ማሕበራዊ
ጠንቂ ሕማም ኮሌራ እንታይ እዩ?
Aug 5, 2024 27
  ረኽሲ ሕማም ኮሌራ ብ ‘ቪብርዮ ኮሌራ’ ዝበሃል ባክተርያ ዝመጽእ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ቀጢን መዓንጣ መርዛማት ነገራት ብምፍራይ ኣካላትና ኣዝዩ ብዙሕ ማይ ከም ዝፍንው ይገብር፣ እዚ ድማ ናብ ተምላስን ኣብ ከቢድ ኩነታት ድማ ብቕልጡፍ ፈሳስን ጨውን ከም ዝስእን ይገብር። መብዛሕትኡ ግዜ ምልክታት ድሕሪ ምልካፍ ካብ 12 ሰዓታት ክሳብ ሓሙሽተ መዓልታት ይጅምር። ውድብ ጥዕና ዓለም ግና ልዕሊ 80 ምኢታዊት ካብቶም በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ምልክታት ከምዘየርእዩ ይገልጽ። ውሑዳት ካብቶም ምልክታት ዘርእዩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 20–30 ምኢታዊት፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ማይ ዝመስል ተምላስ ምስ ከቢድ ምውሓድ ማይ የጋጥሞም። እዚ ድማ እንተዘይተሓኪሙ ናብ ሞት ከብጽሕ ይኽእል። ምልክታት እቲ ሕማም እንታይ እዮም? ምልክታት ረኽሲ ሕማም ኮሌራ • ተምላስ ማይ ዝመስልን መብዛሕትኡ ግዜ ፍሕሽው ጸባ ዝመስል መልክዕ ዘለዎን። • ስምዒት ወይ ሕማም (ተምላስ ንሰዓታት ክጸንሕ ይኽእል እዩ ብፍላይ ድማ ኣብ መጀመርታ ደረጃታት ልሙድ እዩ)። • ቃንዛ ከብዲ • ምጭብባጥ እግሪ • ምውሓድ ማይ ድሕሪ ምጅማሩ ምልክታት ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ክምዕብል ይኽእልን ካብ ቅልል ዝበለ ክሳብ ከቢድ ክኸውን ይኽእል። • ምልክታት ምውሓድ ማይ፡ ቁጥዐ፡ ድኻም፡ ምጥሓል ኣዒንቲ፡ ደረቕ ኣፍ፡ ልዑል ጽምኢ፡ ናብ ዓጻፊ ምስ ዝቕንጠጥ ንድሕሪት ዝምለስ ደረቕን ዝሽርሸርን ቆርበት፡ ውሑድ ወይ ውን ሽንቲ ዘይብሉ፡ ትሑት ጸቕጢ ደምን ዘይስሩዕ ህርመት ልብን ይርከብዎም። ሕማም ኮሌራ ብኸመይ ይላባዕ? ሕማም ኮሌራ ዝመሓላለፍ ሰብ ብባክተርያ ቪብሪዮ ኮሌራ ዝተበከለ ማይ ምስ ዝሰቲ ወይ ከዓ መግቢ ምስ ዝበልዕ እዩ። ምልክታት ዘየርእዩ ሕሙማት ንኻልኦት ናይ ምልካፍ ሓደጋ ኣለዎም። ምልክታት ዘይብሎም ሕሙማት ነቲ ባክተርያ ኣብ ከባቢኦም ናይ ምብካል ተኽእሎኦም ልዑል እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም ሰባት: ሰገራ ወይ ተምላስ ናይ ሓደ ሕማም ኮሌራ ዘለዎ ሰብ፡ ከምኡ’ውን ምስ ብሽንቲ ወይ ተምላስ ዝተበከሉ ነገራት ከይራኸዑ የጠንቅቕ። ብተወሳኺ እቲ ትካል ምስ ሬሳ ብሕማም ኮሌራ ዝሞተ ሰብ ብዘይ መከላኸሊ ርክብ ከይህሉ የጠንቅቕ። ከመይ ጌርካ ኢኻ ንርእስኻ ክትከላኸላ እትኽእል? ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ፡ ናብቲ ሕማም ኮሌራ ዝርከበሉ ከባቢታት ኣብ እትገይሸሉ እዋን ከመይ ጌርካ ከም ዘይትሓምም ዝሕብር ምኽርታት ይህብ፤ • ኣእዳውና ብቐጻሊ ብማይን ሳሙናን ምሕጻብ፣ ብፍላይ ድሕሪ ሽቓቕ ምጥቃምን ቅድሚ ምግቢ ምድላው ወይ ምብላዕና። • ጽሩይ ማይ ጥራይ ስተ፡ እንተላይ ኣብ ጥርሙዝ ማይ ወይ ዝተፈልሐ ማይ ቧንቧ። • ኣብ ጥርሙዝ ወይ ዝፈለሐ ማይ ተጠቒምካ ኣስናንካ ምብራሽ። • ብጥርሙዝ ወይ ብዝፈለሐ ማይ ዘይሓጸብካዮምን ባዕልኻ ዘየዳለኻዮምን ዘይበሰለ ፍረታትን ኣሕምልትን (ሰላጣ ሓዊስካ) ኣይትብላዕ። • ምግብታት ባሕሪ ኣይትብላዕ። • ኣብ መስተታትካ በረድ ኣይሃልኻ። • ባዕልኻ ክትቆርጾም እትኽእል ፍረታትን ኣሕምልትን ከም ባናና፡ ኣራንሺን ኣቮካዶን ምብላዕ። • ብቐሊሉ ዝፍወስ ሕማም ሕማም ኮሌራ ቀልጢፍካ ኦኣርኤስ ብምስታይ ክሕከም ይኽእል። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኦኣርኤስ ካብ ሰራሕተኛታት ጥዕና ክትረኽቦ ወይ’ውን ኣብ ገዛኻ ከይተረፈ ሓደ ሊትሮ ውሑስ ማይ፡ ሽዱሽተ ማንካ ሻሂ ሽኮርን ፍርቂ ማንካ ሻሂ ጨውን ብምሕዋስ ክስራሕ ከም ዝኽእል ይመክር። ዓበይቲ ሰባት ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ማእከላይ ምውሓድ ማይ ንምፍዋስ ክሳብ ሽዱሽተ ሊትሮ ኦኣርኤስ ከድልዮም ይኽእል። ኣብ ከቢድ ኩነታት፡ ሓደ ሕሙም ተወሳኺ ሕክምና ከድልዮ ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ ሕሙማት ንውሓት ግዜ ተምላስ ንምንካይ፡ ዘድሊ መጠን ሪሃይድሬሽን ፈሳሲ ንምንካይ፡ ከምኡ’ውን ናብ ሰገራኦም ዝወጽእ መጠንን ንውሓት ግዜን ባክተርያ ኮሌራ ንምሕጻር ግቡእ ጸረ-ነፍሳት ይወሃቦም። መብዛሕትኦም ሰባት ካብ ሕማም ኮሌራ ብግቡእ ክንክን ብቕልጡፍ ይሓውዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ሕሙማት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ካብ ትካላት ክንክን ጥዕና ይወጹ። ሕማም ኮሌራ ምውጋድ በዓልቲ ሞያ ጥዕና ኣይሪን “መንግስታት ንማሕበረሰባት ብፍላይ ኣብ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ውሕሱን ጽሬቱ ዝሓለወን ማይ ኣብ ምቕራብ ወፍሪ ክገብሩ ኣለዎም” ትብል። ሓባራዊ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም/ዩኒሴፍ ኣብ 2022/ • ኣብ መላእ ዓለም 2.2 ቢልዮን ሰባት ገና ብውሑስ መንገዲ ዝመሓደር ዝስተ ማይ ኣይነበሮምን። • 3.5 ቢልዮን ሰባት ገና ብውሑስ መንገዲ ዝመሓደር ጽሬት (ሽቓቕ) ኣይነበሮምን፣ ካብዚኦም እቶም 419 ሚልዮን ሰባት ኣብ ክፉት ሽቓቕ ዝጥቀሙ እዮም። • ክልተ ቢልዮን ሰባት ኣብ ገዝኦም መሰረታዊ ኣገልግሎት ጽሬት - ማይን ሳሙናን ዘለዎ መሕጸቢ ኢድ - ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2017፡ ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ ኣካዳሚያዊ ትካላትን ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ሓዊሱ ልዕሊ 50 ትካላት ዝሓቖፈ ዓለማዊ ሓይሊ ዕማም ምቁጽጻር ሕማም ኮሌራ ስትራተጂ ምቁጽጻር ሕማም ኮሌራ ኣበጊሱ። እቲ ጉጅለ፡ ሞት ሕማም ኮሌራ ብ90 ምኢታዊት ንምንካይን ክሳብ 2030 ኣብ 20 ሃገራት ሕማም ኮሌራ ንምውጋድን ዝዓለመ እዩ።
ኣቦ ዝሰትዮ ኣልኮላዊ መስተ ብኸመይ'ዩ ኣብ ዝውለድ ቈልዓ ሳዕቤን ዝህልዎ?
Aug 3, 2024 37
አበባ/ሓምለ/27/2016/ኢዜአ/ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ፡ ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ዝውለዱ ቈልዑ ምስ ዝህልዎ ጽልዋ ብዝተሓሓዝ፡ እቲ ኣቦ ዝወስዶ ዘይኰነስ እታ ኣደ ትሰትዮ መስተ እዩ ትዅረት ክጸኒሑ። እዚ ግን በዚ ሓድሽ መጽናዕቲ ክቕየር ከምዝኽእል ይግመት። ተመራመርቲ ንልዕሊ 50 ዓመታት ኣብ እዋን ጥንሲ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ዘስዕቦ ሓደጋታት ከጠንቅቝ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ሓንቲ ኣደ ኣብ ሰሙን ብውሑድ ሓደ ግዜ መስተ እንተወሲዳ ንዕብየት ሓንጐል፣ ንኣእምሮኣዊ ስርሓትን ባህርያትን ከምኡ’ውን ቅርጺ ገጽ ናይ ሓደ ህጻን ክጸልዎ ተኽእሎ ኣለዎ። ወፍርታት ህዝባዊ ጥዕና እውን ኣብ እዋን ጥንሲ እታ ኣደ ክትወስዶ እትኽእል ውሑስ መጠን ኣልኮላዊ መስተ ዝበሃል ከምዘየለ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም። ቅድሚ ወሊድ ንኣልኮላዊ መስተ ምቅላዕ ዝተፈላለየ ጸገማት ከስዕብ ከም ዝኽእል ንጹር ዝዀነ ሳይንሳዊ ምርድዳእ ኣሎ። ምጕዳል ምዕባለ ኒውሮ ከምኡ’ውን ፍሉይ ቅርጺ ገጽ እቲ ዝውለድ ቈልዓ ብብዝሒ ምስ ጸገማት ምውሳድ ኣልኮላዊ መስተ ዝተኣሳሰሩ ኰይኖም፡ ከም ምድንጓይ ዘረባ ዝኣመሰሉ ናይ ባህሪ፡ ኣእምሮኣውን ትምህርትን ጸገማት’ውን ኣብዚ ይጠቓለሉ። ሓደጋታት ናይቲ ኣደ እትወስዶ ኣልኮላዊ መስተ ብዝያዳ ዝተሰነደ’ኳ እንተዀነ፡ ካልእ ነቶም ምስ ምስታይ ብዝተሓሓዝ ዝመጽኡ ሳዕቤናት ኣበርክቶ ክገብር ዝኽእል ጉዳይ ግን ዕሽሽ ተባሂሉ ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ኣቦ ክንደይ ዝኣክል ይሰቲ ዝብል እዩ። ኣብ ፍርያምነትን ወሊድን ዝግበር መጽናዕቲ "ኣዝዩ ኣብ ጓል ኣንስተይቲ ዘተኮረን ኣብ ኣደታት ማእከል ዝገበረን ስለዝነበረ ብወገን ደቂ ተባዕትዮ ግቡእ መጽናዕቲ ኣይገበርናን" ይብል ማይክል ጎልዲን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ ኤ ኤንድ ኤም ተመራማሪ እቲ ዓውዲ። ብርግጽ ከም በዓል ጎልዲን ዝኣመሰሉ ተመራመርቲ ንነዊሕ እዋን ኣቦኣዊ ተራ ከምዘለዎ ይጥርጥሩ ነይሮም። "ንዓመታት 'ኣብ እዋን ጥንሲ ሰትየ ኣይፈልጥን፤ ግን ከኣ ጽልዋ ‘ፌታል ኣልኮል ሲንድሮም’ ዘለዎ ውላድ ኣለኒ። መጻምድተይ ድማ ኣዝዩ ልዑል ኣልኮላዊ መስተ ዝወስድ እዩ ነይሩ' ናይ ዝብላ ኣደታት ዛንታታት ክንሰምዕ ጸኒሕና" ይብል። ከምዚ ዝኣመሰለ ዛንታታት ግን መብዛሕትኡ ግዜ ክንጸግ’ዩ ጸኒሑ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ግን ነቲ ዝጸንሐ እምነትን ኣተሓሳስባን ክቕይር ተኽእሎ ዘለዎ ኰይኑ፤ እተን ኣደታት ዝብላኦ ዝነበራ ሓቂ ምንባሩ ዘረጋግጽ’ዩ። ሓደ ኣቦ ቅድሚ ጥንሲ ኣብ ዘሎ እዋን ኣልኮላዊ መስተ ምውሳዱ ኣብቲ ዘርኢ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ ዘይጭቡጥ ክመስል ይኽእል። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ስነህዝቢ ግን ኣቦታቶም ዝሰትዩ ዕሸላት ንዝተፈላለየ ድኹም ውጽኢት ጥዕና ናይ ምቅላዕ ዝለዓለ ሓደጋ ከምዘለዎም ኣረጋጊጹ’ሎ። ንኣብነት ኣብ 2021 ኣብ ቻይና ኣብ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን መጻምድቲ ዝተገብረ ትዕዝብታዊ መጽናዕቲ፡ እቲ ኣቦ ቅድሚ ጥንሲ ኣብ ዘሎ እዋን ዝሰቲ እንተነይሩ ዋላ’ውን እታ ኣደ ኣይትስተ፡ እቲ ዝውለድ ቈልዓ ከም ምስንጣቕ ከንፈርን ትንሓግን፣ ሕማም ልብን ምዝንባዕ ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢን ንዝበሉ ጸገማት ጥዕና ናይ ምቅላዕ ሓደጋኡ ዝለዓለ እዩ። ካልእ ኣብ ቻይና ዝተገብረ መጽናዕቲ ህዝቢ፡ ጸገም ጥዕና ልቢ ዘለዎም 5000 ህጻናት ምስቶም ዝዀነ ጸገም ልቢ ዘይብሎም ካልኦት 5000 ህጻናት ኣነጻጺሩ። ኣቦኦም ሰታያት ዝዀኑ ህጻናት ንጸገም ልቢ ናይ ምቅላዕ ተኽእሎኦም ዳርጋ ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝዓቢ ኣረጋጊጹ። እዚ ድማ ኣብተን ቅድሚ ጥንሲ ዝነበራ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 50 ሚሊሊትር ኣልኮላዊ መስተ ምስ ምውሳድ ይተሓሓዝ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ፡ ኣብ ሓምለ 2024 ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣቦታት ቅድሚ ጥንሲ ኣብ ዘሎ እዋን ኣልኮላዊ መስተ ክሰትዩ እንተጸኒሖም ኣብ ዕብየት ድቂ ጽልዋ ከምዘለዎ የመልክት። ጎልዲንን ካልኦት ተመራመርትን፡ ኣብ እዋን ጥንሲ ኣልኮላዊ መስተ ምውሳድ ዝህልዎ ጽልዋ ብዝበለጸ ንምርዳእ ኣብ ኣናጹ ፈተነታት ኣካይዶም ነይሮም። ዘካየድዎ ፈተነ ድማ ኣብ እዋን ጥንሲ ኣልኮላዊ መስተ ዝሃብዋ ኣንጭዋ ኣብ ዘርአ ገለ ካብቲ ትጽቢት ክግበር ዝኽእል ስነ-ኣካላዊ ምልክታት ‘ፌታል ኣልኮል ሲንድሮም’ ኣርእዮም። ኣብ ከም ቅርጺ ገጽን ሓፈሻዊ ዕብየትን እቲ ቈልዓ ዝመጽእ ለውጢ ዝገደደ ዝኸውን ግን ክልቲኦም ወለዲ ምስ ሰትዩ ከምዝዀነ ኣረጋጊጾም። ኣብ ሓምለ 2024 ጎልዲን ዝመርሓ ጕጅለ፡ ኣቦታት ኣልኮላዊ መስተ ምውሳዶም ኣብ ዘርኢ ኣናጹ ዘለዎ ጽልዋ ዘረድኡ ክልተ ተወሰኽቲ መጽናዕትታት ኣሕቲሙ ነይሩ። እቶም ክልቲኦም ወለዶም ንኣልኮላዊ መስተ ዝተቓልዑ ኣናጹ ኣብ ሓንጎልን ጸላም ከብድን ዘለዉ ዋህዮታት ቆልጢፎም ናይ ምእራግ ምልክት ከምዘርኣዩ እቲ ሓደ ውጽኢት መጽናዕቲ የመልክት። ጎልዲን ኣብ ኣእዋም መርትዖ ረኺቡ ኣሎ፡ ኣልኮላዊ መስተ ኣቦታት ምጥቃም ካልእ ንዕብየት ጽግያት ዝጸሉ ኣብ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል። ጕጅለ ጎልዲን፡ ቅርጺ ገጽ ናይ ሓደ ውላድ ኣንጭዋ፡ እቲ ኣቦ ንዝሰተዮ መጠን ኣልኮላዊ መሰረት ብምግባር ከም ዝቕየር ክፈልጥ ክኢሉ ኣሎ። ካልኦት መጽናዕትታት’ውን ዘርኢ ናይቶም ንኣልኮል ዝተቓልዑ ተባዕትዮ ኣናጹ ምስቶም ኣልኮላዊ መስተ ዘይተዋህቦም ክነጻጸሩ እንከለዉ፡ ምድራት ዕብየት ድቂን ጉድለት ምትሕልላፍ መግቢን ከምዘሎ የመልክቱ። ጎልዲን፡ ኣቦታት ኣልኮላዊ መስተ ምስ ዝወስዱ ኣብ ድቂ ጽልዋ ዘሕድር ዘርኢ ተባዕታይ ክፍጠር ዝገብር ኵነታት ከምዘሎ ዘረድኡ መርትዖታት እውን ኣብ ኣናጹ ረኺቡ ኣሎ። ንሱን መሳርሕቱን ክቱር ሰታይነት ኣብ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንዝርከብ ‘ኣር ኤን ኤ’ ዝበሃል ዓይነት ጀነቲካዊ ንጥረ ነገር ክቕይሮ ከምዝኽእል ክግንዘቡ ክኢሎም። ብተወሳኺ ምትካኽ ሽጋራ ኣብ ደቂ ሰባት ይዅን ኣብ ኣናጹ ብፍላይ ኣብ ውርሻዊ ጀነቲካዊ ንጥረ ነገራት ዘለዎ ጽልዋ ዘረድእ እዅል መርትዖታት ኣሎ። ዘርኢ ናይቶም ሽጋራ ዘትክኹ ኣቦታት፡ ዕሸላት ናይ ወሊድ ስንክልና ክህልዎም፤ ንሉኪምያ ክቃልዑን ልዕሊ ዓቐን ስብሒ ሰብነትን ክህልዎምን ናይ ምግባር ተኽእሎኡ ዝለዓለ እዩ። ዋላ'ኳ ደቂ ተባዕትዮ ኣልኮላዊ መስተ ምውሳዶም ዝጻወቶ ተራ እንተሎ፡ መብዛሕትኦም ተመራመርቲ ግን እታ ኣደ ካብቲ ኣቦ ንኣልኮላዊ መስተ ተቓላዒት ምዃና ዘኸትሎ ጽልዋ ከምዝዛይድ ይረዳድኡ። ሕጂ'ውን እንተዀነ፡ እቲ ኣቦ ዝወስዶ መስተ ክጻወቶ ዝኽእል ተራ’ውን ሸለል ክበሃል ከምዘይብሉ ተመራመርቲ ይዛረቡ።
ብቕዓት ሓንጐልኩም ንኸየንቆልቁል ነዞም 8 መግብታት ኣዘውትሩ
Aug 2, 2024 27
  ሓንጐል ወዲ ሰብ፡ ምስ ኣብ ሰዓት ኣስታት 431 ኪሎሜተር ምጕዓዝ ብዝመሳሰል ፍጥነት ሓበሬታ ከሰላስል ከምዝኽእል ትፈልጡ’ዶ? ከም ማእከል ምቍጽጻር ኣካላት፡ ሓንጐልና ኣብ ህርመት ልቢ፡ ምስትንፋስ ሳንቡእ፡ ምሕሳብ፡ ምቅስቓስን ኵሉ ንጥፈታት ኣካልን ዘለዎ ሓላፍነት እዚ ኢልካ ዝግለጽ ኣይኰነን። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ኣካል ድማ፡ ግቡእ ነዳዲ ክረክብን ብቕዓቱ ከየንቆልቁል ምግባርን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። እንተዀነ ንምንቁልቋል ብቕዓት ሓንጐል ዝከላኸል ተኣምራዊ ከኒና የለን። ኣብዚ እዋን ድማ ቍጽሪ ናይቶም ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ዘጋጥሞም ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ስለዚ ሓንጐልና ኣብ ዝለዓለ ብቕዓት ንኽጸንሕ እንታይ ክንገብር ንኽእል? እቲ ጥዑይን ሕጕስን ሓንጐል ንኽህልወና ዝሕግዝ ኣገዳሲ ኣገባብ ኣመጋግባ ምዃኑ ዝገልጹ መርትዖታት እናወሰኹ ይመጹ ኣለዉ። ብዙሕ ፍረታት፡ ኣሕምልቲ፡ ጥራምረን ዘይተፈተገ እኽልን ዘጠቓለለ ጥዑይ ኣመጋግባ ክንክተል ከምዝግባእ’ውን የጕልሑ። ገለ ካብቶም ጥዕና ሓንጐል ንምዕቃብ ዝሕግዙ ብሉጻት መግብታት ድማ እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም። 1. ዝበዅዐ መግቢ ምጹጽ ካሉሎ፡ ኪምቺ፡ ኬፊር፡ ሰማያዊ ፎርማጆን ኮምቡቻን ዝኣመሰሉ ዘይመኸኑ መግብታትን መስተታትን ኣብ መዓንጣና ዝርከቡ ጠቐምቲ ባክተርያታት ንኽዓብዩ ይሕግዙ እዮም። እዞም ባክተርያታትን ነፍሳትን ኣብ ጥዕና ሓንጐል ዘለዎም ጽልዋ ገና ብዙሕ መርመራ የድልዮ እዩ። እንተዀነ ኣብ እንስሳታት ዝተገብሩ መጽናዕትታት፡ ኣብ መዓንጣ ዝርከቡ ነፍሳት ካብ ጭንቀት ክሳብ ኣቃውማ ሓንጐልና ንዅሉ ክጸልዉ ከምዝኽእሉ የመልክቱ። እዞም ባክተርያታትን ነፍሳትን ንሓፈሻዊ ጥዕና ከይተረፈ ኣገደስቲ እዮም። 2. ሻሂ፡ ቡንን ጸሊም ቸኮሌትን እዚኦም ብፖሊፊኖል ዝሃብተሙ ኰይኖም፡ ተጣጣዕነት ሰራውር ደም ከዕብዩ ይኽእሉ። እዚ ድማ ደም ዝያዳ ብናጽነት ክውሕዝ የኽእሎ። ፖሊፊኖል ኣብ መዓንጣ ናብ ፊኖሊክ ኣሲድ ስለዝቕየር፡ ኣብ ዓቕሚ ምክልኻል ዋህዮታት ሓንጐል እወታዊ ጽልዋ ኣለዎ። መጽናዕትታት ከምዘረጋገጽዎ ሻሂ ጭንቀት ንምንካይን ከምኡ’ውን ዝኽርን ኣቓልቦን ንምምሕያሽን ይሕግዝ’ዩ። ካፈይን ኣብ ሓንጐል ዝርከብ ካብ ሕማም ረሲዕ ዝከላኸል ኢንዛይም ክውስኽ ይገብር። ከምኡ’ውን ጸሊም ቸኮሌት ዋሕዚ ደም ናብ ሓንጐል ክውስኽ፡ ዝኽርን ርእየትን ክመሓየሽ ክገብር ከምዝኽእል ዝሕብሩ መርትዖታት ኣለዉ። 3. ቆጽሊ ዘለዎም ኣሕምልቲ ቻርድ፡ ዓዃይ ካውሎ፡ ሓምሊ ኣድሪ ዝኣመሰሉ ኣሕምልቲ ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ መኣዛታት ዝሓዙ እዮም። ገለ ካብዚኦም ቤታ ካሮቲን፡ ፎሌት፡ ቫይታሚን ኬን ማግኒዥየምን ዝርከብዎም ኰይኖም ኣብ ስራሕ ሓንጐልን ስርዓተ መትኒን ርኡይ ጽልዋ ኣለዎም። ስለዚ ብዙሕ ቆጽሊ ዘለዎም ቀጠልያ ኣሕምልቲ ምብላዕ፡ ምስ ዝደንጐየ ምንቍልቋል ዕድመ ሓንጐል ከምኡ’ውን ምስ ዝሓሸ ዝኽሪን ትሑት ሓደጋ ምዝንባዕ ጥዕና ኣእምሮን ዝተኣሳሰር እዩ። 4. ጨው ዘይብሉ ዘይተቐለወ ፉል ከም ኣልሞንድ፡ ብራዚል ነት፡ ሃዘልነት፡ ፒስታን ዎልነትን ዝኣመሰሉ ዓይነታት ፉል ክቡራት ምንጪ ፖሊፊኖል እዮም። እዚኦም ኣብ መዓንጣና ብዝርከቡ ባክተርያታት ምስ ዝሓቁ፡ ነድሪ ብምንካይ ንሓንጐል ዝከላኸል ፊኖሊክ ኣሲድ የፍርዩ። ብተወሳኺ ዋህዮታት ሓንጐል ዝራኸቡሉ ኣገባብ ንምምሕያሽ ይሕግዙ። ሓደስቲ ዋህዮታት ሓንጐል ንኽፍጠሩን ንክስፋሕፍሑን እውን ኣበርክቶ ይገብሩ። እዚኦም ዓይነታት ፉል ጽቡቕ ምንጪ ቫይታሚን ኢ እውን እዮም፤ እዚ ማለት ኣብ ግዜ እርጋን ምስ ዝሓሸ ዝኽሪ ብቐጻሊ ዝተኣሳሰሩ እዮም። 5. ፍረታት ቤሪ ከም ፍራውለ፡ ፍረ ሳምቡኮ፡ ሰማያዊ ጐምጠጥ፡ ብላክቤሪ፡ ክራንቤሪ ዝኣመሰሉ ፍራምረ ንህላወ ዋህዮታት ሓንጐል ዝድግፍ ውሁድ ብብዝሒ ክፈርይ ይሕግዙ። እዚ ድማ ኣቓልቦን ናይ ሓጺር ግዜ ዝኽርን ንኽመሓየሽን የኽእል። ከም ውጽኢቱ ድማ ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ምርግጋጽ ዝጻወትዎ ተራ ቀሊል ኣይኰነን። 6. ባልደንጓን ዘይተፈተገ እኽልን ባልዶንጓን ካልኦት ዘይተፈተጉ ኣእካልን ብፋይበር ዝሃብተሙ እዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኻየደ ሃገራዊ መጽናዕቲ ኣመጋግባን መኣዛታትን፡ ካብቶም ካብ 19 ክሳብ 64 ዓመት ዝዕድመኦም ዓበይቲ ዜጋታት ዓባይ ብሪጣንያ፡ እቶም እኹል ፋይበር ዝምገቡ 9 ሚእታዊት ጥራይ ከምዝዀኑ የመልክት። ይዅን’ምበር እዞም ፋይበር ዘለዎም መግብታት ኣብ ጥዕና ልዑል እወንታዊ ጽልዋ ኣለዎም። ኣብ መዓንጣ ዝርከቡ ባክተርያታት ንፋይበር ከሕቕቑ እንከለዉ፡ ሓደ ካብቲ ጐድናዊ ፍርያት፡ ሓጺር ሰንሰለታዊ ስብሒ ኣሲድ (SCFAs) ዝበሃሉ ውህደታት ዝሓዘ ጕጅለ እዩ። እዞም ውህደታት እዚኦም፡ ጥዕና መከላኸሊ መዓንጣ ብምዕቃብ ሓንጐል ካብ ነድሪን ጸቕጥን ይከላኸሉ። 7. ምግቢ ባሕርን ተኽሊ ባሕርን እዚኦም ድማ ንናይ ሓንጐል ዓቕሚ ጸረ-ኦክስጅን ኣብ ምድጋፍ ጠቐምቲ እዮም። ብዝተፈላለዩ መኣዛታት እውን ዝሃብተሙ ስለዝዀኑ ኣብ ጥዕና ልዑል እወታዊ ጽልዋ ከሕድሩ ተኽእሎ ኣሎ። ሓደ ካብቶም መኣዛታት ኣዮዲን ኰይኑ፡ ኣብ እዋን ጥንሲ ንዕብየት ሓንጐል እቲ ዕሸል ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። 8. ዘይቲ ዘለዎ ዓሳ ከም ሳልመን፡ ማከረል፡ ኣንቾቪስ፡ ትራውት፡ ሄሪንግን ሰርዲንን ዝኣመሰሉ ዓሳታት ብኦሜጋ-3 ዝሃብተሙ እዮም። ኦሜጋ-3 ድማ ኣብ ጥዑይ ኣቃውማን ስራሕን ሓንጐል ክመጽእ ከሎ መተካእታ የብሉን። መርትዖታት ከም ዝሕብርዎ፡ እዞም መግብታት ነቶም ቅልል ዝበለ ናይ ኣእምሮ ጸገምን ጭንቀትን ዘለዎም ሰባት ጠቐምቲ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። እዚ ንምግባር ድማ ኣብ ሰሙን ሓደ ወይ ክልተ ክፋል ዘይቲ ዘለዎ ዓሳ ምብላዕ ተመራጺ ይኸውን።
ስራሕቲ ልምዓት ብውፅኢታውነት ንምቕፃል ሰላም ኩላትና ክንሕልዎ ኣለና-ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው
Aug 1, 2024 35
  ነቀምቴ/ሓምለ /25/2016 (ኢዜኣ) ስራሕቲ ልምዓት ብውፅኢታውነት ንምቕፃል ኩላትና ሰላም ክንሕሉ ኣለና ክብላ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ገሊፀን። ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብ ከተማ ነቀምቴ ዝተሃነፀ ፋብሪካ ዳቦን ሕሩጭን ተመሪቑ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፤ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው፣ፕሬዚዳንት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም። ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ፋብሪካ ስራሕ ምጅማሩ ንነበርቲ እቲ ከተማ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሓረስቶት እቲ ከባቢ እውን እዩ ዝጠቅም። እቲ ፋብሪካ ዝጥቀሞ ፍርያት ኣብቲ ከባቢ ስለዝፈሪ ነቲ ሓረስታይ ዕድል ዕዳጋ ኣብ ምፍጣር ዓብይ ዕድል ከምዘለዎ ገሊፀን። ከባቢ ወለጋ ብሃፍቲ ተፈጥሮ ዝማዕበለን ናይ ምልማዕ ዓቕሚ ዘለዎን ምዃን ብምሕባር፤ ቤት ፅሕፈተን ነቲ ዞባ ዝገብሮም ስራሕቲ ልምዓት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም ኢለን። ኣብቲ ከባቢ ብዝበለፀ ንምስራሕ ሰላም መሰረታዊ ነገር ምዃኑ ብምግላፅ፤ ኩሉ ሰላሙ ንክሕልዉን ኣምባሳደር ሰላም ንክኸውንን ፃውዒት ኣቕሪበን። ̍እዚ ዝተሃነፀ ፋብሪካ ዳቦን ሕሩጭን ንዓኹም ስለዝኾነ ንነዊሕ ዓመታት ንከገልግልን ናብ ቀፃሊ ወለዶ ንክሸጋገርን ክትከናኸንዎ ይግባእ̍ ክብላ እውን ተዛሪበን።
ሚኒስቴር ፍትሕን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ኣብ ከተማ ጋምቤላን ከባቢኡን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ የካይዱ ኣለው
Aug 1, 2024 35
  ጋምቤላ/ሓምለ /25/2016 (ኢዜኣ) ሚኒስቴር ፍትሕን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ኣብ ከተማ ጋምቤላን ከባቢኡን ሕድሳት መንበሪ ዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ የሳልጡ ኣለው። ሓለፍቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ካብ ሎሚ ንጉሆ ጀሚሮም ኣብ ከተማ ጋምቤላን ከባቢኡን ስራሕ ፅሬት፣መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋ ኣሰር፣ምጅማር ሕድሳት መንበሪ ዓቕሚ ዘይብሎምን ካልኦት ስራሕቲ ሰናይ ፍቓድን የካይዱ ኣለው። ኣብ ሚኒስቴር ፍትሒ ሚኒስቴር ዲኤታ ዘፈር ፍትሒ ኣይተ በላይሁን ይርጋ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከምዝበልዎ፤ እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ናብቲ ከባቢ ዝኸድሉ ምኽንያት ኣብቲ ክልል ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ንምሕጋዝ እዩ። እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ብፍላይ ድማ ሕድሳት መንበሪ ዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት፣መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋ ኣሰር፣ስራሕ ፅሬትን ካልኦት ኣገልግሎታት ሰናይ ፍቓድን ከምዘሳልጡ ተዛሪቦም። ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ቴንኩዌይ ጆክ ብግደኦም፤ እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ናብቲ ክልል ብምኻድ ስራሕቲ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ንምሕጋዝ ንዘርኣይዎ ተበግሶ ምስግና ኣቕሪቦም። እቶም ብኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ዝሳለጡ ዘለው ስራሕቲ ምትሕብባር ልምዓትን ምድግጋፍን ዘጠናኽሩ እዮም ኢሎም።
ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ መድሃኒት ዝጻወር ዓሶ ይስፍሕፋሕ ኣሎ
Aug 1, 2024 31
  አዲስ አበባ/ሓምለ/25/2016/ኢዜአ/ ተመራመርቲ መድሃኒት ሕማመ ዓሶ ምጽዋር ዓቕሚ ዘለዎም ጽግዕተኛ ሕማም ዓሶ ኣብ ኣፍሪቃ የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ብህጹጽ ስጕምቲ እንተዘይተወሲዱ ህይወት ሚልዮናት ንሓደጋ ተቓሊዑ ከምዘሎ ኣጠንቂቘም። እዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ሕማም፡ በቲ ኣርተሚሲኒን ዝበሃል መድሃኒት ዓሶ ናይ ምክልኻል ባህሪ ኣጥርዩ ከምዘሎ’ዮም እዞም ተመራመርቲ ዝሕብሩ። እዚ ሓድሽ ዓይነት ዓሶ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ነዚ መድሃኒት ናይ ምጽዋር ዓቕሙ ካብ 1 ሚእታዊት ናብ 20 ሚእታዊት ክብ ኢሉ ከምዘሎ’ዮም እዞም ክኢላታት ዝገልጹ። ካብ 10 ሃገራት ዝተወፃጽኡ 28 ክኢላታት ሕማም ዓሶ፡ ኣብ መጽሄት ጆርናል ኣብ ዘሕተምዎ ምርምራዊ ውጽኢት፡ እዚ ኣርተሚሲኒን ንጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ ብምቕታል ቀንዲ ኣገባብ መፈወሲ ሕማም ዓሶ ኰይኑ የገልግል ከምዘሎ’ዮም ዝገልጹ። ነዚ ኣርቲሚሲኒን ናይ ምክልኽል ዓቕሚ ዘለዎም ጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ መጀመርታ ኣብ ሩዋንዳ ከምዝተራኣዩን ቀልጢፎም ከኣ ናብ ዩጋንዳን ናብ ኤርትራን ከም ዘተስፋሕፍሑ ብምግላጽ ሕዚ ናብ ሓያለ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተዘርጊሖም ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ኣብዚ እዋን ከኣ ልዕሊ 10 ሚእታዊት ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ሩዋንዳ፡ ዩጋንዳን ታንዛንያን ዝርኣዩ ዘለዉ ዓይነታት ጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ ንመድሃኒት ኣርተሚሲኒን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ኣጥርዮም ከምዘለዉ እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም። ሓደ ካብዞም ነዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ናይጀርያዊ ፕሮፌሰር ኦሉግበንጋ ሞኩሎ ኰይኖም “ሚልዮናት ሰባት ከይሞቱ እንተለዉ እቲ ስጕምቲ ዝውሰደሉ ግዜ ሕዚ’ዩ” ኢሎም። ኣብ 2016 ንመጀመርታ ግዜ መድሃኒት ሕማም ዓሶ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ዝደለቡ ጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ ኣብ ዩጋንዳ ተራእዮም። ኣብ 2019 ኣብ ዝተገበረ ዳህሳስ ከኣ 20 ሚእታዊት ካብቶም ጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ ንመድሃኒት ኣርተሚሲኒን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ከምዝደለቡ ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ። እቶም ጕጅለ ተመራመርቲ፡ ምስፍሕፋሕ ናይዞም ንመድሃኒት ኣርተሚሲኒን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ዘጥረዩ ጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ ክዕገተሉ ናብ ዘይክእል ደረጃ ከምዝበጽሐ’ዮም ኣጠንቂቘም። ቅድሚ ሕዚ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ ተመሳሳሊ ክስተት ኣጋጢሙ፡ ኣብ ኣርተሚሲኒን ዝተሞርኮሰ ኣገባብ ፍወሳ ሕማም ዓሶ ውዱቕ ክሳብ ዝኸውን ከምዝበጽሐ ኣብ ታይላንድ፡ ኣብ ክፍሊ ኦክስፎርድ ትሪፒካል መዲሰን ሪሰርች ተመራማሪ ዝዀኑ ዶክተር ምሁል ድሆረዳ ይሕብሩ። ዶክተር ምሁል ነቲ ናይ ደቡባዊ ምብራቅ ኤስያ ከም ኣብነት ብምቕራብ “ካብታ ዝተፈለጠላ ክሳብ ምሉእ ንምሉእ ናብ ብዙሕ ዘስፋሕፍሕ ካብ 10 ክሳብ 15 ዓመታት’ዩ ወሲዱ” ይብሉ። ኣብ 1970ታት’ውን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እቶም ጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ ነቲ ኣብቲ እዋን ከም መድሃኒት ሕማም ዓሶ ዘገልግል ዝነበረ ክሎሮኪን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ደሊቦም ነይሮም’ዮም ኣብ 1980ታት ከኣ እቲ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ክሳብ ምዕራብ ኣፍሪቃ በጺሑ። ብሰንኪ'ዚ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ 1980 ብሰንኪ ሕማም ዓሶ ዝመውት ዝነበረ ሰብ 493 ሽሕ'ዩ ነይሩ፡ ኣብ 2004 ከኣ ናብ 1.6 ሚልዮን ክብ ክብል ክኢሉ። ቢቢሲ ከም ዝፀብፀቦ እዞም ተመራመርቲ ከኣ ነዚ ከም ኣብ ኣብነት ብምጥቃስ “እቶም ጽግዕተኛታት ሕማም ዓሶ ንኣርተሚሲኒን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ካብ ኣማዕበሉ ቍጽሪ ብሕማም ዓሶ ዝሞቱ ሰባት ግድን ክውስኽ’ዩ” ይብሉ። እዞም ተመራመርቲ ነተን ሕማም ዓሶ ዘመሓላልፋ ጣንጡን ነቶም ጽግዕተኛታትን ኣመልኪቶም እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ለበዋ ብምሕላፍ ኣብ ልዕሊ ኣርተሚሲኒን ካልእ ተወሳኺ መድሃኒት ሕማም ዓሶ ክስራሕ እዋኑ ምዃኑ ተላብዮም ኣለዉ።
ጠንቂ ሕማም ኮሌራ እንታይ እዩ፣ ብኸመይ ክንከላኸሎ ንኽእል?
Jul 31, 2024 42
  ኮሌራ ብባክተርያ ዝመጽእ ረኽሲ ኮይኑ፡ ከቢድ ተምላስን ድርቀትን ዘስዕብ እዩ። ብቐሊሉ ዝፍወስ ሕማም’ኳ እንተኾነ እንተዘይተሓኪሙ ግን ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ቀታሊ ክኸውን ይኽእል። ውድብ ጥዕና ዓለም ሕማም ኮሌራ ካብ ድኽነት ዝነቅል ከምዝኾነ ዝገለጸ ኮይኑ ብፍላይ ውሑስ ማይን መሰረታዊ ጽሬትን እኹል ተበጻሕነት ንዘይብሎም ሰባት የጥቅዕ። ብኣብዝሓ ድማ ኣብ ገለ ክፋል ኣፍሪቃ፡ ኤስያን ሃይቲን የጥቅዕ። ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ካብ 1.3 ክሳብ ኣርባዕተ ሚልዮን ብሕማም ኮሌራ ከምዝተለኽፉን፡ ኣብ መላእ ዓለም ድማ ካብ 21 ሽሕ ክሳብ 143 ሽሕ ብሰንኪ እዚ ሕማም ከምዝሞቱን ይግምት። ጠንቂ ሕማም ኮሌራ እንታይ እዩ? ረኽሲ ሕማም ኮሌራ ብ ‘ቪብርዮ ኮሌራ’ ዝበሃል ባክተርያ ዝመጽእ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ቀጢን መዓንጣ መርዛማት ነገራት ብምፍራይ ኣካላትና ኣዝዩ ብዙሕ ማይ ከም ዝፍንው ይገብር፣ እዚ ድማ ናብ ተምላስን ኣብ ከቢድ ኩነታት ድማ ብቕልጡፍ ፈሳስን ጨውን ከም ዝስእን ይገብር። መብዛሕትኡ ግዜ ምልክታት ድሕሪ ምልካፍ ካብ 12 ሰዓታት ክሳብ ሓሙሽተ መዓልታት ይጅምር። ውድብ ጥዕና ዓለም ግና ልዕሊ 80 ምኢታዊት ካብቶም በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ምልክታት ከምዘየርእዩ ይገልጽ። ውሑዳት ካብቶም ምልክታት ዘርእዩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 20–30 ምኢታዊት፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ማይ ዝመስል ተምላስ ምስ ከቢድ ምውሓድ ማይ የጋጥሞም። እዚ ድማ እንተዘይተሓኪሙ ናብ ሞት ከብጽሕ ይኽእል። ምልክታት እቲ ሕማም እንታይ እዮም? ምልክታት ረኽሲ ሕማም ኮሌራ ተምላስ ማይ ዝመስልን መብዛሕትኡ ግዜ ፍሕሽው ጸባ ዝመስል መልክዕ ዘለዎን። ስምዒት ወይ ሕማም (ተምላስ ንሰዓታት ክጸንሕ ይኽእል እዩ ብፍላይ ድማ ኣብ መጀመርታ ደረጃታት ልሙድ እዩ)። ቃንዛ ከብዲ ምጭብባጥ እግሪ ምውሓድ ማይ ድሕሪ ምጅማሩ ምልክታት ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ክምዕብል ይኽእልን ካብ ቅልል ዝበለ ክሳብ ከቢድ ክኸውን ይኽእል። ምልክታት ምውሓድ ማይ፡ ቁጥዐ፡ ድኻም፡ ምጥሓል ኣዒንቲ፡ ደረቕ ኣፍ፡ ልዑል ጽምኢ፡ ናብ ዓጻፊ ምስ ዝቕንጠጥ ንድሕሪት ዝምለስ ደረቕን ዝሽርሸርን ቆርበት፡ ውሑድ ወይ ውን ሽንቲ ዘይብሉ፡ ትሑት ጸቕጢ ደምን ዘይስሩዕ ህርመት ልብን ይርከብዎም። ሕማም ኮሌራ ብኸመይ ይላባዕ? ሕማም ኮሌራ ዝመሓላለፍ ሰብ ብባክተርያ ቪብሪዮ ኮሌራ ዝተበከለ ማይ ምስ ዝሰቲ ወይ ከዓ መግቢ ምስ ዝበልዕ እዩ። ምልክታት ዘየርእዩ ሕሙማት ንኻልኦት ናይ ምልካፍ ሓደጋ ኣለዎም። ምልክታት ዘይብሎም ሕሙማት ነቲ ባክተርያ ኣብ ከባቢኦም ናይ ምብካል ተኽእሎኦም ልዑል እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም ሰባት: ሰገራ ወይ ተምላስ ናይ ሓደ ሕማም ኮሌራ ዘለዎ ሰብ፡ ከምኡ’ውን ምስ ብሽንቲ ወይ ተምላስ ዝተበከሉ ነገራት ከይራኸዑ የጠንቅቕ። ብተወሳኺ እቲ ትካል ምስ ሬሳ ብሕማም ኮሌራ ዝሞተ ሰብ ብዘይ መከላኸሊ ርክብ ከይህሉ የጠንቅቕ። ከመይ ጌርካ ኢኻ ንርእስኻ ክትከላኸላ እትኽእል? ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ፡ ናብቲ ሕማም ኮሌራ ዝርከበሉ ከባቢታት ኣብ እትገይሸሉ እዋን ከመይ ጌርካ ከም ዘይትሓምም ዝሕብር ምኽርታት ይህብ፤ ኣእዳውና ብቐጻሊ ብማይን ሳሙናን ምሕጻብ፣ ብፍላይ ድሕሪ ሽቓቕ ምጥቃምን ቅድሚ ምግቢ ምድላው ወይ ምብላዕና። ጽሩይ ማይ ጥራይ ስተ፡ እንተላይ ኣብ ጥርሙዝ ማይ ወይ ዝተፈልሐ ማይ ቧንቧ። ኣብ ጥርሙዝ ወይ ዝፈለሐ ማይ ተጠቒምካ ኣስናንካ ምብራሽ። ብጥርሙዝ ወይ ብዝፈለሐ ማይ ዘይሓጸብካዮምን ባዕልኻ ዘየዳለኻዮምን ዘይበሰለ ፍረታትን ኣሕምልትን (ሰላጣ ሓዊስካ) ኣይትብላዕ። ምግብታት ባሕሪ ኣይትብላዕ። ኣብ መስተታትካ በረድ ኣይሃልኻ። ባዕልኻ ክትቆርጾም እትኽእል ፍረታትን ኣሕምልትን ከም ባናና፡ ኣራንሺን ኣቮካዶን ምብላዕ። ብቐሊሉ ዝፍወስ ሕማም ሕማም ኮሌራ ቀልጢፍካ ኦኣርኤስ ብምስታይ ክሕከም ይኽእል። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኦኣርኤስ ካብ ሰራሕተኛታት ጥዕና ክትረኽቦ ወይ’ውን ኣብ ገዛኻ ከይተረፈ ሓደ ሊትሮ ውሑስ ማይ፡ ሽዱሽተ ማንካ ሻሂ ሽኮርን ፍርቂ ማንካ ሻሂ ጨውን ብምሕዋስ ክስራሕ ከም ዝኽእል ይመክር። ዓበይቲ ሰባት ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ማእከላይ ምውሓድ ማይ ንምፍዋስ ክሳብ ሽዱሽተ ሊትሮ ኦኣርኤስ ከድልዮም ይኽእል። ኣብ ከቢድ ኩነታት፡ ሓደ ሕሙም ተወሳኺ ሕክምና ከድልዮ ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ ሕሙማት ንውሓት ግዜ ተምላስ ንምንካይ፡ ዘድሊ መጠን ሪሃይድሬሽን ፈሳሲ ንምንካይ፡ ከምኡ’ውን ናብ ሰገራኦም ዝወጽእ መጠንን ንውሓት ግዜን ባክተርያ ኮሌራ ንምሕጻር ግቡእ ጸረ-ነፍሳት ይወሃቦም። መብዛሕትኦም ሰባት ካብ ሕማም ኮሌራ ብግቡእ ክንክን ብቕልጡፍ ይሓውዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ሕሙማት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ካብ ትካላት ክንክን ጥዕና ይወጹ። Images ሕማም ኮሌራ ምውጋድ በዓልቲ ሞያ ጥዕና ኣይሪን “መንግስታት ንማሕበረሰባት ብፍላይ ኣብ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ውሕሱን ጽሬቱ ዝሓለወን ማይ ኣብ ምቕራብ ወፍሪ ክገብሩ ኣለዎም” ትብል። ሓባራዊ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም/ዩኒሴፍ ኣብ 2022፤ ኣብ መላእ ዓለም 2.2 ቢልዮን ሰባት ገና ብውሑስ መንገዲ ዝመሓደር ዝስተ ማይ ኣይነበሮምን። 3.5 ቢልዮን ሰባት ገና ብውሑስ መንገዲ ዝመሓደር ጽሬት (ሽቓቕ) ኣይነበሮምን፣ ካብዚኦም እቶም 419 ሚልዮን ሰባት ኣብ ክፉት ሽቓቕ ዝጥቀሙ እዮም። ክልተ ቢልዮን ሰባት ኣብ ገዝኦም መሰረታዊ ኣገልግሎት ጽሬት - ማይን ሳሙናን ዘለዎ መሕጸቢ ኢድ - ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2017፡ ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ ኣካዳሚያዊ ትካላትን ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ሓዊሱ ልዕሊ 50 ትካላት ዝሓቖፈ ዓለማዊ ሓይሊ ዕማም ምቁጽጻር ሕማም ኮሌራ ስትራተጂ ምቁጽጻር ሕማም ኮሌራ ኣበጊሱ። እቲ ጉጅለ፡ ሞት ሕማም ኮሌራ ብ90 ምኢታዊት ንምንካይን ክሳብ 2030 ኣብ 20 ሃገራት ሕማም ኮሌራ ንምውጋድን ዝዓለመ እዩ። ቢቢሲ ትግርኛ ከም ዝፀብፀቦ
መበል 10ይ ጉባኤ መናእሰይ ብሪክስ ኣብ መንጎ መናእሰይ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዘሎ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ንምጥንኻር ዕድል ፈጢሩ እዩ
Jul 30, 2024 41
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /23/2016 (ኢዜኣ) መበል 10ይ ጉባኤ መናእሰይ ብሪክስ ኣብ መንጎ መናእሰይ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዘሎ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ንምጥንኻር ዕድል ዝፈጠረ ከምዝነበረ ቤት ምኽሪ መናእሰይ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ብፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ መናእሰይ ኢትዮጵያ ፋዓድ ገና ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ቅድሚ መዓልትታት ኣብ ሩሲያ ኣብ ዝተኻየደ መበል 10ይ ጉባኤ መናእሰይ ብሪክስ ተሳቲፉ እዩ። ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ መናእሰይ ኢትዮጵያ ፋዓድ ገና ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ዝነበራ ተሳትፎ ኣመልኪቶም ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኣብቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ ኩለን ሃገራት ኣባል ብሪክስ ዝተወከሉ ኣመራርሓ መናእሰይን ሚኒስትራትን ከምዝተሳተፉ ገሊፆም። ኢትዮጵያ እውን ናብ ሕብረት ብሪክስ ምፅምባራ ስዒቡ ኣብቲ ጉባኤ ንፈለማ እዋን ከምዝተሳተፈት ተዛሪቦም። እቲ ጉባኤ ኣብ ጉዳያት ትምህርትን ስልጠናን፣ሳይንስ፣ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን፣ ጥዕና፣ ስፖርትን ኪነ ጥበብን ጠመተ ገይሩ ከምዝዘተየ እውን ሓቢሮም። ስለዝኾነ እውን እቲ ጉባኤ ኣብ መንጎ መናእሰይ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዘሎ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ንምጥንኻር ዕድል ዝፈጠረ ከምዝነበረ ኣረዲኦም።
ኣብቲ በጀት ዓመት ን345 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ወፃኢ ሃገር ተፈጢሩ እዩ-ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን
Jul 30, 2024 45
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 23/2016 (ኢዜኣ) ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ን345 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ወፃኢ ሃገር ከምዝተፈጠረ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ኣፍሊጡ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገበረ ሪፎርም ወፍሪ ስራሕ ወፃኢ ሃገር ንዜጋታት ዘተኣማምንን ዘላቕን ከምኡ እውን ድሕንነቶም፣መሰሎምን ጥቕሞምን ተሓልዩ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዕድል ስራሕ ንክረኽቡ ሓጊዙ እዩ። ኣብ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን መተሓባበሪ ፕሮጀክት ስርዓት ሓበሬታ ዕዳጋ ስራሕ ኢትዮጵያ ብርሃኑ ኣለቃ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ዜጋታት ኣብ ናይ ወፃኢ ሃገር ወፍሪ ስርሖም ድሕንነቶም፣ጥቕሞምን መሰሎምን ተሓልዩ ንክሰርሑ እናተገበረ እዩ። እቲ ወፍሪ ስራሕ ወፃኢ ሃገር ብሕጋዊ መንገዲ ምዃኑን ምስ መባፅሕቲ ሃገራት ዘለዎ ስምምዕን ቁፅሪ ናብ ወፃኢ ሃገር ንስራሕ ዝኸዱ ዜጋታት ብዕፅፊ ከምዝወሰኸ ሓቢሮም። ስለዝኾነ እውን ኣብ በጀት ዓመት 2016 ጥራሕ ን345 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ወፃኢ ሃገር ከምዝተፈጠረ ተዛሪቦም። እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ልዑል ቁፅሪ ሰብ ዝኸደሎም ከባብታት ብመፅናዕቲ ብምፍላይ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ባዕሎም ምስ ዝሰርሕዎ ስራሕ ንክለማመዱ ስልጠና እናሃበ ከምዝርከብ ኣረዲኦም።
ኣሸንዳ፤ ፍቕሪ፣ ሓድነትን ሓሳብካ ብጥበብ ትገልፀሉን መዓልቲ ናፃነት ከምዝኾነ ተገሊፁ
Jul 30, 2024 43
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/23/ 2016 /ኢዜአ/ ኣሸንዳ፤ ፍቕሪ፣ ሓድነት፣ ምትሕግጋዝ፣ ሓሳብካ በጥበብ ትገልፀሉን መዓልቲ ናፃነትን ከምዝኾነ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ሃይላይ በየነ ገሊፆም። ዓበይቲ ዓድን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ዝተሳተፍሉ ኣብ ኣከባብራ በዓል ኣሸንዳ 2016 ዓ.ም ዝጠመተ መድረኽ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ። ኣይተ ሃይላይ በየነ ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ በዓል ኣሸንዳ ናይ ብዙሕ ዓመታት ታሪኽን ትውፊትን ድምር ውፅኢትን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተወራረሰ ዝመፅን በዓል ህዝቢ ትግራይ ከምዝኾነ ገሊፆም። በዓል ኣሸንዳ እዚ ዓመት፤ ንኽብሪ ኣሸንዳ፣ ክብሪ ደቂ ኣንስትዮ ኢሉ እውን ብሩህ መፃኢ ትግራይ ኣንፈት እንእንፍተሉ ክኸውን ዓሊሙ እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሆም ። “በዓል ኣሸንዳ ፀገማትና ሱልጡን ብዝኾነ መንገዲ ዝፍትሓሉ፣ ሓድነትና እነጠናኽረሉ፣ ኢኮኖማዊ ረብሓኡ እንውስኸሉን ባህላውን ሃይማኖታዊ መሰረቱ ብዝሓለወ ምልክዑ ዝኽበረሉ ክኸውን ይግባእ” ክብሉ መልእኸቶም ኣሕሊፎም። ኣብቲ መድረኽ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዝተሳተፉ እንትኾኑ÷ ምስ ኣከባብራ በዓል ኣሸንዳ ዝተተሓሓዙ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ቀሪቡ ዘተ እናተገበረሉ ይርከብ።
ኣብ መናእሰይ ዘሎ ስእነት  ስራሕን ዘይሕጋዊ ስደትን ንምትራፍ ንሰርሕ ኣለና-ሌ/ጀ ፃድቃን ገብረትንሳኤ
Jul 27, 2024 54
  ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/20/ 2016 /ኢዜአ/ ኣብ መናእሰይ ክልል ትግራይ ኣንፃላልዮ ዘሎ ስእነት ስራሕን ዘይሕጋዊ ስደትን ንምፍታሕ ዘድሃበ መድረክ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳርን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ዴሞክራታይዜሽንን ዘይምእኹል ምሕደራን ክልል ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልልን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣካላትን ተረኺቦም። ሌ/ጀ ፃድቃን ገብረትንሳኤ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ መናእሰይ ኣንፀላሊዩ ዘሎ ፀገም ሰእነት ሰራሕ፣ ምቅላዕ ንመዐወኒ ዕፃትን ዘይሕጋዊ ስደትን ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዘኽእል ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም። እቶም ፀገማት ንምፍታሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝላዓለ ጠመተ ብምሃብ ይሰርሐሉ ከምዘሎ እውን ኣረዲኦም። ኣብቲ መድረኽ፥ ነቶም ዝተነፀሩ ፀገማት መናእስይ ዝፈትሑ መፅናዕታዊ ፅሑፍት ቀሪቦም ይዝተየሎም ከምዘሎ ተገሊፁ።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም