ብምትሕብባር ንዘላቒ ሰላም እናሰራሕና፤ ናብ ወለዶ ዝሻገር ኣሰርና እናንበርና ኢና-ነበርቲ ከተማ ማይፀብሪ




 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /16/2016 (ኢዜኣ) ብምትሕብባር ንዘላቒ ሰላም ካብ ምስራሕ ብተወሳኺ ንሃገር ዝጠቅምን ናብ ወለዶ ዝሻገርን ሓምለዋ ኣሰሮም እናንበሩ ምዃኖም ነበርቲ ከተማ ማይፀብሪ ገሊፆም።

ነበርቲ ከተማ ማይፀብርን ከባቢኡን ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፈልሲ ብምትካል ኣሰሮም ኣንቢሮም።

ኣብዚ መርሃ ግብሪ ካብ ዝተሳተፉ ኢዜኣ ዘዘራረቦም ነበርቲ፤ ̍ሰላምና ተመሊሱ ናብ ስራሕቲ ልምዓት ብምምላስና ተሓጒስና ኢና̍ ኢሎም።

መሰረት ኩሉ ሰላም ምዃኑ ብምሕባር፤ ቅድሚ ሕዚ ኣብቲ ከባቢ ተፈጢሩ ብዝነበረ ጎንፂ ብብዙሕ መልክዑ ጎዲኡና ፀኒሑ እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ኩሉ ንሰላም ዘለዎ ቆራፅነት ብተግባር ብምርኣይ ብሓድነት ንልምዓቶም እናሰርሑ ምዃኖም ተዛሪቦም።

ሎሚ መዓልቲ እውን ብምትሕብባር ንዘላቒ ሰላም ካብ ምስራሕ ብተወሳኺ ንሃገር ዝጠቅምን ናብ ወለዶ ዝሻገርን ሓምለዋይ ኣሰሮም ከምዘንበሩ እቶም ነበርቲ ገሊፆም።

ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ብምስታፎም ሓጎስ ከምዝተሰምዖም ብምግላፅ፤ ንቀፃሊ ወለዶ ኣሰር ታሪኾም ዘቕምጥሉ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።

መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ሃፍቲ እንሰሳት እቲ ከተማ ዶክተር ሞገስ ኣቦሃይ፤ እቲ ኲናት ብዙሕ ዋጋ ከምዘኽፈለ ብምዝኽኻር ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሙሉእ ዓቕሚ ናብ ልምዓት ስለዝተኣተወ ኩሉ ሕጉስ ምዃኑ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም