ኣብ መናእሰይ ዘሎ ስእነት  ስራሕን ዘይሕጋዊ ስደትን ንምትራፍ ንሰርሕ ኣለና-ሌ/ጀ ፃድቃን ገብረትንሳኤ


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/20/ 2016 /ኢዜአ/ ኣብ መናእሰይ ክልል ትግራይ ኣንፃላልዮ ዘሎ ስእነት  ስራሕን ዘይሕጋዊ ስደትን ንምፍታሕ ዘድሃበ መድረክ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳርን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ዴሞክራታይዜሽንን ዘይምእኹል ምሕደራን ክልል ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልልን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣካላትን ተረኺቦም።

/ ፃድቃን ገብረትንሳኤ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ መናእሰይ ኣንፀላሊዩ ዘሎ ፀገም ሰእነት ሰራሕ፣ ምቅላዕ ንመዐወኒ ዕፃትን ዘይሕጋዊ ስደትን ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዘኽእል ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

እቶም ፀገማት ንምፍታሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝላዓለ ጠመተ ብምሃብ ይሰርሐሉ ከምዘሎ እውን ኣረዲኦም።

ኣብቲ መድረኽ፥ ነቶም ዝተነፀሩ ፀገማት መናእስይ ዝፈትሑ መፅናዕታዊ ፅሑፍት ቀሪቦም ይዝተየሎም ከምዘሎ ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም