ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም መሬት ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 229 በጺሑ

 

አዲስ አበባ/ሓምለ/17/2016/ኢዜአ/ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም መሬት ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 229 ከም ዝበጽሐ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ኣፍሊጦም።

እዚ ክልተ ሓደጋታት፡ ብሰንበት ኣጋምሸትን ሰኑይ ንግሆን፡ ኣብ ከባቢ ዞባ ጐፋ ብዝሃረመ ከቢድ ዝናብ ዝስዓቡ እዮም ተባሂሉ።

ኣብቲ ቦታ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ተኣኪቦም በቲ ዝሃመመ መሬት ተቐቢሮም ክዀኑ ዝኽእሉ ሰባት እናደለዩ ዘርእዩ ምስሊታትውን ወጺኦም ኣለው።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጐፋ ምስክር ምትኩ፡ እቶም ግዳያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናትን ፖሊስን ከም ዝርከብዎም ሓቢሩ።

“[ብሰንበት] ብርቱዕ ዝናብ ነይሩ፤ በቲ ምህማም መሬት ድማ ሰባት ሞይቶም ኣለውክብል ወሃቢ ቃል እታ ዞባ ካሳሁን ኣባይነህ ተዛሪቡ።

መስርሕ ምድሓንን ምድላይን ይቕጸል ከምዘሎ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ዛጊድ ብዝተረኽበ አስከሬን ግዳያት፡ ልዕሊ 81 ደቂ ኣንስትዮን ልዕሊ 148 ከኣ ደቂ ተባዕትዮን ምዃኑ ከምዝተለለየ ሰበስልጣን ሓቢሮም ኣለዉ።

ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ናይ ምድላይ ስርሓትይቕጽልእኳ እንተሃለወ፡ "ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ግን ክውስኽ ይኽእልክብሉ ሰብ መዚ ብተወሳኺ ኣመልኪቶም።

 “ንግሆ [ብሰኑይ] ፖሊስን ነበርትን ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ንግዳያት ከድሕኑ ይጽዕሩ ነይሮም። ሽዑ እቲ ካልኣይ ሓደጋ ኣጋጢሙ። እቶም ኣብኡ ዝተኣከቡ ሰባት ከኣ ሞይቶም

ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ሓደ ካብቶም ብኸቢድ ዝናብን ሓደጋ ውሑጅን ዝጥቅዑ ዘለው ከባቢታት ከም ዝዀነ ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ] የመልክት።

ቅድም ኢሉውን ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብተመሳሳሊ ሓደጋታት ክህሰዩ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ።

2016 [.] ኣብ ከባቢታት ደቡብ እታ ሃገር ብዝሃረመ ከቢድ ዝናብ ኣስታት 50 ሰባት ዝቐተለ ውሑጅን ምህማም መሬትን ኣጋጢሙ ነይሩ።

ሓደጋ ውሑጅ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝመጽእ ኰይኑ፡ ለውጢ ከባብያዊ አየር ኣዝዩ ብርቱዕ ዝናብ ክስዕብ ከም ዝገብር ይፍለጥ።

ካብ ኢንዳስትሪያላዊ ዘመን ኣትሒዙ ዋዒ ዓለም 1.2 ዲግሪ ሴልሽየስ እዩ ዝውስኽ ዘሎ።

መንግስታት ልቀት ንምንካይ ስጕምታት እንተዘይወሲዶም ከኣ ክውስኽ ከም ዝኽእል ክኢላታት የጠንቅቑ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም