ተመረቕቲ ኣብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፃንሒቶም ዝቐሰምዎ ፍልጠት ኣብ ስራሕ ብምውዓል ንለውጢ እቲ ማሕበረሰብ ክሰርሑ ከምዘለዎም ተገሊፁ




 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /29/2016 (ኢዜኣ) ተመረቕቲ ኣብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፃንሒቶም ዝቐሰምዎ ፍልጠት ኣብ ስራሕ ብምውዓል ንለውጢ እቲ ማሕበረሰብ ክሰርሑ ከምዘለዎም ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ገሊፆም።

ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መበል 74 ስነ ስርዓት ምረቓ ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኔም የካይድ ኣሎ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፤ ኣካቢት ቦርድ እቲ ዩኒቨርሲቲ ፍሬህይወት ታምሩ፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ቤተሰብ ተመረቕቲ ተምሃሮን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ለውጢ ተግባራዊ እናገበረ እዩ።

ተምሃሮ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፃንሒቶም ብሓደ ዓመት ንክውስኽ ከምዝተገበረ ብምሕባር፤ ኣሰራርሓ መውፅኢ ፈተና ዩኒቨርሲቲ ምጅማሩ እውን ካብቶም ስራሕቲ ለውጢ እቲ ሓደ እዩ ኢሎም።

ተመረቕቲ ዓለም ኣብ ትሕቲ ብርክት ዝበሉ ፈተናታት እናወደቐት ምዃና ብምርዳእ እቲ ፈተና ንምቅላስ ድሉዋት ክኾኑ ከምዘለዎም ሓቢሮም።

ኣብ ናይ ዩኒቨርሲ ፃንሒቶም ዝቐሰምዎ ፍልጠትን ክእለትን ኣብ ስራሕ ኣብ ምውዓል ንለውጢ ሃገርን ማሕበረሰብን ክሰርሑ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሳሙኤል ክፍሌ(/) ብግደኦም፤ እቲ ኒቨርሲቲ ዝህቦ ኣገልግሎት ትምህርቲ ብዝበለፀ ንምምሕያሽ ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት እናዘርገሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም