ሉሲ ንሃገርና ሓድጊን ቱሪዝምን መስሐቢት ሃፍቲ ኢያ፡፡ ብምዃኑ ድማ ሓበራዊ ሃፍትና ንዝኾነ ዓውዲ ቱሪዝም ተሓባቢርና ክንሰርሕ ይግበአና” - ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ



 

አዲስ አበባ/ሓምለ/22/2016/ኢዜአ/ ንሕና ኢትዮጵያውያን ንሉሲ ድንቅነሽ እልና ንፅወዓ፡፡ ዓፋራት  ድማ ብቛንቋኦም ‹‹ሄሎመሊ›› ይብሉዋ፡፡ ትርጉሙ ድማ መዘና ዘይብላ ቆንጆ ማለት ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም

ሎሚ መዓልቲ ቅሪተ ኣካል ሉሲ ዝተረኸበሉ መበል 50 ዓመት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተሰናደአ መርሃ ግብሪ ተረኺብና፡፡

ሉሲ ንሃገርና ሓድጊን ቱሪዝምን መስሐቢት ሃፍቲ ኢያ፡፡ ብምዃኑ ድማ ሓበራዊ ሃፍትና ንዝኾነ ዓውዲ ቱሪዝም ተሓባቢርና ክንሰርሕ ይግበአና፡፡ ክብሉ እውን መልእኸቶም አማሓላሊፎም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም