ቐነ ማያዊ ኣካላት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 16/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ባሕርን ውቅያኖስን ግንዛበ ንምፍጣር ዝዓለመ ቐነ ማያዊ ኣካላት ኣፍሪካ(ብሉ ኢኮኖሚ) ኣብ ዋና መቐመጢት ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።

እዚ ̍ሕዳሰ ብሉ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ክውን ምግባር̍ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝኽበር ዘሎ ቐነ ማያዊ ኣካላት ኣፍሪካ፤ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ፣ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን መሓዙት ኣካላትን ዘዳለውዎ እዩ።

ቐነ ማያዊ ኣካላት ኣፍሪካ ዝምልከት እውን ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ፤ ኮሚሽነር ግብርና፣ልምዓት ገጠር፣ብሉ ኢኮኖሚን ዘላቒ ከባብዊ ኣየርን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ጆሴፋ ሳኮ፣ምክትል ሚኒስትር ዓለም ለኸ ልምዓት ኖርዌይ ቦርግ ሳንድካየር፣ ኣመራርሓ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ፣ተወከልቲ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት፣ተዋሳእቲ እቲ ዓውድን መሓዙት ኣካላትን ተሳቲፎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም