ኣብ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓት ህንዲ ብዝተፈጠረ ፅቕቅጥ ዝሞቱ ሰባት ቁፅሪ 121 በፂሑ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/26/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ኣብ ሃይማኖታዊ ፌስቲቫል ሂንዱ ብዝተፈጠረ ፅቕቅጥ ዝሞቱ ሰባት ቁፅሮም 121 ከምዝበፅሐ ተገሊፁ፡፡

እቲ ሓደጋ ኣብ ህንዲ ግዝኣት ኡታር ፓራዴሽ ሃታራስ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ተኸተልቲ እምነት ሂንዱ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓት እናካየዱ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ዝተፈጠረ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ካብ ሞንጎ ዝሞቱ ሰባት ደቂ ኣንስትን ህፃናትን ከምዝርከቡዎም ዝተገለፀ እንትኸውን ተጎዳእቲ ናብ ሕክምና ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ካብቲ ከባቢ ዝወፅኡ ተንቀሳቐስቲ ምስሊታት ከምዝተርኣየ እውን ኣብቲ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓት ብዝተፈጠረ ምፅቕቓጥ ብዙሓት ሰባት ኣብ ወሰናወሰን መገዲ ወዲቖም ከምዝተርኣዩ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም