ትምህርቲ ኮተቤ ዩኒቨርሲቲ 1 ሽሕን 688 ተምሃሮ ኣመሪቑ



 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /29/2016 (ኢዜኣ)  ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ኮተቤ ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ትምህርቲ ዘምሃሮም 1 ሽሕን 688 ተምሃሮ ኣመሪቑ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ፤ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስትን ኣካቢ ቦርድ እቲ ዩኒቨርሲቲን ለገሰ ቱሉ(/)፣ቤተ ሰብ ተመረቕቲ ተምሃሮን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

እቶም ናይ ሎሚ ተመረቕቲ ብስሩዕ፣ምሸታውን ተኸታታልን መርሃ ግብርታት ትምህርቶም ክከታተሉ ዝፀንሑ ምዃኖም ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስትን ኣካቢ ቦርድ እቲ ዩኒቨርሲቲን ለገሰ ቱሉ(/) እዞም ዝተመረቑ ተምሃሮ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ሂወት ምሽግጋር ዘኽእሎም ፍልጠትን ክእለትን ብምሓዝ ምምራቖም እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።

ተመረቕቲ ተምሃሮ ዝቐሰምዎ ፍልጠት ተጠቒሞም እቲ ማሕበረሰብ ኢሉ እውን ሃገር ናብ ዝሓሸ ብርኪ ዕቤት ንክትጎዓዝ ናይ ምግባር ሓላፍነቶም ንክዋፅኡ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ኮተቤ ብርሃነመስቀል ጠና(/) ብግደኦም፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ትምህርቲ ከምህሮም ዝፀንሐ 1 ሽሕን 688 ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ ኢሎም።

ካብቶም ተመረቕቲ 876 ኣወዳት እንትኾኑ 812 ድማ ደቂ ኣንስትዮ እየን ክብሉ እውን ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም