ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ጥዕናን ተፀዋዕቲ ትካላትን ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም


 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /23/2016 (ኢዜኣ) ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ጥዕናን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ ኮምፕርሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ኣለርት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣሳሊጦም።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሚኒስቴር ጥዕናን ተፀዋዕቲ ትካላትን ብምትሕብባር 500 ሽሕ ፈልስታት ንምትካል ተተሊሙ ናብ ስራሕ ተኣትዩ እዩ።

ሎሚ መዓልቲ እውን 20 ሽሕ ፈልስታት እናተተኸሉ ምዃኖም ብምሕባር፤ እቶም ፈልስታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘብፅሖ ኣሉታዊ ፅልዋ ንምክልኻል ከምኡ እውን ንኣገልግሎት ምግብን ሃገር ቦቆል ሕክምናን ከምዝውዕሉ ተዛሪበን።

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምችው ከባቢ ብምፍጣር ሕማም ቀዲምካ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ እቲ ህዝቢ ፈልስታት ብምትካልን ብምክንኻንን ዝገብሮ ዘሎ ዘሎ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ ኣተሓሳሲበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም