ሚኒስትራትን ኣመራርሓታት ኮሚቴ ኦሎምፒክን ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ ንዝሳተፉ ኣትሌታት ዑደት ገይሮምሎም


 

አዲስ አበባ/ሓምለ/15/2016/ኢዜአ/ ሚኒስትር ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ወይዘሮ ሸዊት ሻንካን ሚኒስትር ዴኤታ ዘፈር ልምዓት ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነትን ምስ ኣመራርሓታት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ዝሳተፉ ኣትሌታት ልምምድ ኣብ ዝገብሩሉ ኣካዳሚ ስፖርት ኢትዮጵያ ተረኺቦም ዑደት ገይሮም።

እተን ሚኒስትር ነቶም ኣትሌታት ዑደት ኣብ ዝገበራሉ ግዜ ኣትሌታት ኢትዮጵያ ዝፍለጥሉ ኣብ መድረኽ ኣደባባይ ዓለም ብሰዓራይነት ስለዝኾነ ንስኻትኩም 'ውን ብጅግንነት ታሪኽ ምስራሕ ከምትኽእሉ ንኣምነልኩም ኢና ኢለን።

እተን ሚኒስትር ኣተሓሒዘን 'ውን ኣትሌታትና ምስሊ ሃገርና ብምህናፅ ነቲ ዓብዪ ተራ ትሕዙ፤ ኢትዮጵያ ብትፍለጠሉ ጉጅላዊ ስራሕን ስፖርታዊ ጨዋነትን ከምተኹርዑና 'ውን ይተኣማመን እየ ብምባል ኣበረታቲዐን ሰናይ ትምኒተን ገሊፀን።

እቶም ኣብ ኦሎምፒክ ዝሳተፉ ኣትሌታት 'ውን ብዛዕባ ቕድመ ምድላዎምን ብዛዕባ ዘለዉዎ እዋናዊ ኹነታት ብምግላፅ ምስተን ሚኒስትር ዘተ ምግባሮም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ መረዳእታ ይሕብር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም