ኢዜኣ ዝተውሃቦ ፍሉይ ኣፍልጦ ድሌት ሃገርን ህዝብን ኣብ ግምት ብምእታው ንብሄራዊ ጥቕምን ሃገራዊ ክብርን ንምስራሕ ተወሳኺ ሓይሊ ዝኸውን እዩ-ኣይተ ሰይፈ ደርቤ


 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 4/2016 (ኢዜኣ) ኢዜኣ ዝተውሃቦ ፍሉይ ኣፍልጦ ድሌት ሃገርን ህዝብን ኣብ ግምት ብምእታው ንብሄራዊ ጥቕምን ሃገራዊ ክብርን ንምስራሕ ተወሳኺ ሓይሊ ከምዝኸውን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት (ኢዜኣ) ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ገሊፆም።

̎ሚድያ ንሃገር̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ተኻይዱ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰርሑ መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ንምኽባር ንዘሳለጥዎም ስራሕቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ኣብ ዝተረኸብሉ ኣፍልጦ ተዋሂብዎም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብዝተፈላለዩ ረቛሕታት ተመዚኖም ዝተፈለዩ 11 መራኸብቲ ሓፋሽ ህዝብን ንግድን ኣፍልጦ ዝተውሃቦም እንትኸውን፤ ኢዜኣ ድማ ፍሉይ ተሸላሚ ኮይኑ እዩ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ኣብዚ መርሃ ግብሪ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ኢዜኣ ዝተውሃቦ ፍሉይ ኣፍልጦ ድሌት ሃገርን ህዝብን ኣብ ግምት ብምእታው ንብሄራዊ ጥቕምን ሃገራዊ ክብርን ብዝበለፀ ንምስራሕ ተወሳኺ ሓይሊ ዝኸውን እዩ።

እቲ ኣፍልጦ እውን ሰራሕተኛታት ኢዜኣ ትካሎም ዝሓዞ ብሄራዊ ምርድዳእ ናይ ምፍጣር ራኢ ኣብ ግምት ብምእታው ብዝሰርሕዎ ስራሕ ዝተረኸበ ውፅኢት እዩ ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ዓለም ለኸ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ንረብሓን ክብርን ሃገር ከምኡ እውን ሓድነት ዜጋታት ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም