ብመፅናዕትን ምርምርን ዝተሓገዙ ውሳነታትን ስርዓታት ኣሰራርሓን ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ




 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 1/2016 (ኢዜኣ) ብመፅናዕትን ምርምርን ዝተሓገዙ ውሳነታትን ስርዓታት ኣሰራርሓን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መበል 4 ዓመታዊ ኮንፈረንስ መፅናዕትን ምርምርን ፓርላማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ የሳልጥ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ሓዊሱ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ሎሚ በዶ፣ ኣከብቲ ቀዋሚ ኮሚቴታትን ኣባላት እቲ ቤት ምኽርን፣ሚኒስትራት፣ኣፈ ጉባኤታት ክልላት፣ተወከልቲ ነቲ ቤት ምኽሪ ተፀዋዕቲ ዝኾኑ ትካላትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ፓርላማ ትካል ዲሞክራስን ፖለቲካን እዩ።

ቤት ምኽርታት መግለፅታት ልኣላውነት ህዝብን ውክልና ህዝብን ዘለዎም ላዕለዎት ወነንቲ ስልጣን እዮም ክብሉ እውን ተዛሪቦም።

ኣብዞም ትካላት ዝወሃቡ ውሳነታት ብሄራዊ ሓድነት ዘጠናኽሩን ድሌትን ረብሓን ህዝቢ መሰረት ዝገበሩን ክኾኑ ከምዘለዎም ኣረዲኦም።

ቤት ምኽርታት ልኡኽቶኦም ብኣግባቡ ንምውፃእ ዝውስንዎም ውሳነታት ኣብ ሳይንሳዊ ሓበሬታን ፍልጠትን መሰረት ዝገበሩ ንክኾኑ ብመፅናዕትን ምርምርን ክሕገዙ ከምዘለዎም ሓቢሮም።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ስርዓት ፓርላማ ብዝሓሸ ኣግባብ ተግባራዊ ምግባር ዘኽእሉ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከምዘሳለጠ ገሊፆም።

ስራሕቲ ቀዋሚ ኮሚቴታት እቲ ቤት ምኽሪ ብመፅናዕትን ምርምርን ዝተደገፉ ንክኾኑ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ከም ኣብነት ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ብመፅናዕትን ምርምርን ዝተደገፉ ውሳነታትን ስርዓታት ኣሰራርሓን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም