ኣብ ናይ ሎሚ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ልዑል ግምት ዝተውሃቦም ፀወታታት-



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/25/ 2016 /ኢዜአ/ ኔዘርላንድስ(ሆላንድ) ሎሚ  ኣብ ዝካየድ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ልዑል ግምት ተዋሂቡዋ ኣሎ።

ኔዘርላንድስ ምስ ሮማንያ ኣብ ስታዲያም ኣሊያንዝ ኣሬና ሰዓት 1 ምሸት ፀወተአን ከካይዳ ኢየን።

ምሸት ሰዓት 4 ድማ ኦስትሪያ ምስ ቱርኪ ኣብ ስታዲያም ሬድቡል ኣሬና ከምዝጋጠመ እቲ ዝወፅአ መርሃ ግብሪ የረድእ።

እዚ ከምእዚ እናሃለወ ትማሊ አማስዮም ዝተኻየዱ ግጥማት

 ኣብ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ፖርቹጋል ንስሎቬኒያ ብፍፁም ቅላዕ 3 0 ብምስዓራን  ከምኡ እውን ፈረንሳይ ንቤልጂም 1 0 ብምስዓር ናብ ርብዒ ፍፃመ ምሕላፈን ተጠሊሉ አሎ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም