ተኽሊ ናይ ምትካል ስራሕቲ ንቡርን ወሳንን ስትራቴጂ ምዃኑ ብምርዳእ ኩሉ ትግራዋይ ክረባረብ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/13/2016/ኢዜአ/ ተኽሊ ናይ ምትካል ስራሕቲ ንቡርን ወሳንን ስትራቴጂ ምዃኑ ብምርዳእ ኩሉ ትግራዋይ ክረባረብ ይግባእ ክብሉ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ገሊፆም።

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ፣ከተማ ማይጨው ጎሎ ፓርክ ኣብ ዝተሳለጠ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ዝተረኸቡ እቶም ዋና ኣማሓዳሪ ከም ዝበልዎ፣ ተኽሊ ናይ ምትካል ስራሕትና ንቡርን ወሳንን ስትራቴጂና ምዃኑ ፈልጡ ኩሉ ትግራዋይ ክረባረበሉ ይግባእ ኢሎም።

ከም ሓበሬታ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ፣ ስራሕቲ ምትካል ፈልሲ፣ ምስ ምህናፅ ስትራተጂ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ዝተኣሳሰረዩ። ኩሎም ኢኮኖሚታትና ሕርሻ፣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ነዳዲ፣ ሃፍቲ እንስሳ ወዘተ ተኽሊ ብምትካል ኣቢልካዮም ዝረጋገፁ ዝበሉ እቶም ዋና ኣመሓዳሪ ፣እንተኾነ ግና ሓምለዋይ ልምዓት ማለት ብምትካል ጥራሕ ዝመፅእ ዘይኮነስ፣ ድሕሪ ምትካል ስዒቦም ዝመፁ ስራሕቲ ሰሪሕኻ ክትርባሕ እንተለኻዩ።

ስለዚ ኩሉ ሰብ እዚ ተኽሊ ናይ ምትካል ሓምለዋይ ልምዓት ስራሕትና ንቡርን ወሳንን ስትራቴጂና ምዃኑ ፈልጡ ብምክንኻን ኣቢሉ ዝትከሉ ተኽልታት ረብሓ ናብ ዝህብሉ ብርኪ ንምብፃሕ ክፅዕር ይግባእ ኢሎም።

ፕረዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ራያ ታደሰ ደጀኔ (ፕሮፌሰር ) ብወገኖም፣ ተኽሊ ምትካል ጥራሕ ጥቕሚ ክህብ ኣይኽእልን።

ተኽሊ ተኺልካ ሓብሒብካ ናብ ዝድለ ረብሓ እንተዘይበፂሑ ምትካል ጥራሕ ትርጉም የብሉን። ተኽሊ ምትካል ባህልና ገይርና ክንወስዶ ኣለና ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም