እንግሊዝ ንኔዘርላንድስ 2 ን 1 ብምስዓር ናብ ፅዋዕ መን ዓተረ ሓሊፋ - ኢዜአ ትግርኛ
እንግሊዝ ንኔዘርላንድስ 2 ን 1 ብምስዓር ናብ ፅዋዕ መን ዓተረ ሓሊፋ
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/4/ 2016 /ኢዜአ/ ትማሊ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ዝተገበረ ፀወታ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ፥ እንግሊዝ ንኔዘርላንድስ(ሆላድ) 2 ን 1 ብምስዓር ናብ ፅዋዕ መን ወሰደ ሓሊፋ።
ብመሰረት እዚ እንግሊዝን ስፔይን ናብ ፀወታ ፍፃመ ዝሓለፋ እንትኾና፥ ክልቲአን ብሄራዊ ጋንታታት ዝገብርኡ ፀወታ ብርቱዕ ንሕንሕ ዝተመልኦ ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ ካብ አግኡ ተተንብዩ አሎ።