ሚኒስተር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብ ከተማ ጎንደር ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢሮም



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/13/ 2016 /ኢዜአ/ሚኒስተር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብ ከተማ ጎንደር ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢሮም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራን ነበርቲ ከተማ ጎንደርን ተሳቲፎም።

እቶም ሚኒስትር፥ ዘስርሑ ፕሮጀክትታት ተሳትፎ ህዝቢ ስለ ዝደሊዩ ብረተሰብ ናይ ባዕሉ ኣሰር ከንብር ኣለዎ ኢሎም።

ሓበራዊ ታሪክና ዝኾነ ቤተ መንግስቲ ፋሲል ፅገና ምጅማሩ ምርኣዮምን ህንፀት ሓፅቢ መገጭ ኣብ ፅቡቕ ከይዲ ምህላዉ ምዕዛቦምን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም