“ሓደሽቲ ሓሳባት ምህዞ ፋይናንስ ብምሕንፃፅ ፀገማትና ብሓባር ክንፈትሕ ኣለና”- ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ሚኒስትር ገንዘብ



 

አዲስ አበባ/ሓምለ/15/2016/ኢዜአ/ሓደሽቲ ሓሳባት ምህዞ ፋይናንስ ብምሕንፃፅ ፀገማትና ብሓባር ክንፈትሕ ኣለና ክብሉ ሚኒስትር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዓለም ለኸ ፋይናንስ ንልምዓት መደረ ዝገበሩ ኣይተ ኣህመድ ሽዴ፤ እዚ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ምክያዱ ንዕዉትነት ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ዓብዪ ኣበርክቶ ይህልዎ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ብባህልን ታሪኽን ሃፍታም ሃገር ምዃና ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ኣብ ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት፣ ምንካይ ድኽነት፣ ኣብ ዘፈራት ትምህርቲ፣ ጥዕናን ኻልኦትን ዘተባብዑ ውፅኢታት እናመዝገበት ምዃና ተዛሪቦም።

በቢዓመቱ ብሚሊዮን ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን እናተሳተፉሉ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር ንዘፈር ግብርና ብምጥንኻር፣ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር፣ ነባሪ ኣየር ንዜጋታት ምቹው ንክኸውን ብምግባር ናይ ዓርሱ ኣበርክቶ እናበርከተ  ይርከብ ኢሎም።

ሓደሽቲ ሓሳባት ምህዞ ብምፍጣር፣ ንውልቃዊ ዘፈር ብምንቅስቓስ ፀገማት ምፍታሕ ከምዘድሊ ኣይተ ኣሕመድ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም