ሓለዋ ኸበቢ
ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም
Aug 3, 2024 45
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 27/2016 (ኢዜኣ) ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቦሌ ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር ኣይተ መስፍን ጣሰው፤ እቲ መንገዲ ኣየር ሓለዋ ከባቢ ከም ሓደ ማሕበራዊ ሓላፍነት ወሲዱ እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም። ካብ ተኸላ ፈልሲ ብተወሳኺ ነቲ ከባቢ ምችውን ተስማዕማዕን ዝኾኑ ቴክኖሎጂታት ኣቬሽን ኣብ ጥቕሚ ብምውዓል ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ እናገበረ እዩ ኢሎም። እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር 2016 ዓ/ም ሃገር ቦቆል ዝኾኑ 50 ሽሕ ፈልስታት ንምትካል ትልሚ ከምዝሓዘን ክሳብ ሕዚ 27 ሽሕ ፈልስታት ከምዝተተኸሉን ኣፍሊጦም። ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ብግደኦም፤ እቶም ዝተተኸሉ ፈልስታት ብምክንኻን ሓላፍነቶም ከምዝዋፅኡን ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝገብርዎ ተሳትፎ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉን ምዝራቦም ካብቲ መንገዲ ኣየር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ኢዜኣ ትኽክለኛ ሓበሬታታት ናብ ህዝቢ ካብ ምዝርጋሕ ብተወሳኺ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እውን እጃሙ እናተዋፅአ እዩ
Aug 3, 2024 78
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 27/2016 (ኢዜኣ) ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ትኽክለኛ ሓበሬታታት ናብ ህዝቢ ካብ ምዝርጋሕ ብተወሳኺ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እውን እጃሙ እናተዋፅአ ምዃኑ ምክትል ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ነጋሲ ኣምባዬ ገሊፆም። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 2016 ዓ/ም ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ከተማ ሃይቅ ብዕሊ ከምዘጀመሩ ዝዝከር እዩ። ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ኢዜኣ እውን ኣብ ፓርክ እንጠጦ ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ኣይተ ነጋሲ ኣምባዬ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ትካል ንተኸታተልቲ ዓመታት ፈልስታት ብምትካል ናይ ባዕሉ ኣሰር እናንበረ መፂኡ እዩ። ፈልስታት ካብ ምትካል ሓሊፉ እውን ብኣግባቡ ንክፀድቁ ከምዝሰርሕ ሓቢሮም። ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ትካል መጠን ፅድቀት ፈልስታት ክብ ንምባል ፕሮግራም ኣውፂኡ ስራሕቲ ምክንኻን ከምዘሳልጥ ተዛሪቦም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ዝተሳተፉ ኣመራርሓን ሰብ ሞያታትን እቲ ትካል ብግደኦም፤ እቶም ዝተተኸሉ ፈልስታት ንክፀድቁ ስራሕቲ ምክንኻን ንምስላጥ ድሉዋት ምዃኖም ኣፍሊጦም። ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ትልሚ ዝተትሓዘ እንትኸውን፤ ̍እትተክል ሃገር፤ ዘፅንዕ ወለዶ̍ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ እናተሳለጠ ዝርከብ።
ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ጥዕናን ተፀዋዕቲ ትካላትን ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም
Jul 30, 2024 49
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /23/2016 (ኢዜኣ) ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ጥዕናን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ ኮምፕርሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ኣለርት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣሳሊጦም። ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሚኒስቴር ጥዕናን ተፀዋዕቲ ትካላትን ብምትሕብባር 500 ሽሕ ፈልስታት ንምትካል ተተሊሙ ናብ ስራሕ ተኣትዩ እዩ። ሎሚ መዓልቲ እውን 20 ሽሕ ፈልስታት እናተተኸሉ ምዃኖም ብምሕባር፤ እቶም ፈልስታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘብፅሖ ኣሉታዊ ፅልዋ ንምክልኻል ከምኡ እውን ንኣገልግሎት ምግብን ሃገር ቦቆል ሕክምናን ከምዝውዕሉ ተዛሪበን። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምችው ከባቢ ብምፍጣር ሕማም ቀዲምካ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ እቲ ህዝቢ ፈልስታት ብምትካልን ብምክንኻንን ዝገብሮ ዘሎ ዘሎ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ ኣተሓሳሲበን።
ፈልሲ ምትካል ሃገር ናይ ምፅናዕን ንወለዶ ሃፍቲ ናይ ምውራስን ስራሕ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Jul 30, 2024 54
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /23/2016 (ኢዜኣ) ፈልሲ ምትካል ሃገር ናይ ምፅናዕን ንወለዶ ሃፍቲ ናይ ምውራስን ስራሕ ምዃኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)ን ካልኦት ኣመራርሓን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝረኸበትሉ ስራሕ እዩ። ኣብዚ ዓመት 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ንምትካል ብምትላም ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 5 ነጥቢ 4 ቢልዮን ፈልስታት ከምዝተተኸሉ ተዛሪቦም። እቲ ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሃምለዋይ ኣሰር ንሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ቱሪዝም፣ምግብነትን ካልኦት ኣገልግሎታትን ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎ ገሊፆም። ስለዝኾነ እውን ፈልሲ ምትካል ሃገር ናይ ምፅናዕን ንወለዶ ሃፍቲ ናይ ምውራስን ስራሕ ስለዝኾነ ብቐፃልነት ምትካልን ምክንኻንን ይግባእ ኢሎም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፤ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝነኣድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከምዝተሳለጠ ሓቢሮም። ኣብዚ ዓመት እውን ክሳብ ሕዚ ብርክት ዝበሉ ፈልስታት ከምዝተተኸሉ ብምሕባር፤ ኣብቲ ልምዓት እቲ ህዝቢ ንቑሕ ተሳትፎ ስለዝገበረ ልዑል ውፅኢት እናተረኸበ እዩ ኢሎም። ከንቲባ ከተማ ቢሾፍቱ ኣለማየሁ ኣሰፋ ብግደኦም፤ ፅባቐ እታ ከተማ ንምሕላውን መባፅሒ ቱሪዝም ንምግባርን ዝተፈላለዩ ስራኽቲ ልምዓት እናተሳለጡ ምዃኖም ኣረዲኦም። ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት እውን 8 ነጥቢ 4 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል ተተሊሙ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።
ኣብ ክልል ትግራይ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 53 ሺሕ ሄክታር መሬት ብፈልሲ ክሽፈን ኢዩ
Jul 27, 2024 74
  መቐለ/ ሓምለ/22/ 2016 /ኢዜአ/ ኣብ ክልል ትግራይ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 53 ሺሕ ሄክታር መሬት ብፈልሲ ክሽፈን ኢዩ ክብል ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ። ዳይሬክተር ልምዓት፣ ሓለዋን ኣጠቓቕማን ደኒ እቲ ቢሮ ኣይተ ተስፋይ ተክለሃይማኖት፥ ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ክራማት ዝትከል ፈልሲ ንምክንኻንን ንምሕላውን ካርታ ተኸላ ተሰናዲኡ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም። ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ዘለዎም ፈልሲታት ፍራምረ ሓዊሱ ንደኒ፣ ፅባቐ ከተማን ስነ ምህዳርን ንምሕላው ዘኽእሉ ፈልሲታት ይትከሉ ከምዘለዉ ተዛሪቦም። ኣብቲ ክልል ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 53 ሺሕ ሄክታር መሬት ብፈልሲ ንምሽፋን 33 ሚሊየን ፈልሲታት ከምዝተዳለዉን ናብ ተግባር ከምዝተኣተወን ገሊፆም። ክሳብ ሐዚ 19 ሚሊየንን 668 ሺሕን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ እወነ ኣብሪሆም። 13 ነሓሰ ኣብ ሓደ ፀሓይ 900 ሺሕ ፈልሲታት ንምትካል ምድላው ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም መሬት ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 229 በጺሑ
Jul 24, 2024 90
  አዲስ አበባ/ሓምለ/17/2016/ኢዜአ/ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም መሬት ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 229 ከም ዝበጽሐ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ኣፍሊጦም። እዚ ክልተ ሓደጋታት፡ ብሰንበት ኣጋምሸትን ሰኑይ ንግሆን፡ ኣብ ከባቢ ዞባ ጐፋ ብዝሃረመ ከቢድ ዝናብ ዝስዓቡ እዮም ተባሂሉ። ኣብቲ ቦታ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ተኣኪቦም በቲ ዝሃመመ መሬት ተቐቢሮም ክዀኑ ዝኽእሉ ሰባት እናደለዩ ዘርእዩ ምስሊታት’ውን ወጺኦም ኣለው። ኣመሓዳሪ ዞባ ጐፋ ምስክር ምትኩ፡ እቶም ግዳያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናትን ፖሊስን ከም ዝርከብዎም ሓቢሩ። “[ብሰንበት] ብርቱዕ ዝናብ ነይሩ፤ በቲ ምህማም መሬት ድማ ሰባት ሞይቶም ኣለው” ክብል ወሃቢ ቃል እታ ዞባ ካሳሁን ኣባይነህ ተዛሪቡ። መስርሕ ምድሓንን ምድላይን ይቕጸል ከምዘሎ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት። ዛጊድ ብዝተረኽበ አስከሬን ግዳያት፡ ልዕሊ 81 ደቂ ኣንስትዮን ልዕሊ 148 ከኣ ደቂ ተባዕትዮን ምዃኑ ከምዝተለለየ ሰበስልጣን ሓቢሮም ኣለዉ። ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ናይ ምድላይ ስርሓት “ይቕጽል” እኳ እንተሃለወ፡ "ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ግን ክውስኽ ይኽእል’ዩ” ክብሉ ሰብ መዚ ብተወሳኺ ኣመልኪቶም። “ንግሆ [ብሰኑይ] ፖሊስን ነበርትን ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ንግዳያት ከድሕኑ ይጽዕሩ ነይሮም። ሽዑ’ዩ እቲ ካልኣይ ሓደጋ ኣጋጢሙ። እቶም ኣብኡ ዝተኣከቡ ሰባት ከኣ ሞይቶም” ። ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ሓደ ካብቶም ብኸቢድ ዝናብን ሓደጋ ውሑጅን ዝጥቅዑ ዘለው ከባቢታት ከም ዝዀነ ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ] የመልክት። ቅድም ኢሉ’ውን ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብተመሳሳሊ ሓደጋታት ክህሰዩ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ። ብ2016 [ኣ.ኤ]፡ ኣብ ከባቢታት ደቡብ እታ ሃገር ብዝሃረመ ከቢድ ዝናብ ኣስታት 50 ሰባት ዝቐተለ ውሑጅን ምህማም መሬትን ኣጋጢሙ ነይሩ። ሓደጋ ውሑጅ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝመጽእ ኰይኑ፡ ለውጢ ከባብያዊ አየር ኣዝዩ ብርቱዕ ዝናብ ክስዕብ ከም ዝገብር ይፍለጥ። ካብ ኢንዳስትሪያላዊ ዘመን ኣትሒዙ ዋዒ ዓለም ብ1.2 ዲግሪ ሴልሽየስ እዩ ዝውስኽ ዘሎ። መንግስታት ልቀት ንምንካይ ስጕምታት እንተዘይወሲዶም ከኣ ክውስኽ ከም ዝኽእል ክኢላታት የጠንቅቑ።
ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ንምኽባር ብሄራዊ ረብሐአን ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ክድግፋ ኣለወን ተባሂሉ
Jul 23, 2024 79
  ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/16/ 2016 /ኢዜአ/ ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ንምኽባር ብሄራዊ ረብሐአን ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ክድግፋ ኣለወን ክብሉ ዴይሊ ሳባህ ዜና ቱርኪ ገሊፁ። እቲ ፍልፍል ዜና ኣብ ዝሓቦ ሓበሬታ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፀቕጢ ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምፅዋር ዝገብሮ ዘሎ ኣስተዋፅኦ ልዑል ምዃኑ ሓቢሩ። ሰብ ሞያ ሓለዋ ከባቢ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብብርኪ ዓለም ዝረአ ዘሎ ለውጢ ከባብያዊ አየር ንዝቕፅሉ 10 ዓማውቲ ክፀንሕ ይኽእል ኢሉ። ውድብ ሕቡራት መንግስታት ማዕቐፍ ክሌማዊ ለውጢ ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ብምኽኒያት ደቂ ሰባት ዝፍጠር ከምዝኾነ ዝገልፅ እንትኸውን፥ እዚ እውን ለውጢ ከባብያዊ አየር ዓለም ዝቕይር ከምዝኾነ ሓቢሩ። ተደጋጋሚ ለውጢ ከባብያዊ አየር ምፍጣሩ ንምድርን ኣብ ውሽጣ እውን ንዝሓዘቶም ደቂ ሰባት ከቢድ ፈተና ኢዩ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ክሌማዊ ለውጢ ህልውና ደቂ ሰባት ዝፍትን ብምዃኑ ስግኣት ዓለም ምዃኑ እቲ ፀብፃብ ገሊፁ። ካብ 1980 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ዓለም ዝኸፍአ ኩነታት ኣየር፣ ተደጋጋሚን ከቢድን ማዕበል ሙቐት፣ በረኻነት፣ ምዕልቕላቕ ውሑጅ፣ ምምንማን ብዝሃ ህይወት፣ ምጉሕጓሕ መሬት ወዘተ ብዙሓት ፈተናታት ብሰንኪ ለውጢ ከባብያዊ አየር ዝመፅአ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ስለዝኾነ ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ንምኽባር ብሄራዊ ረብሐአን ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ክድግፋ ኣለወን ተባሂሉ።
ብምትሕብባር ንዘላቒ ሰላም እናሰራሕና፤ ናብ ወለዶ ዝሻገር ኣሰርና እናንበርና ኢና-ነበርቲ ከተማ ማይፀብሪ
Jul 23, 2024 71
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /16/2016 (ኢዜኣ) ብምትሕብባር ንዘላቒ ሰላም ካብ ምስራሕ ብተወሳኺ ንሃገር ዝጠቅምን ናብ ወለዶ ዝሻገርን ሓምለዋ ኣሰሮም እናንበሩ ምዃኖም ነበርቲ ከተማ ማይፀብሪ ገሊፆም። ነበርቲ ከተማ ማይፀብርን ከባቢኡን ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፈልሲ ብምትካል ኣሰሮም ኣንቢሮም። ኣብዚ መርሃ ግብሪ ካብ ዝተሳተፉ ኢዜኣ ዘዘራረቦም ነበርቲ፤ ̍ሰላምና ተመሊሱ ናብ ስራሕቲ ልምዓት ብምምላስና ተሓጒስና ኢና̍ ኢሎም። መሰረት ኩሉ ሰላም ምዃኑ ብምሕባር፤ ቅድሚ ሕዚ ኣብቲ ከባቢ ተፈጢሩ ብዝነበረ ጎንፂ ብብዙሕ መልክዑ ጎዲኡና ፀኒሑ እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ኩሉ ንሰላም ዘለዎ ቆራፅነት ብተግባር ብምርኣይ ብሓድነት ንልምዓቶም እናሰርሑ ምዃኖም ተዛሪቦም። ሎሚ መዓልቲ እውን ብምትሕብባር ንዘላቒ ሰላም ካብ ምስራሕ ብተወሳኺ ንሃገር ዝጠቅምን ናብ ወለዶ ዝሻገርን ሓምለዋይ ኣሰሮም ከምዘንበሩ እቶም ነበርቲ ገሊፆም። ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ብምስታፎም ሓጎስ ከምዝተሰምዖም ብምግላፅ፤ ንቀፃሊ ወለዶ ኣሰር ታሪኾም ዘቕምጥሉ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ሃፍቲ እንሰሳት እቲ ከተማ ዶክተር ሞገስ ኣቦሃይ፤ እቲ ኲናት ብዙሕ ዋጋ ከምዘኽፈለ ብምዝኽኻር ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሙሉእ ዓቕሚ ናብ ልምዓት ስለዝተኣተወ ኩሉ ሕጉስ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እንገብሮ ተሳትፎ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ-ኣቦታት ሃይማኖት
Jul 20, 2024 57
  ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /13/2016 (ኢዜኣ) ብመዳይ ዘፈር ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ዝተትሓዙ ሃገራዊ ሽቶታት ንክዕወቱ ኣቦታት ሃይማኖት ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝገብርዎ ተሳትፎ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ገሊፆም። ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ሃይማኖት ዝተውፃእፅኡ ኣቦታት ሃይማኖት ዘሳተፈ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር 2016 ዓ/ም ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም። ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ተወካሊ ሃገረ ሰብከት ኣዲስ ኣበባ መላከ ጸሀይ ቆሞስ ኣባ ወልደ ገብርኤል ከምዝበልዎ፤ ኣቦታት ሃይማኖት ጎና ጎኒ ፀሎትን ምእመናን ብስነ ምግባር ምህናፅን ኣብ ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰርን ተዛመድትን ክሳተፉ ኣለዎም። ̍ስለዝኾነ እውን ሎሚ መዓልቲ ምስ ኩሎም ኣብያተ እምነት ብሓባር ኮይንና ፈልሲ ተኺልና ኢና፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብዝተጠናኸረ መልክዑ ንክቕፅል ኩላትና እጃምና ክንዋፃእ ኣለና̍ ክብሉ እውን ተዛሪቦም። ምክትል ፕሬዝዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ ሸህ ፈትሁዲን ሀጂ ዘይኑ ብግደኦም፤ ሓምለዋይ ኣሰርን ልምዓት ኮሪደርን ሓዊሱ ዝሳለጡ ዘለው ስራሕቲ ልምዓት ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ንክኾኑ ደገፍ ክግበረሎም ኣለዎ ኢሎም። እቲ ልምዓት ቀፃሊ ወለዶ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ብምርዳእ ካባና ትፅቢት ዝግበር ምስ መንግስቲ ተቐራሪብካ ምስራሕ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም። ተወካሊ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣባ ጴጥሮስ በርጋ፤ ሓምለዋይ ኣሰር ባህሊ ኮይኑ ቀፃልነት ብዘለዎ መልክዑ ክሳለጥ ኣለዎ ኢሎም። ነዚ ድማ ኣቦታት ሃይማኖት እቲ ወለዶ ክነርደኦን ክነምህሮን ኣለና ክብሉ ተዛሪቦም። ዋና ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኣዲስ ኣበባ መጋቢ ታምራት ኣበጋዝ ከምዝበልዎ፤ እቲ ጉባኤ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝቐረበ ሃገራዊ ፃውዒት ተቐቢሉ ፈልሲ ብምትካል ትፅቢት ዝግበረሉ እጃም እናተዋፅአ እዩ። ትካላት ሃይማኖት ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘለዎም እጃም ንከጠናኽሩ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
 ተኽሊ ናይ ምትካል ስራሕቲ ንቡርን ወሳንን ስትራቴጂ ምዃኑ ብምርዳእ ኩሉ ትግራዋይ ክረባረብ ይግባእ
Jul 20, 2024 36
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/13/2016/ኢዜአ/ ተኽሊ ናይ ምትካል ስራሕቲ ንቡርን ወሳንን ስትራቴጂ ምዃኑ ብምርዳእ ኩሉ ትግራዋይ ክረባረብ ይግባእ ክብሉ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ገሊፆም። ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ፣ከተማ ማይጨው ጎሎ ፓርክ ኣብ ዝተሳለጠ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ዝተረኸቡ እቶም ዋና ኣማሓዳሪ ከም ዝበልዎ፣ ተኽሊ ናይ ምትካል ስራሕትና ንቡርን ወሳንን ስትራቴጂና ምዃኑ ፈልጡ ኩሉ ትግራዋይ ክረባረበሉ ይግባእ ኢሎም። ከም ሓበሬታ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ፣ ስራሕቲ ምትካል ፈልሲ፣ ምስ ምህናፅ ስትራተጂ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ዝተኣሳሰረ ‘ዩ። ኩሎም ኢኮኖሚታትና ሕርሻ፣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ነዳዲ፣ ሃፍቲ እንስሳ ወዘተ ተኽሊ ብምትካል ኣቢልካ ‘ዮም ዝረጋገፁ ዝበሉ እቶም ዋና ኣመሓዳሪ ፣እንተኾነ ግና ሓምለዋይ ልምዓት ማለት ብምትካል ጥራሕ ዝመፅእ ዘይኮነስ፣ ድሕሪ ምትካል ስዒቦም ዝመፁ ስራሕቲ ሰሪሕኻ ክትርባሕ እንተለኻ ‘ዩ። ስለዚ ኩሉ ሰብ እዚ ተኽሊ ናይ ምትካል ሓምለዋይ ልምዓት ስራሕትና ንቡርን ወሳንን ስትራቴጂና ምዃኑ ፈልጡ ብምክንኻን ኣቢሉ ዝትከሉ ተኽልታት ረብሓ ናብ ዝህብሉ ብርኪ ንምብፃሕ ክፅዕር ይግባእ ኢሎም። ፕረዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ራያ ታደሰ ደጀኔ (ፕሮፌሰር ) ብወገኖም፣ ተኽሊ ምትካል ጥራሕ ጥቕሚ ክህብ ኣይኽእልን። ተኽሊ ተኺልካ ሓብሒብካ ናብ ዝድለ ረብሓ እንተዘይበፂሑ ምትካል ጥራሕ ትርጉም የብሉን። ተኽሊ ምትካል ባህልና ገይርና ክንወስዶ ኣለና ኢሎም።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም