4ይ ቅድመ ጉባኤ ፋይናንስ ንልምዓት ውሕመ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ አሎ


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/15/ 2016 /ኢዜአ/4 ቅድመ ጉባኤ ፋይናንስ ንልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ዝህልዎ ናይ ሓሙሽተ መዓልቲታት ፃንሒት÷ ኣፈፃፅማ ዘላቂ ሸቶታት ልምዓት 2030 ውሕመን ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት ዝተፈረመ ስምምዕነት ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ ትግበራን ከምዝግምግም ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ስፔን ካብ ዝካየድ 4 ዋና ጉባኤ ፋይናንስ ንልምዓት ኣቐዲሙ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ኣብቲ ቅድመ ጉባኤ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴን ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ውሕመ ከምኡ እውን ሚኒስትራት ፋይናንስ ኣባል ሃገራት እናተሳተፉ ይርከቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም