ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ 10 ሜዳሊያታት ብምውናን ዛዚማ


 



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/20/ 2016 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ 5 ወርቂ፣ 4 ብሩርን 1 ነሃስን ብድምሩ 10 ሜዳሊያታት ብምውናን ውድድራ ፈፂማ

ብኣሰናዳእነት ካሜሩን ኣብ ከተማ ዱዋላ ኣብ ዝተሳለጠ እቲ ውድድር፥ ካብ ልዕል 27 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ 2 ሺሕን 500 ኣትሌታት ነዝሓለፉ 6 መዓልታት ተሳቲፎም።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር 32 ደቂ ኣኒስቲዮን 36 ደቂተባዕቲዮን ኣትሌታት ኣብ 19 ዓይነታት ውድድር ኣትሌቲክስ ተሳቲፋ።

ብመሰረት እዚ 5 ወርቂ፣ 4 ብሩርን 1 ነሃስን ብድምሩ 10 ሜዳሊያታት ብምውናን ውድድራ ዛዚማ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም