ሳይንስን ቴክኖሎጅን - ኢዜአ ትግርኛ
ሳይንስን ቴክኖሎጅን
ዩኒቨርሲቲ ባህር ዳር ልዕሊ8 ሽሕ ተምሃሮ ኣመሪቑ
Aug 3, 2024 42
ባህር ዳር/ሓምለ /27/2016 (ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ባህር ዳር ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ዘምሃሮም ልዕሊ8 ሽሕ ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ የመርቕ ኣሎ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ፤ ኣባል ቦር ኣመራርሓ ስራሕ እቲ ዩኒቨርሲቲ ወይዘሮ ኣስቴር ዘውዴ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ዩኒቨርሲትን ቤተሰባት እቶም ተመረቕትን ተረኺቦም። እቲ ዩኒቨርሲቲ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ዘምሃሮም 8 ሽሕን 524 ተምሃሮ እናምረቐ እንትኸውን፤ ካብቶም ተመረቕቲ ብቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ 3 ሽሕን 708፣ብሳልሳይ ዲግሪ 82፣ብስፔሻሊትን ሰብስፔሻሊትን ድማ 62 ዶክተራት ሕክምና ይርከብዎም። ብተወሳኺ እውን ብመርሃ ግብርታት ማሪታይም፣ኣመራርሓነትን ካልኦትን ዝሰልጠኑ ተምሃሮ ከምዝርከብዎመ ተገሊፁ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ትምህርቲ ልዕሊ 28 ሽሕ ተምሃሮ እናምሃረ ከምዝርከብ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ካብ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ብናይባዕሉ ፖሊሲ፣ ምዘናን ክፍሊትን ተምሃሮ ከምዝቕበል ኣፍሊጡ
Aug 1, 2024 65
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/25/ 2016 /ኢዜአ/ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዘበነ ትምህርቲ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ብርእሱከምዝመሓደርን ብናይባዕሉ ፖሊሲ፣ መዐቀኒ፣ ምዘናን ስርዓት ክፍሊትን ተምሃሮ ኣወዳዲሩ ከምዝቕበል ኣፍሊጡ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ''ብዛዕባ ርእሰ ምሕደራ ዩኒቨርሰቲ ንምድንጋግ'' ኣዋጅ ቁፅሪ 1294/2015 ከምኡ እውን ኣብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ደምብ ቁፅሪ 537/2016 ብዝተውሃቦ ስልጣን መሰረት ኢዩ ብናይባዕሉ ፖሊሲን መለክዒን መሰረት ናብ ስራሕ ከምዝኣቱ ገሊፁ ዘሎ፡፡ ብመሰረት እዚ ኣብ 2017 ዓ.ም ብስሩዕ፣ ምሸታዊን ርሕቐትን ከምኡ እውን ብ ብመርሃ ግብሪታት ቅድመ ምረቓን ድሕረ ምረቓን ናይ ምምሃር ምስትምሃር ስርሑ ርእሰ ምሕደርኡ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ፡፡
መበል 13 ሃገራዊ ጉባኤ ትምህርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ
Jul 27, 2024 88
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 20/2016 (ኢዜኣ) መበል 13 ሃገራዊ ጉባኤ ትምህርቲ መንግስታዊ ዩኒቨርሲቲታት ̎ዲጂታል ቴክኖሎጂ ንላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘለዎ ዕድል̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ። ኣብቲ ጉባኤ፤ ፕሬዚዳንትታት መንግስታዊ ዩኒቨርሲቲታት፣ሓለፍቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ውልቀ፣ሓለፍቲ ሚኒስቴር ትምህርትን ተዋሳእቲ እቲ ዓውድን ተረኺቦም። ኣብቲ ̎ዲጂታል ቴክኖሎጂ ንላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘለዎ ዕድል̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ፤ ኣብ ዕድላትን ፈተናታትን ቴክኖሎጂ ዝጠመቱ ፅሑፋት ቀሪቦም ከምዝዝተየሎም ተገሊፁ። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኮራ ጡሽኔ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምኽፋት እቲ ጉባኤ ከምዝበልዎ፤ ቴክኖሎጂ ፅሬት ትምህርቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንምርግጋፅን ፀገም ዝፈትሑ መፅናዕትታትን ምርምራትን ንምክያድን ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ሪፎርም ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ። ብተወሳኺ እውን ዲጂታል ቴክኖሎጂ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝተቐመጡ ዓለም ለኸ ሽቶታትን ዝሳለጡ ዘለዉ ሪፎርማትን ንምዕዋት ልዑል እጃም ከምዘለዎ ሓቢሮም።
መተግበሪ ሞባይል ተሳትፎ ዜጋታት ስራሕቲ ፖሊስ ካብ ምቕላል ብተወሳኺ ዜጋታት ቕልጡፍን ትኽክለኛን ውሳነ ንክረኽቡ ኣኽኢሉ
Jul 24, 2024 104
አዲስ አበባ/ሓምለ/17/2016/ኢዜአ/ መተግበሪ ሞባይል ተሳትፎ ዜጋታት (EFPapp) ፖሊስ ዝሰርሖም ስራሕቲ ካብ ምቕላል ብተወሳኺ ገበን ዝተፈፀሞም ዜጋታት ቕልጡፍን ትኽክለኛን ውሳነ ንክረኽቡ ከምዘኽአለ ፌደራል ፖሊስ ኣፍሊጡ። እቲ መተግበሪ ናብ ግልጋሎት ካብ ዝኣትው ጀሚሩ ዛጊድ ሓደ ሽሕን 452 ጥቆማታት ገበን ቐሪቦም። ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ መተግበሪ ተሳትፎ ዜጋታት (EFPapp) ብምጥቃም ንዝተረኸቡ ፍፃመታት ገበን ብዝምልከት ንጋዜጠኛታት መግለፂ ሂቡ። ነቲ መግለፂ ዝሃቡ ሓላፊ መምርሒ መስፋሕፍሒ ቴክኖሎጂ ፌደራል ፖሊስ ኮማንደር ደምሴይ ይልማ ከምዝገለፅዎ፤ እቲ መተግበሪ ፖሊስ ዝሰርሖም ስራሕቲ ካብ ምቕላል ብተወሳኺ ዜጋታት ቕልጡፍን ትኽክለኛን ውሳነ ንክረኽቡ ኣኽኢሉ። ፌደራል ፖሊስ ገበን ብሓባር ንምክልኻል ዘኽእል መተግበሪ ሞባይል ተሳትፎ ዜጋታት ዕላዊ ምግባሩ ዝዝከር 'ዩ።
መመዝገቢ ኮደራስ ኢኒሼቲቭ 5 ሚሊየን ኢትዮጵያውያን ዕላዊ ኮይኑ
Jul 24, 2024 225
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/17/ 2016 /ኢዜአ/ መመዝገቢ ኮደራስ ኢኒሼቲቭ 5 ሚሊየን ኢትዮጵያውያን ዕላዊ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ነዚ ጠነግ https://www.ethiocoders.et/ ብምጥዋቕ ምምዝጋብ ከምዝከኣል እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኮደራስ ኢኒሼቲቭ 5 ሚሊየን ኢትዮጵያውያን ትማሊ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዕላዊ ከምዝኾነ ይዝከር።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢኒሼቲቭ ሓሙሽተ ሚሊዮን ኮሪዶራት ኢትዮጵያ ኣጀሚሮም
Jul 23, 2024 40
አዲስ አበባ/ሓምለ/16/2016/ኢዜአ/ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓሙሽተ ሚሊዮን ዜጋታት ተጠቀምቲ ስልጠና ዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝኾኑሉ ኢኒስቲትዩት ሓሙሽተ ሚሊዮን ኮሪዶራት ኢትዮጵያ ኣጀሚሮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ ኣብ ሳይንስ ሙዝየም ነቲ ኢኒሼቲቭ እንተጀምሩ ከምዝገለፅዎ፤ ተስፋ ፅባሕ ኢትዮጵያ ዝኾኑ መናእሰይ ነቲ ስልጠና ብፅሞና ብምክትታል ስራሕ ፈጠርቲ፣ ኩባንያ ፈጠርትን ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተወዳዲሮም ዝቑፀሩ ክኾኑ ትፅቢት ይግበረሎም። እቲ ኢኒሼቲቭ 5 ሚሊዮን ኢትዮጵያውያን ነዚ ዘመን ብዝምጥን ቴክኖሎጂ ተጠቀምቲ ዝገብር ምዃኑ ገሊፆም፤ ነዚ ዓብዪ ዕድል መናእሰይ ብኣግባቡ ብምጥቃም ንኢትዮጵያ ተስፋ ፅባሕ ክኾኑ ኣለዎም ኢሎም።
ልዕሊ 28 ሃገራት ዝሳተፋሉ ዓውደ ምርኢት ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ክካየድ ኢዩ
Jul 22, 2024 47
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/15/ 2016 /ኢዜአ/ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ካብ 18 ክሳብ 24 መስከረም 2017 ዓ.ም ልዕሊ 28 ሃገራት ዝሳተፋሉ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ዝቐርቡሉ ዓውደ ምርኢት ከምዘካይድ ኣፍሊጡ፡፡ እቲ ዓውደ ምርኢት ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምስ ትካል ምትሕብባር ደቡብ ብምትሕብባር ዝካየድ እንትኸውን፥ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘሰናዳእ ዓውደ ምርኢት (ግሬት ሳውዘርን ፌር ፎር ኢንዶጂነስ ቴክኖሎጂ) ብምድሃብ ንኣምባሳደራት ኣባል ሃገራት መብርሂ ተዋሂቡ። ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ባይሳ በዳዳ (ዶ/ር)ኣብቲ መብርሂ ብምትሕብባር ትካል ምትሕብባር ደቡብን ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝተሰናደአ ምድላው ካብ ዝተፈላለያ ኣባል ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ፈጠራን ቴክኖሎጂን ከምኡ እውን ተመራመርቲ ዝሳተፉሉን ልምዲ ዝለዋወጡሉን መድረኽ ክኸውን ኢዩ ኢሎም። እቲ ኣውደ ምርኢት ትካላት ምርምር፣ ዩኒቨርስቲታት፣ ውልቀ ተመራመርቲን ካልኦት ክፋላት ማሕበረሰብን ንምዕባለ ሃገሮም ናይ ባዕሎም ንኸበርክቱ ምቹው ኩነታት ዝፈጥር ከምዝኾነ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡
ተመረቕቲ ዝቐሰምዎ ፍልጠት ብምጥቃም ፈጠርቲ ስራሕ ንክኾኑ ትፅቢት ይግበረሎም
Jul 13, 2024 163
ደብረብርሃን/ሓምለ/ 6/2016 (ኢዜኣ) ተመረቕቲ ኣብ እዋን ፃንሒት ትምህርቶም ብዝቐሰምዎ ፍልጠት ተጠቒሞም ካብ ተፀባይነት ስራሕ ብምውፃእ ፈጠርቲ ስራሕ ንክኾኑ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ተገሊፁ። ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ደብረብርሃን ንመበል 26 ግዜ ካብ ብርኪ ክልተ ክሳብ ብርኪ ሓሙሽተ ብዝተፈላለዩ ዘፈር ሞያ ዘሰልጠኖም 885 ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ። ተቀዳሚ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ደብረብርሃን ኣይተ በድሉ ውብሸት ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ተመረቕቲ ጠንኪሮም ብምስራሕ ተጠቀምቲ ክኾኑ ኣለዎም። ተመረቕቲ ኣብ እዋን ፃንሒት ትምህርቶም ብዝቐሰምዎ ፍልጠት ተጠቒሞም ካብ ተፀባይነት ስራሕ ብምውፃእ ፈጠርቲ ስራሕ ንክኾኑ ትፅቢት ከምዝግበረሎም እውን ኣፍሊጦም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መላእ እታ ሃገር እናተስፋሕፈሐ ዝመፀ ምንቅስቓስ ኢንዱስትሪን ኢንቨስትመንትን ብፍላይ ድማ ብቴክኒክን ሞያን፣ጨርቃጨርቂ፣ቱሪዝምን ካልኦት ዓውድታትን ንዝሰልጠኑ መናእሰይ ምችው ዕድል ከምዘሎ ገሊፆም። ዲን እቲ ኮሌጅ ኣይተ ባሻየ በየነ ብግደኦም፤ እቲ ኮሌጅ ብቑዕን ተወዳዳርን ሓይሊ ሰብ እናፍረየ ከምዝኾነ ሓቢሮም። ካብቲ ስሩዕ ስልጠና ብተወሳኺ ንወፍሪ ስራሕ ወፃኢ ሃገራት ሓፀርቲ ስልጠናታት እናሀበ ከምዝርከብ እውን ኣረዲኦም።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ትካላት ጥዕና ዓቕሚ ኣመራርሓ ብምዕባይ ፀገም ኣወሃህባ ኣገልግሎት ትካላት ጥዕና ንምምሕያሽ ትኹረት ተገይሩ እዩ
Jul 12, 2024 144
ኣዳማ/ሓምለ/ 5/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ትካላት ጥዕና ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዝረአ ፀገም ንምምሕያሽ ዓቕሚ ኣመራርሓ ንምዕባይ ትኹረት ከምዝተገበረ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ገሊፁ። እቲ ቢሮ ምስ ሚኒስቴር ጥዕና ብምውዳድ ኣብ ፍኖተ ካርታ ኢኖቬሽን ጥዕና፣ውፅኢታዊ ኣመራርሓ እቲ ዓውዲ ከምኡ እውን ኣወሃህባ ኣገልግሎት ጥዕና ጠመተ ዝገበረ ፎረም መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ከተማ ኣዳማ የሳልጥ ኣሎ። ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣይተ ደረጀ ኣብደና ኣብዚ ፎረም ከምዝበልዎ፤ ፅሬት ኣገልግሎት ጥዕና ንምምሕያሽ ብትኹረት እናተሰርሐ እዩ። እቲ ቢሮ ትካላት ጥዕና ካብ ምስፍሕፋሕ ብተወሳኺ እታዎታት ሕክምና ኣብ ምምላእን ኣገልግሎት ኣብ ምምሕያሽን ትኹረት ከምዝገበረ ሓቢሮም። ዋላ ኳ ክሳብ ሕዚ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ውፅኢታት እንተተመዝገቡ እቲ ህዝቢ ሕዚ እውን ኣብ ትካላት ጥዕና እቲ ዝድለ ኣገልግሎት ብኣግባቡ እናረኸበ ከምዘይኮነ ብምግላፅ ብፍላይ ኣብ ሓደሽቲ ትካላት ጥዕና እቲ ፀገም ጎሊሁ ከምዝረአ ገሊፆም። ስለዝኾነ እውን ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ትካላት ጥዕና ዝረአ ፀገም ኣወሃህባ ኣገልግሎት ጥዕና ንምምሕያሽ ዓቕሚ ኣመራርሓ ኣብ ምዕባይ ትኹረት ከምዝተገበረ ኣረዲኦም። ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና ዳይሬክተር ምምሕያሽ ስርዓት ጥዕና ዶክተር ኣባስ ሓሰን ብግደኦም፤ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ትካላት ጥዕና ፅሬት መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ምርግጋፅ ከምዝግባእ ተዛሪቦም። ኣብ ትካላት ጥዕና ፅሬት ኣገልግሎት ንክረጋገፅ ኣመራርሓ ጥዕና ኣድላይ ከምዝኾነ ብምሕባር ኣብ ቀፃሊ እውን ስርዓት ኣሰራርሓ ጥዕናን ዝተፈለየ ኣረኣእያን ምምዕባል ይግባእ ኢሎም።
ትሕዝቶን ምምሕዳርን ትካላት ልምዓት መንግስትን ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም
Jul 12, 2024 136
ኣዲስ ኣበበ/ሓምለ 5/2016 (ኢዜኣ) ትሕዝቶን ምምሕዳርን ትካላት ልምዓት መንግስትን ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካን ብሓባር ምስራሕ ዘኽእሎም መረዳድኢ ስምምዕ ተፈራሪሞም። እቲ ስምምዕ፤ ዋና ዳይሬክተር ትሕዝቶን ምምሕዳርን ትካላት ልምዓት መንግስቲ ኣይተ ሃብታሙ ሃይለሚካኤልን ፕሬዚዳንት ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካ ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃን እዮም ፈሪመምዎ። እቲ ስምምዕ፤ ኣብ ልምዓት ኣመራርሓ፣መፅናዕትን ምርምርን ከምኡ እውን ኣብ ተሞኩሮ ልውውጥ ትኹረት ዝገበረ ምዃኑ ተገሊፁ። ብተወሳኺ እውን ተግባራዊ እናተገበረ ንዘሎ ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ምችው ኩነታት ከምዝፈጥር ተሓቢሩ። እቲ ስምምዕ፤ እቲ ኣካዳሚ ብልምዓት ኣመራርሓ ልዑል ልምዲ ምስ ዘለወን ሃገራት ኣውሮፓን ኣፍሪካን ተዋዲዱ እናሰርሐሉ ኣብ ዘሎ እዋን ምክያዱ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ኣብዚ እዋን ተገሊፁ።
መረዳእታታት ንምእካብ ዝሕግዝ “ሃይ ኣልቲትዩድ ሳተላይት ባሉን” ናብ ኣየር ተላኢኻ
Jul 10, 2024 165
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/ 2016 /ኢዜአ/ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦ ስፓሻልን መረዳእታታት ንምእካብ ዝሕግዝ “ሃይ ኣልቲትዩድ ሳተላይት ባሉን” ናብ ኣየር ሰዱዱ። እታ ሳተላይት ባሉን ናይ ምስዳድ ስነስርዓት ኣብ ከተማ ሸገር ከፍለ ከተማ ሱሉልታ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ይሽሩን ኣለማሁ(ዶ/ር)፣ ዳይሬክተር ኩባንያ ቦይንግ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሄኖክ ተፈራ ኢሉ እውን ተምሃሮ ተሳቲፎም። እቲ ኢንስቲትዩት ምስ ቦይንግን ፋሴሳን ዝተብሃሉ ትካላት ብምትሕብባር “ፓዝ ወይ ቱ ስፔስ” ብዝበል መሪሕ ሓሳብ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ የመርቕ ከምዘሎ ተገሊፁ።
ብመፅናዕትን ምርምርን ዝተሓገዙ ውሳነታትን ስርዓታት ኣሰራርሓን ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ
Jul 8, 2024 119
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 1/2016 (ኢዜኣ) ብመፅናዕትን ምርምርን ዝተሓገዙ ውሳነታትን ስርዓታት ኣሰራርሓን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መበል 4ይ ዓመታዊ ኮንፈረንስ መፅናዕትን ምርምርን ፓርላማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ የሳልጥ ኣሎ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ሓዊሱ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ሎሚ በዶ፣ ኣከብቲ ቀዋሚ ኮሚቴታትን ኣባላት እቲ ቤት ምኽርን፣ሚኒስትራት፣ኣፈ ጉባኤታት ክልላት፣ተወከልቲ ነቲ ቤት ምኽሪ ተፀዋዕቲ ዝኾኑ ትካላትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም። ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ፓርላማ ትካል ዲሞክራስን ፖለቲካን እዩ። ቤት ምኽርታት መግለፅታት ልኣላውነት ህዝብን ውክልና ህዝብን ዘለዎም ላዕለዎት ወነንቲ ስልጣን እዮም ክብሉ እውን ተዛሪቦም። ኣብዞም ትካላት ዝወሃቡ ውሳነታት ብሄራዊ ሓድነት ዘጠናኽሩን ድሌትን ረብሓን ህዝቢ መሰረት ዝገበሩን ክኾኑ ከምዘለዎም ኣረዲኦም። ቤት ምኽርታት ልኡኽቶኦም ብኣግባቡ ንምውፃእ ዝውስንዎም ውሳነታት ኣብ ሳይንሳዊ ሓበሬታን ፍልጠትን መሰረት ዝገበሩ ንክኾኑ ብመፅናዕትን ምርምርን ክሕገዙ ከምዘለዎም ሓቢሮም። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ስርዓት ፓርላማ ብዝሓሸ ኣግባብ ተግባራዊ ምግባር ዘኽእሉ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከምዘሳለጠ ገሊፆም። ስራሕቲ ቀዋሚ ኮሚቴታት እቲ ቤት ምኽሪ ብመፅናዕትን ምርምርን ዝተደገፉ ንክኾኑ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ከም ኣብነት ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ብመፅናዕትን ምርምርን ዝተደገፉ ውሳነታትን ስርዓታት ኣሰራርሓን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ተዛሪቦም።
ተመረቕቲ ኣብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፃንሒቶም ዝቐሰምዎ ፍልጠት ኣብ ስራሕ ብምውዓል ንለውጢ እቲ ማሕበረሰብ ክሰርሑ ከምዘለዎም ተገሊፁ
Jul 6, 2024 123
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /29/2016 (ኢዜኣ) ተመረቕቲ ኣብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፃንሒቶም ዝቐሰምዎ ፍልጠት ኣብ ስራሕ ብምውዓል ንለውጢ እቲ ማሕበረሰብ ክሰርሑ ከምዘለዎም ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ገሊፆም። ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መበል 74 ስነ ስርዓት ምረቓ ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኔም የካይድ ኣሎ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፤ ኣካቢት ቦርድ እቲ ዩኒቨርሲቲ ፍሬህይወት ታምሩ፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ቤተሰብ ተመረቕቲ ተምሃሮን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም። ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ለውጢ ተግባራዊ እናገበረ እዩ። ተምሃሮ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፃንሒቶም ብሓደ ዓመት ንክውስኽ ከምዝተገበረ ብምሕባር፤ ኣሰራርሓ መውፅኢ ፈተና ዩኒቨርሲቲ ምጅማሩ እውን ካብቶም ስራሕቲ ለውጢ እቲ ሓደ እዩ ኢሎም። ተመረቕቲ ዓለም ኣብ ትሕቲ ብርክት ዝበሉ ፈተናታት እናወደቐት ምዃና ብምርዳእ እቲ ፈተና ንምቅላስ ድሉዋት ክኾኑ ከምዘለዎም ሓቢሮም። ኣብ ናይ ዩኒቨርሲ ፃንሒቶም ዝቐሰምዎ ፍልጠትን ክእለትን ኣብ ስራሕ ኣብ ምውዓል ንለውጢ ሃገርን ማሕበረሰብን ክሰርሑ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም። ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሳሙኤል ክፍሌ(ዶ/ር) ብግደኦም፤ እቲ ኒቨርሲቲ ዝህቦ ኣገልግሎት ትምህርቲ ብዝበለፀ ንምምሕያሽ ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት እናዘርገሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ዩኒቨርሲቲ ሃረማያ ካብ ድኽነትን ተመፅዋታይነትን ሓራ ንምውፃእ ዝተጀመረ ፃዕሪ ብመፅናዕትን ምርምርን ከምዝድግፍ ገሊፁ
Jul 6, 2024 160
ድሬዳዋ/ሰነ 29/2016 (ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ሃረማያ ካብ ድኽነትን ተመፅዋታይነትን ሓራ ንምውፃእ ዝተጀመረ ፃዕሪ ብመፅናዕትን ምርምርን ብምድጋፍ እቲ ዝድለ ውፅኢት ንክርከብ ከምዝሰርሕ ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ጀማል ዩሱፍ ገሊፆም። እቶም ፕሬዚዳንት እቲ ኒቨርሲቲ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘመረቐሉ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንዝሓለፉ 72 ዓመታት ኣብ ኩለመዳያዊ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ዘበርከቱን ኣብ ምብርካት ዝርከቡን ሰብ ሞያታት ዘፍረየ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኢትዮጵ ቅልጡፍን ተኸታታልን ዕቤት ንምምዝጋብን ካብ ድኽነትን ተመፅዋታይነትን ሓራ ንምውፃእን ዝጀመረቶ ፃዕሪ ንክዕወት ንሰብ ሞያታት ስልጠና ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ንመፅናዕትን ምርምርን ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም። ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 35 ሽሕ ዜጋታት ተጠቀምቲ ዝገበሩ 89 ዝተፈላለዩ ቴክኖሎጂታት ከምዘባፅሐ ሓቢሮም። ብተወሳኺ እውን እቲ ሕብረተሰብ ካብ ድኽነትን ተመፅዋታይነትን ሓራ ንምውፃእ ዝሕግዙ 26 ፕሮጀክትታት ምርምር ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ዘለው ትካላትን ዩኒቨርሲቲታትን ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ትምህርቲ ኮተቤ ዩኒቨርሲቲ 1 ሽሕን 688 ተምሃሮ ኣመሪቑ
Jul 6, 2024 115
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /29/2016 (ኢዜኣ) ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ኮተቤ ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ትምህርቲ ዘምሃሮም 1 ሽሕን 688 ተምሃሮ ኣመሪቑ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ፤ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስትን ኣካቢ ቦርድ እቲ ዩኒቨርሲቲን ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር)፣ቤተ ሰብ ተመረቕቲ ተምሃሮን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም። እቶም ናይ ሎሚ ተመረቕቲ ብስሩዕ፣ምሸታውን ተኸታታልን መርሃ ግብርታት ትምህርቶም ክከታተሉ ዝፀንሑ ምዃኖም ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ ተገሊፁ። ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስትን ኣካቢ ቦርድ እቲ ዩኒቨርሲቲን ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር)፤ እዞም ዝተመረቑ ተምሃሮ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ሂወት ምሽግጋር ዘኽእሎም ፍልጠትን ክእለትን ብምሓዝ ምምራቖም እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም። ተመረቕቲ ተምሃሮ ዝቐሰምዎ ፍልጠት ተጠቒሞም እቲ ማሕበረሰብ ኢሉ እውን ሃገር ናብ ዝሓሸ ብርኪ ዕቤት ንክትጎዓዝ ናይ ምግባር ሓላፍነቶም ንክዋፅኡ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም። ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ኮተቤ ብርሃነመስቀል ጠና(ዶ/ር) ብግደኦም፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ትምህርቲ ከምህሮም ዝፀንሐ 1 ሽሕን 688 ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ ኢሎም። ካብቶም ተመረቕቲ 876 ኣወዳት እንትኾኑ 812 ድማ ደቂ ኣንስትዮ እየን ክብሉ እውን ሓቢሮም።
አብ ክልል አምሓራ ዝርከቡ አርባዕተ ዩኒቬርሲታት ዘሰልጠንዎም ተምሃሮ የመርቑ አለዎ
Jul 4, 2024 102
ባህርዳር/ወልድያ/ደሴ/ደብረብርሃን፤ ሰነ/ 27/2016(ኢዜአ)፦ አብ ክልል አምሓራ ዝርከቡ አርባዕተ ዩኒቬርሲታት ዘሰልጠንዎም ተምሃሮ የመርቑ አለው። አብ ምምራቐ ዝርከቡ ዩኒቬርስታት ወሎ፤ ደብረ ብርሃን፤ ወልድያን እንጅባራን እዮም ። እቶም ዩኒቬርስታት አብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ሞያ ዘሰልጠንዎም ተምሃሮ ብመርሃ ግብሪ ቀዳማይ ካልአይን ሳልሳይን ድግሪ ምኹኑ ሪፖርተራት ኢዜአ ካብ እቲ ስፍራ ፀብፂቦም ።
ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ናይ 4 ውፅኢታት ፈጠራ መሰል ፓተንት ተዋሂቡዎ
Jul 1, 2024 151
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/24/ 2016 /ኢዜአ/ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዘማዕበሎም ኣርባዕተ ውፅኢታት ፈጠራ ካብ በዓል መዚ ኣእምሮኣዊ ንብረት ኢትዮጵያ መሰል ፓተንት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ። ነቲ ኢንስቲትዩት ዝተውሃበ መሰል ፓተንት÷ ሰብ ስራሕ ምስትውዓል ቴክኖሎጂ መሰረት ዘገበሩ ዓይነት ሕማም ሽኮርያ፣ ዓይነት ሕማም መንሽሮ ጡብ ዝፈሊ፣ ሕማም ቆርበት ህፃናት ንምፍላይ ዝሰርሕ ስርዓት ከምኡ እውን ሕማም ቆፅሊ ቡን ዝፈሊ ውፅኢታት ፈጠራ ከምዝኾኑ ተገሊፁ። ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ኢ/ር)÷ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ኣእምሮኣዊ ንብረት ኢትዮጵያ ወልዱ ይመስል ምስክር ወረቐት ኣፍልጦ መሰል ፓተንት ከምዝተቐበሉ ተረጋጊፁ ፀብፂቡ፡፡