ቁጠባ
ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ዘበናዊ ፋብሪካ ሓፂነ  ከምዝሃንፅ ገሊፁ
Aug 5, 2024 26
  ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/29/ 2016 /ኢዜአ/ ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዘበናዊ ፋብሪካ ሓፂነ ከምዝሃንፅ ገሊፁ። ዋና ኣስፈፃሚ ስራሕ ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ኣምባሳደር ሱሌይማን ደደፎ፥ ኢትዮጵያ ደቀቕቲ ብሎን እንተይተረፈ ካብ ወፃኢ ዓዲ ከምእተእቲ ተዛሪቦም። ኮይኑ እውን እዚካብ ወፃኢዝአቱ ፍርያት ብዓቕሚ ውሽጢ ዓዲ ንምሽፋን ከምዝተተለመ ገሊፆም። ስለ ዝኾነ ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይን ግዙፍን ዘበናዊ ፋብሪካ ሓፂነ ኣብ ከተማ ነቀምቴ ከምዝሃንፅ ሓቢሮም። ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዕደና ሓፂን ከምዘሎ ብምዝኽኻር፥ በዚን ካልኦት ምኽኒያታትን እቲ ፋብሪካ ኣብ ከተማ ነቀምቴ ንክህነፅ መንግስቲ ወሲኑ ኢዩ ኢሎም። ሙሉእ እታዎታት እቲ ፋብሪካ ካብ ጣሊያን ተዓዲጉ ናብ ውሽጢ ዓዲ ከምዝኣተወ እውን ገሊፆም። ነቲ ፋብሪካ ንምህናፅ ካብ 70 ክሳብ 80 ሚሊየን ዩሮ ከምዝሓትት ዝሓበሮ እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብ ሓፂር እዋን ተሃኒፁ ክዛዘም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ አመልኪቶም ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ፍርያታት ዋጋ ኣብ ዝውስኹ ትካላት ጥንኩር ቁፅፅር ክግበር ኢዩ - ከንቲባ ኣዳነች
Aug 4, 2024 26
  ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/28/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ፍርያታት ግቡእ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ ዝገብሩን ፍርያት ኣብ ልዕሊ ዝሓብኡን ኣካላት ጥንኩር ቁፅፅርን ስራሕቲ ምኽባር ሕጊን ከምዝውገን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ኣብላት ማሕበረሰብ ንግዲን ኣመራርሓ እቲ ምምሕዳር ከተማን ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ እዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ መመሓየሺ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ብምድሃብ ተዛቲየን፡፡ ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ፅሑፍ እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዙሓት ረብሓታት ዘምፅእ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡ ብቐንዱ ድማ ዘላቒ ልምዓትን ኣሳታፋይነት ንምርግጋፅ፣ ንኩሉ ክፋል ማሕበረሰብ ማዕረ ተጠቃሚ ዝገብር ስርዓት ንምህናፅ፣ ፅዕንቶ ዕዳ መንግስቲ ብምንካይን ዝተረጋገአን ተወዳዳሪን ዝቕባበ ብምንካይ ዘኽእል ኩነታት ዕዳጋ ንምፍጣር ከምዝሕግዝ ፀሪሐን፡፡ እዋናዊ ማሕለኻታት ንምቁፅፃር ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ክፋላት ማሕበረሰብ ከይጉዳእ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ምውሳኽ፣ ትሑት ኣታዊ ዘለዎ ክፋል ማሕበረሰብ ምድጓም፣ ብፍላይ ብሴፍቲኔት ዝተሓቖፉ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣታዊ ብዘምፅእልን ተሓጋዘይነት ብዝንኪን መገዲ ምድጋፍ ከምኡ እውን ዕድል ስራሕ ብስፍሓት ምፍጣር ኣብ ግምት ብዘእቱ መልክዑ ዝትግበር ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡ ኣብ ቀፃሊ እውን ምስ ኣፍረይቲን ኣምፃእቲን ብቕርበት በምስራሕ ከምኡ እውን ዕዳጋ ዘዛብዑ ብፍላይ ምስ ሸርፊ ወፃኢ ርክብ ኣብ ዘይብሎም ፍርያታት ግቡእ ዘይኮነ ዋጋ ኣብ ዝውስኹን ፍርያት ዝሓብኡን ኣካላት ጥንኩር ቁፅፅርን ስራሕቲ ምኽባር ሕጊን ከምዝስራሕ እውን ኣፍሊጠን፡፡
ኣታዊ ምዕባይ ቀንዲ ጉዳይ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ስለዝኾነ እቲ ኢኮኖሚ ብዘፈልፍሎ መጠን ኣታዊ ምእካብ ይግባእ-ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ
Aug 3, 2024 41
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /27/2016 (ኢዜኣ) ኣታዊ ውሽጢ ዓዲ ምዕባይ ቀንዲ ጉዳይ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ስለዝኾነ እቲ ኢኮኖሚ ብዘፈልፍሎ መጠን ኣታዊ ምእካብ ከምዝግባእ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም። ሚኒስቴር እቶት ምስ ላዕለዎት ከፈልቲ ግብሪ ይዝቲ ኣሎ። ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢታዊ ዝኸውን መፍረያይነትን ዓቕሚ ኣታውን ምዕባይ እንትከኣል እዩ። ስለዝኾነ እውን ኣታዊ ዘበናዊ ብዝኾነ ስርዓት ኣሰራርሓ ብኣግባቡ ምእካብ ከምዝግባእ ሓቢሮም። ኣታዊ ውሽጢ ዓዲ ብኣንፃር እቲ ዝፈረየ ሓፈሻዊ ዕቤት ፍርያት ውሽጢ ዓዲ(ጂዲፒ) ዝህልዎ ብፅሒት ምዕባይ ቀንዲ ጉዳይ እቲ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ንክውሰን ምግባሩ ዘበናዊ ምጣነ ሃፍትን ስርዓት ንግድን ንክህሉ ከምዝሕግዝ ፀሪሖም። ዝተማልአ ሪፎርም ኢኮኖሚ ውፅኢታዊ ንምግባር እቲ ኢኮኖሚ ብዘፈልፍሎ ልክዕ ኣታዊ ምእካብ ይግባእ እውን ኢሎም።
መገዲ ቦሌ ማእኸል ኣገልግሎት ድሙቕ ንግዲን ዘበናዊ ምንቅስቓስን መዲና ኣዲስ ኣበባ ኢዩ
Aug 2, 2024 47
  አዲስ አበባ/ሓምለ/26/2016/ኢዜአ/ ናብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌን ናብ ካልኦት ክፍሊታት እታ ከተማን ንዝግበር ጉዕዞ ዝቐላጠ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ዝውዕል መስመር እውን ኢዩ። ኣብ በቢመገዱ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ማእኸላት ቢዝነስ፣ ሆቴላት፣ ሬስቶራንታትን ሹቓትን ቀልቢ በፃሕቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝስሕቡ ኢዮም። ንዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ መገዲ ቦሌ ብምንቅስቓስ ልምዓት ኮሪደር ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ፅሬት ልምዓት ከተማን ኣዲስ ኣበባ ብዘርኢ ኩነታት ክብ ዝበለ ስራሕ እናተሰርሐ ፀኒሑ ኢዩ። ካብ ቦሌ ድልድል ክሳብ መስቀል ኣደባባይ ዝተሰርሐ ስራሕ ካልኦት ተግባራት ሓዊሱ ዝስዕቡ ዓበይቲ ተግባራት ዘካተተ ኢዩ፤ * ልምዓት መገዲ 4.3 ኪሎ ሜትሮ * ህንፀት እግረኛ መገዲ 10 ኪሎ ሜትሮ * ህንፀት መገዲ ብስክሌት 13.2 ኪሎ ሜትሮ * ስራሕቲ ምንፃፍ ግራናይትን ባዛልትን 30,160 ካሬ ሜትሮ * ስራሕቲ ጠጠው መበሊ 30 ኣውቶቡሳትን ታክስታትን * ስራሕቲ 10 ቦታታት ፓርኪንግ መኻይን * ልዐሊ 10 ዝኾኑ ኣናእሽቲ ናይ ህዝቢ ፓርክታትን መዕረፊ ፕላዛታትን * ልዕሊ 500 ዝኾኑ ፅገናን ሕድሳትን ህንፃታትን ኣባይቲን ወሰነ መገዲ ንቐንዲ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር
 ስራሕ ምትሕብባር ነበርቲ ከተማና ጎሊሁ ዝተረኣየሉን ምውዳድ ካብ ከተማ ክሳብ ፌደራል ዘለዉ ኣብያተ ዕዮ ዝተረጋገፀሉን እዩ- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Aug 2, 2024 39
  አዲስ አበባ/ሓምለ/26/2016/ኢዜአ/ ለውጢ ኣዲስ ኣበባ ሃፍቲ ብምቑጣብ፣ ንግቡእ ሓባራዊ ልምዓት ጥራሕ ብምውዓልን ንዜጋታት ጠመተ ብምሃብን እናተተግበረ ዝርከብ፣ ኣብ ፈጠራን ቕልጣፈን ዝተመስረተ ቐፃልነት ዘለዎ 'ዩ። እቲ ስራሕ ምትሕብባር ነበርቲ ከተማና ጎሊሁ ዝተረኣየሉን ምውዳድ ካብ ከተማ ክሳብ ፌደራል ዘለዉ ኣብያተ ዕዮ ዝተረጋገፀሉን እዩ። ብምዃኑ 'ውን ብስራሕቲ ልምዓት ኮሪደርና ህንፃታትኩም ብመሰረት ስታንዳርድን ዲዛይንን ከተማና ዘማዕረግኩም ከምኡ 'ውን ንእግረኛ መመሓላለፊ ንክኸውን ምቹው ብምግባር ዝሰራሕኩም ሰብ ዋና ህንፃ፣ ልዕሊ ኹሉ መገልገሊ ቦታታት ክፍቲ ብምግባር ከተማና 24 ሰዓት ዘይትድቅስን ትንቀሳቐስን ንክትኾን ኣወሃህባ ግልጋሎትኩም ዝለወጥኩም፣ ብሓፈሻ ዕላማ እቲ ልምዓት ኮሪደር ዘሳኻዕኩም ነበርቲ ከተማና ኩሉኹም ብባዕለይን ብሽም እቲ ምምሕዳር ከተማን ከመስግነኩም ይደሊ። እንትንሓብር ኸምዚ ዓይነት ቕልጡፍ፣ ሰፊሕ፣ ፅርየትን ቐፃልነትን ዘለዎ ለውጢ ምምዝጋብ ንኽእል ኢና። ሕዚ 'ውን ነዚ ስራሕ ኣብ ኻልኦት ከባቢታት ከተማና 'ውን ስለነስፋሕፍሖ ብዝለዓለ ምትሕብባርን ምቅርራብ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ምስራሕና ንክንቕፅል ፃውዒተይ የቕርብ።
ኣብ ፈጠራ ስራሕ ፈታሒ ፀገመ ዝተዋፈረ መንእሰይ ሽረ እንዳስላሰ ካብ ዝተደርበዩ ናውቲ ንእሽተይ ትራክተር ሕርሻ ሰሪሑ ንኣገልግሎት ኣብቂዑ
Jul 31, 2024 51
  ሽረ እንዳስላሰ/ሓምለ/ 24/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ፈጠራ ስራሕ ፈታሒ ፀገመ ዝተዋፈረ መንእሰይ ሽረ እንዳስላሰ ካብ ዝተደርበዩ ናውቲ ንእሽተይ ትራክተር ሕርሻ ሰሪሑ ንኣገልግሎት ከምዘብቀዐ ተገሊፁ። እዚ መንእሰይ ሽሙ ዕበ ለገሰ ዝበሃል እንትኸውን ነባሪ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ እዩ። እዚ መንእሰይ፤ ምምሕዳር ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ዘዳለዎ ውድድር ፈጠራን ዕድል ስራሕን ንምስታፍ ካብ ዝተደርበዩ ናውቲ ዝሰርሓ ንእሸተይ ትራክተር ሕርሻ ሒዙ ብምቕራብ ኣብቲ ውድድር ካብ ዝተሳተፉ 8 ፈጠርቲ ስራሕ መናእሰይ ቀዳማይ ብምዃን ተሸላሚ ኮይኑ ኣሎ። እታ ትራክተር ካብ ሞተራ ወፃኢ ካሊእ ኣካላታ ካብ ዝተደርበዩ ሓፂነ መፂን ውፅኢታት ፕላስቲክን ከምዝተሰርሐት ዝተዛረበ መንእሰይ ዕበ፤ ኣብ 4 ሰዓታት ሓደ ሄክታር መሬት ናይ ምሕራስ ዓቕሚ ከምዘለዋ እውን ኣረዲኡ። እዚ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑን ዝኾነ ወዲ 35 ዓመት ፈጣሪ ስራሕ መንእሰይ፤ እታ ትራክተር 56 ሽሕ ወፃኢ ብምግባር ንኣገልግሎት ከምዘብቅዓ ተዛሪቡ። እቲ ስራሕ ትራክተር ብመልክዕ ፕሮጀክት ብምቕፃልን እቲ ስራሕ ብምስፍሕፋሕ ንትራክተር እናገጣጠመ ንዕዳጋ ንምቕራብ ደገፍ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዘድልዮ ገሊፁ። እታ ትራክተር ኣብዚ ሕዚ እዋን ዋላ ኳ ብናይ ሰብ ጉልበት እናተደፍአት እትሓርስን እትሰርሕን እንተኾነት ኣብ ቀፃሊ ግና በቢእዋን እናተመሓየሸት ከምትሰርሕ ኣረዲኡ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ አኸሱም ካምፓስ ሽረ ዳዊት ማሞ(ዶ/ር) ብግደኦም፤ እዚ ስራሕ ፈጠራ ዘገርምን ዝተባባዕን ከምዝኾነ ርኢቶኦም ሂቦም። እዚ ስራሕ ፈጠራ ንክስፋሕፋሕ እውን እጃም ዝምልከቶም ኣካላት ልዑል ምዃኑ ብምሕባር፤ ነዚ መንእሰይ ደገፍ ክገብርሉ ከምዝግባእ ገሊፆም። ካምፓስ ሽረ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ኣድላይ ተክኒካዊ ደገፍ ከምዝገብረሉ እውን ኣረጋጊፆም። መንእሰይ ዕበ በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳለዎ ውድድር ፈጠራ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ካብ ዝተፈላለዩ ናውቲ ዝሰርሓ ሄሊኮፕተር ሒዙ ብምቕራብ ኣሸናፊ እቲ ውድድር ብምዃን ተሸላሚ 100 ሽሕ ብር ከምዝኾነ ዝዝከር እዩ።
ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ከተማ መቐለ ብ 2 ነጥቢ 7 ቢልዮን ብር ወፃኢ ዝህነፁ ዘለዉ ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓት ተመልኪቶም
Jul 31, 2024 52
  መቐለ/ሓምለ /24/2016 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ከተማ መቐለ ብ 2 ነጥቢ 7 ቢልዮን ብር ወፃኢ ዝህነፁ ዘለዉን ህዝቢ ተረባሒ ዝገብሩን ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓትተመልኪቶም ኣለው። እቲ ዑደት ህንፀቶም ተዛዚሙ ንኣገልግሎት ዝበቕዑን ኣብ ከይዲ ህንፀት ንዘለዉን ፕሮጀክትታት ዝሓቖፈ ከምዝኾነ ተገሊፁ። ካብቶም ዝተጎብነዩ መሰረተ ልምዓታት ኣብ ከባቢ ከተማ መቐለ ዝርከቡ 25 ቀበሌታት ዘተኣሳስር ህንፀት መንገዲ ፀፀር እቲ ሓደ ከምዝኾነ ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ ገሊፆም። ኣብቲ በጀት ዓመት ዝተሰርሑ ድልድላት ተሽከርከርትን መሻገሪ ሰብን እውን ኣካል እቲ ዑደት ከምዝኾኑ ኣይተ ኤልያስ ሓቢሮም። ከይዲ ህንፀት ፅገናን ምስፍሕፋሕን ልዕሊ 60 ዓመት ዘቑፀረ ሆስፒታል መቐለ ሓዊሱ 10 ሼዳት መፍረዪ ሕምባሻታትን ካልኦት ትካላት ወሃብቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ኣካል እቲ ዑደት ከምዘነበሩ ተገሊፁ።
ዋጋ ወርቂ ብሄራዊ ባንኪ በቢመዓልቱ ብዘውፀኦ ተመን ሸርፊ ወፃኢ ተባዚሑ ከምዝኸውን ተገሊፁ
Jul 31, 2024 47
  ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ /24/2016 /ኢዜአ/ንዝኾነ ይኹነ ኣቕራቢ ወርቂ ክፍሊት ዝፍፀም ዓለም ለኸ ዕለታዊ ዋጋ ወርቂ ብሄራዊ ባንኪ በቢመዓልቱ ብዘውፀኦ ተመን ሸርፊ ወፃኢ ተባዚሑ ከምዝኸውን እቲ ባንኪ ኣፍሊጡ። እቲ ባንኪ መዕደጊ ዋጋ ወርቂ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ ከምዝገለፆ÷ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ወርቂ ካብ ኣፍረይቲን ኣቕረብቲን ብብሕትነት ክዕድግ ኢዩ፡፡ ዝገዝአሉ ዋጋ በቢእዋኑ ምልውዋጡ ድማ ንኣቕረብቲ ዘተባብዕ ኢዩ ተባሂሉ፡፡ ብምዃኑ እቲ ባንኪ ኣብ ፖሊሲ ሸርፊ ወፃኢ ለውጢ ብምግባር ብዕዳጋ ዝምራሕ ማዕቐፍ ፖሊሲ ስለዝኽተል ንዝኾነ ወርቂ ኣቕራቢ ክፍሊት ዝፍፀመሉ፤ ዓለም ለኸ ዕለታዊ ዋጋ ወርቂ ብሄራዊ ባንኪ በቢመዓልቱ ብዘውፀኦ ተመን ሸርፊ ወፃኢ ተባዚሑ ከምዝኸውን ተገሊፁ፡፡ ኣፍረይቲን ኣቕረብቲን ወርቂ ነዚ ፈሊጦም ዕለታዊ ተመን ሸርፊ ወጻኢ ካብ መርበብ ሓበሬታ ብሄራዊ ባንኪ ብምርካብ ንዘቕርቡዎ ወርቂ ክፍሊቶም እቲ ወርቂ ካብ ዝሸጡሉ ጨንፈር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ፡፡
ኮሚሽን ተፋሰስ ናይል ኣብ ሓበራዊ ኣጠቓቕማ ሃፍቲታት ማይ ተቐባልነት ዘለዎ ትካላዊ ኣሰራርሓ ንምፍጣር ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ
Jul 30, 2024 40
  አዲስ አበባ/ ሓምለ/ 23/ 2016 /ኢዜአ/ኮሚሽን ተፋሰስ ናይል ኣብ ሓበራዊ ኣጠቓቕማ ሃፍቲታት ተፋሰስ ማይ ናይል ተቐባልነት ዘለዎ ትካላዊ ኣሰራርሓ ንምፍጣር ዘኽእል ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ገሊፁ። ማዕቐፍ ስምምዕነት ምትሕብባር ናይል ኢትዮጵያ፣ ሩዋንዳ፣ ታንዛንያ፣ ዩጋንዳን ብሩንዲን ነቲ ስምምዕነት ኣቐዲመን ኣብ ናይ ሃገረን ቤት ምኽሪ ሕጊ ዘፅደቓ ኢየን። ደቡብ ስዳን መበል ሻድሸይቲ ሃገር ኮይነ ነቲ ስምምዕነት ምፅዳቓ ነቲ ስምምዕነት ናብ ሕጋዊ ተፈፃምነት ምዕራፍ ንክሸጋገር ዓዲምዎ እዩ። እቲ ስምምዕነት ዘፈፅምን ሃገራት ናይ ናይል ማይ ተፋሰስንሓለዋ ሃፍቲ ማይ፣ ምምሕዳርን ልምዓትን ብምትሕብባር ዝሰርሓሉ ኩነታት ዘጠዓዕም ናይ ናይል ተፋሰስ ኮሚሽን ንከጣይሽ ኣብቲ ሰነድ ተገሊፁ ኢዩ። ነቲ ማዕቐፍ ካብ መንጎ ዝፈረማ ሸውዓተ ሃገራት ሲሶ ዝኾና ወይ ሽዱሽተ ሃገራት ነቲ ስምምዕነት ብፓርላማ ዘፅደቓ እንትኾና፥ ዘፅደቓሉ ሰነድ ንሕብረት ኣፍሪካ እንተእትዋ እቲ ኮሚሽን ምጥያሽ ይኽእላ ኢየን ።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም