መበል 17 ውድድር ፅዋዕ ኣውሮፓ ቐፂሉ አሎ

 



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/20/ 2016 /ኢዜአ/ሮማኒያ፣ ቤልጂየምን ስሎቫኪያን ናብ ናብ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ እንትፅምበራ ዩክሬን  ተሳናባቲት ኮይና።

ኣብ መበል 17 ውድድር ፅዋዕ ኣውሮፓ ኣብ ምድብ 5 ዝተደልደላ ሃገራዊ ጋንታታት ስሎቫኪያን ሮማኒያን ሓደ ማዕረ እንተፈላለያ፥ ቤልጂየም ምስ ዩክሬን ዝገበረኦ ፀወታ እውን ባዶ ንብዶ ተፈላሊየን።

ውፅኢት እቶም ፀወታታት ስዒቡ ዩክሬን ኣርባዕተ ነጥቢ ብመሓዝ ካብቲ ውድድር ዝተሰናበተት ሃገር ኮይና፡፡

ብተዛማዲ ጆርጂያ ንፖርቹጋል ብምስዓር ናብ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ተፀምቢራ

ኣብ መበል 17 ፀወታ ፅዋዕ ኣውሮፓ ሃገራዊት ጋንታ ጆርጂያ ንፖርቹጋል ብምስዓራ ንቱርኪን ፖርቹጋልን ስዒባ ናብ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ተሓዊሳ።

ኣብ ምድብ ሽዱሽተ ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ ጆርጂያን ፖርቹጋልን ብዓወት ጆርጂያ 2 0 ተዛዚሙ።

ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ቱርኪን ቼክ ሪፐብሊክን ድማ ሃገራዊት ጋንታ ቱርኪ 2 1 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ።

 

ብመሰረት እዚ ኣቐዲማ ምሕላፋ ዘረጋገፀት ፖርቹጋል ብሽዱሽተ ነጥቢ ቀዳመይቲ፣ ቱርኪ ብተመሳሳሊ ሽዱሽተ ነጥቢ ካልኣይቲን ጆርጂያን ድማ ብኣርባዕተ ነጥቢ ሳልሳይቲን ብምዃን ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ክፅምበራ ክኢለን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም