ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እንገብሮ ተሳትፎ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ-ኣቦታት ሃይማኖት



 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /13/2016 (ኢዜኣ) ብመዳይ ዘፈር ልምዓት ሓምለዋይ ኣሰር ዝተትሓዙ ሃገራዊ ሽቶታት ንክዕወቱ ኣቦታት ሃይማኖት ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝገብርዎ ተሳትፎ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ገሊፆም።

ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ሃይማኖት ዝተውፃእፅኡ ኣቦታት ሃይማኖት ዘሳተፈ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር 2016 / ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም።

ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ተወካሊ ሃገረ ሰብከት ኣዲስ ኣበባ መላከ ጸሀይ ቆሞስ ኣባ ወልደ ገብርኤል ከምዝበልዎ፤ ኣቦታት ሃይማኖት ጎና ጎኒ ፀሎትን ምእመናን ብስነ ምግባር ምህናፅን ኣብ ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰርን ተዛመድትን ክሳተፉ ኣለዎም።

̍ስለዝኾነ እውን ሎሚ መዓልቲ ምስ ኩሎም ኣብያተ እምነት ብሓባር ኮይንና ፈልሲ ተኺልና ኢና፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብዝተጠናኸረ መልክዑ ንክቕፅል ኩላትና እጃምና ክንዋፃእ ኣለና̍ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።

ምክትል ፕሬዝዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ ሸህ ፈትሁዲን ሀጂ ዘይኑ ብግደኦም፤ ሓምለዋይ ኣሰርን ልምዓት ኮሪደርን ሓዊሱ ዝሳለጡ ዘለው ስራሕቲ ልምዓት ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ንክኾኑ ደገፍ ክግበረሎም ኣለዎ ኢሎም።

እቲ ልምዓት ቀፃሊ ወለዶ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ብምርዳእ ካባና ትፅቢት ዝግበር ምስ መንግስቲ ተቐራሪብካ ምስራሕ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

ተወካሊ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣባ ጴጥሮስ በርጋ፤ ሓምለዋይ ኣሰር ባህሊ ኮይኑ ቀፃልነት ብዘለዎ መልክዑ ክሳለጥ ኣለዎ ኢሎም።

ነዚ ድማ ኣቦታት ሃይማኖት እቲ ወለዶ ክነርደኦን ክነምህሮን ኣለና ክብሉ ተዛሪቦም።

ዋና ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኣዲስ ኣበባ መጋቢ ታምራት ኣበጋዝ ከምዝበልዎ፤ እቲ ጉባኤ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝቐረበ ሃገራዊ ፃውዒት ተቐቢሉ ፈልሲ ብምትካል ትፅቢት ዝግበረሉ እጃም እናተዋፅአ እዩ።

ትካላት ሃይማኖት ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዘለዎም እጃም ንከጠናኽሩ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም