መበል 13 ሃገራዊ ጉባኤ ትምህርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ



 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 20/2016 (ኢዜኣ) መበል 13 ሃገራዊ ጉባኤ ትምህርቲ መንግስታዊ ዩኒቨርሲቲታት ̎ዲጂታል ቴክኖሎጂ ንላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘለዎ ዕድል̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

ኣብቲ ጉባኤ፤ ፕሬዚዳንትታት መንግስታዊ ዩኒቨርሲቲታት፣ሓለፍቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ውልቀ፣ሓለፍቲ ሚኒስቴር ትምህርትን ተዋሳእቲ እቲ ዓውድን ተረኺቦም።

ኣብቲ  ̎ዲጂታል ቴክኖሎጂ ንላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘለዎ ዕድል̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ፤ ኣብ ዕድላትን ፈተናታትን ቴክኖሎጂ ዝጠመቱ ፅሑፋት ቀሪቦም ከምዝዝተየሎም ተገሊፁ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኮራ ጡሽኔ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምኽፋት እቲ ጉባኤ ከምዝበልዎ፤ ቴክኖሎጂ ፅሬት ትምህርቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንምርግጋፅን ፀገም ዝፈትሑ መፅናዕትታትን ምርምራትን ንምክያድን ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ሪፎርም ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ።

ብተወሳኺ እውን ዲጂታል ቴክኖሎጂ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝተቐመጡ ዓለም ለኸ ሽቶታትን ዝሳለጡ ዘለዉ ሪፎርማትን ንምዕዋት ልዑል እጃም ከምዘለዎ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም