ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ንምኽባር ብሄራዊ ረብሐአን ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ክድግፋ ኣለወን ተባሂሉ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/16/ 2016 /ኢዜአ/ ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ንምኽባር ብሄራዊ ረብሐአን ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ክድግፋ ኣለወን ክብሉ ዴይሊ ሳባህ ዜና ቱርኪ ገሊፁ።

እቲ ፍልፍል ዜና ኣብ ዝሓቦ ሓበሬታ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፀቕጢ  ለውጢ ከባብያዊ አየር ንምፅዋር ዝገብሮ ዘሎ ኣስተዋፅኦ ልዑል ምዃኑ ሓቢሩ።

ሰብ ሞያ ሓለዋ ከባቢ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብብርኪ ዓለም ዝረአ ዘሎ ለውጢ ከባብያዊ አየር  ንዝቕፅሉ 10 ዓማውቲ ክፀንሕ ይኽእል ኢሉ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ማዕቐፍ ክሌማዊ ለውጢ ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ብምኽኒያት ደቂ ሰባት ዝፍጠር ከምዝኾነ ዝገልፅ እንትኸውን፥ እዚ እውን ለውጢ ከባብያዊ አየር  ዓለም ዝቕይር ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ተደጋጋሚ ለውጢ ከባብያዊ አየር ምፍጣሩ ንምድርን ኣብ ውሽጣ እውን ንዝሓዘቶም ደቂ ሰባት ከቢድ ፈተና ኢዩ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ክሌማዊ ለውጢ ህልውና ደቂ ሰባት ዝፍትን ብምዃኑ ስግኣት ዓለም ምዃኑ እቲ ፀብፃብ ገሊፁ።

ካብ 1980 .. ጀሚሩ ዓለም ዝኸፍአ ኩነታት ኣየር፣ ተደጋጋሚን ከቢድን ማዕበል ሙቐት፣ በረኻነት፣ ምዕልቕላቕ ውሑጅ፣ ምምንማን ብዝሃ ህይወት፣ ምጉሕጓሕ መሬት ወዘተ ብዙሓት ፈተናታት ብሰንኪ ለውጢ ከባብያዊ አየር ዝመፅአ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ንምኽባር ብሄራዊ ረብሐአን ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ክድግፋ ኣለወን ተባሂሉ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም