ስፔንን ፈረንሳይን ሎሚ ምሽት ሳዓት ዓርባዕተ  ናብ ፍርቂ ፍፃመ መን ሓለፈ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/2/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ ፀወታ ናብ ፍርቂ ፍፃመ መንሓለፈ ሎሚ መዓልቲ ክጅመር ኢዩ።

ኣብቲ ሰዓት 4 ምሸት ዝካየድ ፀወታ፥ ስፔንን ፈረንሳይን ክጋጠማ ኢየን።

እተን ሃገራት፥ 75 ሺሕን 24 ተዓዛቢ ኣብ ዘተኣናግድ ስታዲየም ኣሊያንዝ ኣሬና ኢየን ፀወተአን ከካይዳ።

ልዑል ንሕንሕ ኣብ ዝተርኣየሉ ፀወታ ናብ ርብዒ ፍፃመ መን ሓለፈ፥ ስፔን ኣብ ልዕሊ ጀርመን 2 1 ምዕዋታ ይዝከር።

ኣብ ስሩዕ ሰዓት ባዶ ንባዶ ዝተፈላለያ ፈረንሳይን ፖርቹጋልን ድማ፥ ብፍፁም ቅላዕ ፈረንሳይ ስዒራ ኢያ።

ብመሰረት እዚ ሎሚ ስፔንን ፈረንሳይን ናብ ፍርቂ ፍፃመ መን ሓለፈ ፀወተአን ከካይዳ ኢየን።

ክልቲአን ሃገራት ቅድመ ሐዚ 36 ጊዜ ዝተራኸባ አንትኾና፥ ስፔን 16 ጊዜ ብምስዓር ፀብለልታ ኣለዋ።

ፈረንሳይ ድማ 13 ጊዜ ተዓዊታ፤ ዝተረፉ ሸውዓተ ፀወታታት ብማዕረ ውፅኢት ተፈላሊየን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም