ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ 10 ሜዳሊያታት ብምውናን ዛዚማ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ 10 ሜዳሊያታት ብምውናን ዛዚማ
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/20/ 2016 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ 5 ወርቂ፣ 4 ብሩርን 1 ነሃስን ብድምሩ 10 ሜዳሊያታት ብምውናን ውድድራ ፈፂማ።
ብኣሰናዳእነት ካሜሩን ኣብ ከተማ ዱዋላ ኣብ ዝተሳለጠ እቲ ውድድር፥ ካብ ልዕል 27 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ 2 ሺሕን 500 ኣትሌታት ነዝሓለፉ 6 መዓልታት ተሳቲፎም።
ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር ብ32 ደቂ ኣኒስቲዮን 36 ደቂተባዕቲዮን ኣትሌታት ኣብ 19 ዓይነታት ውድድር ኣትሌቲክስ ተሳቲፋ።
ብመሰረት እዚ 5 ወርቂ፣ 4 ብሩርን 1 ነሃስን ብድምሩ 10 ሜዳሊያታት ብምውናን ውድድራ ዛዚማ።