ፅዋዕ ዩሮ 2024 ተዛዚሙ -ስፔን ወናኒት ፅዋዕ ዩሮ ኮይና ተመዚዛ


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/8/ 2016 /ኢዜአ/ ኣብ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ፥ ስፔን ትማሊ ምሸት ሰዓት 4 ምስ እንግሊዝ ኣብ ዝገበረቶ ንመበል ራብዓይ ግዘ ተዓዋቲት ፅዋዕ ዩሮ 2024 ብምዃን ተዓዊታ።

እቲ ፀወታ ኣብ ስታድየም ኦሎምፒያ በርሊን ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ልዕሊ 74 ሽሕ ደጋፊ ኣትዩ ተኸታቲሉዎ።

ስፔይን ንእንግሊዝ፣ ፈረንሳይን ኔዘርላንድስን ብተመሳሳሊ 2 1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ኢያ ናብ ፅዋዕ መን ወሰደ በፂሓ።

ሃገረ ጀርመን ዘሰናደየቶ ፀወታ ዩሮ 2024 ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ስፔን ተኸንቢቱ።

ስፔይን  ኣብ ዝገበረቶ ፀወታ፥ ኒኮ ዊልያምን ሚካኤል ኦይራዛባልን ንሕድሕዶም ብዘቑፀርወን 2 ሸቶታት ኣብ ልዕሊ እንግሊዝ 2 1 ተዓዊታ።

ንእንግሊዝ ካብ ስዕረት ዘየናገፈት ብሕታዊት ሸቶ ድማ ኮል ፓልመር ኣቑፂሩዋ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም