ኣባላት ጨፌ ኦሮሚያ ተኸላ ፈልሲ ኣካይዶም



 

አዲስ አበባ/ሓምለ/13/2016/ኢዜአ/ኣባላት ጨፌ ኦሮሚያ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣካይዶም።

ኣፈ-ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ወይዘሮ ሰዓዳ ኣብዱረህማን ከምዝገለፅኦ፤ ኣባላት ጨፌ ኦሮሚያ  ቀዳማይ ሚኒስትር ንዘጀመርዎ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር  ብምስዓብ በቢዓመቱ እናተኸሉ ፀኒሖም 'ዮም።

ለውጢ ነባሪ ኣየር ንምፅዋር መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር ዝዓዘዘ ረብሓ ኣለዎ ዝበላ እተን ኣፈ-ጉባኤ፤ ህዝቢ እቲ ክልል ንዝጀመሮ ተኸላ ፈልሲ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢለን።

ከንቲባ ከተማ ኣዳማ ኣይተ ሃይሉ ጀልዴ ብወገኖም ኣብ ከተማ ኣዳማ ሎሚዓመት 6 ሚሊዮን ፈልስታት ከምዝትከሉ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም