ኣብ ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ውህደት ኢኮኖሚ ንኽቀላጠፍን ጠለብ ዜጋታት እታ ኣህጉር ክዕወትን ተሓቲቱ


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/15/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ውህደት ኢኮኖሚ ንኽቀላጠፍን ጠለብ ዜጋታት እታ ኣህጉር ክዕወትን ተሓቲቱ፡፡

ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ጉጅለ 20 ውድብ ሕቡራት መንግስታትን (ውሕመ) ቅድሚ ምርኻቡ፤ ኣብ ውህደት ኣፍሪካ ንምዝታይን ሓደ ውፁእ ቅዋም ንመሓዝን ኣብ ጋና ምይይጥ ተገይሩ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ እቲ እዋን ዝኾኑ ፕሬዚዳንት ሞሪታኒያ ሪፐብሊክ መሓመድ ኡልድ ጋዙዋኒ ከይዲ ውህደት ኣህጉራዊ ኢኮኖሚ ንኽቀላጠፍ ኣታሓሳሲቦም፡፡

እዚ ድማ እታ ኣህጉር ንምሕጋዝን ጠለብ ዜጋታት ንምዕዋትን ኢኮኖሚያዊ ውህደት ምቅልጣፍ ኣድላዪ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ከይዲ እቲ ውህደት ንምድጋፍ ድማ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ፕሮጀክታት ቀረብ ፋይናንስ ዘድሀበ ዘተ ተኻይዱ፡፡

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ብግደኦም፥ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ኣብ ቀፃሊ ምስ ዓለም ለኸ መሓዙት ዝህልዉወን ርክባት ኣብ ኣህጉራዊ ሓበራዊ ጠለብ ዝተመስረተ ንኽኸውን ኣገንዚቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሕብረት ኣፍሪካ ኣባል ኣብ ዝኾነሎም ጉጅለ 20 ሓዊሱ ኣብ ዓበይቲ ዓለም ለኸ መድረኻት ብሓደ ድምፂ ምዝራብ ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ኣመላኺቶም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም