ፈልሲ ምትካል ሃገር ናይ ምፅናዕን ንወለዶ ሃፍቲ ናይ ምውራስን ስራሕ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ




 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /23/2016 (ኢዜኣ) ፈልሲ ምትካል ሃገር ናይ ምፅናዕን ንወለዶ ሃፍቲ ናይ ምውራስን ስራሕ ምዃኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (/) ካልኦት ኣመራርሓን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝረኸበትሉ ስራሕ እዩ።

ኣብዚ ዓመት 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልስታት ንምትካል ብምትላም ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 5 ነጥቢ 4 ቢልዮን ፈልስታት ከምዝተተኸሉ ተዛሪቦም።

እቲ ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሃምለዋይ ኣሰር ንሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ቱሪዝም፣ምግብነትን ካልኦት ኣገልግሎታትን ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎ ገሊፆም።

ስለዝኾነ እውን ፈልሲ ምትካል ሃገር ናይ ምፅናዕን ንወለዶ ሃፍቲ ናይ ምውራስን ስራሕ ስለዝኾነ ብቐፃልነት ምትካልን ምክንኻንን ይግባእ ኢሎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፤ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝነኣድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከምዝተሳለጠ ሓቢሮም።

ኣብዚ ዓመት እውን ክሳብ ሕዚ ብርክት ዝበሉ ፈልስታት ከምዝተተኸሉ ብምሕባር፤ ኣብቲ ልምዓት እቲ ህዝቢ ንቑሕ ተሳትፎ ስለዝገበረ ልዑል ውፅኢት እናተረኸበ እዩ ኢሎም።

ከንቲባ ከተማ ቢሾፍቱ ኣለማየሁ ኣሰፋ ብግደኦም፤ ፅባቐ እታ ከተማ ንምሕላውን መባፅሒ ቱሪዝም ንምግባርን ዝተፈላለዩ ስራኽቲ ልምዓት እናተሳለጡ ምዃኖም ኣረዲኦም።

ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት እውን 8 ነጥቢ 4 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል ተተሊሙ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም