ተወከልቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢሮም





 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/15/ 2016 /ኢዜአ/ ተወከልቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራዊ ስትራቲጂካዊ ጉዳያት ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (/) ምስ ተዛተዩ ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።

እቲ ተኸላ ፈልሲ "ኢትዮጵያ ክትተክል ኢያ ወለዶ ከፅንዕ ኢዩ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተጀመረ ኣካል መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ተወከልቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንሓደ ኣካል ዝሕደግ እንተይኮነስ ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ምትሕብባር ዝሓትት ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ሃገራዊ መርሃ ግብሪታት ልምዓት ብምትሕብባር ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም