ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ትካላት ጥዕና ዓቕሚ ኣመራርሓ ብምዕባይ ፀገም ኣወሃህባ ኣገልግሎት ትካላት ጥዕና ንምምሕያሽ ትኹረት ተገይሩ እዩ




 

ኣዳማ/ሓምለ/ 5/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ትካላት ጥዕና ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዝረአ ፀገም ንምምሕያሽ ዓቕሚ ኣመራርሓ ንምዕባይ ትኹረት ከምዝተገበረ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ገሊፁ።

እቲ ቢሮ ምስ ሚኒስቴር ጥዕና ብምውዳድ ኣብ ፍኖተ ካርታ ኢኖቬሽን ጥዕና፣ውፅኢታዊ ኣመራርሓ እቲ ዓውዲ ከምኡ እውን ኣወሃህባ ኣገልግሎት ጥዕና ጠመተ ዝገበረ ፎረም መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ከተማ ኣዳማ የሳልጥ ኣሎ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣይተ ደረጀ ኣብደና ኣብዚ ፎረም ከምዝበልዎ፤ ፅሬት ኣገልግሎት ጥዕና ንምምሕያሽ ብትኹረት እናተሰርሐ እዩ።

እቲ ቢሮ ትካላት ጥዕና ካብ ምስፍሕፋሕ ብተወሳኺ እታዎታት ሕክምና ኣብ ምምላእን ኣገልግሎት ኣብ ምምሕያሽን ትኹረት ከምዝገበረ ሓቢሮም።

ዋላ ክሳብ ሕዚ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ውፅኢታት እንተተመዝገቡ እቲ ህዝቢ ሕዚ እውን ኣብ ትካላት ጥዕና እቲ ዝድለ ኣገልግሎት ብኣግባቡ እናረኸበ ከምዘይኮነ ብምግላፅ ብፍላይ ኣብ ሓደሽቲ ትካላት ጥዕና እቲ ፀገም ጎሊሁ ከምዝረአ ገሊፆም።

ስለዝኾነ እውን ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ትካላት ጥዕና ዝረአ ፀገም ኣወሃህባ ኣገልግሎት ጥዕና ንምምሕያሽ ዓቕሚ ኣመራርሓ ኣብ ምዕባይ ትኹረት ከምዝተገበረ ኣረዲኦም።

ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና ዳይሬክተር ምምሕያሽ ስርዓት ጥዕና ዶክተር ኣባስ ሓሰን ብግደኦም፤ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ትካላት ጥዕና ፅሬት መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ምርግጋፅ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ኣብ ትካላት ጥዕና ፅሬት ኣገልግሎት ንክረጋገፅ ኣመራርሓ ጥዕና ኣድላይ ከምዝኾነ ብምሕባር ኣብ ቀፃሊ እውን ስርዓት ኣሰራርሓ ጥዕናን ዝተፈለየ ኣረኣእያን ምምዕባል ይግባእ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም