ሸሞንተ ሃገራት አውሮፓ ናብ ርብዒ ፍፃመ ሓሊፈን


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/26/ 2016/ኢዜአ/ ኣብ ዝተኻየደ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ ሸሞንተ ሃገራት ናብ ርብዒ ፍፃመ ሓሊፈን ።

እተን  ናብ ርብዒ ፍፃመ ዝሓለፋ ሃገራት አውሮፓ ጀርመን፣ ስፔን፣ እንግሊዝ፣ ስዊዘርላንድ፣ ፖርቹጋል፣ ፈረንሳይ፣ ኔዘርላንድስን ቱርክን ኢየን።

ፀወታ ርብዒ ፍፃመ 28 ሰነ 2016 ምሸት ሰዓት 1 ጀርመን ምስ ስፔን ብዝገብረረኡ ግጥም ክጅምር ኢዩ።

ብተወሳኺ ፖርቹጋል ምስ ፈረንሳይ፣ እንግሊዝ ምስ ስዊዘርላንድ፣ ኔዘርላንድስ ምስ ቱርክ ኣብቲ ክሳብ ቀዳም 29 ሰነ ዝካየድ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ክራኸባ ኢየን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም