ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢኒሼቲቭ ሓሙሽተ ሚሊዮን ኮሪዶራት ኢትዮጵያ ኣጀሚሮም





 

አዲስ አበባ/ሓምለ/16/2016/ኢዜአ/ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣብይ ኣሕመድ (/) ሓሙሽተ ሚሊዮን ዜጋታት ተጠቀምቲ ስልጠና ዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝኾኑሉ ኢኒስቲትዩት ሓሙሽተ ሚሊዮን ኮሪዶራት ኢትዮጵያ ኣጀሚሮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ ኣብ ሳይንስ ሙዝየም ነቲ ኢኒሼቲቭ እንተጀምሩ ከምዝገለፅዎ፤ ተስፋ ፅባሕ ኢትዮጵያ ዝኾኑ መናእሰይ ነቲ ስልጠና ብፅሞና ብምክትታል ስራሕ ፈጠርቲ፣ ኩባንያ ፈጠርትን ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተወዳዲሮም ዝቑፀሩ ክኾኑ ትፅቢት ይግበረሎም።

እቲ ኢኒሼቲቭ 5 ሚሊዮን ኢትዮጵያውያን ነዚ ዘመን ብዝምጥን ቴክኖሎጂ ተጠቀምቲ ዝገብር ምዃኑ ገሊፆም፤ ነዚ ዓብዪ ዕድል መናእሰይ ብኣግባቡ ብምጥቃም ንኢትዮጵያ ተስፋ ፅባሕ ክኾኑ ኣለዎም ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም