ልዕሊ 28 ሃገራት ዝሳተፋሉ ዓውደ ምርኢት ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ክካየድ ኢዩ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/15/ 2016 /ኢዜአ/ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ካብ 18 ክሳብ 24 መስከረም 2017 . ልዕሊ 28 ሃገራት ዝሳተፋሉ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ዝቐርቡሉ ዓውደ ምርኢት ከምዘካይድ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ዓውደ ምርኢት ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምስ ትካል ምትሕብባር ደቡብ ብምትሕብባር ዝካየድ እንትኸውን፥ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘሰናዳእ ዓውደ ምርኢት (ግሬት ሳውዘርን ፌር ፎር ኢንዶጂነስ ቴክኖሎጂ) ብምድሃብ ንኣምባሳደራት ኣባል ሃገራት መብርሂ ተዋሂቡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ባይሳ በዳዳ (/)ኣብቲ መብርሂ ብምትሕብባር ትካል ምትሕብባር ደቡብን ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝተሰናደአ ምድላው ካብ ዝተፈላለያ ኣባል ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ፈጠራን ቴክኖሎጂን ከምኡ እውን ተመራመርቲ ዝሳተፉሉን ልምዲ ዝለዋወጡሉን መድረኽ ክኸውን ኢዩ ኢሎም።

እቲ ኣውደ ምርኢት ትካላት ምርምር፣ ዩኒቨርስቲታት፣ ውልቀ ተመራመርቲን ካልኦት ክፋላት ማሕበረሰብን ንምዕባለ ሃገሮም ናይ ባዕሎም ንኸበርክቱ ምቹው ኩነታት ዝፈጥር ከምዝኾነ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም