ዩኒቨርሲቲ ሃረማያ ካብ ድኽነትን ተመፅዋታይነትን ሓራ ንምውፃእ ዝተጀመረ ፃዕሪ ብመፅናዕትን ምርምርን ከምዝድግፍ ገሊፁ

ድሬዳዋ/ሰነ 29/2016 (ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ሃረማያ ካብ ድኽነትን ተመፅዋታይነትን ሓራ ንምውፃእ ዝተጀመረ ፃዕሪ ብመፅናዕትን ምርምርን ብምድጋፍ እቲ ዝድለ ውፅኢት ንክርከብ ከምዝሰርሕ ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ጀማል ዩሱፍ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት እቲ ኒቨርሲቲ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘመረቐሉ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንዝሓለፉ 72 ዓመታት ኣብ ኩለመዳያዊ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ዘበርከቱን ኣብ ምብርካት ዝርከቡን ሰብ ሞያታት ዘፍረየ ትካል እዩ።

ብፍላይ ድማ ኢትዮጵ ቅልጡፍን ተኸታታልን ዕቤት ንምምዝጋብን ካብ ድኽነትን ተመፅዋታይነትን ሓራ ንምውፃእን ዝጀመረቶ ፃዕሪ ንክዕወት ንሰብ ሞያታት ስልጠና ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ንመፅናዕትን ምርምርን ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 35 ሽሕ ዜጋታት ተጠቀምቲ ዝገበሩ 89 ዝተፈላለዩ ቴክኖሎጂታት ከምዘባፅሐ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ እውን እቲ ሕብረተሰብ ካብ ድኽነትን ተመፅዋታይነትን ሓራ ንምውፃእ ዝሕግዙ 26 ፕሮጀክትታት ምርምር ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ዘለው ትካላትን ዩኒቨርሲቲታትን ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም