ወሰን ተሳገርቲ ገበርቲ ብሰናይ ፍቓድ ኣብ ከባቢ ከተማ መቐለ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/13/ 2016 /ኢዜአ/ ካብ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ዝተውፃእፅኡ ወሰን ተሳገርቲ  ገበርቲ ብሰናይ ፍቓድ ኣብ ከባቢ ከተማ መቐለ ፈልስታት ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።

እቲ ተኸላ ፈልሲ ኣብ መላእ ሃገር ናይ ዝሳለጥ ተኸላ ፈልሲ ገበርቲ ሰናይ ወሰን ተሳገርቲ ሓደ ኣካል ኢዩ ተባሂሉ።

እቶም መናእሰይ ካብ 27 ሰነ 2016 . ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ፈልሲ ብምትካል፣ መንበሪ ኣባይቲ ዓቕሚ ናይ ዘይብሎም ወገናት ብምሕዳስን ኣረጋዊያን ብምድጋፍን ወለንታዊ ተግባር ይፍፅሙ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ልገሲ ደም፣ ኣገልግሎት ንፅህናን ተመሳሰልቲ ተግባራትን እውን ምፍፃሞም ኢዜአ ፀብፂቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም