መበል 17 ፀወታ ፅዋዕ ኣውሮፓ በቲ ዝተቐመጠሉ ሰደቓ ቀፂሉ አሎ




 

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/24/ 2016 /ኢዜአ /ኣብ መበል 17 ፀወታ ፅዋዕ ኣውሮፓ፥ ስፔን ብሰፊሕ ኣፈላላይ ንጆርጂያ ስዒራታ።

ስፔን ንጆርጂያ 4 1 ብምስዓር ኢያ ካብቲ ፅዋዕ ወፃእ ገይረታ።

ብመሰረት እዚ ስፔን ናብ ርብዒ ፍፃመ ተፀንቢራ።

ስፔን ኣብ ርብዒ ፍፃመ ምስ ኣሰናዳኢት ፅዋዕ ኣውሮፓ ዝኾነት ጀርመን ክትጋጠም ኢያ።

ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ፥ ስዊዘርላንድ፣ ጀርመን፣ እንግሊዝን ስፔንን ናብ ርብዒ ፍፃመ ዝተፀንበራ ሃገራት ኮይነን ኣለዋ።

ብካልእ ዜና እንግሊዝ ንስሎቫኪያ 2 1 ብምስዓር ናብ ርብዒ ፍፃመ ሓሊፋ

ኣብ መበል 17 ፀወታ ፅዋዕ ኣውሮፓ እንግሊዝ ንስሎቫኪያ 2 1 ብምስዓር ናብ ርብዒ ፍፃመ ሓሊፋ።

 ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ኣውዲቕካ ምሕላፍ፥ እንግሊዝ 1 0 እናተመርሐት ፀኒሓ ኣብ ተወሳኺ ሰዓት ሸቶ ብምምዝጋባ ብሓደ ማዕረ ውፅኢት ናብ ተወሳኺ መፍለዪ ሰዓት ክተምርሕ ክኢላ።

እንግሊዝ ንኽትዕወት ቤሊንግሃም ኣብ መበል 90+5 ደቒቕ፣ ሃሪ ኬን ኣብ ተወሳኺ መፍለዪ ሰዓት እንተመዝግቡ፤ ንስሎቫኪያ ካብ ስዕረት ዘየድሐነት ሸቶ ድማ ሽራንዝ ኣመዝጊቡዋ።

ዓወት ዝቐንዓ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ኣብ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ምስ ስዊዘርላንድ ክትራኸብ ኢያ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም