ትሕቲ ፅላል ኮሚቴ ኦሎምፒክ ብሕታውያን አትሌታትን ጉጅለ ስደተኛታት ኦሎምፒክን ክሳተፉ እዮም። ብአቆፃፅራ ሳዓት ኢትዮጵያ ሎሚ ምሸት ካብ 2 ሳዓት 30 ጀሚሩ ክካየድ እዩ
ሓተታ
ሰላም፣ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ዘሓዘለ - መልእክት ሰናይ
Jul 20, 2023 1932
ሓምለዋይ አሰር ፈልሲ ምትካል ጥራሕ ዘይኮነስ ሰላም፣ ፍቕርን ሓድነትን ‘ውን ‘ ምትካል ዩ - መልእክቲ ሰናይ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ፅርኣ ወንበርታ ጣብያ ሚካኤል ኣምባ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ፌዴራልን መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ምስ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ መደብ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሚሊዮን ፈልሲ ምትካል 10 ሓምለ 2015 ዓ.ም ኣካይዶም። ኣብቲ መደብ ዝተሳተፉ ኣፈ- ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ከምዝገለፅዎ፤ ብ መደብ ሓምለዋይ ኣሰር ኣቢልና ዝተኸልናዮ ፈልሲ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰላም፣ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ዘንፀባርቕ ‘ውን ‘ዩ ኢሎም። ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ሰበ-ስልጣን ፌደራል መሪሖም ንኻልኣይ ግዜ ናብ ትግራይ ከምዝኸዱ ዘዘኻኸሩ እቶም ኣፈጉባኤ፤ ሓምለዋይ አሰር ምንባር ሓደ ዓብይ ልእኩቶ ሃገር እዩ በቲ ካልእ ገፅ ድማ ስምምዕነት ሰላም ንምሕያል፣ ሰላምን ፍቕርን ንምጥንኻር ‘ውን ክቡር ስራሕ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም። ሰላም ኣብ ምቕፃል ዓቢዪ ፃዕሪ ጌርና ኢና። ብምዃኑ ‘ውን ብዙሕ ለውጥታት ተረኺቦም ‘ዮም። ውፅኢቱ መላእ ህዝቢ ትግራይ ይርድኦ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን ክብሉ ተዛሪቦም። ሰላምና፣ ፍቕርናን ሓድነትናን ንምጥንኻር ፀገማትና ብዘተ ክንፈትሕ ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ታገሰ፤ ብዘተ እንተኸይድና ክፍትሑ ዘይክእሉ ፀገማት የለዉን። ድማ ነዚዝኸውን ባህልን ልምድን ኣለና ‘ዩ። እቲ ዝተረኽበ ሰላም ብልምዓት ብምድጋፍ ክነጠናኸሮ ይግባእ ዝበሉ እቶም ኣፈጉባኤ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሕላውን ምንክብኻብን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዙሕ ስራሕ ብምስራሕ ንኻልኦት ፍልጠትን ተሞክሮን ዘካፈለ ህዝቢ ‘ዩ፤ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንቀፃሊ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም፤ ዝተረኸበ ሰላም ብዝበለፀ ንምርግጋፅ እናሰራሕና ኣብ ልምዓት ክልልና ‘ውን ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ገሊፆም። ሰላምን ልምዓትን ንምጥንኻር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምትሕብባር ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፤ ኣብዚ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ልምዓትን ሰላምን ዝያዳ ክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብቲ ክልል ዘይተሰርሑ ብዙሓት ፕሮጀክትታት ስለዘለዉ ህዝቢ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ መንገዲ ንዕውትነት ስራሕቲ ልምዓት ክረባረብ ይግባእ። ነዚ ድማ ካብ ፌደራልን ካልኦት ኣካላትን ብዝግበር ሓገዝ ኣዋሃሂድና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ሞዴል ‘ዩ። ሕዚ ድማ ካብቲ ዝነበረ ኩናት ወፂኡ ናብ ሰላም ተመሊሱ ኣብ ልምዓታዊ ስራሕቲ ይሳተፍ ምህላዉ ዘሐጉስ ‘ዩ ኢሎም። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሕርሻ ፕሮፌሰር እያሱ ኤልያስ ብግዲኦም፤ እዚ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ኩናት ኣብ መደባት ሓምለዋይ አሰር ዘይተሳተፈ ‘ኳ እንተነበረ ሕዚ ግን ናብ ልምዓት ይምለስ ምህላዉ ዘተባብዕን ዘሕጉስን ‘ዩ ኢሎም። ኣብዚ ሓቢርና ፈልሲ ምትካልና መግለፂ ምትሕግጋዝናን ፍቕርናን ‘ዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር እያሱ፤ እቲ ሚኒስቴር ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ልምዓት ንምሕጋዝ ድልዊ ከምዝኾነ ገሊፆም። ምትሕግጋዝ ተጣናኺሩ ክቕፅል ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ምንክብኻብን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ወሲኾም ገሊፆም። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ዝተቓልዑ ቦታታት ብፈልሲ ክሽፈኑ ይግባእ ዝበሉ ፕሮፌሰር ኢያሱ፤ ኣብ ከምዚ ዝበለ ልምዓት ሓቢርና ብዝተጠናኸረ መልክዑ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም። ሕድርን ፍቅርን ሰላምን ሓድነትን ዝሰነቀ ረዚን መልእክቲ
ኩሉ በቢደረጅኡ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክቃለል ክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ።
Apr 20, 2023 2532
ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻደ ኩናት፡፡ ማሕበራዊ ህይወት ህዝቢ አናጊዑ ‘ዩ። እቲ ኩናት ዝፈጠሮ በሰላ ብጣዕሚ ከቢድ‘ዩ። ምስቲ ኩናት ርክብ ዘይብሉ ህዝቢ’ውን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ግዳይ እቲ ሓደጋ ኮይኑ ‘ዩ።ኣብቲ ክልል ዓብዪ ስነኣእምሯዊ ማሕሰይቲ፣ጉድኣት ኣካል ፣ ምጥፋእ ሂወትን ስነ ልቦናዊ ፀገምን በፂሑ ‘ዩ።ስለዚ እዚ ኣካይዳ ትኽክል ስለዘይኮነ ዳግም ከይድገም ኩሉ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ፡፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብ ስርሑ ክውዕል፣ ሓረስታይ ኣብ ማሕረሱ ከምኡ ‘ውን ተምሃሮ ኣብ ትምህርቶም ክውዕሉ እናተገበኦም ብሰንኪ እቲ ኩናት ካብዚ ወፃኢ ክኾኑ ተገዲዶም ‘ዮም፡፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ትግራይ ኾነ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንክዓስል ብፍላይ ኣብቲ ልዑል ዕንወት ዝበፅሓ ትግራይ ናብ ንቡር ሂወት ንክትምለስ ብዝተዋደደ መልክዑ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ንክጅመሩ ኣብዘድልየሉ ወሳናይ እዋን ንርከብ። ኣብዚ ድማ እቲ ዋና ብሓላፊነት ክፍፅሞ ዘለዎ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ማሕበረ ሰብ ብዝኽእሎ ዓቅሚ ካብቲ ብሰንኪ መዕነዋይ ኹናት ዝበፅሐ ብርሰትን ዕንወትን ናብ ልምዓት ንምስግጋር እኹል ትኹረት ተሳትፎን ካብ ኩሉ ዝፅበይ ዋኒን ከምዝኾነ የኣምን። ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ እቲ ቐዳምነት ዝወሃቦ ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ መረበቱ ሓዲጉ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ንቡር ናብራ ንክህልዎ ምግባር’ዩ፡፡ካሊእ ዝዓነወ፣ ዝተቓፀለን ዝተጎሓለን ገዛውቱ ከም ብሓዱሽ ምህናፅን ዝተጉሓለ ንብረቱ ዝምጥን ብዝኾነ መገዲ እንትረክብን ‘ዩ።ዝተመዛበለ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ናብራኡ ምምላስ ኩሉ ደላይ ሰላምን ልምዓትን ዝኣምነሉን ብሃንቀውታ ዝፅበዮ ዕዮ ገዛ መንግስቲ ምዃኑ እሙን እዩ ። ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ካብ ምምላስ ጎና ጎኒ ድማ ንዳግመ ህንፀት ዝውዕል ድጋፋት ኣድላይ ምዃኑ ርዱእ ‘ዩ። ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ወፃኢ መንግስታትን ዓለም ለኻዊን ኣህጉራዊን ውዳበታትን ሓገዛት ንክመፅእ’ውን ትፅቢት ዝግበረሉ ኮይኑ እቲ ሓገዛትን ድጋፋትን ድማ ብትኽክል ናብቲ ዝመፅአሉ ትኽክለኛ ዕላማን ቦታን ንክውዕልን ንክበፅሕን ኣድላይ ኽትትል ብምግባር ምርግጋፅ ኣድላዪ ይኸውን። ብናይ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዝእከብ ሓገዝ ንብረትን ገንዘብን ናብ ትኽክለኛ መዓሉ ንክውዕል ጥንኩር ሜላታት ኣሰራርሓ እንካብ ምትእትታው ኣድላይ ‘ዩ። እዚ ብኣግባቡ ንምፍፃም ድማ እቲ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዳግመ ህንፀት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት በቲ ዝድለ መንገዲ ተቐላጢፎም ከይህነፁ ዕንቕፋት ዝኾኑ ፀገማት ኣለልዩ ከወግዶም ከምዝግባእ ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎም ክስርሑ ካብዘለዎም ስራሕቲ ሓደ’ዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝምስረት ሓፂር እዋን እኳ እንተኾነ ነዚ ተግባር ንምፍፃም ተስፋ ዝህቡ ጅማሮ ስራሕቲ ይርኣይ ኣለዉ ‘ዮም፡፡ ብፍላይ ምጅማር ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት መንግስቲ ፌደራል ከም ሚኒስቴር ትምህርትን ጥዕናን ዝኣምሰላ ዑደት ስራሕ ኣብ ትግራይ ምክያደንን ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት መባእታ ትምህርቲ ክጅመሩ ምግባርን ዝበራታታዕ ጉዳይ ‘ዩ፡፡ ኣብ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ብፍላይ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ከምኡ ‘ውን ኣብ ግልጋሎት፣ ባንኪ፣ ስልኪ፣ መብራሕትን ማይን ዘለዉ መሰረታዊ ፀገማት ንምፍታሕ ብስፍሓት ኣብ ምስራሕ ልዑል መብራብ ዝሓትት ከምዝኾነ ፍሉጥ ‘ዩ። እቲ ዘሎ ፅቡቅ ጅማሮ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ኩሉመዳያዊ ተበፃሕነት ቅልጣፈን ትኹረት ክወሃቦ ዘለዎ ኮይኑ፤ እቲ ቀንዲን ዝዓበየን ውራይ ዳግመ ህንፀት ክስራሕ ዘለዎ ድማ ኣብ ምልማዕ ኣእምሮ ወዲሰብ ስለዝኾነ ብቑጠባ ይኹን ብትምህርቲ ድልዱል ዜጋ ንምፍጣር ተጀሚሩ ዘሎ ስራሒቲ ተጠናኺሩ ንክቅፅል ኩሉ ዝመልከቶ ኣካል ብግዜ የለን ክሳተፍን ክዋሳእን ይግባእ። ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ሰላም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ኣቲዩ ኣሎ።ስለዝኾነ ድማ ኣብ ትግራይ ንዝስራሕ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ሕወየትን ምችው ኩነታት ስለተፈጠረ ብግዘ የለን መንፈስ ምስራሕ ግድን ይኸውን።ስለዚ በታ ዝተረኸበት ዓቕሚን ሃፍተ ገነትን ኩሉ በቢደረጅኡ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክቃለል ክሰርሕ ግድን ይኸውን።
መንግስቲ ንሰላም ብዘለዎ ቑርፀኝነት ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ይርባሕ ስለዚ ሰላምና ነፅንዕ፡፡
Mar 30, 2023 2597
መንግስቲ ንሰላም ብዘለዎ ቑርፀኝነት ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ይርባሕ ስለዚ ሰላምና ነፅንዕ፡፡ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ጀምሩ ኣብ ትግራይ ሰላም ዓሲሉ ኣሎ፡፡ ህዝቢ ናብ ንቡር መነባብሮኡ ኣብ ምምላስ ይርከብ፡፡ወረ ኹናት ብወረ ሰላም፤ድምፂ ጥይት ብድምፂ መዝሙር ሰላም ተተኪኡ ኣሎ፡፡እዚ ክኸውን ዝኸኣለ መንግስቲ ፌዴራል ንሰላም ብዘለዎ ቁርፀኛ ቅዋም ንቲ ስምምዕነት እናተግበሮ ብምምፃኡ'ዩ፡፡በዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ተረባሒ እናኾነ ይርከብ፡፡ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህወሓት ካብ ስያመ ግብረ ራዕዲ ኣልዒሉ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሕ ርእሰ ምምሕዳር መዲቡ ኣሎ፡፡ኣፈፃሚ ስራ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣሳታፋይን ሓቋፋይን ንክኾን ንቶም ርእሰ ምምሕዳር ሓላፊነት ሂቡ ኣሎ፡፡እዚ ንሰላም ካብ ዘለዎ ቁርፀኛ ቅዋም ዝብገስን ንህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ካብ ዘለዎ ድሌት ዝብገስ እዩ ሰላም ሕዚ ብዓብይኡ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት 'ዩ ዘሎ፡፡ ናብ ዝተማለአ ሰላም ንምጉዓዝ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ምስራሕ ዘድሊ 'ኳ እንተኾነ ብንፅፅር ከንሪኦ እንተለና ግና ኩነታት ሰላም ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝሓሸ ደረጃ 'ዩ ዘሎ፡፡ እቲ መርኣያ ከም ሃገር ኣብ ፕሮጀክት ‹‹ገበታ ለትውልድ›› ካብ ዝተደሓዙ ሸሞንተ ፕሮጀክትታት ሓደ ኣብ ከባቢ ገረዓልታ ዝሰርሕ ከምዝኾነ እዩ፡፡ብዚ'ውን ህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ይኸውን፡፡እቲ ሰላም ዝያዳ እናዓሞቐን እናተፈፀመን እንትኸይድ ድማ ዝያዳ ተረባሒ ይኸውን፡፡እዚ ሐዚ ረኺቢናዪ ዘለና ሰላም ብቐሊሉ ዝመፅአ ኣይኮነን፡፡ኮይኑ ግና መንግስቲ ሰላም ምምፃእ ብጣዕሚ ኣድላዪ ከምዝኾነ ስለዝኣምን ንሰላም ሰሪሑ ኣሎ፤ይሰርሕ'ውን ኣሎ፡፡ ምኽንያቱ ሰላም ንምምፃእ ካብ ኵናት ብዘይነኣኣስ ትግሃትን ድኻምን የድሊ። ስለዚ መላእ ማሕበረሰብ ሃገርና ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ፃዕሪ ክገብር ይግባእ፡፡ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ዝኾነ ህዝቢ ንላዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካብ ሰላም ዝያዳ ተረባሒ ስለዝኾነ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ሰላም ዘላቒ ንክኸውን ክሰርሕ ኣለዎ፡፡መንግስቲ ፌደራል ኣሽምባይዶ ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ሰላም ኣብ ካልኦት ክፋል ኢትዮጵያ ዘለው ጎንፅታት'ውን ብሰላም ንምፍታሕ ብቁርፀኝነት እናሰርሐ'ዩ፡፡ብሓፈሻ ብወገን መንግስቲ ፌደራል ኣብ መላእ ሃገር ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ልቢ ዓዕብዩ እናሰርሐ ይርከብ፡፡ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ሰላም ድማ ዝያዳ ንክዓሙቕን ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብቕልጡፍ ተጀሚሩ ውፅኢታዊ ንክኸውን ብቑርፀኝነት እናሰርሐ ይርከብ፡፡በዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ተረባሒ ይኸውን፡፡ስለዚ ሰላምና ነፅንዕ፡፡
ብሳላ ሰላም በዓላትና ምኽባር ጀሚርና
Jan 21, 2023 1598
በዓል ጥምቀት ብዙሕ ትርጉም ሒዙ ዝኽበር በዓል እዩ። ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ትሕትና ዝመሃሩሉ፣ ብእግዚኣብሄር ከምዝኣምኑ ዝእውጁሉ፣ ንሰሃን ድሕንነትን ዝረኽቡሉ ምልክት ኮይኑ ዘገልግል እዩ። ከም ሃገር መልክዕ ክብረ በዓል ብዙሓት ዝኾንና ኢትዮጵያውያን ሕብሪ ፈጢርና ንደምቀሉ ዕለት ብምዃኑ ዓብዩ ቦታ ሂብና ነኽብሮ በዓል እዩ። በዓል ጥምቀትን ትሕትናን ድማ ተፈላልዮም ኣይረአዩን።መላእ ህዝቢ ሃገርና በዚ መንፈስ ከኽብሮ ኣለዎ። ጥምቀት ካብ ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ብተወሳኺ ሓድነት ህዝብታት ዘጎልብትን ህዝባዊ ምትእስሳር ዘጠናኽርን በዓል እንትኾን፤ ኣብቲ በዓል ብዙሓት ባህላዊ ክብርታት ዝንፀባረቑሉ ስለዝኾነ ሰሰናዩን ንሓድነት ህዝቢ ዝጠቕሙን ክብርታቱ ምሕላውን ምልማዕን ዘድልዮ በዓል እዩ። ኣብ በዓል ጥምቀት ብዙሓት በፃሕቲ ናብ ሃገር ዝስሕብ ብምዃኑ ድማ ኢትዮጵያ ካብቲ ዓውዲ ብዙሓት ኣታውታት ክትረክብ ዘኽእላ በዓል እንትኾን፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ዘይድህሰስ ሓድጊ ዓለም ኮይኑ ኣሎ። እዚ በዓል ኣብ መላእ ሃገር ብድምቀት ዝኽበር በዓል እዩ። ኣብ ትግራይ እውን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት በዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ትግራይ ብዝለዓለ ድምቀት እናተኸበረ ምፅንሑ ዝዝከር እዩ። ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ግን ብሰንኪ ሕማም ኮሮናን ኵናትን ኣብ ኣደባባይ ከይተኸበረ ፀኒሑ እዩ። ናይ ሎሚ ዘበን በዓል ጥምቀት ኣብ ትግራይ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ብድምቀት ከምዝተኸበር ድማ ግልፂ እዩ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ኣብ ክፋል ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኹናት ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ኲናት ጠጠው ኢሉ፤ድምፂ ተኹሲ ጠፊኡ እንሆ ድማ ንፋስ ሰላም ኣብ ትግራይ ምንፋስ ካብ ዝጅምር ልዕሊ ክልተ ወርሒ ኣቑፂሩ ። ህዝቢ እውን ሰላም ምስትምቓር ጀሚሩ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዝነበረ ኲናት ኣሽምባይ’ዶ ናይ ኣደባባይ በዓላት ከኽብር ኣብ ከቢድ ፀገም እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ፀገም ይነብር ምንባሩ እውን ዝፍለጥ እዩ። ሕዚ ግና ኣብ ፕሪቶሪያ ስምምዕነት ሰላም ተፈፂሙ ኲናት ጠጠው ስለዝበለ ካብ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ፀገም እናወፅአ ይርከብ። መንግስቲ ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን የቕርብ ኣሎ። ንህዝቢ መሰረታዊ ግልጋሎት ዝህባ ትካላት ከም እኒ ኢትዮ ቴሌኮም፣ግልጋሎት መብራህቲ፣ባንክታትን ጣብያታት ጥዕናን ሆስፒታላትን ዳግም ግልጋሎት ዝህባሉ ኩነታት ፈጢሩ ኣሎ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ናብ ሽረ እንዳስላሰን መቐለን በረራ ብምጅማር ስድራታት ብኣካል ንክራኸቡ ብምግባር ፀገም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምቅላል ይርከብ። እዚ ኹሉ ዝኾነ ስምምዕነት ሰላም ተፈሪሙ ኲናት ጠጠው ብምባሉ እዩ። እዚ ሰላም ዘላቒ ንክኸውን ድማ ኩሉ ክሰርሕ ይግባእ። ሕዚ እነኽብሮ ዘለና በዓል ጥምቀት ድማ ሰላምና ዝያዳ እነስተማቕረሉ እዩ። ኣብ ኣደባባይ ብናፅነት ወፂእና ሃይማኖታውን ባህላውን ተግባር እቲ በዓል እንፍፅመሉ ኩነታት ብምፍጣሩ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዓብይ ታሕጓስ ከምዝፈጥር ምርዳእ ይከኣል።ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ከም ሃገርን ከም ክልልን በዓል ልደት ተኸቢሩ ኣሎ። እቲ በዓል ድሕሪ ክልተ ዓመት ህዝቢ ሰላም እናስተማቐረ ዘብዐሎ በዓል ኮይኑ እንትሓልፍ በዓል ጥምቀት እውን እናኽበርና ንርከብ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝተረጋገዐ ኩነታት ኮይኑ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ዘኽብሮ ዘሎ ስለዝኾነ ድማ ፍሉይ ይገብሮ። ኮይኑ እውን እቲ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ቀፃልነት ንክህልዎ ሕዚ እውን ኩሉ ትግራዋይ ንዝረኸባ ሰላም ዋርድያ ኮይኑ ክሕልው ይግባእ። ሓድነቱን ፍቕሩን ኣጠናኺሩ ምስ መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ሓደ ኮይኑ ንምዕባለ ሃገር ፀኒዑ ጠጠው ክብል ኣለዎ።
ትንታነ
ጉዑዞ ተስፋን ቅሳነትን ንክስምር
Apr 6, 2023 2630
አዲስ አበባ/ መጋቢት 28 /2015/ ኢዜአ/ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ልዕሊ ሓሙሽተ ወርሒ ኣቑፂሩ ኣሎ። ኣብዘን እዋናት ብርክት ዝበሉ ኣወንታዊ ስጉምትታት ብመንግስቲ ፌደራል ተወሲዶም ‘ዮም። ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን ብዘይዓንቀፍቀፍ ናብ ትግራይ ንክኣቱን መሰረታዊ ግልጋሎት ከም ቴሌኮም፣ ባንኪ፣ ኤሌክትሪክ፣ ጥዕና ስራሕ ንክጅምሩ ሰሪሑ ኣሎ። ብወገን ህወሓት’ውን ከቢድ ብረት ምርካብን ምጅማሩን ዕጡቓት ካብ ድፋዕ ብምርሓቕ ኣብ ዝተወሰኑ ቦታታት ንክእክቡ ገይሩ ኣሎ። እዞም ስጉምትታት ንቲ ስምምዕነት ናብ ባይታ ብምውራድ ዘላቒ ሰላም ንክመፅእ ዝሕግዙ’ዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ሓድሽ ጉዕዞን ቅሳነትን ሒዙ መፂኡ ኣሎ። ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ራዕዳዊ ተባሂሉ ተሰይሙ ዝነበረ ህወሓት ስያሜኡ ንክለዓል ተገይሩ’ዩ። ቐፂሉ ድማ ምስ ጎንፂ ተተሓሒዙ ክሲ ተመስሪቲዎም ዝነበሩ ፖለቲካዊ አመራርሃታት ህወሓትን ከምኡ ውን ወታደራትን ክሶም ተቋሪፁ ካብ ቤት ህንፀት ወፂኦም ኣለው። እዚ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተወሰደ ስጉምቲ ንቲ ስምምዕነት ዘለዎ ተኣማንነትን ንሰላም ዘለዎ ቁርፀኛ ቅዋምን መረጋገፂ’ዩ። ኣብዚ መድረኽ ዓብይ ተስፋ ሒዙ ክምፅእ ትፅቢት ዝግበረሉ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክውን ኮይኑ አሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዝደንት እቲ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ፌደራል መንግስቲ ተዛትዩ ኣሎ። ኣብ ትካላት መንግስቲ’ውን ዑደት ኣካይዱ ኣሎ። ኣብቲ ዘተ ፅቡቕ ምርድዳእ ከምዝነበረ’ውን ተገሊፁ ኣሎ። እቲ ልኡኽ ካብቲ ዘተን ዑደትን ዝረኸቦ ሓሳብን ተሞክሮን ሒዙ ኣብ ፖለቲካዊን፣ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ሕወየት ትግራይ ዓብይ ስራሕ ንክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብዚ መድረክ ሓዱሽ ምዕራፍ ብዘይ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩሉ ዓቕሚ ኣዋዲዱ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብምንጣፍ ኢኮኖሚ እቲ ክልል ናብ ዝነበሮ ምንቅስቓስ ክመለስ ትፅቢት ይግበረሉ ። ቅድሚ ሐዚ ንንግድን ኢንቨስትመንት ዓጋቲ ዝነበሩ ኣሰራርሓታትን ኣወሃህባ ግልጋሎትን ብምምሕያሽን ብምቕያርን ሰብ ሃፍቲን ነጋዶን ንቲ ማሕበረሰብ ብዘይጎድእ መገዲ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ንክነግዱን ንክሰርሑን ፤ ንቲ መንእሰይ ድማ ዕድል ስራሕ ንክፈጥሩን ክገብር ኣለዎ። ኣብ ማሕበራዊ ሕወየት ‘ውን ጥዕናን ትምህርትን ሓዊሱ ኣብ ስነ ልቦና ዝተፈጠረ ፀቕጢ ንክሓዊ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ይግባእ። ተምሃሮ ናብ ትምህርቶም፣ ሓረስቶት ናብ ሕርሽኦም፣ሰራሕተኛ መንግስትን ውልቀን ናብ ቤት ዕዮኡ፣ነጋዳይ ናብ ንግዱ ኮታስ ኩሉ ህዝቢ ናብ ንቡር ስራሑ ንክምለስ ዘኽእል ፋይናንሳዊን ምቹው ባይታን ንክፈጥር ምስ መንግስቲ ፌደራል ተዋዲዲ ንክሰርሕ ትፅቢት ይግበርሉ። ጉዑዞ ሰላምን ቅሳነትን ንክሰምር።
መድረኽ ሓዱሽ ምዕራፍ ንጠቐመሉ
Feb 11, 2023 1626
እዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኣብ ትግራይ ብዙሕ ሓሳባትን ውድባትን ናብ መሪሕነት ዝመፅእሉ ኩነታት ይፈጥር ኣሎ፡፡ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሓደ ውድብን ኣተሓሳስባን እናተረፈ ብዙሓት ሓሳባትን ውድባትን ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሳሉን ኣብ ፖለቲካ ትግራይ እጃሞም ዘወፍይሉን ታሪኻዊ ምዕራፍ ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ እቲ ምዕራፍ ኣብ ፖለቲካ ምህዳር ትግራይ ምዝዛም ወናንነት ሓደ ሓሳብን ውድብን እንትኾን ብካሊእ መዳይ ድማ መባእታ ተሳትፎ ብዙሓት ሓሳባትን ውድባትን እዩ፡፡ እዚ ዕድል ዋላ ድሕሪ ብዙሕ ዕንወትን ኺሳራን ብታሪኽ ኣጋጣሚ ድሕሪ ኣርብዓን ሸሞንተን ዓመታት ዝተረኸበ ይኹን ብዝግባእ ምጥቃም ግድን ይኸውን፡፡ እዚ ታሪኻዊ ምዕራፍ ኣብቲ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ናይ ስግግር ስጉምትታት ኣብ ዝብል ዓንቀፅ ዓሰርተ( 1) መሰረት ብመረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ቤት ምኽሪ ክልልን ፌደራልን መረፃ ክሳብ ዝግበር፣ ብኽልቲኦም ወገናት ብዝግበር ምይይጥ፣ ንኹሉ ዝሓቖፈ ክልላዊ ስግግር መንግስቲ ክጣየሽ እዩ ብዝብል ድንጋገ ዝተረኸበ እዩ፡፡ በዚ ዓንቀፅ ድንጋገ መሰረት ኣብ ትግራይ ክልላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ጋህዲ ክኸውን እዩ፡፡ እዚ ዕድል ከይባኽን ግና ብዝግባእ ምጥቃም ኣድላይ እዩ፡፡ ህወሓት ኮነ ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ብኣውርኡ ድማ ህዝቢ ትግራይ እዚ ተረኺቡ ዘሎ ፅቡቕ ዕድል ብዝግባእ ክጥቀሙሉ ግድን ይኸውን፡፡በዚ ድማ ኣብ ትግራይ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ህዝብታት ብዝግባእ ዝኽበሩሉ፣ህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ሰላምን ልምዓትን ዝኾነሉ ዕድል ምስፋሕ ይከኣል፡፡ እዚ ውፅኢት ስምምዕነት ሰላም ዝኾነ ሓዱሽ ምዕራፍ ኣብ ትግራይ ስርዓት ብዙሓት ሓሳባትን ውድባትን ንክህልው ብምግባር ዴሞክራሲያዊ ምህዳር እቲ ክልል ክሰፍሕ ዝገብር እዩ፡፡ ስለዚ እዚ ሓዱሽ መድረኽን ናይ ስግግር ምዕራፍን ብዝግባእ ምጥቃም ድማ የድሊ፡፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝምስረት መሰጋገሪ መንግስቲ ኩሉ ዝሓቖፈ ንክኸውን ኣብቲ ስምምዕነት ብግልፂ ተቐሚጡ ኣሎ፡፡ እዚ ማለት ኣብ ትግራይ ዓብላሊ ድምፂ ክህልዎ ዝግባእ ፖለቲካ ውድብ የለን፤ ወይ ክህሉ ኣይግባእን ማለት እዩ፡፡ ኩሉም ሓሳባትን ውድባትን መዐቀኒኦም ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምምላእ ዘለዎም ዓቕምን ፍልጠትን እዩ፡፡ ዘለናዮ ምዕራፍ ድማ ድምር ዓቕምን ፍልጠትን ኣድላይ ዝኾነሉ ምዕራፍ እዩ፡፡ በዚ መሰረት ንዝሓለፉ ኣርብዓን ሸሞንተን ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝነበረ ናይ ሓደ ውድብ ሓሳብን ፕሮግራምን ናብ ብዙሓት ሓሳባትን ውድባትን ዝሳገረሉ ሓዱሽ ምዕራፍ እዩ፡፡ ዝተፈላለዩ ብዙሓት ሓሳባት ዘለዎም ውድባት ኮነ ውልቀ ሰባት ዝሳተፉሉ ስለዝኸውን ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ሰረት ዘንብር ብምዃኑ እቲ ከይዲ ዕውት ንክኸውን ምስራሕን ብዝግባእ ምጥቃምን ግድን ይኸውን፡፡ ድሕሪ ሕዚ ኣብ ትግራይ ብናይ ሓደ ውድብ ሓሳብን ፕሮግራምን ዝውነን ስርዓት ክህሉ የብሉን፡፡ እዚ ሓሳብን ፕሮግራምን ንዝሓለፉ ሓምሳ ዓመታት ተራእዩ ኣሎ፡፡ ድኽመትን ጥንካረኡን እውን ህዝቢ ፈሊጥዎ ኣሎ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ሓድሽ ምዕራፍ ስግግር ንትግራይን ንህዝቢ ትግራይን ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ፀገም ዘውፅእ ምችው ኩነታት ንምፍጣር ኩሎም ዓቕምታት ተጋሩ ምጥቃም ይግባእ፡፡ ሕዚ ኣብ ትግራይ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ወዲ ሰብ ብዝተማልአ መልክዑ ዝኽበርሉ መስርሕን ስርዓትን ንምትእትታው ዕድል ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ ንዚ ድማ ኣብቲ ዝጣየሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ኩሉ ሰብ ንቑሕ ተሳትፎ ክገብር ይግባእ፡፡ እዚ ምዕራፍ ንትግራይ ሓዱሽ ምዕራፍ ስለዝኾነ ክባኽን የብሉን፡፡ ኣብዚ ከይዲ ስግግር ዝተፈላለየ ሓሳብን ኣመለኻኽታን ዘለዎም ሓይልታት ንፈለማ እዋን ምስ ህወሓት ሓቢሮም ዝሰርሕሉ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ባህሊ ዴሞክራሲ ትግራይ ዝልውጥን ትግራይ ልዕሊ ሓደ ውድብ ምትእንጋድ ከምትኽእል ዘረጋግፅን ስለዝኾነ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት፣ምሁራት፣ዲያስፖራታት፣ሲቪክ ማሕበራት፣ዝተፈላለዩ ውዳበታት ብቐንዱ ድማ መላእ ህዝቢ ትግራይ እዚ ናይ ስግግር ዕድል ብዝግባእ ንምጥቃም ክረባረቡ ይግባእ፡፡
ፍሉይ ፀብፃባት
ንገደብ ሸርፊ ወፃኢ ብዝምልከት ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝተውሃበ መግለፂ
Jul 31, 2024 99
አዲስ አበባ/ሓምለ/24/2016/ኢዜአ/ ብነዳዲ ኣብ ልዕሊ ዝሰርሑ ናይ ገዛ ኣውቶሞቢልን በዓል ሰለስተ እግሪን ተሽከርከርቲ ዝወፅአ እገዳ ከምዘሎ ኾይኑ ኣብ ዝተረፉ ኣቑሑት ዝወፅአ ውሳነ ገደብ ሸርፊ ወፃኢ ምስ መመሓየሺኡ ከምዝተልዓለ ተገሊፁ። መንግስቲ ብቑፅሪ ክሂገ 1/7/252 ብዕለት 04/02/2015 ዓ.ም ኣብ ዝተመሓላለፈ ውሳነን ብቑፅሪ ታፖመ/ፖ/29716 ብዕለት 28/06/2016 ዓ.ም በቲ ዝተመሓየሸ ኣብ ዝተወሰኑ ኣቑሑት ገደብ ሸርፊ ወፃኢ ባንኪ ንኽወፅእ ምግባሩ ዝፍለጥ 'ዩ። ስለዝኾነ 'ውን ምሉእ ብምሉእ ብነዳዲ ዝሰርሑ ብታሪፍ መፅሓፍ ዓንቀፅ 87.03 ዝምደቡ ምሉእ ብምሉእ ተገጣጢሞም ኣብ ዝቐረቡ ናይ ገዛ ኣውቶሞቢልን በዓል ሰለስተ እግሪን ተሽከርከርቲ ዝወፅአ እገዳ ከምዘሎ ኾይኑ ኣብቶም ዝተረፉ ናውቲ ዝወፅአ ውሳነ ገደብ ሸርፊ ወፃኢ ምስ መመሓየሺኡ ካብ 21 ሓምለ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ከምዝተልዓለ ሚኒስቴር ገንዘብ አፍሊጡ ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Jul 11, 2024 223
ሃገር መስርሒ፣ ወለዶ መቕረፂ፣ ንቡርን ባህልን መፋለጢ ሚድያ 'ዩ። “ሚድያ ንሃገር” ብዝብል ቴማ ኣብ ዝተዳለወ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ንዝተውሃበኩም መራኸብቲ ሓፋሽ እንኳዕ ደስ በለኩም ክብል ይፈቱ። ኣብ ህንፀት ሃገር ወለዶ እናተቐባበሎ ታሪኽ ብምስናድን ኣብ መዳይ መረዳእታ ምቕባልን ተራ ሚድያ ዓብዪ 'ዩ። ብምዃኑ 'ውን ሚዲያታት ንብሄራዊ፣ ረብሓ፣ ንሓድነት ሃገርን ማሕበረሰባዊ ምትእስሳር ኣብ ዘጎልብቱን ስራሕቲ ብዝበለፀ ንኽተድህቡ ሓደራ ይብል። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኢዜኣ ዝተውሃቦ ፍሉይ ኣፍልጦ ድሌት ሃገርን ህዝብን ኣብ ግምት ብምእታው ንብሄራዊ ጥቕምን ሃገራዊ ክብርን ንምስራሕ ተወሳኺ ሓይሊ ዝኸውን እዩ-ኣይተ ሰይፈ ደርቤ
Jul 11, 2024 233
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 4/2016 (ኢዜኣ) ኢዜኣ ዝተውሃቦ ፍሉይ ኣፍልጦ ድሌት ሃገርን ህዝብን ኣብ ግምት ብምእታው ንብሄራዊ ጥቕምን ሃገራዊ ክብርን ንምስራሕ ተወሳኺ ሓይሊ ከምዝኸውን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ገሊፆም። ̎ሚድያ ንሃገር̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ተኻይዱ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰርሑ መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ንምኽባር ንዘሳለጥዎም ስራሕቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ኣፍልጦ ተዋሂብዎም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብዝተፈላለዩ ረቛሕታት ተመዚኖም ዝተፈለዩ 11 መራኸብቲ ሓፋሽ ህዝብን ንግድን ኣፍልጦ ዝተውሃቦም እንትኸውን፤ ኢዜኣ ድማ ፍሉይ ተሸላሚ ኮይኑ እዩ። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ኣብዚ መርሃ ግብሪ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ኢዜኣ ዝተውሃቦ ፍሉይ ኣፍልጦ ድሌት ሃገርን ህዝብን ኣብ ግምት ብምእታው ንብሄራዊ ጥቕምን ሃገራዊ ክብርን ብዝበለፀ ንምስራሕ ተወሳኺ ሓይሊ ዝኸውን እዩ። እቲ ኣፍልጦ እውን ሰራሕተኛታት ኢዜኣ ትካሎም ዝሓዞ ብሄራዊ ምርድዳእ ናይ ምፍጣር ራኢ ኣብ ግምት ብምእታው ብዝሰርሕዎ ስራሕ ዝተረኸበ ውፅኢት እዩ ኢሎም። ኣብ ቀፃሊ እውን ዓለም ለኸ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ንረብሓን ክብርን ሃገር ከምኡ እውን ሓድነት ዜጋታት ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም።
“ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
Jul 11, 2024 199
‹‹ኢትዮጵያ ንኹለ መዳይ ጉዳያት ጥንቃቐ ኣብ ዘድልየሉ እዋን ትርከብ። ኣብ ስራሕቲ ሚዲያ ፃዕርታትና ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ፣ ሰላምን ፍቕሪን ቀዳምነት ሂብና ምስራሕ ይግባእ። ንቐፃሊ ወለዶ ዝሰጋገር እንታይ ዝረብሕ ስራሕ ንሰርሕ ኣለና ኢልና ንገዛእ ርእስና ከየነኣስና ምሕታት ኣለና። ሃገራዊ ልምዓትን ሕብረትን ብምፍላጥ ኢሉውን ብሄራዊ ረብሓ ኣብ ምሕላው ዘሎ ፃዕሪ ክብ ዝበለ ስራሕ ብምስራሕ ሽልማት ንዝተበርከተለን ትካላት ሚዲያ እንቋዕ ደስ በለክን ክብል እፈቱ “ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ፅሑፋት