ትሕዝቶን ምምሕዳርን ትካላት ልምዓት መንግስትን ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም

 

ኣዲስ ኣበበ/ሓምለ 5/2016 (ኢዜኣ) ትሕዝቶን ምምሕዳርን ትካላት ልምዓት መንግስትን ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካን ብሓባር ምስራሕ ዘኽእሎም መረዳድኢ ስምምዕ ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕ፤ ዋና ዳይሬክተር ትሕዝቶን ምምሕዳርን ትካላት ልምዓት መንግስቲ ኣይተ ሃብታሙ ሃይለሚካኤልን ፕሬዚዳንት ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካ ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃን እዮም ፈሪመምዎ።

እቲ ስምምዕ፤ ኣብ ልምዓት ኣመራርሓ፣መፅናዕትን ምርምርን ከምኡ እውን ኣብ ተሞኩሮ ልውውጥ ትኹረት ዝገበረ ምዃኑ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ እውን ተግባራዊ እናተገበረ ንዘሎ ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ምችው ኩነታት ከምዝፈጥር ተሓቢሩ።

እቲ ስምምዕ፤ እቲ ኣካዳሚ ብልምዓት ኣመራርሓ ልዑል ልምዲ ምስ ዘለወን ሃገራት ኣውሮፓን ኣፍሪካን ተዋዲዱ እናሰርሐሉ ኣብ ዘሎ እዋን ምክያዱ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ኣብዚ እዋን ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም