"ይቕሬታ ፍቕረይ! ኣዝየ ይቕሬታ"

 

አዲስ አበባ/ሓምለ/22/2016/ኢዜአ/ኢጣልያዊ ኣትለት ዝላ ጂያንማርኮ ታምቤሪ፡ ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኦሎምፒክ ፓሪስ ቀለበት መርዓኡ ድሕሪ ምጥፋኣ ንበዓልቲ ቤቱ ብወግዒ ይቕሬታ ሓቲቱ።

እዚ ወዲ 32 ዓመት ሻምፕዮን ዓለም፡ እታ ኣትሌታት ዝጸዓነት ጃልባ ብሩባ ሴን ትወርድ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ባንዴራ ሃገሩ እናምበልበለ እንተሎ እያ ቀለበቱ ካብ ኣጻብዕቱ ሞሊቓቶ።

"ይቕሬታ ፍቕረይ! ኣዝየ ይቕሬታ" ክብል እውን በዓልቲ ቤቱ ቺያራ ቦንተምፒ ታምቤሪ ይቕረታ ክትገብረሉ ኣብ ኢንስታግራም ብወግሒ ሓቲቱ።

እቲ ኣትሌት ነቲ ዘጋጠመ ምጥፋእ ቀለበቱ፡ ኣብ ሰብነቱ "ብዙሕ ኪሎ ምጉዳሉ"ዘይሓላፍነታዊ ስምዒታውነት ከም ምኽንያት ኣቐምጡ።

"ክኸውን እንተኾይኑ፤ ነዛ ቀለበት ክስእና እንተኾይነ ካብዚ ዝሓሸ ካልእ ቦታ ክሓስብ ኣይክእልን እየ" ክብል ዝጸሓፈ እቲ ኣትሌት፡ ሕዚ እታ ቀለበት "ንዘልኣለም ኣብ ሩባ እታ ናይ ፍቕሪ ከተማ ክትነብር እያ" ኢሉ።

ቀለበት በዓልቲ ገዝኡ ቺያራ'ውን ኣብቲ ሩባ ክድርብይዋ ሓሳብ ከምዘቕረበ ተገሊጹሎ።

"[ድሕሪኡ] ንዘልኣለም ብሓባር ክነብራ እየን። ቃልና ኣሐዲስና ዳግማይ ክንምርዖ ድማ ሓደ ተወሳኺ መመኽነይታ ክህልወና'" ክብል ገሊጹ።

ቺያራ ኣብ ትሕቲ እቲ በዓልቤታ ዝጸሓፎ ይቕሬታ "ነዚ ክስተት ናብ ፍቕራዊ ኵነታት ክትቅይሮ እትኽእል ንስኻ ጥራይ ኢኻ" ክትብል መልሲ ኣስፊራ።

እዞም መጻምዲ ኣብ መስከረም 2022 መርዓ ድሕሪ ምፍጻሞም ኣብ ሓዳር ይርከቡ።

ታምቤሪ ምስታ ሰለስተ ግዜ ተዓዋቲት መዳልያ ኦሎምፒክ ዝኾነት ኣርያና ኤሪጎ ባንዴራ ኢጣልያ እናምበልበለ እንከሎ እዩ ቀለበቱ ወዲቓ ኣብቲ ሩባ ዝተሰወረት።

ንሱ ኣብ ጸወታታት ቶክዮ 2020 ቀልቢ ማዕከናት ዜና ዝሰሓበሉ ምኽንያት፡ ምስ ቀጠራዊ ሙታዝ ኤሳ ባርሺም ናይ ብራኸ ዝላ ወርቂ መዳልያ ብሓባር ድሕሪ ምምቓሉ እዩ ነይሩ።

ካብ 2011 ጀሚሩ ከኣ ኣብ እዋን ውድድራት ፍርቂ ዝተላጽየ ቅዲ ጭሕሙ ከም "መፍለዪ ምልክት" ብምግባሩ'ውን ኣቓልቦ ዝሰሓበ ኣትሌት ክኸውን ክኢሉ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም