ገዘፍ ሰፖርታዊ ምንቐስቓስ ፀወታታት ፓሪስ ኦሊምፒክ ሎሚ ብዐሊ ክጅመር እዩ




 

አዲስ አበባ/ ሓምለ/ 19/2016(ኢዜአ) መበል 33ገዘፍ ሰፖርታዊ ምንቐስቓስ ፀወታታት ፓሪስ ኦሊምፒክ ሎሚ ብዐሊ ክጅመር እዩ።

ናይ ሎሚ ዘመን መኸፈቲ  ስነ ስርዓት ፀወታ ኦሎምፒክ አብ ታሪኸ ውድድር ንመጀመርታ ግዘ ካብ ስታዲዮም ወፃኢ አብ ዋሓዚ ሩባ ክግበር እዩ ።

አብ ፀወታታት ኦሎምፒክ ካብ 203 ሃገራት ዝተወፃፅኡ 10 ሽሕን 500 አትሌታት ብ32 ዓይነታት ስፖርት ከም ዝወዳደሩ ዓለም ለኸ መረዳእታ ኮሚቴ ኦሎምፒክ የመላኸት።

ካብ እዘን ዝተፀርሓ ሃገራት ብተወሳኺ አብ ትሕቲ ፅላል ኮሚቴ ኦሎምፒክ ብሕታውያን  አትሌታትን ጉጅለ ስደተኛታት ኦሎምፒክን ክሳተፉ እዮም።

ብአቆፃፅራ ሳዓት ኢትዮጵያ ሎሚ ምሸት ካብ 2 ሳዓት 30 ጀሚሩ ክካየድ እዩ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም