መተግበሪ ሞባይል ተሳትፎ ዜጋታት ስራሕቲ ፖሊስ ካብ ምቕላል ብተወሳኺ ዜጋታት ቕልጡፍን ትኽክለኛን ውሳነ ንክረኽቡ ኣኽኢሉ


 

አዲስ አበባ/ሓምለ/17/2016/ኢዜአ/ መተግበሪ ሞባይል ተሳትፎ ዜጋታት (EFPapp) ፖሊስ ዝሰርሖም ስራሕቲ ካብ ምቕላል ብተወሳኺ ገበን ዝተፈፀሞም ዜጋታት ቕልጡፍን ትኽክለኛን ውሳነ ንክረኽቡ ከምዘኽአለ ፌደራል ፖሊስ ኣፍሊጡ።

እቲ መተግበሪ ናብ ግልጋሎት ካብ ዝኣትው ጀሚሩ ዛጊድ ሓደ ሽሕን 452 ጥቆማታት ገበን ቐሪቦም።

ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ መተግበሪ ተሳትፎ ዜጋታት (EFPapp) ብምጥቃም ንዝተረኸቡ ፍፃመታት ገበን ብዝምልከት ንጋዜጠኛታት መግለፂ ሂቡ።

ነቲ መግለፂ ዝሃቡ ሓላፊ መምርሒ መስፋሕፍሒ ቴክኖሎጂ ፌደራል ፖሊስ ኮማንደር ደምሴይ ይልማ ከምዝገለፅዎ፤ እቲ መተግበሪ ፖሊስ ዝሰርሖም ስራሕቲ ካብ ምቕላል ብተወሳኺ ዜጋታት ቕልጡፍን ትኽክለኛን ውሳነ ንክረኽቡ ኣኽኢሉ።

ፌደራል ፖሊስ ገበን ብሓባር ንምክልኻል ዘኽእል መተግበሪ ሞባይል ተሳትፎ ዜጋታት ዕላዊ ምግባሩ ዝዝከር 'ዩ።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም