ተመረቕቲ ዝቐሰምዎ ፍልጠት ብምጥቃም ፈጠርቲ ስራሕ ንክኾኑ ትፅቢት ይግበረሎም



 

ደብረብርሃን/ሓምለ/ 6/2016 (ኢዜኣ) ተመረቕቲ ኣብ እዋን ፃንሒት ትምህርቶም ብዝቐሰምዎ ፍልጠት ተጠቒሞም ካብ ተፀባይነት ስራሕ ብምውፃእ ፈጠርቲ ስራሕ ንክኾኑ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ተገሊፁ።

ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ደብረብርሃን ንመበል 26 ግዜ ካብ ብርኪ ክልተ ክሳብ ብርኪ ሓሙሽተ ብዝተፈላለዩ ዘፈር ሞያ ዘሰልጠኖም 885 ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

ተቀዳሚ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ደብረብርሃን ኣይተ በድሉ ውብሸት ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ተመረቕቲ ጠንኪሮም ብምስራሕ ተጠቀምቲ ክኾኑ ኣለዎም።

ተመረቕቲ ኣብ እዋን ፃንሒት ትምህርቶም ብዝቐሰምዎ ፍልጠት ተጠቒሞም ካብ ተፀባይነት ስራሕ ብምውፃእ ፈጠርቲ ስራሕ ንክኾኑ ትፅቢት ከምዝግበረሎም እውን ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ መላእ እታ ሃገር እናተስፋሕፈሐ ዝመፀ ምንቅስቓስ ኢንዱስትሪን ኢንቨስትመንትን ብፍላይ ድማ ብቴክኒክን ሞያን፣ጨርቃጨርቂ፣ቱሪዝምን ካልኦት ዓውድታትን ንዝሰልጠኑ መናእሰይ ምችው ዕድል ከምዘሎ ገሊፆም።

ዲን እቲ ኮሌጅ ኣይተ ባሻየ በየነ ብግደኦም፤ እቲ ኮሌጅ ብቑዕን ተወዳዳርን ሓይሊ ሰብ እናፍረየ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ካብቲ ስሩዕ ስልጠና ብተወሳኺ ንወፍሪ ስራሕ ወፃኢ ሃገራት ሓፀርቲ ስልጠናታት እናሀበ ከምዝርከብ እውን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም